S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸሊም ታሪኽ ሰብስልጣን-ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ክርስትና

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኻ ካብ ስደትን ፈተናን ዘዕረፈትሉ ዘመን ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን እዩ። ከመይሲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓለም ነዓይ ኣይተቐበለትንን እሞ፣ ንኣኻትኩምውን ኣይትቐበለኩምን እያ፣ ክብል ብቅዱስ ቃሉ ነጊሩና ስለ ዘሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ዓለማውያን ነገስታትን መራሕትን፣ ደም ንጹሃት ክርስቲያናት እናኣፍሰሱ፣ 2000 ዓመት ጸኒሖምን ይቕጽሉዉን ኣለዉ። በብጊዚኡ ንሳቶም ክሓልፉ እንከለዉ፣ እታ ብደም ክርስቶስ ዝተሠረተት ቤተ ክርስቲያን ግን ገና ትቕጽል ኣላ እኳድኣ በርቲዓ።

ኣቶ ናይዝጊ ድማ ሓደ ካብዞም ደም ንጹሃት ክርስቲያናት ብፍሉይ ድማ ኦርቶዶክሳውያን ብዋንጫ ቁጥዓ ሰትዩ ዝሰኸረ፣ ጸረኣምላኽ ብኣምሳል ሰብ ዝተፈጠረ ኣደራዕ ኣመንቲ ክርስትና እዩ። ናይዝጊ ኣብ ቀጽሪ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣትዩ ከም ሓደ ክርስትያን ጸሎተ ፍትሓት ኪግበረሉን ኪጽለየሉን ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓቂ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኢላ ክትምስክረሉን፣ ፈጺሙ ኣይግብኦን ናይዝጊ ከሓዲ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነስ መጥፍኢ ኣመንቲ ኣምላኽ እዩ። ብመጠን ትሪ ልቡ ድማ ክሳብ ዕለት ሞቱ ንስሓ ዝኣተዎን ዝተጣዕሰሉን ነገር የለን።

ናይዝጊ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ሃይማኖት ዝነበሮ ርድኢት ዘይፈልጦ እኳ እንተ ኾንኩ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ካብታ ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ምኽትል ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፤ ጉዳያት ጸጥታ፡ ኢሚግሬሽንን ሓላፊ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ኮይኑ ሥልጣን ካብ ዝሓዘላ እዋን ግን ስር ኢሉ ኣብ ሕቖ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እዩ ተሓዚሉ፣ ሕማም መንድዓት ዝኾና። ዝነበሮ ሓላፊ ሃይማኖት ብምዃን ድማ ንቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ሱር ነቀል ዕንወት እዩ ምሂዙላ። ቤተ ክርስቲያን ካብ በዓል ኔሮን ድዮቅልጥያኖስ፣ ትራጃን ፈልያ ዘይትርእዮ፣ ክርስትና ከጥፍእ ንርእሱ ዝጠፍአ ገበነኛ ኣምላኽ እዩ። ርኹስ ተግባራቱ ዘርዚርካ ዘይውዳእ እኳ እንተ ኾነ፣ ካብ ባሕሪ ብማንካ ናይቲ ሓደገኛ ውዲቱ ሒደት ክጠቅስ።

1. ኣብ 1991 ናይቲ እዋን ዋና ጸሓፊ፣ ናይ ሕጂ ፕረሲደትን ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ጊዚያዊ ሲኖዶስ ክቐውም ምስ ኣዘዘ፣ ነቲ ዝቖመ ጊዚያዊ ሲኖዶስ ብቐረባ ተኸታታሊኡ ናይዝጊ እዩ ኮይኑ። ከምውጽኢት ናይዚ ድማ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ዋና ጸሓፊ ጊዚያዊ ሲኖዶስ ኮይኑ ዝተመርጸ፣ ናይ ሕጂ ናይ ኣሥመራ ሃገረ ስብከት ሊቀ ካህናት ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ፣ ብቐጥታ ናይ ውሽጣዊ ጉዳያት ሰላዪን ዝተገብረ ኩሉ ናብ ናይዝጊ ሪፖርት ከቕርብን ኣዝዩ ጥቡቕ ዝኾነ ርክብ መሥረተ ኣብ ውሽጢ ሕመረት ቤተ ክርስቲያን ሓደገኛ ሰላዪ ፈጢሩ ምሉእ ብምሉእ ንቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣብ ምሉእ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ኣውደቓ። ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ ነቲ ሽዑ ዝረኸቦ ሞገስ እንጌራኡ በሲላትሉ፣ ክሳብ ሕጂ ካብ ዮፍታሄን ቀሺ ሃብቶምን ዘይትሕት ተፈራሕነትን ህቡብነትን ዘለዎ ሰብ እዩ፣ ኣብ ምእሳር ናይ ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ በርሀ፣ ቀሺ ገብረመድኅን ገብረጊዮርጊስ ቀሺ ዶር ፍጹም ገብረንጉሥን ቀሺ ዶር ተኽለኣብ መንግሥተኣብን ዝለዓለ ኢድ ዘለዎ ብደም ዝሕተት ሰብ እዩ።

2. ናይዝጊ ኣብ 1994 ኣብ መንጎ ጳጳሳት ንሓድሕዶም ከም ዝተፋነኑ ብምግባር ኣብቲ እዋን ዝነበሩ 3 ጳጳሳት ኣቡነ ፊልጶስ ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ያዕቆብን፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ገፊሕ ዝኾነ ምፍልላይ ከም ዝፍጠርን ንናይዝጊ ዘይተኣዘዘ ካብ መንግስቲ ባጀት ከም ዘይምደቦን፣ ምስናይ ምፍርራሁን ጸርፉን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ዕንወታ ሰርሐ፣ ንኣቡነ ያዕቆብን ኣቡነ መቃርዮስን ካብ ስራሕ ኣደስኪሉ ኣብ ገዝኦም ከም ዝዕጸዉ ብምግባር፣ ኩሉ ስራሕ ነቶም ኣብቲ እዋንቲ ወዲ 95 ዓመት ዝነበሩ ኣቡነ ፊልጶስ ክመሓደር ገበረ ነዚ ድማ ኩሉ ብኢድ እቲ ኣባል ስልያኡ ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ ከም ዝካየድ ገበሮ።

3. ኣብ 1995, ንዝተሾሙ ጳጳሳት ዕድሜኦምን ኩነታቶም ገምጊሙ፣ ካብቲ ዝበሎ ቃልመንግስቲ ሓደሽቲ መካይን፣ ገዛ፣ መራሒ መኪና፣ ዋርድያ ናይ ገዛ ናይ ዝገሽኩሙሉ ኣበል ብላዕሊ፣ ናይ ነዳዲ ብላዕሊ፣ ደሞዝኩም 1800 ብር ኣብቲ እዋን እቲ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ እዩ። በዚ መጋየጺ እዚ ዝተሓጎሱ ስሞም ምጥቃስ ኣየድልን ሓደ ካብቶም ሓደሽቲ ዝተሾሙ ጳጳሳትእዚ መንግስቲ እዚ ዳግማይ ቆስጠንጢኖስ እዩ። ንሕና ድማ መንግሥትና ዝኣዘዘና ኣብ ኩሉ እዙዛት ኮይና ከነገልግል ኢና ሃገር ከይትጠፍእ፣ ከይትደኽሙና ንስኻን ኢሳይያስን ስራሕ ተጽዕቑ ኣሎኹም።ክብሉ ናይግዙእነቶም ቃል ኣስምዑ። እዚ ድማ እቲ ጐይታሰብ ንኽልተ ጎይቶት ኪግዛእ ኣይከኣሎን እዩዚበሎ ብግልጺ ግዝኣቶም ነቲ ካልኣይ ጎይታ ዘነጸሩሉ ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ዘበን ነበረ።

4. ኣብቲ እዋን ናይ ሕጂ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ናይ ዮፍታሄ ፓትርያርክ ኣባ ዲዮስቆሮስ፣ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ቀሺ ገብረመድኅን ገብረ ጊዮርጊስ፣ ናይ ምምሕዳር ስራሕ ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ፣ ንናይዝጊ ለሚኖምን ኣፍትዮምን፣ ገለ ክእለት ዘለዎም ካህናትን ዲያቆናትን ምሁራት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስራሕ ክምደቡ፣ ልማኖ ኣቕረቡ ናይ ኣጋጣሚ ኮይኑ ድማ፣ ሕራይ ስለ ዝበሎም። እቶም ደሓን ናይ ቤተ ክርስቲያን መንቋሕቋሕታ ዘለዎም ዝበሃሉ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ከካብ ዘለውዎ ቦታን ስራሕን ተጸዊዖም መጽኡ።

ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ መምህር ዓምደብርሃን ገብረማርያም ዮፍታሄ ወጊዙ ዝሰጎጎም ሕጂ ብሕይወት ዘየለዉ።

ዋና ጸሓፊ መንበረ ፓትርያርክ ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ በርሀ፣ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ።

ናይ ሕግን ሥርዓትን ሓላፊ መርጌታ ተወልደ መድኅን መንግስቱ፣ ብዮፍታሄ ተስጒጎም ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ዝርከቡ።

ናይ ወጻኢ ርክባትን ዝምድናታትን ጸሓፊ ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስ ካብ ኢድ ናይዝጊ ኣምሊጡ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝርከብ። ብምዃን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ደሓን ዝኾነ ምንቅስቓስ ተጀመረ። እንተኾነ ናይዝጊ እዚ ዕቤት እዚ ኣዝዩ ስለ ዘሻቐሎ በቲ ዝተፈጸመ ናይ ስራሕ መደብ ተጣዕሰ። ቀሺ ሳሙኤልውን ካብቲ ናይ ሲኖዶስ ጸሓፍነት ዘይሓልፍ ሥልጣኑ ክድረት ጀመረ።

ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብናታ መምርሒ ክትከይድ ንናይዚጊ ናይ ሞትን ሕይወትን ጉዳይ እዩ። ድሕሪ እዚ ድማ እዩ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ውዲት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝተማህዘ። ናይዝጊን መሰልቱን ንደምበ ተዋሕዶ ሓማሴንን ኣከለጉዛይን ዝብል ተኣፋፊ ምክፍፋል ኣእተውሉ፣ እዚ ፈተና እዚ ዋላ ነቶም ብዙኅ ትጽቢት ዝተገብረሎም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብቐሊሉ ዘይስገር ፈተና ኮኖም።

በዚ ድማ ደገፍቲ ኣቡነ ፊልጶስ ዝኾኑ ብስም ኣከለጉዛይ ዝጽውዑ ሓደ ደምበ፣ ደገፍቲ ኣቡነ ያዕቆብ ዝጽውዑ ብስም ሓማሴን ካልኣይ ደምበ። ኣብዚ ፈተና እዚ ብጀካ ሓደ ጳጳስ ኩሉ ሰንከልከል ክብል እዩ ተራእዩ። ዋላ እቶም ከም ኣቦን ውሉድን ዝፋተዉን ዝቀራረቡን እውን ተረጋጊጾም ኣብ ዝሓልፉሉ ደረጃ እዩ ተበጺሑ። ናይዝጊን ናይ ውሽጢ ሰላይኡ ቀሺ ሳሙኤልን ግን ዓላማኦም ሠመረሎም።

ኣብ ቀዳማይ ደምበ ኣቡነ ቄርሎስ፣ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ኣቡነ ዮሓንስ፣ ኣቡነ ሰላማ፣ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ መምህር ዓምደብርሃን ገብረማርያም፣ ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ በርሀ፣ ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስ፣ መርጌታ ተወልደመድህን መንግስቱ፣ ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ።

ኣብቲ ካልኣይ ደምበ፣ መምህር ተወልደብርሃን ዓምደመስቀል ቀሺ ተኽለማርያም ምርካጽዮን፣ ቀሺ ገብረመድኅን ገብረጊዮርጊስ፣ ምእመናን ናይ ሲኖዶስ ኣባላት ብጀካ ቀኛዝማች ኣስፋሃ ካሕሳይ ኩሎም፣ ቀሺ ማርቆስ፣ መርጌታ ጸጋይ፣ ቀሺ ባህታ፣ ቀሺ ግርማይ፣ ኣቶ ይስሓቕ ዮሴፍ ሓላፊ ክፍሊ ረድኤት ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ፣ መጋቤ ሥርዓት ቀሺ ሉቃስ ገብረሚካኤል። ብምዃን ከቢድ ምትፍናን ተፈጥረ።

ኣብ ማእከል ዘረባ ዘቀባብሉ ደቂ ሞንጎ ድማ ተፈጥሩ። ኣቡነ ማርቆስ፣ ቀሺ ኤፍሬም ግርማይ፣ መርጌታ ኣፈወርቂ ተስፋጽዮን፣ ኣባ ተኽለኣብ ሓጎስ ኣባ ማህጸንተ ኣማኑኤል (ሕጂ ኣባ ሲኖዳ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ) ቀሺ ፍጹም ተስፋይ፣ ቀሺ ኢሳይያስ መሓሪ ብምዃን ነገር ዘምበድብዱን ዘላኽዑን ተፈጥሩ።በዓል ወይ ክረምቲ ክሳብ ዘፍልጥ ኣብ ዓሚቕ ጽመድዝብል ርእሶም ዝቐበሩውን ነይሮም እዮም። ካልኦትውን በትሪ ሒዞም ቱፍ ቱፍ እናበሉ ዝኸዱን በዓል ኣባ ተስፋልደት። ወረቐት ጸሓፉልና ኢሎም ለይቲ ምስ መዓልቲ ናብ ክፍሊ ጸጥታ ዝጎዩ ከም በዓል ኣቶ ሓጎስ ተስፋጽዮን መራሕ መኪናውን ነይሮም እዮም።

ናይዝጊ ክፍሉ ቅጫኡ በሲላትሉ ሰላዪ ቀሺ ሳሙኤል መእተዊ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ረኸበ። ዝደልዮ ኮይኑ፣ ኣብ ክንዲ ናብ ዕቤት ቤተ ክርስቲያንን ምጥርናፍ ሕዝብን ኣብ ንሕድሕድካ ምፍኽኻርን ምትህልላኽን ወርቃዊ ጊዜ ብኸንቱ ባኸነ።

ነዚ መሳርሒ ዝጠቕሞ ድማ ኣብ ትሕቲ ናይዝጊ ዝምራሕ ደራጎን ሃይለመለኮት ዘማእክሎ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዚብል ሓደ ትካል ተመሥረተ። ደራጎን ምንም ኣፈፍ ዘይብሉ ከም ንቖልዓ ችቸቶ ሂብካ ተዕሽዎ፣ ንግደታት እናወሰድካ ኣረቅን ዊስክን እንተ ቐሪብካሉን፣ ወዲ ጎይታይ እንተኢልካዮ፣ እኹል እዩ፣ ብኣራዳድኣ ደራጎን ኤርትራ ማለት ካብ ጸዓዘጋን ሃዘጋን ክሳብ ኣስመራ እንተ ኸደት ድማ ሓማሴን ተጠቓልል እምበር ብናይ ደራጎን ሓንጎል ኩሉ ትግራዋይ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ኣከለጉዛይ ግሉጽ ዝኾነ ጽልኢ ዝነበሮ ዓጋመ ዚብል መቐጸልታ ስም እዩ ዝጽውዖም። ካብ ዝገርም ግን ብእንዳ እኖኡ ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ትግራይ ንደራጎን ትቐርቦ።

እዚ ክልተ ጉጅለ እዚ እቲ ሓደ ብቐጥታ ምስ ናይዝጊ ዝራኸብ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ምስ ደራጎን እዩ ዝራኸብ። ንናይዝጊ ንተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንምቁጽጻራ ዝቐለለ መገዲ ኮነሉ።

እቲ ቀዳማይ ጉጅለ ጳጳሳት ዝሓዘ ብምዃኑ ዝያዳ ናይ ሓይሊ ብልጫ ኣርኣየ። ናይዝጊ እዚ ኣዝዩ ኣሰከፎ። ምኽንያቱ እናተዋጠጡን እናተገታተሩን ክነብሩ እምበር ሓደ ክዕወት ድራርካ ምዕጻው እዩ ንናይዝጊ። በዚ ድማ ነቲ ቀንዲ ክመርሕ ይኽእል እዩ ብቕዓት ኣለዎ ዝበሎ ሰብ ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ በርሀ፣ ብቐጥታ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣቱ ገበሮ። ናይቲ ካልኣይ ወገን ሚዛንነት ተመዓራረየ። ከመይሲ ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ በርሀ ብመንፈሳውነትን ብዘመናዊ ትምህርትን ኣዝዩ ዝበሰለ፣ ቤተ ክርስቲያን ናጽነታ ይከበር ኢሉ ደው ዝብል ሕይል ዝበለ ሰብ እዩ። ኣብታ ቀዳመይቲ ጉጅለ ናይ ምስንባድ መንፈስ ተፈጥረ።

ደራጎን ምስ ናይዝጊ ብምምስጣር ድማ ቅያር ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ በርሀ፣ ናይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና፣ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ክሰርሑ፣ መምህር ፍስሃየ ሃብተሥላሴ ተመደቡ።

መምህር ፍስሃየ መዘምር ኣይኮኑ ካህን ኣይኮኑ፣ ብደራጎን ዝተወፈየ ጉንዖ ናይ ዘይቅዱስ ኪዳን እዩ ነይሩ። ከመይሲ ደራጎን ሃይለመለኮት ኣብ መንደፈራ ኣመሓዳሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ጓል መምህር ፍስሃየ ግሉጽ ናይ ምንዝርና ርክብ ስለዝዝነበሮም መከሓሓሲ እዩ። ሓደ እዋን ኣብ መንጎ መም ፍስሃየን ኣቡነ ፊልጶስን ምስሕሓብ ምስ ተፈጥረ። ኣቡነ ፊልጶስቤተ ክርስቲያን ብባሬላ ተሸይጣ።ክብሉ ናይ ልቦም ተዛሪቦም እዮም።

መምህር ፍስሃየ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክሰርሑ ኢደ እግሪ ዘይብሎም በዚ ኣትዮም በዚ ይወጹ ዘይበሃል፣ ናይ ደራጎን ልኡኽ ኮይኖም ዝተቐመጡ እዮም።

እቲ መደብ ስራሕ ብናይ መንበረ ፓትርያርክ ዋና ጸሓፊ ይሓዝዎ እምበር ክሰርሕዎ ስለ ዘይክእሉ። ንቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስ፣ ምክትል ዋና ጸሓፊ መንበረ ፓትርያርክ ብዝብል ሽፋን ኩሉ ስርሓት ብእኡ ኣቢሉ ከም ዝዕመም ይግበር። እቲ ዝተጻሕፈ ኩሉ ብክታም መምህር ፍስሃየ እዩ ዝንቀሳቐስ።

ንቀሺ ገብረሚካኤል ሓደ እዋን ደራጎን ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ፣ እቲ ስራሕ ንስኻ ክትሰርሖ ተመዚዝካ ኣሎኻ፣ ዘይኮነ ጽሑፋት ወይ ሓበሬታት መምህር ፍስሃየ ፈሪሞሞ እንተ ወጺኡ ናይቲ ጉዳይ ተሓታቲ ንስኻ ኢኻ። ደድሕሪ ይትባረኽ ክትስዕብ ምዃንካ ፍለጥ ኢሉ ከም ዘጠንቀቖውን ይዝረብ እዩ።

ማእሰርቲ ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ ካልኣይ ጉጅለ ዝያዳ ሓይሊ ረኸበ፣ ብፍሉይ ድማ ኣብ ጳጳሳት ዘተኮረ መጥቃዕቲ ተተሓሓዞ። በዚ ድማ ኩሎም ጳጳሳት ብጀካ ሊቀ ጳጳስ ኣባ ያዕቆብ ብገዳም ደብረ ቢዘን ተወጊዞም ዝብል ኣባ ተኽለማርያም ተስፋልደት ናይ ደብረ ቢዘን ኣበምኔት ዝነበሩ፣ብሥጋ ቀረባ ቤተ ሰብ ኣቡነ ያዕቆብ ዝኾኑ፣ ኣባ ኣርኣያ ናይ እንዳ ማርያም ዓይላ መነኮስ ብዝኾኑ፣ ኣብ መላእ ገዳማትን ኣድባራትን ኤርትራ ወረቓቕቲ ተበተነ፣ ቀንዲ ተዋሳኣይ ናይዚ ጸይቂ እዚ ድማ ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ ኮነ።

ናይዝጊ ነቲ ዝተፈጥረ ምንዕዓባት ቀንዲ ሃንዳስን ኣላዪን ንሱ ክነሱ፣ ንኣቡነ ፊልጶስ፣ ኣጆኹም እዛ ፓትርያርክ ነኣኹም እያ። ብዝብል ምስምስ የታልሎም ነበረ። ደራጎን ዝገብሮ ዘሎ ብቐረባ እከታተሎ ኣሎኹ ዝብል ብደራጎን ከምዘይተሓጎሰን ከምስል ተዋስኦ ኣብ ምስራሕ ተጸምደ።

ኣብቲ እዋን እቲ እታ እንኮ ልሳን ቤተ ክርስቲያን ዝኾነት ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፣ ትርንዕ ዝበለ ጽሑፋት ትዝርግሕ ስለ ዝነበረት ኣዳላዊ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ቀሺ ተኽለማርያም ምርካጽዮን፣ ሕጂ ኣብ ሃገር ጀርመን ዝርከቡ ናይ ኣውሮጳ ሃገረ ስብከት ሊቀ ካህናት፣ ደራጎንን ናይዝጊ ክፍሉን፣ ካብ ርእሲ መሬት ንምሕቃቖምን ንምጭዋዮምን ዘይመሃዝዎ ነገር ኣይነበረን።

ኣብቲ ቀዳማይ ጉጅለ ዋላ እኳ ብኣካል ጳጳሳት ዝዓብለልዎ እንተ ነበሩ፣ ብቐጥታ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ምትእስሳር ዝነበሮም ኣባ ዮውሃንስ ናይ ከረን ጳጳስ፣ ነቲ ካልኣይ ጉጅለ ራዕዲ ይፈጥሩሉ ነይሮም እዮም። ምንቅስቓስ ኣብ ስለያዊ ክፍሊ ኣባ ዮሓንስ ንናይዝጊ ክፍሉ ደስ ኣየበሎን ርክቡ ቀጥታ ኣብቲ እዋንቲ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ሙሳ ራብዓን ኮለኔል ጋይም ወልደሚካኤልን ስለ ዝነበረ፣ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ከይከይድ ዘስግኦ ኮነ።

ናይዝጊ ጥልመቱን ክሕደቱን ኣብ እምነት ክርስትና፣ ከምዚ እዩ ኢልካ ክትገልጾ ዘይከኣል፣ ከሓዲ ኣምላኽ እዩ። ክብረት ኣምላኽን ሰብን ዘይብሉ፣ ዕድመን መዓርግን ሰብ ዘይግድቦ፣ ንሽማገለ፣ ንካህን ንጳጳስ ብጾታዊ ጓል ኣንስተይቲ ዚጽውዕ፣ ኣቲ ወይ እተን ጳጳሳት ኢሉ ፆታዊ ህያብ ኣምላኽ ዝኽሕድ ውሉድ ሰብ እዩ። ናይዝጊ ብስዲ መልሓሱ ዘይጸረፎ ጳጳስ፣ ካህን ዲያቆን ምእመን ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን። ንመልሓሱ ምስናይ ኣደራዑ፣ ቀፊር ዘይብሉ፣ ዘይተቐብአ ሰብ እዩ።

ካብ 1998 ምርጫ ቀዳማይ ፓትርያርክ ኣቡነ ፊልጶስ ክሳብ ምእሳር 3 ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝፈጸሞ ገበን ኣብ ቀጻሊ ጽሑፈይ ከቕርቦ እየ።

ናይዝጊ (ዘይ-ናይዝጊ) ጸሊም ታሪኽ ሓዲጉ ኣብ ምድሪ ብታሪኽ ሰባት ኣብ ሰማይ ድማ ብፍርዲ ኣምላኽ  ዘሕፍር ኣማውታ ሞይቱ፣ ቤተ ክርስቲያን ግን ርእሳ ክርስቶስ ሕያው እዩ እሞ ብሕይወት ትቕጽል ኣላ።

ቅዱስ ታሪኽ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ክብረት ኣለዎ።

ልሳነ ሠይፍ ዘገዳም

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div