S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኖም ተመዚዞም

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኖም ተመዚዞም። ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ, ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያ ኮይኖም ዝተመዘዙ፡ ልኡኽ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ 26 መስከረም 2009 (፲፮ መስከረም ፳፻፪ . ግእዝ) ምስ ፖፕ ሺኖዳ 3 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓትርያርክ ናይ እስክንድርያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ድሕሪ ዝተገብረ ርክብ እዩ።

ኣቀዲሙ ብፁዕ ኣቡነ ዳዊት ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ሃገረ ስብከት ሊቀ ጳጳስ ወኪል ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ፡ ንናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ኣገልግሎት ኪህቡ ምጽንሖም ዚዝከር ኮይኑ፡ ከም መቀጸልታ ናይዚ ድማ እቲ ብኣቡነ ዳዊት ኪግበር ዝጸንሐ ኣገልግሎት፡ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኤርትራዊ ጳጳስ ተተኪኡ ከም ዝቕጽል ተገይሩ።

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ብብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ፡ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን-ኤርትራ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ኮይኖም ድሕሪ ምምዛዞም 17 ጥቅምቲ 2009 (7 ጥቅምቲ 2002 . ግእዝ) ምስ ካህናት ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ፈላሚ ርክበ-ካህናት ኣካይዶም። ኣብቲ ርክብ፣ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን-ኤርትራ ተፈጺሙ ዘሎ ዘይክርስቲያናዊ ግህሰትን፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ቤተክርስቲያንን ኩነታት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን-ኤርትራን ምስ ካህናት ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብዕምቆት ተላዚቦምን ዘትዮምን።

ብፅዕነቶም ኣብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ጳጳስ ኮይኖም ብፖፕ ሽኖዳ፡ ምምዛዞም ድሕሪ ምሕባር፡ ነቲ ኣገልግሎት ብቕንዕና ከም ዝተቐበልዎን ብእምነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ብቀኖናን ዶግማን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከገልግሉ ምዃኖም ገሊጾም።

ብወገን ናይ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ካህናትውን ነቲ ዝተገብረ ናይ ኣገልግሎት መደብ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ትሕቲ ቅድስና ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ኮይኖም፡ ብናይ ፍቕርን ምሕረትን ይቕረታን መንፈስ ኣገልግሎቶም ክቕጽሉ ብሓጎስ ከም ዝተቐበልዎም ገሊጾም።

ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ንቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ብቕንዕናን ብጸሎትን ከገልግሉ ኣብ ኣገልግሎቶም እግዚኣብሔር ከሰንዮም ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ናብ ኣምላኽ ይትስፎ።

እግዚኣብሔር ሃገርናን ቤተ ክርስቲያንናን ይባርኽ።
ዕድመን ጥዕናን ንብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያ ንሃገር ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div