S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንሱ ንዅሉ ኵነታትና ይገዝእ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ማዕበልና ከህድኦ እዩ

“... ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ። ደቀ መዛሙርቱ ቀሪቦም፡ ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና፡ እናበሉ ኣተንስእዎ...” (ማቴ 8፡24-27)

ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ በቲ ብርቱዕ ማዕበልን ንፋስን ክጭነቑ ምስ ጀመሩ፡ እቲ ቀዳማይ ዝገበርዎ ነገር፡ ባዕሎም ካብቲ ማዕበል ገዛእ ርእሶምን ጃልብኦምን ክከላኸሉ ምፍታን እዩ። እዚ ዘግበሮም ከኣ ዝተለማመድዎ፡ ዘዕበዮም ተሞክሮ ስለ ዝነበሮም እዩ። ግናኸ ተሞክሮኦም ካብ ጽልዋ ናይቲ ማዕበል ከድሕኖም ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ ግና ሓደ ነገር ዘኪሮም: ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ጐይታ ኵሉ ኣብታ ጃልባ ከም ዘሎ። ሽዑ ሓደ ጽቡቕ ነገር ጌሮም፡ “ጐይታ ጠፋእና ኣድሕነና” ኢሎም ጨሪሖም። ኵሉ ማዕበላትን ንፋስን ድማ ሃዲኡ። ሎሚ ንሕና’ውን ብብዙሕ ማዕበላትን ንፋሳትን ንጭነቕ ንህሉ። ተሞኩሮና፡ ልምድና፡ ካልእ ነገራትውን እንተኾነ ከናግፈና ኣይክእልን እዩ። ከም ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ናብቲ ዝረድኣና ኣምላኽ ንጨርሕ፡ ንሱ ንዅሉ ኵነታትና ይገዝእ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ማዕበልና ከህድኦ እዩ። (ዮሃ 2፡3-11፣ ሉቃ 5፡4-8፣ ሉቃ 8፡43-48)

ኣስተንትን

1. ናይ ህይወትካ ማዕበላት ብኸመይ ዝበለ መንገዲ ክትፈትሖ ትደሊ፧

2. ተመክሮኻን ፍልጠትካን ኣድሒኑካ ይፈልጥዶ፧

3. ኣምላኽ ዝደቀሰ ኮይኑ ዝስመዓካ ጊዜ ኣሎዶ፧

ጸሎት፡- ኣምላኽ ንምህዳእ ነገርና ንቑሕ ከም ዝኾነ ክርድኣና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div