S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣመሰራርታ ቅዱስ ቁርባን

ምሥጢረ ቁርባን ኣብቲ ጎይታ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ወንጌል ምሂሩ ዝዛዝመሉ ዝነበረ፡ ዜሮ ሰዓት፡ ንመዕጸዊ ትምህርቱን ተግባሩን ኣብ ምድሪ፡ ቀቅድሚ ሕማሙን ሞቱን ዝነበረት ሓሙስ ምሸት ንመስዋእቲ ኦሪት ዛዚሙ፡ ሓድሽ መስዋእቲ መስረተ።

እዛ ምሸት እዚኣ ብኣቆጻጽራ ዕለታት ኣይሁድ ምስ ዓርቢ እያ ትሕሰብ። በዛ ግዜ እዚኣ ድማ ከም ሕጊ ኦሪት መስዋእቲ ገንሸል ፋሲጋ ዝስውኣሉ ግዜ ስለ ዝነበረት፡ ጐይታ ድማ ምስ ደቀ መዛምርቱ፡ ነቲ ንመስዋእቱ ዝምስል ዝነበረ ገንሸል ፍሲጋ ኦሪት ኣሕሊፉ፡ ሓቀኛ መስዋእቲ ሓድሽ ኪዳን ብኣዋጅ መስረተ። በታ ምሸት እቲኣ ድማ፡ እቲ ምስሉ ዝነበረ መዋእቲ ኦሪት ማለት መስዋእቲ ገንሸል ፋሲጋ ብኣዋጅ ኣብቅዔ እሞ ሓድሽ መስዋእቲ መስረተ። ካብዚ ንደሓር እቲ ምስሊ ዝነበረ ተሪፉ፡ እቲ ሓቀኛ መስዋእቲ ዝዀነ ገንሸል እግዚኣብሔር ሰንበት ሰንበት እናተዘከረ ምስዋእ ተጀመረ። ንሱ ድማ እቲ ብሥጋን ደምን ዝመጸ መስዋእቲ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ ምስቶም ገንሸል ፋሲጋ ኦሪት ክበልዑ፡ ኣብ ክቢ መኣዲ ዝተቐረቡ ሓዋርያት፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተመሰሉ፡ንጹህ መስዋእቲ የቕርቡ ኢሉ ትንቢት ዝነገረሎም፡ ተቐበልቲ ሥርዓት ሓድሽ ኪዳን ክዀኑ ስለ ዝበቕዑ፡ ጐይታ ንገዛእ ሥጋኡን ደሙን ንዓኣቶም ንጹህ መስዋእቲ ከቕርቡ ብምሃቡ፡ ሓድሽ ኪዳን ብኣዋጅ መስረተ። ነቲ ብሥጋን ደምን እንስሳ ዝፍጸም ዝነበረ መስዋእቲ ኦሪት ክዛዝሞ ከሎ ድማ፡ ጐይታ ምስ ደቀ መዛምርቱ መኣዲኪበልዑ ኸለዉ፥ ኢየሱስ እንጌራ ኣልዓለ፥ ባሪኹ ቔሪሱ፥ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ሃቦም፥ እዚ ሥጋይ እዩ፥ ውሰዱ፥ ብልዑ፥ በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስገኑ ድማ፥ ከምዚ እናበለ ሃቦም፥ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፥ ካብዚ ዅሉኹም ስተዩ ኢሉ ንኹልና ደቂ ኣዳም ኪዳን ኣተወልና (ማቴ፡26.26-28)

ንድሕነት ሓጢኣት ማለቱ እቲ ቀዳማይ ምስልን መዘከርታን ጥራይ ስለ ዝነበረ፡ ሕድገት ሓጢኣት ከምጽእ ኣይከኣለን። እቲ ሓቀኛ መስዋእቲ ግና ብርግጽ ሕድገት ሓጢኣት ኣምጽኤ። ደጊም ኣብ ምሳሌ ዘይኰናስ ኣብ ሓቂ ኢና ንነብር ዘሎና።

እቲ እግዚኣብሔር ንእስራኤል ብግዜ ብሉይ ኪዳን ብሙሴ ኣቢሉ ቓል ኪዳን ዝኣተወሎም ብደም እንስሳታት ኣቢሉ እዩ ዝነበረ (ዘጽ. 241-11) እቲ ደምን ሥጋን ዲበላታትን ደዓውልንውን ዝብላዕን ዝስተን ድኣ ነበረ እምበር መዘከርታ እዩ ኢልካ ዝጐሓፍ ኣይነበረን። እቲ መስዋእቲ ዘቕረበ ሰብን ካህናትን ኰይኖም ነቲ ደም ነጺጐም፡ ነቲ ሥጋ ድማ ተቐሚጦም ይበልዕዎ ነበሩ።

እቲ እስራኤል ዝኣተውዎ ኪዳን ንኩሉ ሥርዓታት ሙሴን ንዓሰርተ ትእዛዛትን ክሕልዉ ነበረ። ንዕኡ እንተሓለዉዎ ድማ እግዚኣብሔር ኣምላኾምን ሓላዊኦምን ክኸውን ርስቲ ዝዀኖም ሃገር ኣብ ምድሪ ከረስትዮምን ከውርሶም ቓል ኣቲሎም ነበረ። እምብኣር እቲ ኣግዚኣብሔር ንእስራኤል ዝተመባጽዓሎምሲ፡ ከምቲ ክርስቶስ ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ውሉድ ኣምላኽ ክዀኑ ዝተመባጽዓሎም ኣይኰነን። ንእስራኤል ዝተመባጽዓሎም ብምድራዊ መስዋእቲ ዝፍጸም ንምድራዊ መንግሥትን ርስትን ነበረ። እቲ ክርስቶስ ንዓና ዝተመባጻዓልና ግና፡ ብሠማያዊ መስዋእቲ ዝፍጸም ሰማያዊ መንግሥትን ርስትን እዩ። እምብኣር ኣብ ሞንጐ እቲ ምስልን ኣብ መንጐ እቲ ሓቀኛን ዘሎ ፍልልይሲ ሰማይ ምድርን እዩ። እንተድኣ ነቲ ብክርስቶስ ዝተፈጸመ ሓቀኛ መስዋእቲ፡ ምስሊ  ወይ መዘከርታ እዩ ኢልናዮ ግና፡ ከም ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ሃገር ክንርስተ ኢና ንጽበ ዘሎና እምበር፡ እታ ወግሔ ጸብሔመንግሥትኻ ትምጻእ እናበልና እንጽበያ ዘሎና መንግሥቱስ ከንቱ እያ። ያእ ኣይፋልና፡ ንሕናስ በቲ ንሱ ዝኸፈለልና ሓድሽ መስዋእቲ ስለ ዝዓደገና ንዓና ዝኸውን፡ ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ፡ ኣነ ድማ ክመጽእ እየ እሞ ናብኡ ክወስደኩም እየ ስለ ዝበለና፡ ኣብታ ንሱ ዘለዋ ክንነብር ንጽበ ድኣ ኣሎና።   

እምብኣርከስ እቲ እግዚኣብሔርን ንዓና ዝኣተወልና ኪዳን ካብቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ኣዝዩ ዝበለጸ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ብክርስቶስ ዝተፈጸመ መስዋእቲ ሓድሽ ኪዳን፡ ሓጢኣትና ስለ ዝደምሰሰልናን። መንግሥቱ ክንወርስ ቃል ኪዳን ስለ ዝኣተወልናን ብዓቢኡ ድማ ምስ እግዚኣብሔርኣብ ኣተዓራቐና እሞ፡ ውልድነት እግዚኣብሔርኣብ ድማ ተዋህበና። እግዚኣብሔርኣብ ኣቦና ስለ ዝዀነ ድማ፡ ንኣምላኽ ወረስቱ ንክርስቶስ መዋርስቱ ክንከውን ኣብቅዓና። ስለዚ ነዚ ክሳብ ሞት ሕይወቱ ሂቡ ደረት ብዘየብሉ ፍቕሪ ዘፍቀረና ክርስቶስ እናሓሰብና፡ ንሕናውን ነሕዋትና ከነፍቅር ይግብኣና።

ብርግጽ እቶም ሥጋን ደምን ጐይታ ምስሊ እዩ ወይ መዘከርታ ጥራይ እዩ ዝብሉ ወገናት፡ ምድራዊ ኣተሓሳስባኦም ብመንፈሳዊ ሓሳብ ስለ ዘይተቐየረ፡ ምድራውያን እዩም። ስለዚ ድማ እዩ ሓዋርያ ጳውሎስኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ።  ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘየለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣብ ማእከልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፡ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም። ግናኸ ኣብ ርእስና እንተ ንፈርድሲ፡ ኣይምተዀነናን ኔርና። ክንፍረድ ከሎና ግና፡ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዂነን፡ ብጐይታ ንቕጻዕ ኣሎና ክብል ዝመዓደና (1ቆረ፡ 1127-32)


ምሥጢረ ቁርባን ዘድሕን ጸጋ እዩ

ሓዋርያ ጳውሎስ እቲ ምድኃን ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ተገሊጹ እዩ (ቲቶ 211) ከም ዝበለ፡ እዚ ዘድሕን መለኮታዊ ጸጋ እዚ ብምሥጢረ ጥምቀትን ብምሥጢረ ሜሮን ብምሥጢረ ቁርባን ዝርከብ ጸጋ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ብዛዕባ እቲ መለኮታዊ ጸጋ ምሥጢረ ቁርባን ኣልዒልና ንዛረብ ስለ ዘሎና፡ ብዛዕባኡ ክንዛረብ ይግባእ። እዚ ጸጋ እዚ ብጊዜ ጸሎተ ቅዳሴ፡ ብቓል ክርስቶስን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስን፡ ነቲ ዝረኤ ሕብስትን ወይንን ብጸሎት ካህን ናብ ሥጋን ደምን ጐይታ ከም ዝቅየር፡ ብሙሉእ ልቦም ኣሚኖም ብንስሓ ተዳልዮም ንዝቅበሉዎ ዘበሉ፡ ካብቲ ኣብ ወንጌል ዝተጻሕፈ ዘይረኤ መንፈሳዊ ጸጋ ዘውህብ ቅዱስ ሓይሊ እዩ። እቲ ቀዳማይ ጸጋ ዘውህብ፡ ነቲ ንሰብን ንእግዚኣብሔርን ዝፈላለዮም ሓጢኣት ካብ ልብኻን ሓሳብካን ብመገዲ ጣዕሳን ንስሓን ኣቢልካ ምድርባይ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ጐይታ ምሥጢረ ቁርባን ክምስርት ከሎ፡ እዚ ንስርየት ሓጢኣት ብዙሓት ዝፈስስ ዘሎ ደመይ እዩ ዝበለ (ማቴ፡26 27-28) ሥርየት ሓጢኣት እንተረኺብና ድማ ምስ እግዚኣብሔር ሰላምን ዕርቅን ዘይህልወና ምኽንያት የልቦን። ዕርቒ እንተድኣ ረኺብና ድማ፡ ካልኦት መንፈሳዊ ህያባት ክስዕቡና ግድን እዩ። ሓጢኣቶም ዝተሓድገሎም ብጹኣት እዮም ተባሂሉዶ ተጻሒፉ ኣየሎን (መዝ፡ 311) 

ካብዚ ቀጺሉ ነቲ በቲ ብምሥጢረ ቁርባን ኣቢልና እንረኽቦ ዘድሕን ጸጋ ክርስቶስ ምስ ተቐበልና፡ ምስኡ ብሓባር ክነበር ይግብኣና። እዚ ማለት ንሱ ኣባና ንሕና ኣብኡ ንነብር ማለት እዩ። ከመይሲሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ ስለ ዝበለ (ዮሃ፡ 656) ካብ ቁርባን ርሒቅና ሥጋኡን ደሙን ከይተቐበልና እንተ ተረፍና ግና ንድሕነት ዘብቅዕ መሰረት የብልናን። ሓንቲ ቅርንጫፍ ወይኒ ካብቲ ጉንዲ ወይኒ እንተ ተቖርጸት፡ ብናይ ገዛእ ርእሳ ሕይወት የብላ እሞ ትነቅጽ። ንሕናውን ብናይ ገዛእ ርእስና ዘቖምናዮ ሰራውር የብልናን እሞ፡ ርእሳ ኪኢላ እትቐውም ሕይወት የብልናን፡ ምስቲ ሓቀኛ ጉንዲ ወይኒ እንተ ዘየጣበቕናያ፡ ካብቲ ሓቀኛ ጉንዲ ወይኒ ባዕላትና ተቖረጽና።    

ኢየሱስ በሎም፡ ሥጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ፡ ሕይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” (ዮሃ፡ 653) ከም ዝበለ፡ ነቲ ዘድሕን ጸጋ፡ ሕይወት ዘለዓለም ንረኽበሉን ንትንሳኤኡ ንበቕዓሉን ሥግኡን ደሙን ብምብላዕን ምስታይን ጥራይ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ጐይታሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ ዝበለ (ዮሃ፡ 654) ብዝሞትካዮ ጠፊእካ ከይትተርፍ ዘተንስኣካ ሓይሊ ምርካብ ድማ ድሕነት ይብሃል።

 ምሥጢር ቁዱስ ቁርባን ብጸሎትን ብንስሓን ተዳሊና ንቕበሎ ስለ ዝዀነ ኵሉ ጊዜ ድማ ስለ ንምገቦ ንነፍስና ካብ መንፈሳዊ ጥምየትን ጽምእን የድሕነና እዩ። ከመይሲ ሥጉኡን ደሙን ሓቀኛ መግቢ ነፍስና ስለ ዝዀነ።ኢየሱስ በሎም፡ እንጌራ ሕይወት ኣነ እየ። ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ከቶ ኣይጸምእን እዩ ስለ ዝበለ (ዮሃ፡ 635) ሕጂውን ብዛዕባ እቲ ዘድሕን መንፈሳዊ እንጀራ እዩ ዝዛረብ ዘሎ እምበር ብዛዕባ ምድራዊ እንጀራስ ኣይኰነን።

ብምሥጢረ ቁርባን እንረኽቦ ጸጋ፡ ክልተ ጸጋ ኣለዎ፡ እቲ ቀዳማይ ዘድሕን መለኮታዊ ጸጋ፡ ንሰብ ምስ እግዚኣብሔር የተዓአቅ፡ እቲ ካልኣይ ዘድሕን ጸጋ ድማ፡ ሰብ ንሰብ የተዓርቕ። ስለዚ ኩላቶም ሥጋን ደምን ክርስቶስ ዝቕበሉ ዘበሉ፡ ኣብ ሕድሕዶም ሰላምን ሓድነትን ክርስቶስ ክህልዎም ይግባእ። ምኽንያቱ ኩላቶም ኣብ ሕይወቶም ነቲ መስፍን ሰላም ዝዀነ ክርስቶስ ስለ ዝለበሱ። ስለዚ ድማ እዩ ሓዋርያ ጳውሎስእታ ንሕና እንባረኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧  ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና። ንእስራኤል እሞ ብስጋ ጠምቱ፡ እቶም ካብ መስዋእቲ ዚበልዑስ ምስቲ መሰውኢዶ ሕብረት የብሎምን እዮም (1ቆረ፡ 1016-18 ለዋ፡ 76-15)  እምብኣርከስ እዚ ጥቅሲ እዚ ዝምህረና ዘሎ፡ ኩላትና ብሥጋኡን ብደሙን ኣቢልና ምስኡ ሓድነት ዝመስረትና ዘበልና፡ ኩላትና ቤተ ሰብ እግዚኣብሔር ኢና። ስለዚ ሓድነትና ይደልድል፡ ካብኡ ሓሊፉ ኩላትና ብሕይወት ዘሎና ምስቶም ቅድሜና ሥጋን ደምን ክርስቶስ እናበልዑን እናሰተዩን ዝሓልፉ ቅዱሳን ከይተረፈ ሓደን ካብ ሓደን ንሓደን ኢና።   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div