S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መእተዊ፥ እዚ ሰንበት እዚ፡ ጾመ ኣርብዓ ዝኣትዋሉ ሰንበት እዩ። ጾመ ኣርብዓ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ቤተ ክርስትያንና ናይ ጾም እዋን እዩ። በብሰሙኑ ድማ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምውራዱ ጀሚሩ ክሳብ ትንሳኤኡ ዝሓለፎ ህይወት ብምስትንታን እንዝክረሉ፡ ኣብቲ ናቱ ስራሕ ሓቢርና ምህላውና ድማ ርእስና እንምርምረሉ ክቡር ግዜ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና እምበኣር፡ ሕጽር ዝበለ ትምህርቲ ብዛዕባ ጾምን፡ ብዛዕባ ትርጉም እዛ ሰንበት ተሰምያትሉ ዘላ መጸውዒ “ዘወረደ” ብዛዕባ ምውራድ ወልድ ዋህድን፡ ዕላማ ምስጋዉን ክንርኢ ኢና።

ትርጉም ጾም፥ ጾም፡ ነፍስኻ ብምቅጻዕ ዝፍጸም ጸሎት እዩ። እዚ ድማ ከምቲ ሕልናካ (መንፈስካ) ከምኡውን ስጋካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እተግዝኣሉ መገዲ እዩ። ስለዚ፡ ጾም እቲ ዝለዓለ መገዲ ጸሎት ክንብሎ ንኽእል። ነዚ እዩ ድማ ጾም ኣብ ታሪኽ ደቂ እስራኤል ይኹን፡ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ዓቢ ቦታ ዝነበሮን  ዘለዎን። ብሓፈሻ ጾም መሰልካ ምሕዳግ፡ ንስጋ’ውን ካብ ዘተፈላለየ ነገር (ብልዕን መሰተን) ምሕራም ስለ ዘስዕብ፡ መስዋእቲ ይሓትት እዩ። እንተዀነ እቲ ዝርከብ በረኸት ልዕሊ እቲ ዋጋ ስለ ዝኾነ ዘዋጽእ እዩ። እንተዀነ ኣብ ዘመንና ጾም ትርጉሙ ስሒቱ ንርእዮ። እቲ ቀዳማይ፡ ጐይታ ናይ ምድሓንና ስራሕ ፈጺሙ ድሕነት ካብ ሃበና፡ ጾም ንምንታይ ኣድለየ ካብ ዝብል ምረዳእ፡ ንጾም ሸለል ምባል እዩ። እቲ ካልእ ድማ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ናይ ምድሓንና ስራሕ ከም ዘይፈጸሞ፡ ንጾም ኣብ ናይ ጽድቅን ሓጢኣትን ሚዛን፡ ንጽድቅኻ ኣመዚኑ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘብቅዕ ምግባር ዝሓስብ ርድኢት  እዩ። ዋላዃ ጐይታ ብሞቱ ህይወት ሂቡና እንተዀነ፡ እዚ ህይወት ክዓቢ፡ ናብ ምስሊ ክርስቶስ ክንልወጥ ጸጋ ክንረኽብ የድልየና። ነዚ ድማ ካብ ብጾም ዝተሰነየ ጸሎት ዝዓቢ መገዲ የብልናን።

እቲ ቀንዲ ብጾምና እንረኽቦ ዓወት፡ ብኵሉ መንነትና ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ምውካል እዩ።  በዚ መገዲ ዝቐርብ ጸሎት ድማ ኣምላኽ ይሰምዖ እዩ።  ኣቦና ዳዊት ከምዚ ኢሉ “ኣነ ግና እንተ ሓመሙ፡ ከሊ ተከደነኩ፡ ንነፍሰይ  ብጾም ቀጻዕክዋ ርእሰይ ኣድኒነውን ጸሌኹ።” (መዝ 35፡13)።  እቲ ቅቡል ጸሎት ድማ እቲ ብትሕተና ዝግበር ጸሎት እዩ። “እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።” (2ዜና 7፡14)። ስለዚ ኣብ ጊዜ ጾምና ብትሕትና (ርእስና ብምቕጻዕ) ናብ ኣምላኽ እነቅረቦ ጸሎተ እንተ ዘይብልና፡ ጾምና ትርጉም ይስእን፡ ካብ ተራ ምሕሳም መግቢ ድማ ተፈልዩ ኣይርአን።

ጥንቃቐ ኣብ ግዜ ጾም፥ ከም ኵሉ ዓይነት ጸሎት፡ ጾምውን ናብ ኣምላኽ ዝቐንዕ ክኸውን ኣለዎ።  “እቶም ግቡዛተ ጸወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺራኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ ክትጾሙ ከለኩም ከምኣቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቡም ከም ዝተቀበሉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ንስኻ ግና ክትጸውም ከሎኻ ከም ዝጾምካ ነቲ ብስዉር ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር ንሰብ ምእንቲ ከይተርኢ ርእስካ ቅባእ ገጽካውን ተሓጸብ። እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድካ እዩ።” (ማቴ 6፡16-18)። እዚ እንተ ዘይዀይኑ፡ ጾምና፡ ትሕትና ምምጻእ ተሪፉ ትዕቢት ስለ ዘስዕብ ንውድቀትና ይኸውን። ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እያ ትዛረብ እሞ፡ እቲ ብደገ ዝንጸባረቕ፡ ካብቲ ናይ ውሽጥና ርድኢት እዩ ዝምንጩ። ንጸውም ከም ዘሎና ባዕልና እንተ ዘየቕሊብናሉ፡ ከባቢና ከቕልበሉ ክነንጸባርቕ ኣይንክእልን ኢና። ስለዚ ካብ ኣቓልቦ ናይ ገዛእ ርእስናውን ምሕባእ የድልየና እዩ። ብተወሳኪ ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ ጾም ዝመሃሮ ነንብብ “…እነሆ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባረኩም ኢኹም እትገብሩ፡ ንግዙኣትኹም ድማ ተጋፍዕዎም ኣለኹም። ክትጾሙ ኸለኹም ትበኣሱን ትከራኸሩን ብሕሱም ጕስጢት ትዋቅዑን ኣሎኹም። ጸሎተኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዚስማዕ ጌረኹም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘለኹም። እቲ ኣነ ዝፈተዎ ጾምን፡ እታ ሰብ ንነፍሱ ዘሕስኣላ መዓልትን ከምዚ ዘመሰለ ድዩ፧ ከም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናን፡ ክሻን ሓመዅሽተን መነጸፍካ ምግባር፡ ነዚ ዲኹም ጾምን እግዚኣብሄር ዚቕበሎ መዓልትን እትብልዎ ዘሎኹም፧ እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ እዚ ዝስዕብ እዩ፡ ንማእሰር እከይ ምፍታሕ፡ ነርዑት ምዝላቕ፡ ነጥቑዕ ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ባርነት ዘበለ ኵሉ ምስባር፡ እንጌራካ ንጥሙይ ምምቃል፡ ነቶም ዝተሰዱ ድኻታት ኣብ ቤትኩም ምቕባል፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኹም ምኽዳን፡ ንዘመድኩም ካብ ምሕጋዝ ዘይምሕባእ እዩ።” (ኢሳ 58፡3-7)። በዚ ዝተጠቐሰ ሓሳብ ተመሪሕና፡ ብጾም ዝተሰነየ ቅቡል ጸሎት ክነቕርብ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። ኣሜን።

ዘወረደ፥ በዚ ቀዳማይ ሰሙን ጾመ ኣርብዓ፡ ቤተ ክርስትያን ክነስተንትነሉ ዝሰረዐትልና ኣርእስቲ “ዘወረደ” ዝብል እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ መግለጺ እምነትና ዝዀነ ጸሎተ ሃይማኖት ሰፊሩ ዘሎ “ዘበእንቲኣነ ለሰብእ ወበእንተ መድኃኒትነ፡ ወረደ እምሰማያት። ተሰብኣ፡ ወተሰገወ እመንፈስ ቅዱስ ወእማርያም እምቅድስት ድንግል” ዝብል ነቲ እቲ ካልኣይ ኣካል ስላሴ፡ ወልድ፡ ምእንቲ ድሕነትና ምውራዱን ስጋ ምልባሱን ዝድህስስ እዩ። ንሱ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ምስ ኣብኡ ህልው ዝዀነ፡ ብእኡ ዅሉ ዝዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ ዘየልቦ እዩ።

ኣብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያን ብምሕዳር፡ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ንፍሳ ንፍሲ ተዋሂዱ ሰብ ኰነ። “እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።” (ዮሃ 1:14)። “ስለዚ ናብ ዓለም ኪኣቱ ኸሎ፡ ይብል፡ ስጋ ኣዳሎኻለይ እምበር፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደሌኻን፡” (እብ 10:5)። ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን። (ዮሃ 3፡13)

ወልድ ዋህድ ንምድሓንና ምውራዱ ዘርእየና ክልተ ዓበይቲ ነገራት ኣለዋ። (1) መርኣዪ ፍቅሪ ኣምላኽ ንሰብ እዩ፥ “እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም። ስለዚ ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዓርቕ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዅሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመስሎም ተገብኦ። ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሰቅዩ እዩ እሞ፡ ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይከአሎ እዩ።” (እብ 2:14-18)። (2) መርኣዪ ዕቤትን ክብረትን ድሕነትና እዩ፥ ድሕነትና ቀጥታዊ ምውሳእ ኣምላኽ ብኣካል ዝጠለበ ዓቢ ጉዳይ እዩ። “…ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ።” (ፊሊጲ 2:5-8)። ሃዋርያ ደጊሙ “… ንሕና ግዳ ኽንድዚ ዚኣክል ምድሓን ዕሽሽ ካብ እንብል፡ ከመይ ጌርና ኽንመልቝ ይከአለና፧” ብምባል ዕቤት ድሕነትና ክሳብ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ይምህረና።

ኣብ ምድሓንና ዝጠቓለል ዝዝራዊ ዕላማታት ምውራድ ወልድ ንመልከት።

1. ንኣቦ ከግህዶ፥ “ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ።” (ዮሃ 1:18)።

2. ህይወቱ በጃ ክህብ፥ “ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም።” (ማር 10:45)።

3.  ምስ ኣምላኽ ክዓርቐና፥ “ማለት፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ።” (2ቆረ 5:19)።

4. ኣሰኣሰሩ ክንስዕብ ኣርኣያ ክሓድገልና፥ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።” (1ጴጥ 2:21)።

እምበኣር፡ በዚ ቀዳማይ ሰሙን ጾምና፡ በዚ ምውራድ ወልድ ንምድሓንና እንዝኽረሉ ግዜ፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ፍቅሪ ከም ዝተገብረልና ነስተንትን። “…ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ዝተባህለሉ ፍቅሪ (ዮሃ 3:16)። መላእኽቲ ከምኡ ዝበለ መግለጺ ፍቅሪ ኣይተዋህቦምን። “መላእኽቲ ናብኡ ኺጥምቱ ይብህጉ እዮም” ብዝተባህለሉ ዓብዪ ፍቅሪ፡ ኣምላኽ ኣፍቂሩና (1ጴጥ 1:12)። ነስተንትን፡ ስለዚ ፍቅሪ እዚውን ንኣምላኽ ነመስግኖ። ናይ ሓደ ኣቅሓ ክብሪ፡ ብኽብሪ እቲ ነቲ ኣቅሓ ንምስራሕ ዝተጠቐምካሉ ንጥረ ነገር፡ ግዜን ዓቅሚ ክኢላን ይምዘን። ናይ ክርስቶስ ሰዓብቲ ብምዃንና ዝረኸብናዩ ህይወት ክብረቱ ንምርኣይ፡ ክብረት እቲ ንዕኡ ክውን ዝገበረ ጐይታ ምምልካት የድልየና። ድሕነትና ክቡር ምዃኑ ነስተብልህል እሞ ንኣምላኽ ክንድዚ ዝኣኽል ክብሪ ስለዝሃበና ነመስግኖ። ምስ ዳዊት ሓቢርና “ኣብ ባህ ዜብል ቦታ ዕጻ በጺሑኒ፣ ኤረ ጽቡቕ ርስቲ መጺኡኒ።” ንበል። ልቢ ኢልና ድማ ብዛዕባ እተን ዝጠቐስናየን ኣርባዕተ ዕላማታት ምውራድ ጐይታ ነስተንትን። ከም ኣበር ዘይብሉ ገንሸል ርእሱ በጃ ኣሕለፈ፡ ሓጢኣትና ወሲዱ፡ ምስቲ ዘግሃዶ ኣምላኽ ዓረቐና፡ ነቲ ዝመደበልና ንዕኡ ናይ ምምሳል ዕላማ ዝኸውን ኣርኣያ ሓደገልና። ነዚ ክብል ዝፋኑ ገዲፉ ወረደ ። ወረደ ወዲ ኣምላኽ፡ ደቂ ኣምላኽ ክገብረና!!

“ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበና፡ ከምኡውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ።” (1ዮሃ 3:1)።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ 

ዕለት፥   ሰንበት 11 ለካቲት 2018    (4 ለካቲት 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

   መዝ 2፡11

“ተቀነዩ ለእግዚኣብሔር በፍርሃት ወተሃሠዩ ሎቱ በረዓድ”

“ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግልዎ፣ ብረዓድ ከኣ ተሐጐሱ።”

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

እብ 13፣ 7-17

ዲያቆን

ወንጌል፡ ዮሃ 3: 10-25

ያእ 4፣6-ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘእግዚእነ

ግብ 25፣13-ፍጻ

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div