S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሰንበት' (ግንቦት 7, 2017) ራብዓይ ሰንበት ናይዚ ዘለናዮ ቅነ ትንሳኤ እዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንእንታይነት እቲ፡ ምስ ክርስቶም ምትንሳእና ከም ውሁብ ወሲዱ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ክንደልዮ ዝምዕደና ሰማያዊ ድሌት እንድህስሰሉ መዓልቲ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰናብቲ፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ዘውሓሶ ዓበይቲ መንፈሳዊ በረኸታት ማለት ነቲ ኣብ ልዕሊ ፍጥረትና ሰልጢኑ ዝነበረ ናይ ሞት ሓይሊ ስዒሩ፡ ንጸላኢና ዲያብሎስ ስዒሩ ሓራ ከም ዘውጽኣና፣ ነቲ ከልካሊ ቀጽሪ ኣፍሪሱ ድማ ዕርቅን ሰላምን ምስ ኣምላኽ ከም ዘውሃበና፣ ከም ውሉድ ትንሳኤ፡ ሓደስቲ ፍጥረት፡ ውሉድ ኣምላኽ ብምዃን ሕብረትን ሓድነትን ምስ ኣምላኽ ከም ዝረኽብና ወዘተ ዝብል ጸጋታት ዳህሲስን ኔርና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ትምህርትና ድማ፡ ኣብ ርጉጽነት ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ምርዓም ጥራይ ከይተውሰንና፡ ንሕናውን ምስ ክርስቶስ ከም ዝተንሳእና ኣረጋጊጽና ኣሚንና፡ ህይወትና ናብ ግብራዊ ናብራ ናይቲ ዝተንስኤ ሰብ ከም ዝተሰጋገረትን ዘይተሰጋገረትን ርእስና እንምርምረሉ ክኸውን እዩ። ኣብዚ ክፍሊ ጽሑፍ፡ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ፡ ንሰብ ቆሎሴ ከም ሰዓብቲ ናይቲ ናይ ትንሳኤ ጐይታ፡ ሞቱ ሞይቶም ኣብ ትንሳኤኡ ከም ዝሓበርዎ ኣረጋጊጹ ይጽሕፈሎም ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ ብትንሳኤ ክርስቶስ እንረኽቦ ሓዲሽ ፍጥረትና፡ ንሱ ድማ ከም ውሉድ ትንሳኤ ውልድነትና ኣብ ኣምላኽ ዘመልኽት እዩ። በዚ ውልድነት እዚ ሃገሮም ኣብ ሰማያት ዝዀኑ ሰማያውያን፡ ደቂ ዓዶም ንቕዱሳን ስድራ ቤቱ ድማ ንኣምላኽ ዀንና ኢና (ፊሊጲ 3:20 ኤፌ 2: 19-20) መዝገብካ ኣብ ዘለዎ ልብካን ቀልብኻን ኣብኡ ኽኸውን ባህርያ ከም ዝዀነ፡ ቀልብናን ሓሳባትናን ኣብቲ መዝገብና ዘለዎ ማለት ርስትና ዘለዎ ስማይ ኽንገብር ኸድልየና ድማ ናይ ግድነት እዩ (ማቴ 6: 19-21)

ናብራ ሰብ ብከልተ መገዲ እዩ ዝግለጽ፡ ብቃል ወይ ብግብሪ። ካብዚ ወጻኢ ክግለጸሉ ዝኽእል ካልእ መገዲ ክንሓስብ ኣይንክእልን ኢና። ብፍቓድና ንእንገብሮ ኵሉ ብቃል ይኹን ብግብሪ ዝግለጽ ናብራና፡ መበገሲኡ ሓሳባት እዩ። እግዚኣብሔር ብዛዕባ እዚ ክልተ ናይ ናብራና መግለጺ ዝዀነ መገድታት ከም ዝጸባጸበና መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ይምህረና እዩ (ሮሜ 2:6 ማቴ 16:27 ራእ 22:12 ማቴ 12: 36-37) ስለዚ ነዚ ጸብጻብ ክንህበሉ ዘለና ናብራና ናይ ምፍዋስ ምስጢር ኣብዚ እዩ ዘሎ - ሓሳብካ ኣብ ምፍዋስ። እንታይ ንሓስብ እንተ ተጥንቂቅና፡ ጥንቁቕ ናብራ ክህልወና ባህርያዊ እዩ። ምድራዊ ሓሳብ ምድራዊ ናብራ ይወልድ፡ ሰማያዊ ሓሳብ ድማ ሰማያዊ ናብራ ይወልድ። እዚ ባህርያዊ ሓቂ እዩ። ክርስትና ኣብ ምድሪ ዝንበር ሰማያዊ ናብራ ድኣ እምበር ምድራዊ ናብራ ኣይዀነን። ሰለዚ እቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ናብራ፡ መሰረቱ ሰማያዊ ሓሳብ እዩ። ነዚ ብዛዕባ ሓሳብና ናይ ምጥንቓቕ ጉዳይ ድማ ብክልተ መንገዲ ክንገጥሞ ንክእል - ነቲ ስጋዊ ሓሳብ ቦታ ብምክላእ፡ ነቲ ሰማያዊ ሓሳብ ድማ ቦታ እናሃብና። ኣብ ዕለታዊ ናብራና ካብ ክልቲኡ ዝዓይነቱ ሓሳባት ናብ ልብና ክውሕዙ ክንርኢ ባህርያዊ እዩ። ሰፈር ንኽረኽቡን ከይረኽቡን ግና እቲ ውሳኔ ናትና እዩ። ከምቲ ምስላ ዝብሎ "ንኣዕዋፍ ብልዕሊ ርእስና ኣይትሕለፋ ክንብለን ኣይንኽእልን ኢና፡ ኣብ ጸጉሪ ርእስና እንዳእተን ከይሰርሓ ግና ክንክልክለን ንኽእል ኢና።" እቲ ኣብ ልብና ሰፈር ክረኽብ ዘፍቀድናሉ ሓሳባት ከም ዝገዝኣና ድማ ርዱእ ነገር እዩ። ነዚ ድማ እዩ  ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ሞይትና ከም  ዝተንሳእና፡ ብህይወት ክንነብር ኣብ ላዕሊ ዘሎ (ሰማያዊ ሓሳብ) ክንሓስብ ዝምዕደና ዘሎ። ምክንያቱ ድማ እዚ እዩ። "ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዝሓስቡ፡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዝሓስቡ። ናይ ስጋ ነገር ጥራይ ምሕሳብ ሞት የምጽእ፡ ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግና ህይወትን ሰላምን የምጽእ። ምክንያቱ እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ፡ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን፡ ክግዝኦውን ኣይክእልን እዩ።" (ሮሜ 85-7)

እምበኣር እዚ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓሳብ እንታይ ማለት ክኸውን ከም ዝኽእል ክንምልከት።

1. ሰማይ ከም ናይ ዘለኣለም ቤትና፡ ተስፋና ዘለዎ ቦታ እዩ። ሰማያዊ ሓሳብ ሕሰቡ ኢሉ ክምዕደና ከሎ ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ተስፋና ክንሓሰብ ከም ዘሎና የመልክተና። ተስፋካ ምሕሳብ፡ ንምዝንጋዕ ዕድል ኣይህብን። ተስፋካ ምሕሳብ ንቁሕ ኴንካ ንምጽባይ ምክንያት እዩ። መርዓት ተስፋ ምጽኣት መርዓዊኣ እንተኣልይዋ ክሳብ ክንደይ ወቂባ ንምጽናሕ ከም እትዳሎ ርዱእ እዩ።  ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝምሃረና፡ ነፍሲ ወከፍና ኣመንቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም ንጽህቲ ድንግል ተሓጺና ምህላውና እዩ (2ቆረ 112) ስለዚ ከምቲ ፍልጠት ምጽኣት ሕጹያ ንድንግል ንምድላው፡ ወቂባ ብዘይ ገለ ዕጣር ወይ ሕፍቲ ንምጽናሕ ምክንያት ዝዀና፡ ምሕሳብ ተስፋ ምጽኣት መድሓኒና ድማ ንዓና፡ ብዕሽነት ተራ ናብራ ንኽንነብር ኣይሓድገናን እዩ። እኳ ድኣ ብጥንቃቐ ክዳውንትና ክንእርንብ፡ ነቲ ዝተጸይቀ ድማ ብደም ናይቲ ገንሸል (መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ) ኣጻዕዲና ሓጺብና ክንጽብዮ እዩ ዝረድኣና። (ራእ 2214) ብኣንጻሩ ድማ ንተስፋ ምጽኣቱ ዘይምርኣይ ስዲ ናብራ ንኽንመርሕ ጠንቂ እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ እዚ ጽሒፉ ኣሎ። "ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ብኽፉእ ፍትወት ስጋኦም ዚመላለሱን ዘላግጹን መላገጽቲ ከም ዚመጹ ቕድሚ ኩሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶም ተስፋ ምጽኣቱ ድኣ ኣበይ ኣሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝሞቱላ መዓልቲ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ ክብሉ እዮም።" 2 ጴጥ 33-4 ኣብ ካልእ ስፍራ  ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ምኽሓድ ተስፋ ትንሳኤ ንሰባት ከመይ ዓይነት ናብራ ንክነብሩ ከም ዝፈነዎም ክገልጽ ከሎ "ምውታት ዘይትንስኡ እንተኾይኖም ግና ከምቲዔራ ጽባሕ ክንመውት ኢና ንብላዕ ንስተዝብልዎዶ ኣይኰነን። ኣይትታለሉ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩ።" (1ቆረ 15 32-33) ሰማያዊ ተስፋካ ዘይምሕሳብ እምበኣር ንከምዚ ዝብለ ዘይመንፈሳዊ ናብራ ንምንባር እዩ ዘቃልዕ። ስለዚ ተስፋታትና ኣይንዘንግዕ። ንምኳኑ እንታይ ተስፋታት ተዋሂቡና ኣሎ። ብውሕዱ ገለ ክንጠቅስ ኢና።

. እቲ ዝስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኣዳም ድማ መታን ክይብልዕ እሞ ህያው ኮይኑ ከይነብር ዝተሰጎላ ኦም ህይወት ክበልዕ እዩ። ራእ 27 ራእ 2214

. እቲ ዝስዕር እቲ ካልኣይ ሞት ዝበሃል ኣይክጎድኦን እዩ። እዚ ሞት ናብ ገሃንም እሳት ምድርባይ ማለት እዩ። ራእ 211 ራእ 218

. እቲ ዝስዕር ሓዲሽ ስም ክወሃቦ እዩ። ራእ 213

. እቲ ዝስዕር ኮኮብ ጽባሕ ክወሃቦ እዩ። ራእ 226-28

. እቲ ዝስዕር ጻዕዳ ክዳውንቲ ኪኽደን እዩ። ራእ 35-6

. እቲ ዝስዕር ኣብታ መቕደስ ኣምላኽ ዓንዲ ክግበር እዩ። ራእ 312

. እቲ ዝስዕር ኣብ ዝፋን ምስ ክርስቶስ ክቕመጥ ክወሃቦ እዩ። ራእ 321

እቲ ዘለኣልማዊ ተስፋና መወዳእታ የብሉን። ነዚ ተስፋታት ንሕሰብ። ነዛ ዓለም ድማ ንስዓራ።

2. ከምቲ ኣቡነ ዘብሰማያት ኣብ እንጽልየሉ ግዜ እንደግሞ፡ "ወይኩን ፈቃድከ በከም በሰማይ ከማሁ በምድር" ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝዀነ ከምኡውን ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን፡ ሰማይ ፍቓድ ኣምላኽ ዝነግሰሉ ቦታ እዩ። ኣብ ሰማይ ዘሎ ሕሰቡ ክብለና ከሎ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ሓሳብ ሕሰቡ ማለቱ ድማ እዩ። "እምበኣር ናይ ክርስቶስ ብምዃንኩም ኣተባቢዕኩም እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ብፍቕሩ ድማ ተጸናኒዕኩም እንተ ደኣ ዄንኩም፡ ምስ መንፈስ ቅዱስ እውን ሕብረት እንተ ደኣ ኣልይኩመ፡ ከምኡውን ለውሃትን ርሕራሐን እንተ ደኣ ኣልይኩም ሓንቲ ሓሳብ ብምሕሳብ፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምትእስሳር፡ ብሓደ መንፈስ ንሓደ ዕላማ ብምዕያይ፡ ንሓጐሰይ ምልኣት ሃብዎ። ሓደ እኳ ንርእሰይ ይጥዓማኒ ብምባል ወይ ንውዳሴ ከንቱ ኢልኩም ኣይትግበሩ። እኳ ደኣ ትሕትና ብምልባስ እቶም ካልኦት ካባካትኩም ከም ዝበልጹ ጌርኩም ገምቱ። ነፍሲ ወከፍ ናይ ካልኦት ረብሓ ኸኣ ድኣ እምበር ናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓ ጥራይ ኣይርአ። እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባካትኹም ይሃሉ።" (ፊሊጲ 21-5) ብምባል ብንጹር እንታይ ዝመስል ሓሳብ ልብና ክሓስብ ከም ዘለዎ ይምህረና። ደጊሙውን ከምዚ እናበለ ይምዕደና "ብዝተረፈስ ኣሕዋተይ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ ዅሉ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ሰናይ ዜና ዘለዎ ዅሉ፡ ብሉጽ ወይ ምስጉን ነገር እንተ ኣልዩ፡ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ሕሰቡ። ነቲ ኻባይ ዝተመሃርኩምዎን ዝተቀብልኩምዎን ኣባይ ዝርኣኹምዎን ነገር ኵሉ ግበርዎ፡ ኣምላኽ ሰላም ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።" ፊሊጲ 48-9 ሰለዚ እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳብ እዚ ይመስል። ክቡር ሰዓቢ ክርስቶስ በዚ መንጽር ክትርእዮ ከሎካ ሓሳብካ እንታይ ይመስል ኣሎ፧ ሃዋርያት ዝምሃሩና እንተኣልዩ እዚ እዩ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓሳብ ክንሓስብ። ረዚን ሓሳብ፡ ሓቂን ቅኑዕን ዝዀነ ሓሳብ፡ ናይ ፍቅሪ ሓሳብ፡ ናይ ሓልዮት ብጻይካ ሓሳብ፡ ተፈታዊን ብህጉን ሰናይ ወረ ዘለዎ ሓሳብ፡ ብሉጽ ወይ ምስጉን ዝዀነ ሓሳብ። እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ንልብና ክሓስብ ምፍቓድ ናይ ሞት እንዳእቲ ኣብ ልብና ምእካብ እዩ። ስለዚ ነቲ ካብቲ ናይ እከይ መንፈስ ዝመጽእ ሓሳባት እናተቃወምና፡ እቲ ሰናይ ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ንልብና ክሰፍሮ እንተ ተሰማሚዕናሉ፡ ልብና ከምቲ ዝተባህለላ ህይወት ክተፈልፍል ባህርያዊ ክኸውን እዩ።

ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ጥንቁቅ ናብራ መታን ክንነብር ሰማያዊ ተስፋና ክንሓስብ፡ ህያው ናብራ (ብቃልን ብግብርን) ክህልወና ድማ ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ሓሳብ ክንሓስብ ይርድኣና።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት ግንቦት 7, 2017             ሰንበት ምያዝያ 29, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 3:5-6

ኣንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ ወተንሣእኩ እስመ እግዚኣብሔር ኣንሥኣኒ ኢይፈርህ እም ኣእላፍ ኣሕዛብ

ተገምሰስኩ ደቀስኩውን፣ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ ኣሎ እሞ ነቓሕኩ። ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን እየ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ቄሎ 31-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል: ሉቃ 24፡33-45

1ጴጥ 315- ፍጻሜ

ንፍቅ ዲያቆን

ቅዳሴ ድዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም)

ግሃ 11:1-19

ንፍቅ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div