ኩልና ከም ንፈልጦ ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝመረጾ ቦታ ክህሉን ክነብርን እግዚኣብሔር ነጻ ምርጫ ሂቡና ከም ዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ይኹን እምበር እቲ ዝጠቕመናን መንፈሳዊ ረብሓ ዘለዎ ስፍራን ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ምዃኑ
መልእኽቲ ናብ ኵሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን፡
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምስ ኵላትና ይኹን እናበልና፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፡ ሠናይ ድሌት ምእመናን ምስ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ ኮይኑ፡ እቲ ዓቢይ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብታ ዓባይ ከተማ ኒው ዮርክ ብኤርትራዊ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ እናተመርሐ ብምዕሩግ ኣገባብ ክካየድ ሰፊሕ ምድላው ይግበር ከም ዘሎ ብሓጎስ ክንሕብር ንፈቱ።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 14 ክሳብ ታሕሳስ 20 “ ብርሃን” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ዘብርሃን አቅዲሙ ነገረ በኦሪት” (እቲ ብርሃን ብኦሪት ኣቐዲሙ ተነግረ) ዝብል እዩ። እዚ ካብቲ ዘመነ ስብከት ተባሂሉ ዘሎ ካልኣይ ሰንበት እዩ። ኣብ ኦሪት ነብያት ናይ ነብሶም ብርሃን ዝኮነ ክወርድ ፡ ክውለድ እዩ ኢሎም ስለ ምስባኮም፡ ሓቀኛ ብርሃን ክመጽእ እዩ፡ ኢሎም ስለ ምንባዮም፡ ዝዝከረሉ መዓልቲ ኮይኑ ፡ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀኛ ብርሃን ሙዃኑ ብመዛሙር ይስብክን ይምስገን ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝበሎ “ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ፡ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ። ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፡ ናብ ኣምላኽ ደስታይን ታሕጓሰይን ክአቱ እየ።” እዚ ማለት እቲ ነብያት ዝተነበይዎ ትማልን ፡ ሎምን፡ ንዘልኣለም ህያው ዝኮነ፡ ብርሃን ሓቂ ጐይታ፡ ብርሃንን ሓቅን ኮይኑ ይምርሓና፡ ናብቲ ሰማይ ዘእትዋ ንሳተን እየን እሞ ንምባል እዩ። ሎሚ እቲ ንዓና ዝተዋህበና ብርሃን ዝኾነ መሰል ውልድነት ነብያትን ሃዋርያትን ኩሉ ኣብ ዘመናት ዝሓለፉ ኣገልግልቲ ኣምላክ ዝመሃርዎ፡ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንሂወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ኩሉ ወዲ ኣዳም ናይ ባሕርይ ስሙ ሰብ ከም ዝበሃል ዘካትዕ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ናይ ግብሪ ስሙ ግና ዝተፈላለየ ክኸውን ዝከኣል ነገር እዩ።ምኽንያቱ ገለ ኣብ ሥራሕ ጽድቂ ገለ ድማ ኣብ ሥራሕ ጸይቂ፥ ገለ ኣብ ህንጸት፥ ገለ ድማ
ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 7 ክሳብ ታሕሳስ 13 “ስብከት” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ወልዶ መድኅነ ንሰብክ። ዘእምቅድመ ዓለም ሀሎ።” (ቅድሚ ዓለም ንዝነበረ፡ ምድሓን ወዱ ክነግር ኢና) ዝብል እዩ። ካብ ኦሪት ብሙሴ ብኩሎም ብነብያት ኣቐዲሞም ምውላድ ክርስቶስ ብስብከቶም ሰቢኮሞ ንዝነበሩ ሎሚውን ንሱ ህያው ምዃኑ ንምዝካር እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፡ ካብ ብርቱዕ ማያት፡ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ ካብቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረቡ፡ የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት ባልሃኒ።” እዚ ማለት ከኣ ኣታ ትማልን፡ ሎምን፡ ንዘልኣለም ህያው ዝኾንካ፡ ጐይታ ርድኣና ዘይንስኻ ክረድእ ዝኽእል የሎን ንምባል እዩ። ኣብ ህይወትና ሎሚ ዝያዳ ኩሉ ‘ኣበይ ትፈልጠኒ’ ንብሎ ከይንህሉው፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህይወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ምሥጢረ ክህነት
ክህነትን ኣሰራርዓ መዓርግ ክህነትን መለኮታዊ ጻዋዒትን:
“ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ኃጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ኃጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና” (2ቆሮ፡ 5፡18-21)።
ናብ ምእመናንን ህዝበ ክርስቲያንን ብሩኽ በዓል ልደት መድሓኒና ክርስቶስን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ