S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብቲ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ነዚ ቓል እዚ ዝተዛረበ፡ እቲ "ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ ዚዓብይ ሓደ እኳ ከም ዘይተንስአ ብሓቂ እብለኹም ኣለኹተባሂሉ ብልሳን እግዚኣብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝተመስከረሉ ቅዱስ ዮሃንስ መጥመቕ እዩ።

ዮሃንስ ልዕልና ናይቲ ልዕሊ ዅሉ ዝዀነ ወዲ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ብዝዀነ ድሙቕን ነባርን ቓላት ካብ ዝገለጹ፡ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱሳን ሓደ እዩ። ካልኦት ኵሎም ቅድሚ ልደት መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበሩ ነብያት፡ ጸረግቲ መገዲ ናይቲ ርእሲ ኹሎም ነብያት ዝዀነ ጐይታና እዮም ዝነበሩ። ዮሃንስ ግና፡ ዘይከም ኩላቶም እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነብያት፡ ንጐይታና ብዓይኑ ኺርእዮ፡ ብእዝኑ ኺሰምዖ፡ ብልሳኑ ኽዛረቦ ብኢዱ ድማ ኬጥምቆ ዝተዓደለ ክቡር ነብዪ እዩ። ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ኬጠምቕ ዝተገልጸ ወዲ ኣምላኽ ብማይ ኬጥምቕ ዝተዓደለ ቕዱስ ሰብ ነበረ። ስለዚ ድማ እያ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን፡መጥምቐ መለኮትኢላ እትሰምዮ።

ኵሉ ሰብ ድማ ናብኡ (ኢየሱስ) ገጹ ኺውሕዝን ምስ ጀመረ፡ እቶም ናይ ዮሃንስ ደቀ መዛሙርቲ ቅንኣት ተሰምዖም። እቲ ዚኸውን ዝነበረ ዅሉ ምስ ገለጽሉ፡ ዮሃንስ ቅድሚኡ ዀነ ድሕሪኡ ዝተገልጹ ባሮት ኣምላኽ ዘይበልዎ፡ መርኣያ ናይቲ ሕሉፍ ትሕትናኡ ዝዀነ ቓላት ተዛረበ። ንሱ ዓርኪ መርዓዊ እምበር፡ እቲ መርዓዊ ብቐንዱ ከም ዘይኰነ፡ ጸራግ መገዲ እምበር እቲ መገዲ ንሱ ኸም ዘይዀነ ድሕሪ ምግላጹ፡ እቲ እቶም ደቀ መዛምርቱ ዘምጹኡሉኵሉ ሰብ ናብኡ ይኸይድ ኣሎዝብል ዜና ኣብ ውሽጡ ቅንኣት ዘይኰነስ ዓብዩ ሓጐስ ከም ዝፈጠረሉ፡ ንሓጐሱ ናብ ምልኣትን ፍጹምነትን ከም ዜዕርጎ ገለጸሎም። ብንጹር፡ንሱ (ክርስቶስ) ኪዓብይ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእብምባል ድማ፡ እቶም ናቱ ደቀ መዛሙርቱ ካብኡ ንላዕሊ ንክርስቶስ ኬዕብዩ ኸም ዚግብኦም ነገሮም። እቶም ብመፈንጠራ ትዕቢት ኣጻዊዶም ኬስሕትዎ ዘንቀዱ ፈሪሳውያን፡ንስኻ መን ኢኻ፧ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧ኢሎም ምስ ተፈታተንዎ፡ኣነ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየብምባል፡ ንርእሱ ኸም ድምጺ ገይሩ እምበር ከም ምሉእ ሰብ ገይሩ ኺገልጻ እኳ ኣይፈተወን። ይትረፍ ክርስቶስ ኪኸውን፡ ስራኽ (መእሰሪ) ሳእኒ ናይ ክርስቶስ ክፈትሕ ኰነ ሳእኒ ክርስቶስ ኪጽውር እኳ ብቑዕ ከም ዘይዀነ ተኣመነ። ኣብቲ ዘመን እቲ ስራኽ ምፍታሕ ኰነ ሳእኒ ምጻር፡ ንባሮት ጥራይ እምበር ንደቀ መዛሙርቲ እኳ ዘይዋሃብ ኣዝዩ ትሑት ተግባር እዩ ዝነበረ። ስለዚ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ንርእሱ ከም ነብዪን ከም ጸራግ መገድን ዘይኰነስ፡ ናብ ደረጃ ባርያ ኣውሪዱ ይርእያ ኣሎ ማለት እዩ። ሕጊ መለኮት፡ርእሱ ዘልዕለ ኽሓስር፡ ርእሱ ዘትሓተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩከም ዝበለ፡ ቕዱስ ዮሃንስ፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ ዝተወልዱ ኹሎም እቲ ዝዓበየ ሰብ ዝገበሮ ድማ ንሱ እዩ (ማቴ 2312)እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። ካብ ምድሪ ዝዀነ ምድራዊ እዩ፡ ናይ ምድሪውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዘሎ ግና፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ።ኢሉ ዝገለጾ ቓል፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልዕሊ ዅሎም ስጋ ዝለበሱ ናይ ኣምላኽ ሰባት ዝዀነሉ ምኽንያት ዚገልጽ እዩ (ዮሃ 331) ጐይታና ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ እንተ ተመላለሰ እኳ ምድራዊ ኣይነበረን። ኵላቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ፡ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ማእከላይ ኰይኖም ዘገልግሉ ቅዱሳንን ጻድቃንን ሰባት ኵሎም ምድራውያን እዮም። ጐይታ ግና እቲ እንኮ ካብ ሰማይ ካብ ላዕሊ ዝወረደ እዩ። ኵሎም ነብያትን ሃዋርያትን ድሕርኦም ዝተላዕሉን ቅዱሳንን ዝተነግሮምን ዝተማህርዎን ጥራይ እዮም ዝሰበኹ። ንሱ ግና ካብ ሰማይ ስለ ዝወረደ፡ ተነጊርዎን ተማሂርዎን ዘይኰነስ፡ ባዕሉ ብዓይኑ ብዛዕባ ዝረኣዮ ብእዝኑ ብዛዕባ ዝሰመዖ፡ ብኢዱ ብዛዕባ ዝዳህሰሶ እዩ ዝተዛረበ። ዝረኣዮን ዝሰምዖን ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ዝተባህለን ዝተገብረንውን በሃሊኡን ገባሪኡን ባዕሉ ከም ዝዀነ፡ ወንጌላዊ ዮሃንስ "ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት።ብምባል ኣረጋጊጹልና እዩ (ዮሃ 11-4) እቲ ስጋ ለቢሱ ኣብ ማእከል ሰብ ዝተመላለሰ ክርስቶስ እምበኣር፡ ፈጣሪ ዅሉ ዓለም ዝዀነ ፍጹም ኣምላኽ እዩ። ንሱ ምእንቲ ኼድሕነና ክሳዕ ሰብ ምዃን፡ ሰብ ንሰቡ ድማ ክሳዕ ባርያ-ሰብ ብምዃን ርእሱ እንተ ኣትሓተ፡ እቲ ልዕሊ ዅሉ ምዃኑ ከም ዘይሓደገ ኸነስተውዕል ይግባእ። ጐይታና ባዕሉ ብልሳኑውን፡ንስኻትኹም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ፡ ንስኻትኹም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኹን።ኣነ ካብ ኣምላኽ እየ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩንብምባል ኣረጋጊጹልና እዩ (ዮሃ 8 23, 42) እምበኣር፡ እቲ ኻብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ብክርስቶስ እተመስከረሉ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ስራኽ ኣሳእን ክርስቶስ ክፈትሕ ዘይበቅዕ እንተዀይኑ፡ እቶም ካብኡ ዚንእሱ ኹሎምከ ደኣ እንታይ እዮም ኪብሉ፧ ከምቲ ዮሃንስ መጥመቅ ባዕሉ፡ነታ ምስክሩ ደኣ ዚቕበላ የልቦን እምበር፡ ንሱስ (ማለት ክርስቶስ) ዝረኣዮን ዝሰምዖን እዩ ዚምስክር። እቲ ነታ ምስክሩ እተቐበላ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሐተመ (ኣረጋገጸ፡ ተኣመነ)ዝበሎ፡ እቲ ነታ ክርስቶስ ልዕሊ ዅሉ ምዃኑ ዝገለጻ ቓል ዝተቐበለን ብቓላት ጥራይ ዘይዀነ ብግብሪውን ዘኽበራ ሰብ፡ ሓቅነት ናይ ኣምላኽ ይእመን ኣሎ (ዮሃ 331-32) ብኣንጻሩ ድማ፡ እቲ እግዚኣብሔርን ኵሎም ነብያትን ሃዋርያትን፡ ቅዱሳን ኣቦታትን ቤተ ክርስትያንን ብዛዕባ ልዕልና ክርስቶስ ዝሃብዎ ምስክርነት ዘይተረድኦን ዘይተቀበሎን፡ ኣብ ዕለታዊ መንፈሳውን ማሕበራውን ናብራኡ ድማ ልዕልና ክርስቶስ ዘየንጸባረቐ ሰብ፡ ንኣምላኽ ሓሳዊ ይገብሮ ኸም ዘሎ ኺፈልጥ ይግብኦ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ “… ምስክር ሰብ እንቕበል እንተ ዄንናስ፡ ምስክር ኣምላኽ ካብኡ (ካብ ምስክር ሰብ) ይበልጽ እዩ። ብወዲ ኣምላኽ ዚኣምን እቲ ምስኽር ኣብ ውሽጡ ኣለዎ። እቲ ንኣምላኽ ዘይኣምን፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝምስክሮ ምስክር ስለ ዘይኣመኖ ንእኡ (ንኣምላኽ) ሓሳዊ ገይርዎ ኣሎ። ኣምላኽ ናይ ዘለዓልም ህይወት (ብክርስቶስ) ከም ዝሃበና እቲ ምስኽር እዚ እዩ እሞ፡ እዛ ህይወት እዚኣ ኣብ ወዱ ኣላ። እቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት ኣላቶ። ወዲ ኣምላኽ ዘይብሉ ህይወት የብሉን።ብምባል ነዚ ሓቂ እዚ ኣነጺሩልና ኣሎ (1ዮሃ 5 9 -12) ኵሎም ቅዱሳን እዚ ምስክር እዚ ኣብ ውሽጦም ስለ ዝነበሮም እዮም እግዚኣብሔር ዘኽበሮም፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ድማ ተኽብሮም ዘላ። ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝሃቦ ምስክር እንተ ዘየኽብርዎ ግና፡ ንኣምላኽ ሓሳዊ ስለ ዝገበርዎ፡ ናብቲ ዝረኸብዎ ክብሪ ኣይምበቕዑን ኔሮም። ንሳቶም ነቲ ናይቲ ዝተቐበልዎ ምስክር ኣምላኽ መሰኻኽር ብምዃኖም እዮም ሰማእትነት ዝተቐበሉ። እዛ ምስክር እዚኣ (ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝምስኽራ ምስክር) ካብ ህይወቶም ንላዕሊ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ ኽብሪ ሰለ ዘለዋ፡ ምእንቲ እዛ ምስክር እዚኣ ህይወቶም ከሕልፉ ሰገጥ ኣይበሉን። ብኣንጻሩ ምእንቲ እዛ ሓቂ እዚኣ ኺስውኡ ዓብይ ክብሪ ተሰምዖም። ምእንቲ ቓል ኣምላኽን፡ ምእንቲ ምስክር ኢየሱስን (ማለት ኢየሱስ ልዕሊ ዅሉ ምዃኑ ብምምስካር) ተሓርዱ፡ ተሰቅሉ፡ ኣብ ሃልሃልታ ሓዊ ተጠብሱ፡ ብህይወቶም ከለዉ ድራር ጥሙያት ኣራዊት ኪዀኑ ኣሕሊፎም ተዋህቡ፡ ብሰይፊ ክሳዶም ተሰየፈ፡ ብመጋዝ ተመጊዞም ተቆራረጹ፡ ብዳርባ እምኒ ተፈጽፈጹ፡ ስምዒ ኣብ ሰብነቶም ተነስኒሱ ናይ ጐደናታት ምብራህቲ ዀይኖም ነደዱ፡ ህይወቶም ክሳዕ እትሓልፍ ብጥምየትን ብጽምኣትን ተቐጽዑ።

ኵሎም ቅዱሳን ልክዕ ከም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ክርስቶስ ካብ ላዕሊ ከም ዝመጸን ልዕሊ ዅሉ ምዃኑን፡ ንሳቶም ድማ ስራኽ ኣሳእኑ እኳ ኪፈትሑ ዘይበቕዑ ኣዝዮም ትሑታትን ምድራውያንን ምዃኖም እናተኣመኑ ዘገልግሉን ህይወቶም ንሰማእትነትን ኣሕሊፎም ዝሃቡን። ንሕና ድማ ልኽዕ ከምኣቶም፡ ክርስቶስ ልዕሊ ዅላቶም መላእኽትን ልዕሊ ዅሎም ቅዱሳንን ጻድቃንን ምዃኑ ክንኣምንን ክንእመንን፡ ምእንቲ እዚ ምስክር እዚ ድማ ህይወትና ንመስዋእቲ ኣሕሊፍና ኽንህብ ድልዋት ክንከውን ይግብኣና። ጐይታ ብምኽንያት ስጋ ምልባሱ፡ ካብ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነ ዋላ ካብ መላእኽትን ሰባትን እኳ ርእሱ እንተ ኣትሓተ፡ ካብ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ዘይንእስ ፍጹም ኣምላኽ እዩ። ነቲ ብምልባስ ስጋ ዝተሓቶ ምትሓት ድማ እግዚኣብሔር ኣቦ ብኸመይ ዝበለ ኽብሪ ኸም ዘኽበሮ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ስለዚውን ኣምላኽ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ኣበሎ፡ ልዕሊ ዅሉ ስም ዝዀነ ስም ኸኣ ሃቦ።" ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ፊሊ 29) ስለዚ ነቲ ኣምላኽ ልዕልናኡ ዝኣመነሉ፡ ንሕናውን ክንእመኖ፡ ክንግዝኦ፡ ክንስውኣሉ ይግብኣና። እቲ ብኸምዚ ንኢየሱስ ዝኣመኖን ዝተኣመኖን ናይ ዘለዓልም ህይወት ኣለዎ። እቲ ብወዲ ኣምላኽ ዘይኣምን ግና ቑጥዓ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር እምበር ንዘለኣለማዊ ህይወት ኺርእዮን ኪረኽቦን ኣይኽእልን እዩ። ከይኣመንዎ ኪእዘዝዎ ስለ ዘይኽእሉ ቓል እግዚኣብሔርደቂ ዘይምእዛዝ ኢሉ እዩ ዝጽውዖም (ኤፌ 5 3 6 ቆሎ 3 5 10)

ኣብ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ብዝወሓደን ብዝደኸመን መጠን፡ ንኣምላኽ ናይ ምእዛዝን ከም ፍቓዱ ናይ ምንባርን ዓቕምና ስለ ዝደክም፡ ከም ኣቦና ኣብርሃም ንክርስቶስ እቲ ንልዕልናኡ ዝግባእ ክብሪ እናሃብና ንምእማን እንተ በርታዕና እዩ ዝሕሸና። ጐይታና ባዕሉእንጌራ ህይወት ኣነ እየ፡ ናባይ ዝመጸእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዝኣምን ከኣ ከቶ ኣይጸምእን እዩ። ኣነ ብርሃን ዓለም እየ፡ እቲ ዝስዕበኒ ብርሃን ህይወት ክረክብ እምበር ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ። እቲ ደገ ኣነ እየ፡ ብኣይ ዝኣትዉ ክድሕን ኪኣቱን ክወጽእን መጓሰዪ'ውን ክረክብ እዩ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይብኣይ ሓደ እዃ ናብ ኣቦ ዝመጽእ የልቦን።ኢሉና እዩ'ሞ፡ ነቲ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ቅዱሳት ነብያትን ሃዋርያትን፡ ቅዱሳት ኣቦታትን ቤተ ክርስትያንን ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበልዎ ኢየሱስ ኣብ ዅሉ መንፈሳውን ማሕበራውን ህይወትና ልዕል ነብሎ። ኣብ ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን'ውን፡ ነፍሲ ወከፍ ቅዳሴ ዝቀደሰ ሰራዒ ካህን፡ ነቲ ናይቲ ዕለት ናይ ዮሃንስ ወንጌል ንባብ ኣንቢቡ ምስ ወድአዘየኣምን በወልድ ሕይወት ዘለዓለም (ብወልድ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ) ከም ዝብል ድማ ወርትግ ነቕልበሉ።

ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

 ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥   ሰንበት ጥቅምቲ 9, 2017   መስከረም 28, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 128፡፦3

ፍሬ ጻማከ ትሴስይ ብጹእ ኣንተ ወሰናይ ለከ ብእሲትከ ከመ ወይን ስሙር ዉስቱ ጽርሓ ቤትከ።

ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ ብጹእ ኢኻ፡ ደሓን'ውን ክትረክብ ኢኻ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ከም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን (እያ)።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ኤፌ 5፡21-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል፡ ዮሃ 3፡25-ፍጻሜ

ራእ 21፡1-9

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዝእግዚእነ (ንኣኵተከ)

ግሃ 21፡31-ፍጻሜ

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div