S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሰንበት እዚ ሓሙሻይ ሰንበት ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመነ ልድት እዩ። ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ትምህርትና ድማ ንህይወትን ኣገልግሎትን፡ ሃና ጓል ፋኑኤል ዝድህስስ ኪከውን እዩ።

እዛ ኣደ እዚኣ ብዓሌታ ካብ ነገድ ኣሴር እያ። ኣሴር ሓደ ካብቶም 12 ነገዳት እስራኤል እዩ። ገና ብንእስነታ ሓዳር ጌራ ክትነብር ጀመረት።

ነዊሕ ከይኸደት ግና፡ ኣብ ሻቡዓይ ዓመት መርዓኦም ብዓል ቤታ ብሞት ተፈልያ። እዛ ገና ኣብ ንኡስ ዕድሜኣ ኣብ ምብልውና ዝወደቐት ኣደ፡ ድሕሪ እዚ ኵነታት ዓለማ ተናዊጹ፡ ኣብ ብዙሕ እንታይ እየ ክኸውን፡ ማኣዝን ህይወተይ ናበይ ኣቢለ እየ ዝመርሖ ዝብሉን ከምኦም ዝኣመሰሉን ሕቶታት ነእምሮኣ ከም ዝመጽዎ ርዱእ እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ፈታኒ መድረኽ፡ ካብቲ ኣብ ቅድሜኣ ተደቂኑ ዝነበረ ብዙሕ ምርጫታት ግና፡ ነቲ ህይወታ ምሉእ ንኣገግሎት ኣምላኽ ክውዕል፡ ንዓለም መኒና ህይወታ ንኣምላኽ ክትውፊ ወሰነት። ከምቶም ዘመኖም ምሉእ ንኣምላኽ ንኸገልግሉ ዝተወፈዩ ከም ነብዪ ሳሙኤል ዝኣመሰሉ መሲላ ድማ፡ ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት ንኣምላኽ ኣገልገለቶ።

እዚ ናይ ወንጌል ጸብጻብ ኣብ ዝተዋህበሉ እዋን፡ ሃና 84 ዝዓመታ፡ ናይ ዕድመ ብዓልቲ ጸጋ ኰይና ነበረት። ነዚ ኣገልግሎት ኣብ መፋርቕ ናይ 20ታታ ጀሚራቶ እንተ ኰይና ድማ ከባቢ 60 ዓመታት ንኣምላኽ ብተወፋይነት ኣገልጊላቶ ኔራ ማለት እዩ። እዚ ንውሓት ግዜ፡ እሞ ከኣ ካብ ቤት መቕደስ ከይውጻእካ ክሳብ ክንደይ ዘገርም ተኣምራታዊ ተሞኽሮ ምዃኑ ንምርድኡ ኣየጸግምን እዩ። እቲ ጽሑፍ ከም ዘብርሃልና ድማ ቦታ ኣገልግሎታ ቤት መቕደስ ነበረ። ከምቲ እንርድኦ ኣብ ቤት መቕደስ ብዘይካ ካህናት ካልኦት ኣይኣትውን እዮም ነይሮም። ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኪኣትዋ ኣይፍቀደለንን እዩ ዝነበረ። ካብ ቤት መቕደት ከይወጸት ንኽንድዚ ዝኣኽል ንውሓት ናይ ግዜ እትገብሮ ዝነበረት ነገር ድማ እቲ ካልእ ንህይወታ ዘገርም ዝገብሮ ነገር እዩ። ኣገልግሎት ሃና ከኣ ጾምን ጸሎትን ነበረ። እዚ ሒዛቶ ዘላ ኣገልግሎት ዘይተለምደ ኣገልግሎት እዩ (1ጢሞ55) ነዚ ኣገልግሎት እዚ ንበይኑ ከም ዕዮ ምሓዝ ኣዝዩ ዓቢይ ነገር እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ በዚ ዓይነት ኣገልግሎት ዘገልግሉ ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ስለዚ ኣገልግሎት ሃና ብዓይነቱ፡ ብቦታ ዀነ ብመንጽር ንውሓት ግዜ ዝድነቕ ኣገልግሎት ነበረ። ነዚ ኣገልግሎት ድማ ለይትን መዓልትን እያ እትፍጽሞ ነይራ።

ወልዲ ጐይታ ከኣ፡ ከም ስርዓት ኣይሁድ እቲ ህጻን ክርስቶስ ክግዘርን፡ ማህጸን ኣዲኡ ከም ዝኸፈተ ውሉድ መጠን ድማ ናይ ምብጃው መስዋእቲ ከቕርብሉ ናብ ቤት መቕደስ ኣምጽእዎ። እታ ቦታኣ ከይገደፈት ንኣምላኽ ተገልግሎ ዝነበረት ባርያኡ ሃና ድማ ነቲ ሕጻን ምስ ረኣየቶ ብምስጋና ተመልአት። ዋላኳ ኣብኡ ትንበር እምበር፡ እቲ ሕጻን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንኽትፈልጥ መንፈስ ቅዱስ ክሕብራ ከም ዜድልያ ፍሉጥ እዩ። ኣምላኽ ነቶም ኣብ መገዱ ዝጸባበይዎ ዝቀባበል ምዃኑ ድማ ኣግሃደ (ኢሳ 645) ምስቲ ብምግላጽ መንፈስ፡ እቲ ኣብ ሕቕፉ ዘሎ ህጻን ኢየሱስ እቲ ስግዊ ቃል፡ ናይ ትጽቢት ወሎዶታት ድማ ፍጻሜ ዝዀነ መሲሕ ክርስቶስ ምዃኑ ዝተገልጸሉ ስምኦን ሓቢራ ድማ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ።

ሃና ምድሓን ኢየሩሳሌም ንዝጽበዩ ኵሎም ብዛዕባኡ ተዛሪባቶም፡ ማለት ክርስቶስ መን ምዃኑን ካብኡ እንታይ ክጽበዩ ከም ዚግባእን ሓቢራቶም ኪኸውን ይከኣል። ካልኦት ንምድሓን እስራኤል ዝጽበዩ ብዙሓት ሰባት ከም ዝነበሩ ንርዳእ (ኢሳ 256-9) ነቶም ሰባት እቲኣቶም እያ ብዛዕባኡ ተዛሪባቶም። በዚ ኸኣ ነቲ ንትጽቢቶም ከንቱ ዘይገበረ ኣምላኽ ምስ ሃና ኰይኖም ከም ዘመስግንዎ ርጉጽ እዩ (ኢሳ 259) ከምቲ ክርስቶስ ባዕሉንሕጊ ኰነ ንነብያት ክፍጽሞም ደኣ እምበር ክስዕሮም ኣይመጻእኩንዝበሎ፡ ከምኡ እቲ ሕጊ ዝኣዘዞ ዅሉ ፈጺምዎ እዩ (ማቴ 517 ማቴ 315)

ኣብ ርእሲ እቲ ብጾምን ጾሎትን እተገግሎ ኣገግሎት፡ ብነብዪነትውን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። ነብያት ድምጺ ኣምላኽን ፍቓድ ኣምላኽን ፈሊጦም ንህዝቢ ኣምላኽ ዝሕብሩ ሰባት እዮም። ብጸሎትን ጾምን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትነብር ሰብ ስለዝነበረት፡ ድምጺ ኣምላኽ ንምስማዕ ቀረባ ሰብ እያ ዝነበረት። ብዘይካ ሃና፡ ካልኦት ነብያት ዝዀና ደቀንስትዮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ኣለዋ። ጐይታ ነተን ርእሰን ዝሕልዋ ቅዱሳን ኣንስቲ እዚ ኣገልግሎት እዚ ብምኽንያት ጾታአን ከም ዘይከልአን ንርኢ። ናይ ትንቢት ኣገልግሎት ነወዳትን ነዋልድን ከም ዝህቦም፡ ብነብያትን ሃዋርያትን ከምኡውን ብተመኩሮ ኣመስኪሩ እዩ (ዩኤ 228 1ቈረ 115) ብዘይካ ሃና ካልኦት ብስም ዝተጠቕሳ ነብያት ኣለዋ። ንሳተን ከኣ ሚርያም (ዘጸ 1520) ዲቦራ (መሳ 44) ሑልዳ (2ነገ 2214) ኖኣድያ (ነህ 614) ደቂ ፊሊጶስ (ግብ 219) እየን። ሃና ርእሳ ብንጽህና ዝሓለወት፡ ቃል ኪዳናውን ኣኺቢራ ዝነበረት ምንባራ ይሕብረና። ከምኡውን እተን ደቂ ፊሊጶስ ደናግል ምንባረን ይፍለጥ (ግብ 219)

ካብዚ ናይ ሃና ጓል ፋኑኤል ህይወት ብዙሕ እንመሃሮ ትምህርቲ ኣሎና። እቲ ቀንዲ ኣብነት ግና እቲ ርእስካ ንኣምላኽን ኣገግሎቱን ናይ ምውፋይ ኣብነት እዩ። ሃና ህይወታ ኣምላኽ ክጥቐመሉ፡ ንኣምላኽ ዝወፈየት ኣደ ነበረት። ኣምላኽ ንህይወትና ክኸብረሉ ክንውፍዮ ይጽውዓና እዩ። ኣምላኽ ብፍታው ንዕኡ ንዝተወፈይ ዅሉ ተጠቒሙ ዘኽብር እምበር ዝድርቢ ኣምላኽ ኣይኰነን። ኣምላኽ  ከም ፈጣሪ፡ ናይ ኵለንተናና ወናንን ብዓል ቤትን እዩ። በቲ ብመገዲ መስዋእቲ ወዱ ብዝኸፈሎ ክቡር ደም ድማ ንብረቱን ጥሪቱን ጌሩና እዩ (1ቈረ 6:20 1ጴጥ 118-19) ካብዚ ዝተላዕለ፡ ቤት ምቕደስ ኣምላኽ ምዃንናን መንፈስ ኣምላኽ ዝሓደረና ቤቱ ምዃንናን እምበር ናይ ርእስናውን ከም ዘይዀንና ይገልጸልና። ምስ እዚ ኵሉ ግና፡ ብፍታውናን ብውሳኔናን ክንገብሮ ስለ ዝጽበየና፡ ርእስና ከም ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ክንፍዮ ድማ ደጋጊሙ ይሓተና። ስለዚ ካብዚ ናይዛ ቅድስቲ ኣደ፡ኣብዚ ልምሉም ዕድመይገና ገለ ዘየልዓልኩሉከይበለት፡ እተን ዝተረፋ ዘመን ህይወታ ኣምላኽ ክግልገለለን ንኣምላኽ ዝወፈየተን፡ ንሕናውን ነቲ ኣምላኽ ብፍጥረትን ብስራሕ መስቀል ክርስቶስ ናቱ ዝዀነ ህይወትና፡ ብፍታውና ንጥቕምን ኣገልግሎትን ኣምላኽ ክንውፍዮ ኣምላኽ ይጽውዓና። እዚ ድማ ኸምቲ ዳዊት፡ እቲ ህዝቢ ንመስርሒ ቤት መቕደስ ዝኸውን ነገራት ብፍታው ምስ ወፈየ ዝበሎ እዩ፡ከምቲ ብፍታው ከነቕርብ ዝኸኣልናስ፡ ኲሉ ኻባኻ ደኣ እዩ፡ ካብ ኢድካውን ኢና ሂብናካ ዘሎና እሞ፡ ኣነ መን እየ፧ እዞም ህዝበይከ እንታይ እዮም፧” (1ዜና 2914) እዚ ንኣምላኽ ርእስካ ናይ ምውፋይ ጉዳይ ግና ብምንኩስና ጥራይ ዝፍጸም ነገር ኣይኰነን። እቲ ጽሑፍ ከም ዝብለና፥ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ።” (ሮሜ 613-14) ወሲኹ ድማስለ ድኻም ስጋኹም በዛራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ፡ ከምቲ ንርኽሰትን ግፍዕን ናብ ምፍራስ ሕጊ ኣካላትኩም ንባርነት ዝወፌኹም፡ ከምኡ ድማ ሕጂ ንጽድቂ ናብ ቅድስና ኺግዛእ፡ ኣካላትኩም ወፍዩ” (ሮሜ 619) ርእስኻ ንኣምላኽ ምውፋይ ምስ ሓጢኣትን፡ ርኽሰትን፡ ዓለማውነት ብሓደ ወገን ጽድቕን ቅድስናን መንፈሳውነትን ድማ በቲ ሓደ ዝተኣሳሰር ኰይኑ ኢና ንረኽቦ። ካብዚ ተበጊስና ርእስካ ንኣምላኽ ናይ ምውፍይ ሕቶ ንዅሉ ሰብ ዝምልኸት ሕቶ እዩ።

ርእስካ ንኣምላኽ ምውፋይ፡ ንኣምላኽ እንገብረሉ ጉንዖ (favor) ዘይኰነስ፡ ንህይወትና ካብ ምብካን ኣድሒኑ ንዝተፈጥረትሉን ዝደሓነትሉን ዕላማ ዘንብር ተሞክሮ እዩ። እዚ ማለት እቲ ንኣምላኽ ዘይተወፈየ ህይወት ዝባኸነ ህይወት፡ ክነቱ ዝዀነ ህይወት እዩ። እቲ ንኣምላኽ ዝተወፈየ ህይወት ግና ዝተኣርነበ፡ ዝተባረኸ ህይወት እዩ። ህይወት ወዲ ሰብ ንዕላማ ምፍጣሩ ንምርድኡ ዘጸግም ኣይኰነን። እቲ ዝደቀቀ ስርሓት ኣጻብዕና እዃ ብዘይ ዕላማ ኣይንሰርሖን ኢና። እቲ ክንዲ ፍጥረት ህይወት ወዲ ሰብ ዝኽብረቱ ህይወት ብዘይ ዕላማ ኪከውን ኣይክእልን እዩ። ዕላማ ህይወትና ድማ ኣብቲ ሰራሒና ኣምላኽ እዩ ዘሎ። ንክብሩ ድማ እዩ ዝደኰነና። እቲ ዝተደኰነ ኣቕሓ ንተግባር በዓልቤት ዝጠቕም ድማ ነቲ እቲ ብዓልቤት ዝወሰነሉ ዕላማ ተፈልዩ ኣብ ተግባር ክውዕል ከሎ እዩ። ምቕዳስ ማለት ንሱ እዩ። ንሕዙእ ጥቕምን ኣገግሎትን ኣምላኽ ክትከውን ምፍላይ። ከምቲ ሃና ኣምላኽ ንህይወታ ክጥቐመሉ ርእሳ ብምውፋይ ዝተቐደሰት፡ ርእስና ንኣምላኽ ንቀድስ።

ኣብ ምቅዳስ ህይወትና ወሳኒ ዝዀነ ኣብ ህይወት ሃና ድማ ጐሊሑ ዝረአይ ተሞክሮ፡ እቲ ናይ ጾምን ጾሎትን ህይወት እዩ። ብመጠን እቲ ብጾምን ጸሎትን ናብ ኣምላኽ ዝቐረብናሉ ብመጠኑ ድማ ካብ ዓለምን ስጋን ሰይጣንን ንርሕቕ። እናተቐደስና ብዝከድናሉ መጠን ድማ ኣምላኽ ኣባናን ብኣናን ዘለዎ ዕዩ እናዓዘዘ ይኸይድ። እዛ ኣደ ካብዚ ከምዚ ዝበለ ህይወት ድምጺ ኣምላኽ ክትስምዕን፡ ነብዪት ክሳብ ምዃን እትበቅዕን ኣምላኽ ኣክበራ። ነብዪት ብነብዪታ እዃ፡ ነቲ ናፍቆት ኩሎም ነብያት ዝነበረ መድሓኒ ብዓይና ክትርእዮ ትዓደለት። ብዘይ ቅድስና ሓደ እዃ ንኣምላኽ ዝርእዮ የልቦን ከም ዝተባዕለ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣባና ዘለዎ መደብ ናይ ምፍጻም ናይ መጀመርያ ረቛሒ፡ ካብ ዓለም ወጺእና ህይወትና ንኣምላኽ ምውፋይ እዩ (እብ 1214)

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ 

ዕለት፥ ሰንበት 4 ለካቲት  2018   (27 ጥሪ 27 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 48(47)፡8 

በከመ ሰማዕነ ከማሁ ርኢነ በሀገረ እግዚአ ኃያላን በሀገረ አምላክነ እግዚአብሔር ሣረራ ለዓለም።

ከምቲ ዝሰማዕናዮ፣ ኣብ ከተማ ጐይታ ሰራዊት፣ ኣብታ ኸተማ ኣምላኽና ኸምኡ ርኤና፣ ኣምላኽ ንዘለአለም ኬጽንዓ እዩ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 1፡1-12

ዲያቆን

ወንጌል፡ ሉቃ 2፡36-42

1ጴጥ 1፡13-22

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም)

ግብ 19፡1-11

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div