ክህነት ኣብ ምድሪ ንመጀመርያ ጊዜ በቲ ኣብ ከተማ ሳሌም ሃገር ከንኣን ነጊሱ ዝነበረ መልከጼዴቅ ዝተባህለ ከንኣናዊ (ጸሊም) ንጉሥ ተጀመረ (ዘፍ፡14፡18)። እዚ ካህን እዚ ድማ ምሳሌ ናይቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ዘለኣለማዊ ካህን ኢየሱስ ክርስቶስ ነበረ። (መዝ፡109-110) (እብ፡ 6፡20። 7፡1-3)
እግዚኣብሄር ብወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚንና፣ ብመገዲ ጽድቂ ተመላሊስና፣ ናብቲ ዘዳለውልና ዘልኣለማዊ ቤት ክንኣቱ እዩ ጸዊዕና። ደቂ ሰባት ግና እግዚኣብሄር ንህይወትና ካባና ንላዕሊ ከም ዝሓልየላን ከም ዝጥንቀቐላን ብምዝንጋዕ፣ ካብቲ ቅኑዕ መገዲ እግዚኣብሄር ወጺና ንኵብልል፣
“ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን፡ ብጥበብ: ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።” ሉቃ 4፡52። ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥሪ 11 ክሳብ ጾመ ነነዌ ዘሎ ጊዜ “ኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ማለት ካብ ጥሪ 19 ክሳብ ጥሪ 25 ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ እሙነ ኮነ ልደቱ ለመድኃኒነ ክርስቶስ። እምሰማያት ወረደ ወእመላእክት ተአኵተ፡ ወእማርያም ተወልደ።”ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እሙን ኮነ፡ካብ ሰማይ ወረደ፡ ብመላእክቲ ተመስገነ፡ ካብ ማርያም ተወልደ።” ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፡ ንሱ’ውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።” መዝ 118፡27።
”ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኩላ ዝባን ምድሪ፡ ንዝነብሩ ዘበሉ ከም መፈንጠራ ክትበጽሖም እያ እሞ፡ ስስዐን፡ ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይከብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ኻብዚ ዝመጽእ ኵሉ ነገር ንምሙላቕን፡ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ክትረኽቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸለኹም ንቕሑ።” (ሉቃ 21፡34-36)
ኣታ ወደይ! ንእግዚኣብሔር ከተገልግል እንተ ደኣ ኴንካ፥ ገዛእ ርእስኻ ንፈተና ኣዳሉ (ሲራክ 2፡ 1)። ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና! ነዚ ንጅምሮ ዘሎና ፳፻፬ (2004) ዓ.ም ዘመን ሰላምን ቅሳነትን ኣዋጅ ናይ ምሕረትን በረኸትን ጥዑም ብሥራትን ኣምላኽ ከስምዓና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን። ከም ውሉድ እግዚኣብሔር መጠን ንእግዚኣብሔር ምግልጋል ኣብዛ ምድሪ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ዓቢይ
“ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፡ ‘ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ’ በለቶም። ...ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ’፡በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ። ሽዑ፡ ‘ሕጂ ቕድሕዎ’ሞ ነቦ ዳስ ውሰዱሉ” በሎም፡ ንሳቶም ከኣ ወሰዱ።” ዮሃ 2፡5-8። ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ካብ ጥሪ 12 ክሳብ ጥሪ 18 “ኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ሖረ ኢየሱስ ብትፍሥሕት ውስተ ከብካብ (ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓጐስ ናብ መርዓ ከደ) እዚ ከኣ ሕጊ ዝሰርዔን ዝማሃረን፡ በረከት ናይ ስጋን ነፍስን ከካፍለና ከምኡውን ነቲ ስራሕ ሰይጣን ከፍርስ እቲ ንደቂ ሰባት ዝፈጠረ አምላክ ኣማልክቲ ጐይታ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ስጋ ምግላጹ ንምዝካር ዝተሰርዔ ዕለት እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ብለሰ ብኽያት ኪሐልፉ ኸለዉ፣ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፣ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፣ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።” (መዝ 84፡ 6, 7) ሎሚ እቲ ንዓና ብቅድስት ድንግል ማርያም ጌሩ ንሰብ መርዓ ናይ ቃና ዘገሊላ ዝተዋህበና ‘ንሱ ዚብለኩም ኵሉግበሩ’ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህይወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ደድሕሪ ኣሮን ክህነት ኣብ ሥልጣን ክህነት ዝመጸ ፊንሃስ ነበረ። በቲ ዝገበሮ ሰናይ ቅንኢ ርእዩ፡ ንዕኡን ንደቁን ኪዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹም ኢሉ፡ ኪዳን ከም ዝኣተወሉ እዞም ጥቅስታት እዚኣቶም ይዛረቡ (ዘህ፡25:11-15; ሲራክ 45:24) "እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብ መንጎኦም ብምቕናኤይ ስለ ዝቐንኤ፡ ንኹራይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ እሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእክዎምን። ስለዚ በል እንሆ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣለኹ። ንኣምላኹ ቐኒኡ፡ ንደቂ እስራኤል ከአ ኣተዓሪቑ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ ኺዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹን”። ኣብዚ ሕጂ ኣቐዲምና ክንርእዮ ዝግብኣና እቲ “ኪዳን” ዝብል ቃል እዩ።
"እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብታ ኽትወርሳ እትኣትዋ ዘሎኻ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፣ ብዙሓት ህዝብታትውን ካብ ቅድሜኻ ምስ ሰጐገልካ…ኪዳን ኣይትተኣታተዎም። ኣይትዋሰቦም፣ ጓልካ ንወዱ ኣይትሃቦ፣ ጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ። ንደቕኻ፣ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼምልኹ ካብ
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ 11 ጥሪ “ጥምቀት” ተባሂሉ ካብቶም ዓበይቲ በዓለት ቤተ ክርስቲያና ዝበዓሉ በዓላት እዮም እሞ፡ ርሑስ በዓል ጥምቀት ይግበረልና። "አንሶሰወ ገሀደ ወአስርአየ ከመ ሰብእ በበሕቅ ልህቀ በሠላሳ ክረምት በዮርዳኖስ ተጠምቀ" (ብግልጺ ተመላለሰ፡ ከም ሰብ ተራእየ፡ ከም ህጻን ዓበየ፡ ኣብ ሠላሳ ዓመቱ አብ ዮርዳኖስ ተጠመቀ)። ኣብዚ ዕለት እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 30 ዓመቱ ኣብ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሐንስ መጥምቅ ፡ ምእንታና ክብል ምስቶም ዮሐንስ ዘጠምቆም ዝነበረ ተነሳሕቲ ተጠምቀ። እቲ ቅዱስ ዝኰነ ጐይታ ኣብ ማእከል ሓጥአተኛታት ምስረኣዮ እግዚኣብሄር ኣቦ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡” ዝብል ድምጺ ኣስመዔ፡ ኣብቲ ንሱ ዝተጠምቀሉ ሰዓት ከኣ ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሰሶ፡ ብሓጥያት ኣዳም ዝተዓጽወ ማዕጾ ሰማይ ተከፈተ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ተራእየ፡ ሚስጥር ሰለስትነቱ ተገልጸ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ብወዱ ጌሩ ንኩላትና ብምሕረቱ ጠመተና፡ ጥምቀት ሰርዔ ፡ ብዝተከፈተ ሰማይ ምሕረት ናባና ፈሰሰ፡ ናይ ሓጥያት ዕዳና ተደምሰሰ። በዚ ክቡር ብዓል እቲ ንዓና ዝተዋህበና ብስርዓት ጥምቀት ምስ ክርስቶስ ኢየሱስ ሞይትና ንትንሳአሉን ንሓብረሉን ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ እቲ “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ” ዝበሎ ጐይታና ኢየሱስ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህይወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ