S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሰንበት’ዚ (ግንቦት 14, 2017) ሓሙሻይ ሰንበት ኣብዚ ዘለናዮ ቅነ ትንሳኤ እዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቅሲ መበገሲ ጌርና፡ ብዛዕባ እቲ በቲ ንኢየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ብምእማንና ዝቚጸረልና ጽድቂ ክንምርምር ኢና።

ኣብዚ ክፍሊ ምንባብ ናይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ፡ ብዛዕባ እቲ ኣቦ ብዙሓትን፡ ፍቁር ኣምላኽን ዝተሰምየ ኣብርሃም ብኣምላኽ ብምእማኑ ዝተቘጽረሉ ጽድቂ ኢና እንምሃር። ኣብርሃም ብኣምላኽ ኣመነ፡ እዚውን ንጽድቂ ተቘጽረሉ። ነቲ ናይ ኣብርሃም ህይወትን ታሪኽን ምሳና ከተኣሳስሮ ከሎ ድማ፡ ንሕና ብእምነት ደቂ ኣብርሃም ከም ዝዀንና፡ ተካፈልቲ በረኸት ኣብርሃም ድማ ኢና ኢሉ እዩ ዝምጉት።ንኣና፡ በቲ ንኢየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ንንኣምን ከኣ፡ ይቚጸረልና እዩ።ብምባል ድማ መደምደምታ ይገብረሉ። ስለዚ ከምቲ ኣቦና ኣብርሃም ብኣምላኽ ብምእማኑ እምነቱ ንጽድቂ ዝተቘጽረሉ፡ ንኣና ነዞም ኣብቲ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ምውታት ዘተንሰኦ ኣምላኽ ብምእማን ኣብ እምነት ኣብርሃም ዝኣተና ሰባት ድማ እምነትና ንጽድቂ ይቚጸረልና እዩ። 

ጽድቂ፡ ጸደቐ፡ ጻድቕ ወዘተ ዝብሉ ቃላት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዝሒ እንረኽቦም ቃላት እዮም። መበቖላዊ ትርጉሞምን እንታይነቶምንን ምፍላጥ ድማ፡ ነቲ ብኣምላኽ ብምእማንና ዝቚጸረልና ጽድቂ ንምፍላጡን ምስትምቓሩን ወሳኒ እዩ። መበቆላዊ ቃል ናይዚ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ጽድቂ ምስ ዝብል ቃል ተኣሳሲሩ ተተርጒሙ ዘሎ ናይ ግሪኽ ቃል ዲካዮስ (dikaios) ዝብል እዩ። ንኣምላኽ ይኹን ንሰባት እትጥቀመሉ ቃል ድማ እዩ። ንኣምላኽ ክጥቀመሉ ከሎ፡ ነቲ ወሃቢ ቅኑዕ ብይን ምዃኑን ወናኒ ጽቡቕ ባህርይ ምዃኑ ከመልኽት ከሎ፡ ንሰብ ክጥቀመሉ ከሎ ድማ ካብ ኹነኔ (ገበን) ሓራ ምውጽኡ፡ ኣብቲ ትኽክለኛ ዝዀነ ቦታ ምትካሉ፡ ንትጽቢት ኣምላኽ ዘዕግብ ባህርይ (character) ምልባሱ የመልኽት። ስለዚ ነዘን ሰለስተ ዓበይቲ ትርጉም ጽድቂ በብሓደ ንመልኸት፥ 

1. ጽድቂ - ከም ካብ ኹነኔ (ገበን) ሓራ ምውጻእ፥ ንኩሉ ግብሪ ተሓታትነት ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ኣብ መጋባእያ ጠጠው ዝበለ ሰብ፡ እቲ ፈራዲ ካብ ገበን ነጻ (innocent) ምዃኑ ፈሪድሉ ኣብ ዝብለሉ ግዜ ነዚ ናይ ጽድቂ ቃል እዩ ዝጥቀም።ያእ ኣይፋሉን። ከምቲ፡ ብቓላትካ ኽትጸድቕ፡ ምስ ዚፍረደካውን ከትረትዕ ኢኻ፡ ዚብል ጽሑፍ ደኣ፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ፡ ኲሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ምዃኑ ይረኸብ።” (ሮሜ 34) እዚ ጥቅሲ እዚ ነቲ ጽድቂ ከም ካብ ፍርዲ ነጻ ምዃን ዘመሓላልፎ ትርጉም ዘስምረሉ ሓሳብ ኣለዎ። ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝምህረና ከምዚ እናበለእምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን።እቶም በቲ ካብ ምውታት ተፈልዩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ዘለዉ ሰባት ካብ ፍርድን ዂነኔን ነጻ ወጺኦም እዮም (ሮሜ 81) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ፡ ንመሰረት እቲ ካብ ፍርዲ ሓራ ምውጽኦም ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፥ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ አሎ። እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ።” (ዮሃ 316-19) ደጊሙ ድማእቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።ይብል (ዮሃ 5:24)

2. ጽድቂ - ከም ኣብቲ ትኽክለኛ ቦታካ ምትካል፥ እዚ ትርጉም እዚ ነቲ ምስ ኣምላኽ እንምስርቶ ትኽክለኛ ዝምድና (ሕብረት) ዝገልጽ ትርጉም እዩ። ሓደ ፈልሲ ካብቲ ዝፈለሰሉ መደብ ተወሲዱ ኣብ ግራት ምስ ተተኽለ፡ ድሕሪ መዓልታት ተመሊስና ምጽዳቑን ዘይጽዳቑን ንዕዘብ ኢና። እዚ ኣብዚ ተጠቂምናሉ ዘለና ምጽዳቕ ዝብል ቃል መግለጺ ናይቲ እቲ ፈልሲ ዝመስረቶ ሓዲሽ ዝምድና ምስቲ ግራት እዩ። ህይወት ረኺቡ ይቕጽል ምህላዉ ድማ የመልክት። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበትስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ።ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝርአናዮ፡ ብምእማን ትንሳኤ ክርስቶስ ሓደስቲ ፍጥረት ዝገብረና ምጽዳቕ ኣብ ኣምላኽ ረኺብና ኣሎና። እዚ ክውንነት እዚ፡ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ከም ጉንዲ ወይኒ ንሕና ድማ ጨናፍሩ፡ ኣብቲ ጉንዲ እንተ ዘይጠቢቕና ሓንቲ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ከም ዘየል ዝመሃሮ ትምህርቲ ዘመልኽት እዩ (ዮሃ 151-10) ንርጉጽነት እዚ ሓዲሽ (ዘለኣለማዊ) ህይወት ዝህብ ምጽዳቕ ከስምረሉ ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።” (1ቈረ 611)

3. ጽድቂ - ከም ምልባስ ኣምላኻዊ ባህርይ፥ እዚ ትርጉም እዚ፡ ነቲ ግብራዊ ናብራ ናይቶም ካብ ጸልማት ብርሃን ብምምራጽ፡ ምስ ኣምላኽ ሕብረት ዝመስረቱ ሰባት ዘመልክት እዩ። ካብቲ ዝመስረትዎ ሕብረት ምስ ኣምላኽ ዝተላዕለ፡ እቲ ናባታቶም ዝወሓዘ ተዋራሲ ባህርይ ኣምላኽ ንፍረ ህይወቶም ለውጢ ዝሃቦ ሰባት እዩ። እቲ ህይወት ድማ ናይ ጽድቂ ህይወት ይበሃል። መለለዪ እዚ ህይወት እዚ፡ እቲ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ተበሂሉ ዘሎ ፍረታት እዩ። ጽድቂ ዝገብር ድማ ጻድቕ እዩ። እቲ ዘየማትእ ምስኽር ናይቲ ኣብ ኣምላኽ ዝረኸብናዮ ሓዲሽ ህይወት ድማ እዚ ግብራዊ ናይ ጽድቂ ህይወት እዩ። ኩሉ ነገር ብፍሪኡ እዩ ዝፍለጥ። ነቲ ተኽሊ ጽቡቕ ግበሮ ፍሪኡ ድማ ኽጽብቕ እዩ። ኣፍካ ዝመልሶ እቲ ኣብ ልብኻ ዝመልአ እዩ። (ማቴ 716-20 ማቴ 1233-37) ሓዋርያ ያእቆብ ነዚ ሓቂ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ፥እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።” (ያእ 226) ነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብጽድቖም ተመስኪርሎም ዘለዉ ኵሎም፡ እቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ውሽጣዊ ሕብረት ብግብራዊ ናብራ ዝስነ ምንባሩ ግልጺ እዩ። ኣብርሃም ብእምነት ንይስሃቅ ብምስዋእ ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ገሊጸ። እቶም ካልኦት ኵሎም ድማ ብሕጊ ኣምላኽ ብዘይ መንቅብ ዝመላለሱ ምንባሮም ተመስኪሩሎም ኣሎ።

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስንሱ (ክርስቶስ) ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ።ኢሉ ይምህረና (ሮሜ 425) ደጊሙ ድማክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚብልዎ ኸኣ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ተንስኤ።” (1ቆረ 153-4) ይብለና። ስለዚ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ምስ ጽድቅና ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ። ነዚ ድማ እዩ ኣብቲ ነዚ ትምህርትና መበገሲ ጌርናዮ ዘለና ጥቕሲ፡ ቅዱስ ጳውሎስስለዚ ድማ ንጽድቂ ተቘጽረትሉ።ንኣና፡ በቲ ንኢየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ንንኣምን ከኣ፡ ይቚጸረልና እዩ።ኢሉ ዘሎ። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ሕቶ፡ ናይ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤን ምስ ናትና ጽድቂ ብኸመይ ዝበለ መገዲ እዩ ዝተኣሳሰር ዝብል እዩ ዝኸውን።እቲ ናይ መጀመርያ ትርጉም ጽድቂ ብዝምልኸት፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ብሙማት፡ ዕዳ ሓጢኣትና ብምኽፋል ካብ ኩነኔ ሓራ ከም ዝገበረና መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ይምህረና እዩ። ነቲ ካልኣይ ትርጉም ጽድቂ ብዝምልከት፡ ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ፡ ከም ሓደስቲ ፍጥረት ውልድነት ኣብ ኣምላኽ ዝረኸብናሉ ዝምድና (ሕብረት) ከም ዝመስረትና ንርኢ (1 ጴጥ 1: 3-4) እቲ ሳልሳይ ትርጉም ናይ ጽድቲ ብዝምልከት ድማእቲ ህያው ዝዀነ ክርስቶስ ብመንፈሱ ኣባና ብምንባር ህያው ፍረ፡ ኣምላኻዊ ባህሪ ክነፍሪ ይረድኣና። (ገላ 220 ቆሎ 129 ፊሊ 212-13) ከምቲ ኩሉ ካብኡ ኩሉ ብእኡ ኩሉ ድማ ንዕኡ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ምንጪ ጽድቅናን ቅድስናናን ምድሓንናን ምዃኑ ከርኢ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፥ንስኻትኩም ግና ኻብኡ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘሎኹም፡ ንሱ እቲ ኻብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበና ጥበብ እዩ። በዚ ጥበብ እዚ ድማ ጽድቅን ቅድስናን ድኅነትን ኮነልና። እዚ ኸኣ እቲ ዝምካሕ ብእግዚኣብሔር ድኣ ይመኻሕ ዝብል ጽሑፍ ምእንቲ ክፍጸም ዀነ።” (1 ቈረ 1:30-31 .)

ኣብዚ ኵሉ፡ ነቲ ናይ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤን ምስቲ ናትና ናይ ጽድቅን ቅድስናን ህይወት እተዛምዶ ባእታ እምነት እያ። ብዘይ እምነት ሓደ እኳ ንኣምላኽ ከስምሮ ዝኽእል የልቦን። ኣብርሃም ብኣምላኽ ኣመነ፡ እዚውን ንጽድቂ ተቖጽረሉ። ንኣና ንንኣምን ድማ ይቚጸረልና እዩ። እቲ ከይተወላወለ ብእምነት ዝጸለየ ሰብ ከም ዝቕበል፡ እቲ ንትርጉምን ትሕዝቶን ሞትን ትንሳኤን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ብእምነት ዝተቀበለ ድማ እቲ ሞትን ትንሳኤን ናይ ጐይታ ዘውሓሶ ጸጋታት ክረክብ እዩ። እዚ ካብ ኣምላኽ ዝርኸብ ጸጋ ጥራይ እዩ ኣብ ኣምላኽ ቅቡላት ክገብረና ዝኽእል። ከምቲ ኢሳያስ ነብዪ ዝበሎ ጽድቅና ጽዩቅ ክዳን ስለዝዀነ ንዝኣምን ዘበለ መደምደምታ ሕጊ ንጽድቂ ዝዀነልና ክርስቶስ እዩ (ኢሳ 64:6 ሮሜ 103-4) ነዚ ድማ እዩ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ምርጭኡ ዘነጽር ሓሳብ ክገልጽ ኸሎኣየን እሞ፡ ብእምነት ክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ እምበር፡ እቲ ብሕጊ ዚመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኰንኩን፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣሎኹ።ዝበለ (ፊሊ 3: 8-9)

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። 

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥             ሰንበት ግንቦት 14, 2017           ሰንበት ግንቦት 13, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 78:29

በልዑ ወጸግቡ ጥቀ ወወሀቦሙ ለፍትወቶሙ ወኢያህጥዖሙ እምዘፈቀዱ

በልዑን ኣዝዮም ጸገቡን፣ ትምኒቶምውን ሀቦም።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 4 14- ፍጻሜ

ዲያቆን

 

ወንጌል   ዮሃ 211-15

ራእ 201-ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

 

ቅዳሴ ዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ኣለም)

ግሃ 1039-44

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div