“ሎሚ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ኣሎኻ” (ሉቃስ 23፡43) ኣብ ገነት፡ ካልእ ካብዛ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ ሞት እተምጽእ ኦም፡ ኣዝያ ዝተፈልየት
እዛ ሻዱሸይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓቢ ጾም እዋን ‘ገብርሄ’ ተባሂላ ትጽዋዕ። አብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “መኑ ውእቱ ገብር ኄር ወምእመን፡ ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሠናይ ወይሠይሞ ዲበ ኵሉ ንዋዩ። ትርጉሙ ከአ፡ እሙን ባርያ መን እዩ፧ ሰናይ ክገብር ንዝጸንሖ ጐይታ ኣብ ኩሉ ንብረቱ ክሸሞ እዩ።” ኣብዚ ዕለት እዚ ብዛዕባ እሙን አገልጋሊ፡ ንኣገልገልቲ ዘገልግለሉ ጸጋ ዝሃበ እግዚአብሄር፡ ንሰባት ኵሎም ፍጡራት ዝሃቦም ውህበት ጸጋ፡ ንእሙናት ኣገልገልቱ አምላክ ዝህቦ ውዕለት እንዳ ተዘከረ ዝዝመረሉ፡ ዝስበኸሉ፡ ዝሕሰበሉን ሰሙን እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ። ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ፣ እንሆ፣ ከናፍረይ ኣይዐጾኹን፣ ጐይታየ፣ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ።” መዝ 40፡8-9 ዝበሎ መሰረት ብምግባር ኣብዚ ጾምን ጸሎት ጊዜ ህይወት ንዕኡ ንምግልጋል ድላዋት ክንከው ከመይ በቲ ዝተዋህበና ጸጋ ኣብዚ ከቢድ ጊዜ ሽግር ብእሙንነት ከነገልግል ምሕሳብ ከድልይ እዩ። ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
“ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር ደቀ መዛሙርተይ ክትኾኑ ኢኹም” (ዮሃ 15፡8)
ብልዒ ከም ዝቐትል ብልዒ ድማ ሕይወት ከም ዝህብ ኩላትና ንፈልጦ ሓቂ እዩ። ከመይሲ እከለ ዝተበላሸወ
"ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ የሩሳሌም [ሊብያ] ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን” (መዝ. 79፡ 2-3)። በቲ ኣብ ሊብያ ዝተፈጥረ ዕግርግርምኽንያት ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ክብሉ ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ዝርከብዎም ልዕሊ 325 ኤርትራውያን ኣብ ገማግም ሊብያ ከምዝሃለቑ ናይዚ እዋን'ዚ ቀንዲ ዜና ኮይኑ'ሎ። እዚ ኣስካሕካሒ ፍጻሜ እዚ ሓዘን ኩሉ ኤርትራዊ እዩ። ኣቦ-ሓጎታትና ዝወሓጠት ትሩቡሊ ሎሚ ድማ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ገማግም ማያት ሊብያ ተዋሒጦም ተሪፎም።
እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንባብ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ኣብ ዚርከብ ደብረዘይቲ ኣብ ዚብሃል ከረን ኰይኑ ዝተዛረቦ እዩ። ስለዚ ድማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን፡ ነዚ ሰንበትን ሰሙንን፡ “ደብረ ዘይት” ኢላ ብምስማይ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን ኪኸውን መዲባቶ ትርከብ። ምጽኣት ጐይታ ኣብ ዓመት ንሓንቲ ሰሙን ጥራሕ ኪዝከር ኣለዎ ማለት ግና ኣይኰነን። መዓልታዊ ኽንሓስቦን፡ ንዅሉ ናብራና ድማ ጐይታ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ከም ዚመጽእ ጌርና ክንነብሮ እዩ ዚግብኣና።
“እምበኣርሲ ጊዜ ኸሎና ንዅሉ ሰብ ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” (ገላ 6፡10)
መእተዊ: ጽሑፍ “ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፥ ጸጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ጾመ-ኣርብዓ ናይ ድኅነትን በረኸትን ክኾነልና ንኣምላኽ ንልምን። ቀጺልና ኣብዚ እዋን እዚ ኤርትራውያን
እዚ ሻብዓይ ሰንበትን ሳምንትን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓብይ ጾም፡ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያን “ኒቆዲሞስ”ተባሂላ ትጽዋዕ። አብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሎ ለኢየሱስ ረቢ ሊቅ ንሕነ ነአምን ብከ። ከመ እምኀበ አብ መጻእከ ከመ ትኩን መምህረ። ትርጉም “ ኒቆዲሞስ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን። ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ።” እዚ ዕለት እዚ ኒቆዲሞስ ተባሂሉ ዝስመይ ኰይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ካልኣይን ዓብይን ልደትና ክንሓስብን ክንምርምርን ዝተሰርዓልና እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ