S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅዱስ ቁርባን ሓቀኛ መሥዋእቲ እዩ

ቅዱስ ቁርባን ንሥርየት ሓጢኣትና ክኸውን ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበና፡ ናብ እግዚኣብሔር ድማ ዝቐርብ ቅዱስ መስዋእቲ እዩ። ናይዚ ምሳሌኣዊ ድሕረ ባይታ ዝዀነና ድማ፡ ካብቲ ኣብ ኦሪት ንሥርየት ሓጢኣት ዝፍጸም ዝነበረ መስዋእቲ እዩ።

እቲ ሊቀ ካህናት ኦሪት፡ ንድሕነት ገዛእ ርእሱን ህዝቡን ዝኸውን ንመሥዋእቲ ሓጢኣትዝበቕዑ እንስሳታት ብምስዋእ፡ ነቲ ደም እንስሳ ሒዙ፡ ናብ ቅዱስተ ቅዱሳን ኣትዩ፡ ነቲ ደም ብምንጻግ፡ ንገዛእ ርእሱን ንህዝቡን ምስ እግዚኣብሔር የተዓርቕ ነበረ (ሌዋ፡16) እዚ መዓልቲ ምትዕራቕ እዚ፡ ኣብታ ኣብ  ዓመትመዓልቲ ሕድገት ሓጢኣትተባሂላ እትጽዋዕ ኹሉ ህዝቢ ብንስሓን ብጸሎትን ብጾምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ዘኽብሩላን ዝጽንብሉላን ዝነበሩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ዝተፈጸመ ሓቀኛ መዓልቲ ሕድገት ሓጢኣት ዝምስል ነበረ (ለዋ፡ 2326-32) ትርጉም መዓልቲ ሕድገት ሓጢኣት፡ እንታይ ከም ዝነበረ ድማ ካብ ጽሑፋት ሓዋርያ ጳውሎስ ክንምሃሮ ንኽእል።

እቲ ብዕለተ ዓርቢ ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ ኣብ መስቀል ምእንታና ክብል ተንጠልጢሉ ዝወዓለ ሓቀኛ ሊቀ ካህናት ግና፡ ስለ ርእሱ ዘይኰነ፡ ስለ ሓጢኣት ምልእቲ ዓለም ክብል፡ ገዛእ ርእሱ ሰዊኡ፡ ደሙ ሒዙ ናብታ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሔት፡ ኣብ ሰማያት ዘላ ሰማያዊት ቅድሥተ ቅዱሳን ኣትዩ፡ ደሙ ሓንሳብ ንሓዋሩ ምስ ኣቕረበ፡ ሓንሳብ ንሓዋሩ ዝኸውን ሥርየት ሓጢኣት ካብ እግዚኣብሔር ኣምጽኣልና እሞ ዓመት ዓመት ደም እንስሳ ዝስውኣሉ ሊቀ ካህናት ኣየድለየናን። (እብ፡ 911-14)

ጐይታ ብዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ስለ ሓጢኣት ምልእቲ ዓለም ክብል ገዛእ ሕይወቱ ማለት ሰብነቱ ንሕማምን ሞትን ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ነቲ ሓንሳብ ንሓዋሩ ዘቅረቦ መስዋእቲ ሓጢኣት፡ ኣብ ዓመት ዓመት ዘይኰነስ፡ ኹሉ ግዜ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክንረኽቦ ክንክእል ምእንቲ፡ ብዕለተ ሓሙስ ምሥጢረ ቁርባን ሰርዓልና። ስለዚ ካብቲዕለት ዕለት እንፍጽሞ ዕለታዊ በደልና ሥርየት ሓጢኣት ክንረክብ ክንክእል ምእንቲ፡ ብንሥሓ ተዳሊና ካብቲ በብግዜኡ ዝቐርብ መሥዋእቲ ቅዱስ ቁርባን ክንቕበል ዘይግብኣና ክነሱ ብጸግኡ ተገብኣና።

እምብኣርከስ ቅዱስ ቁርባን ክንቆርብ ከሎና፡ ካብቲ ሽዑ ንሽዑ ዝተሓርደ መስዋእቲ በሊዕና ሰቲና፡ ምስ ክርስቶስ ሓድነትና ምርግጋጽን ሕይወትና ምስ ሕይወት ክርስቶስ ሓደ ምግባር ድኣምበር። ነቲ ዝሓለፈ ተግባር ንምዝካር ጥራይ ዝቐርብ ኣይኰነን። ደመይ ዘይሰተየ ሥጋይ ዘይበልዔ ሕይወት የብሉን እናበለ ክነሱ፡ ንመዘከርታ እዩ እምበር ገለ ኣይጠቅምን፡ ዘድሕን ጸጋ የብሉን፡  ኢሎም ሸለል ዝብሉዎ ወይ ንፉሉያት ሰባት ጥራይ እዩ ኢሎም ብሓይሊ ሰባት ዝድርትዎ ወይልኦም። እቲ ሓቅስ ከምቲ ብዕለተ ዓርቢ ዝተሰውኤ ሓድሽ መሥዋእቲ ዘለዓለዋዊ ሕያው ኰይኑ፡ ብምሥጢረ ቁርባን ኣቢሉ፡ ሥጋን ደምን ጐይታ ብሥልጣን መንፈስ ቅዱስ ናብ ሓቀኛ መግብን ሓቀኛ መስተን ኰይኑ እዩ ንኣመንቲ ዝቐርበሎም። እቲ ናብ ሥጋን ደምን ጐይታ ዝተቐየረ ብርግጽ ሕብስትን ወይንን እዩ። ናብ ሓድሽ ዝተሓርደ ደምን ሥጋን ዝቕይሮ ግና መንፈስ ቅዱስ እዩ። ስለዚ ድማ ኢና ቅዱስ ቁርባን እንብሎ። ሎሚ ብቓል ጐይታ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ፡ ካልእ መተካእታ ናብ ሥጋን ደምን ጐይታ ዝተለወጠሕብስትን ወይንን ከምቲ ብዕለተ ዓርቢ ዝተሓርደ መሥዋእቲ ኰይኑ፡ ዕለት ዕለት ናብ እግዚኣብሔር ዝቐርብ፡ ካልእ ዓይነት መሥዋእቲ የልቦን። እቲ ብዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሥጋኡን ዝፈሰሰ ደሙን ጥራይ እዩ ዝቐርብ። ከምዚ ዘይኰነ ነይሩ እንተ ዝኸውንሥጋይ ዝበልዔ ደመይ ዝሰተየ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎተባሂሉ ኣይምተጻሕፈን፡ ወረ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ኣበይ ክንረኽቦ ኢና፧ ንሱ ድኣ ሓንሳብ ንሓዋሩ ተንሲኡ ንሰማይዶ ኣይዓረገን (የሃ፡ 654) ኢልካዶ ትጭነቕ ትኸውን፧

እቶም ሥጋን ደምን ጐይታ ሓቀኛ ብልዕን መስተን ምዃኑ ዝሰምዑ፡ ገለ ካብ ደቂ መዛሙርቱ፡ ምሳና ብህይወቱ ከሎስ ከመይ ጌርና ኢና ሥጋኡ ክንበልዕ ደሙ ክንሰቲ ይከኣለና ኢሎም ከም ዝተሸገሩ ድሮ ኣንቢብናዮ ኣሎና። ጐይታ ሥጋ ሰብ ገለ ነገር ከም ዘይጠቅም ምስ ኣረድኦም ግና፡ ናይዚ ምሥጢሩን ሓቀኛ ትርጉምን፡ ኣብቲ ብጸሎተ ሓሙስ ሥርዓተ ቅዱስ ቁርባን ዝመስረተሉ ግዜ፡ ምሥጢሩ ንሓዋርያት ገለጸሎም (ዮሃ፡ 660-63) እዚ ማለት ሕብስትን ወይንን፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ከም ዝልወጥ ኣሚኖም ክቕበልዎ ኣብቕዖም። እምብኣርከስ ነዚ እዩ ጐይታሥጋይ ሓቀኛ ብልዒ ደመይ ሓቀኛ መስተ እዩ ኢሉ ብጸሎተሓሙስ ቅድሚ ሥቅለቱ ኣብ ከተማ ቅፍርናሆም ኣብ ምኹራብ ተቐሚጦም ከለዉ ዝመሃሮም (የሃ፡655-59)

posted March 12, 2012

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div