ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 6 ክሳብ 13 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር “ኢተዘኪሮ ኣበሳ ዚኣነ” (በደልና ኣይትዘክሮ) ኢላ ቤተ ክርስትያና መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “አዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፡ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፡ ቀልጥፍ፡ ምሕረትካ ትቃባበለና።” ዝበሎ፡ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡ ለዋህ ፡ዕጉስ፡ ዝገበሮ ምሕረት እንዳዘከርና፡ ከም ምሕረትካ እምበር ከም ኣበሳና ኣይኹን፡ እዳበለት ምሕረት እግዚኣብሄር ክዝክሩ ትጽዋዓሉ ሰሙን እዩ። ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ሓቅታት ምሕረት እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ምርኣይ እዩ።
ኣባ ዲዮስቆሮስ ብዝወረዶም ወቕዒ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም ኣብ ካርቱም ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ ለውጢ ስለዘየርኣዩ ብህጹጽ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም። ብፁዕ ኣቡን ዲዮስቆሮስ፥ ዝርኣይዎ ዝዛረቡ: ብግርህነቶም ዝልለዩ ሰብ እዮም። እንተኾነ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ከም ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ፥ ኣባ ሉቃስ: ቀሺ ሃብቶም ርእሶም: ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይን ዝበሉ ሰባት ንግርህነት ናይዞም ሽማግለ ኣቦ መዝሚዞም ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሓደጋን ተነጽሎን ኣውዲቖማ እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ህልው ኩነት ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ካብ ኩነት ሃገርና ብዘይፍለ መልክዑ ኣብ ኣሰካፊ ህሞት ይርከብ።
ንኣርባዕተ መዓልታት ካብ ሓሙስ 21 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 24 ሓምለ 2011 ዓ.ም ክካየድ ዝቐነየ መበል 13 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፣ ሰንበት 24 ሓምለ 2011 ኣ.ፈ ኣብ ቅድስት ማርያም
“ብርሃንካን ሓቅኻን ለኣኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ጽዮን ናብታ ቅድስቲ እምባኻን፣ ናብታ መሕደሪኻ ዜኾነት ቤተ መቅደስን የብጽሓኒ” (መዜ.43፣3)።
"ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ ምድሪ ኤርትራ ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን”።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥቅምት 30 ክሳብ ሕዳር 05 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር “ክርስቶስ ሠርዐ ሰንበተ”፡ ክርስቶስ ሰንበት ፈጠረ (ሰርዔ) ኢላ ቤተ ክርስትያና መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ንሱ ኸምቲ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዂሉውን ይሰልጦ።” ዝበሎ፡ኣብቲ ጐይታ ሰንበት ዝዀነ፡ ዘይነጽፍ ፈልፋሊ ማይ ህይወት ድማ ዘለዎ ናይ ሓቂ ጉንዲ ወይኒ ክርስቶስ ጠቢቕና ብዙሕን ነባርን ፍረ ምእንቲ ክንፈሪ ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ሓቅታት እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ።
ማዕረ እቲ ንእግዚኣብሔር ዝበደልናዮን ንብድሎን ዘሎና እኳ እንተዘይኮነ፣ ኣምላኽ ብባህርዩ ፍቕሪ ብምዃኑ፣ ካብ ዓመጻና ንኽንምለስ፣ ይቕንጥወና ኣሎ። ዓመጻ ሕዝብና ኣብ ንሓድሕድና ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይመስልን፣ ሕልፍ ሓሊፉ ኣንጻር እግዚኣብሔር ኣጽዋር ተሰኪምና ዝተለዓልና ኢና እንመስል።
ዲያቆናት ተኽለማርያም ምርካጽዮንን ዶር. ቴድሮስ ተስፋይን ብሰንበት 24 ሓምለ 2011 ዓ.ም. ኣብ ከተማ
ልዑል እግዚኣብሔር ምእንቲ ድኅነትን እምነትን ህዝቢ ክብል ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ከም ዝገበረ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብና እንረኽቦ ግልጺ ነገር ኢዩ። ይኹን እምበር ደቂ ሰብ ግና ነቲ ኣብ ቅድሜኦም ዝተገብረ ተኣምራት እናረስዑ ብሸለልትነት ብዕሽነት ምንባር ተታሓሒዞሞ ከም ዘለዉ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርእዮ ዘሎና ግሁድ ሓቂ ኢዩ። እዚ ሎሚ ኣብ ኣርእስቲ ጽሑፍና ጠቂስናዮ ዘሎና ‘’እግዚኣብሔር ጽባሕ ኣብ ማእከልኩም ዘገርም ነገር
ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን------------በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን፡
ኣሰሮ ለሰይጣን-----------------------------ኣግዓዞ ለኣዳም
ሰላም------------------------------------------እምይእዜሰ
ይኩን-----------------------------------------ፍስሓ ወሰላም
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ