S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሰንበት እዚ፡ 28 ጥሪ 2018 ራብዓይ ሰንበት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎናዮ ቅነ፡ ቅነ ልደት እዩ። ትሕዝቶ ናይ ወንጌል ምንባብና ድማ ካብቲ ብዛዕባ ናይ ጐይታና ዕቤትን፡ ወዲ 12 ዓመት ምስ ዀነ ኣብ መዓልቲ ፋሲካ ኣብ ማእከል ሊቃውንቲ ብምዝርራቡ ዘርኣዮ ምስትውዓልን ዝገለጾ ሓቅታትን ዝድህስስ እዩ።

ሕጻን ክርስቶስ ክዓቢ ከሎ ኣርባዕተ ርኡያት ነጥብታት ዕቤት ነበርዎ። እቲ ቀዳማይ፡ ብቑመት ስጋ ምዕባይ እዩ (ሉቃ 252) እዚ ድማ ከም ዝዀነ ሰብ መጠን ዝዓብዮ ዕቤት እዩ። እቲ ካልኣይ ዕቤት ድማ ናይ መንፈስ ዕቤት እዩ ነይሩ። ክድልድል ዚኽእል ዝዓበየ ጥራይ እዩ። ስለዚ እቲ ብመንፈስ ምድልዳሉ፡ ብመንፈስ ናይ ምዕባዩ ንጹር ምልክት እዩ። ብመንፈስ ምዕባይ ከኣ፡ ኣብ ዝዀነ ክርስትያን ኪህሉ ዝግብኦ ባህርይ እዩ (2ቈረ 910 ኤፌ 411-15 ቆሎ 110 1ተሰ 312 1ተሰ 410 እብ 61 1ጴጥ 22 2ጴጥ 15-8 1ቈረ 1311 1ቈረ 1420 እብ 514 1ዮሃ 214) ብምዕባዮም ዝተመስከረሎም ሰባት ብዙሓት እዮም (1ሳሙ 226 ሉቃ 180 ግብ 922 2ተሰ 13) እቶም ዘይዓብዩ ከኣ ኣዝዮም ይንቀፉ (1ቈረ 312 1ቈረ 1420 ገላ 41-3 ኤፌ 414 እብ 512 1ጴጥ 22) መንፈሳዊ ዕቤት ብዘይ ኣምላኽ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ (መዝ 7121 ኤፌ 416) እቲ ሳልሳይ ከኣ፡ ጥበብ ዝመልኦ ምንባሩ እዩ። ክርስቶስ ብጥበብ ዝተመልአ ከም ዝኸውን፡ ብነብያት ተነጊሩ ነበረ (ኢሳ 111-2) ዓለም ድማ ጥበብ ጐይታ ርእያ ኣድኒቓቶ እያ (ማቴ 1354 1ቈረ 124 ቆሎ 23) ክርስቶስ ፍጥረት ክፈጥር ከሎ ድማ ብጥበብ እዩ ገይርዎ (ዮሃ 11-4 መዝ 10424 ምሳ 319 ኤር 107 ዳን 220 1ቈረ 125) ሰባት እውን ከም ጐይታኦም ብጥበብ ክነብሩ ይግብኦም (እዮ 2828 ምሳ 17 እዮ 327-8 መዝ 11110 ምሳ 120 ምሳ 47 ምሳ 91) እታ ሰብ ኪነብረላ ዝግባእ ጥበብ ሰማያዊት ደኣ እምበር ምድራዊት ኣይኰነትን (ያእ 317) ስለዚ ንጥበብ ክንደልያን ንምቕባላ ክንጽልን ይግብኣና (2ዜና 110 መዝ 9012 ምሳ 26 ኤፌ 117 ቆሎ 19 ያእ 15 እዮ 2812,20 መዝ 119169 መክ 113 መክ 212 መክ 725 መክ 816) ብጥበብ ተመሪሕና ክንመላለስን ክንዋጋእን የድልየና (ምሳ 246 ምሳ 2018) እቲ ራብዓይ ከኣ፡ ጸጋ ኣምላኽ ኣብኡ ምንባሩ እዩ። እዚ ካብ ሕጻንነቱ ሒዙ ምስኡ ዝነበረ ሃብቲ እዚ፡ ንእኡ ጥራይ ዘይኰነስ ንዓለም ብምልእታ ዝኣክል ጸጋ እዩ (2ቈረ 89 2ቈረ 129 ኤፌ 47 1ጢሞ 112 2ጢሞ 21 ራእ 222 ሮሜ 324)

ንበዓል ፋስጋ በብዓመት ናብ ኢየሩሳሌም ይኸዱ ነይሮም። ፋሲካ ብእብራይስጢፖሳሕይበሃል። ትርጉሙ ከኣሓሊፉማለት እዩ። ደቂ እስራኤል ኣብ ግብጺ ገንሸል ሓሪዶም፡ ደሙ ኣብ ልዳት ቤቶም ብምልካይ፡ ካብቲ ቊጥዓ ኣምላኽ ድሒኖም። መልኣኽ እግዚኣብሄር በታ ለይቲ እቲኣ ንግብጻውያን ኪቐዝፍ ከሎ፡ ነቶም ደም ብእምነት ኣብ ልዳት ቤቶም ዝገበሩ ግን ከይቀዘፎም ብምሕረት ስለ ዝሓለፈ፡ እታ መዓልቲ ፋሲካ (ሓሊፋ) ተባሂላ። ስለዚ ድማ ንፋሲካ ዝሕረድ በጊዕገንሸል ፋሲካተባሂሉ ይጽዋዕ (ዘጸ 121-17) እዚ በዓል እዚ ኣብታ ቀዳማይቲ ወርሒ ናይታ ዓመት ኣብ መበል 14 መዓልቲ እዩ ዝኽበር። ካብታ ምሸት እቲኣ ክሳዕ ሓደ ሰሙን (7 መዓልቲ) ዝኣክል ብኹዕ ነገር ክበልዑ ስለ ዘይተፈቕደሎም፡ እቲ ሰሙን በዓል ቅጫ ተባሂሉ ይስመ ነበረ። ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ ሰሙን፡ ኣብዚ ናይ ፋሲካ ሰሙን (በዓል ቅጫ) እዩ ዝነበረ (ሉቃ 2214-16 ዮሃ 1838-40) ኣብቲ ሰሙን እቲ ገንሸል ኣምላኽ ኰይኑ ደሙ ስለ ዘፍሰሰልናገንሸል ፋሲካና ክርስቶስተባሂሉ (1ቈረ 57 1ጴጥ 118-19) ስለዚ ድማ ትንሳኤ ክርስቶስበጊዕ ፋሲካናተባሂሉ ዝጽዋዕ። ዝዀነ ይኹን ተባዕታይ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ኢየሩሳሌም በዓላት ከብዕል ናይ ግድን እዩ ነይሩ። እተን በዓላት ከኣ በዓል ፋሲካ (በዓል ቅጫ) በዓል ሓምሳ (በዓል ሰሙናት) በዓል ዳስን እየን። ስለዚ ክርስቶስ ከም ተባዕታይ መጠን ናብቲ በዓል ክድይብ ናይ ግድን እዩ (ዘጸ 2314-17 ዘዳ 1616) 

እተን መዓልታት ኣእኪሎም ኪምለሱ ከለዉዝተባህለ፡ ነተን ድሕሪ እታ ፋሲካ ዘለዋ ሾብዓተ መዓልታት ናይ በዓል ቅጫ ማለት እዩ። ንእአን ከየእከልካ ምምላስ ኣይፍቀድን እዩ (ዘዳ 165,7) ክርስቶስ እቲ ወዲ 12 ዓመት ሕጻን (ቆልዓ) ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ ወለዱ ተሪፉ። እቶም ስድርኡ ናብ ቤቶም ክህወኹ ከለዉ፡ ክርስቶስ እቲ ቆልዓ ግን ናብ ቤት ኣቦኡ ንምእታው ተሃዊኹ። ንክርስቶስ ሓዲጎም ምኻድ ግን ትርፉ ድኻም ጥራይ እዩ። መገዲ ሓደ መዓልቲ ቀሊል መገዲ ኣይኰነን። ነዚ ብዛዕብኡ ብዙሕ ዝተባህለሉ ሕጻን እዚ፡ ካብ ኢድካ ክትፈልዮ ዜገርም እዩ። ዋላ ምስ ሰብ መገዲ እንተሃለወውን፡ ምስኦም ኣይኰነን ዘሎ። ንኽረኽብዎ ንሰለስተ መዓልታት ዝኣክል ክንደይ ከርተት ኢሎም። እዚ ዅሉ ኪኸውን ከሎ ግን፡ እቲ ቆልዓ ክርስቶስ ኣብ ጸወታ ዘይኰነስ ብቓል ኣምላኽ ምስ ሊቃውንቲ ኣብ ቤት ኣቦኡ ኰይኑ ይመያየጥ ነበረ። ኣብ ማእከል ቈልዑ ዘይኰነስ፡ ኣብ ማእከል መምህራን እዩ ነይሩ። ስለዚ ኵሎም ቈልዑ፡ ከም ክርስቶስ ኣብ እዋን ንእስነቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ክርከቡ ከም ዚግባእ ዓብይ ትምህርቲ ይህበና።

ክርስቶስ፡ ነቶም ሊቃውንቲ በቲ ዝሓተቶ ሕቶን በቲ ተሓቲቱ ዝህቦ መልስን ኣዝዩ ኣገረሞም። ክርስቶስ ካብታ ዝተወልደላ ጀሚሩ ንዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ኵሎም ብምግራም ይመልኦም ነበረ። ብኹሉ ነገሩ መስተንክር እዩ (ማቴ 1354 ማቴ 1531 ማቴ 2222-33 ማር 212 ማር 441 ማር 737 ማር 1024 ሉቃ 825) ማርያምን ዮሴፍን ድማ ኣብዚ ቦታ እዚ ምስ ረኸብዎ ሰምቢዶም። ሰለስተ መዓልቲ ምሉእ ክደልይዎ ከለዉ፡ ናብዚ ቦታ እዚ ኣይመጹን። ምናልባት ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ እዮም ናብዚ መጺኦም ዝዀኑ። ንእኡ ግን ቀዳማይ ምርጭኡ እዩ ነይሩ። ንክርስቶስ መጀመርያ፡ ኣብዚ ግቡእ ቦትኡ ደልዮምዎ  እንተ ዝዀኑ፡ ምናልባት ሽዑ ንሽዑ ምረኸብዎ ኔሮም ይዀኑ።

ስለምንታይ ከምዚ ገበርካና፧ክትብሎ ከላ ከም ዝበደለ ጌራ ትግስጾ ኣላ። እቲ ጌጋ፡ ክርስቶስ ኣብ ቤት መቕደስ ምትራፉ ድዩ ወይስ ንሳቶም ክርስቶስ ከይሓዙ ብምኻዶም፧ኣነን ኣቦኻን እናጉሄና ንደልየካ ኔርናኢላ፡ ካብ ናይ ወላዲት መንፈስ ተበጊሳ ተዛረበቶ። ማርያም፡ ዮሴፍ ንክርስቶስ ኣቦኡ ከም ዘይኰነ ትፈልጥ እያ። ግንኣነን ኣቦኻንምባላ፡ ከም ኣቦ ኰይኑ የዕብዮ ስለ ዝነበረ ጥራይ እዩ። እዚ ኣበሃህላ እዚ፡ እቲ ቆልዓ መን ምዃኑን እቲ ብዛዕባኡ ዝተነግረ ነገርን ካብ ምዝንጋዕ ዝላዓል ኣበሃህላ እዩ። እቲ ብመልኣኽን ብነብያትን ብዛዕባኡ ዝተነግረ እንተዝዝክሩ፡ ጐይታ ጠፊኡ ከይተርፍ ኣይምፈርሁን ኔሮም። 

መልሲ ክርስቶስ ከኣ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ሓሳብ እዩ ዝድግፈና።ንምንታይ እትደልዩኒኢልዎም። እዚ ቃል እዚ፡ ነቲ ድኻሞምን ጓሂኦምን ግዲ ስለ ዘይገበረሉ ዝበሎ ቃል ኣይኰነን። ቃል ድፍረትውን ኣይኰነን። ነዚ ድኻሞምን ጓሂኦምን ምኽንያት ዝዀነ ዝረስዕዎ ዓብይ ነጥቢ ክሕብሮም ስለ ዝደለየ ጥራይ እዩ።ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ኪኸውን ከም ዚግብኣኒ ኣይትፈልጡን ኢኹምኢሉ ነቲ ኣዲኡ፡ኣነን ኣቦኻንኢላ ዝተዛረበቶ ቃል መሊስዎ ማለት እዩ። ብዛዕባ እቲ ዝለኣኾ ሰማያዊ ኣቦኡ ሓቢርዎም። እቲ ቤት መቕደስ ቤቱን ቤት ኣቦኡን እዩ ዝነበረ። ስለዚ ከኣ እዩ ዳሕራይ፡ እቲ ቤት መቕደስ ዕዳጋ ኰይኑ ምስ ጸንሖ ብቕንኣት ዝተቖጥዐ (ዮሃ 214-17) ንሳቶም ግን ነቲ ዝበሎም ገና ኣየስተውዓልዎን። ክርስቶስ ዝበሎ እሞ ሰማዕቱ ከየስተውዓልዎ ዝሓለፉ ዘረባ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ (ማር 932 ሉቃ 945 ሉቃ 1834 ዮሃ 1216) ምስትውዓል ካብ ክርስቶስ እዩ ዝርከብ (ሉቃ 2445) ብዝዀነ ግን ብዝሰማዕናዮ ዘበለ ክንጥንቀቕ ከም ዚግብኣና ዘይከሓድ እዩ (ማር 424)

 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥   ሰንበት 28 ጥሪ 2017            (20 ጥሪ 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 118:27

እግዚአብሔርሰ እግዚእ አስተርአየ ለነ። ግበሩ በዐለ በትፍሥሕት በኅበ እለ ያስተሐምምዎ እስከ አቅርንቲሁ ለምሥዋዕ።

እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱውን ኣብረሀልና፣ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

2 ቈረ 1፡ 13-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል፡ ሉቃ 2፡42-ፍጻሜ

1 ዮሃ 2፡22-ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም

ግሃ 13።20-28

ንፍቀ ካህን 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div