S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሰንበት እዚ (ሚያዝያ 30, 2017) ሳልሳይ ሰንበት ናይ ቅነ ትንሳኤ እዩ። ነቲ ብምኽንያት ትንሳኤኡ ኣብ ህይወትና ዝመጸ ጸጋታት እነስተንትነሉ ክቡር ግዜ ድማ እዩ። ምስቲ ታሪኽ ናይ ሰብ ኤማሁስ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ህይወት ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ዝተፍጥሪ ሓዲሽ ተስፋ፡ ነዚ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስሓደ እዃ ብክርስቶስ እንተኣልዩ ንሱ ሓዲሽ ፍጥረት እዩዝበሎ ሓቂ ክንድህስስ ኢና።

ጐይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ስቕለቱ ኣብቲ ምስ ሰዱቋውያን ዝገበሮ ምጉት፡ ንሰባት ኣብ ክልተ ከፊልዎም ኣሎ፡ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣን፡ ደቂ ትንሳኤን። እቶም ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ሰባት ንሳቶም ደቂ ትንሳኤ ደቂ ኣምላኽ እዮም። በዚ መንጽር ክርአ ከሎ ድማ ትንሳኤ ክሳብ ዝኸውን እቶም ውሉድ ትንሳኤ ውልድነት ከም ዘይረከቡ ርዱእ እዩ (ሉቃ 2034-36) ከምዚ ቅዱስ ሓዋርያ ዝበሎ ግና ብትንሳኤ ሓደስቲ ፍጥረት ዝገብር ጸጋ መጸ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ናይ ትንሳኤ ትምህርትታትና ክንርእዮ ዝጸናሕና፡ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፡ ጐይትኦም ምስ ተታሕዘን ምስ ተሰቕለን፡ ነቲ ጓስ እወቕዖ እተን ኣባጊዕውን ፋሕ ይብላ ዝብል ምስላ በጺሕዎም፡ ፋሕ ክብሉን፡ ብፍርሒ ድማ ክሽቑሮሩን ምርኣዮም ርኢና ኣለና። ድሕሪ ሞቱን ቀብሩን ድማ እዚ ተስፋ ምቑራጽ ወሲኹ፡ ናብቲ ገዲፎምዎ ዝመጹ ናይ ቀደም ናብርኦም ክምለሱ ከም ዝገበሮም ነንብብ። ነዚ ኣብነት ዝዀነና፡ ኣብቲ ናይዚ መዓልቲ ናይ ወንጌል ምንባብ ተጠቂሱ ዘሎ፡ ናይቶም ናብ ኤማሁስ ገጾም ኣጋ ምሸት ኣቢሎም ዝኸዱ ዝነበሩ ክልተ ደቀ መዝሙር ጐይታ እዩ። እዞም ደቀ መዝሙርቲ ካብቶ ሰብዓ ኣርድእቲ ምንባሮ ይእመን። እቲ ናብ ኤማሁስ ዝኸድሉ ዝነበሩ ግዜ ኣጋ ምሸት ምንባሩ እቲ ጽሑፍ ይጠቕሰልና፡ ንወረ ትንሳኤ ክርስቶስ ካብተን እንስትን፡ ካብቶን ስዒቦም ናብቲ ጥርሑ ዝነበረ መቓብር ዝበጽሑ ሃዋርያትን ምስምዖምውን ተኣሚኖም እዮም። ዀይኑ ግና እዚ ምስማዕ፡ ነቲ ንድሕሪት ናይ ምምላሶም ሃቀና ክዓግቶ ስለ ዘይኸኣለ፡ ናብ ናብራ ቀደሞም ክምለሱ ደኣ ኣእጋርም ናብ ኤማሁስ ኣምርሑ። ካብዚ ተርእዮ እንመሃሮ ሓቂ እንተ ኣልዩ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝኣኽል ዓብዪ ምስጢር ምስማዕ ብርእሱ ክገብረልካ ዝኽእል ተኣምራት የለን። ነቲ ዝሰማዕካዩ ብምእማን እወን ሓቕን እዩ ኢሉ ልብካ ክርዕሞ ኸሎ እዩ እቲ ሓይሊ ትንሳኤ፡ ተስፋካ ሓዲሱ ሓዲሽ ፍጥረት ኽገብረካ ዝኽእል። ጐይታ ግና እዞም ነቲ ዝሰምዕዎ ብስራት ምእማኑ ተሳኢንዎም፡ ንድሕሪት ናብ ዓለም ዝምለሱ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ፡ ህያው ምዃኑ ከርእዮም ኣብ መገዶ ኤምሁስ ዝተራኸቦም (Encounter) ምስ እቲ ኩሉ ዝነበሮም መንፈሳዊ ድኻምን ተስፋ ምቑራጽን ግና ንጐይታ ከም ጋሻ ምሳታቶም ክሓድር ግዲ ዝብልሉ ሰናይ ነገር ተረኽቦም። ከምቲ እቲ ጽሑፍገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ።” (እብ 13:2) ዝብሎ ድማ ከይተረድኦም ነቲ ህያው ወዲ ኣምላኽ ናብ ቤቶም ኣአንገድዎ። ጐይታ ናብ ቤትካ ኣትዩ ምሳኻ ተደሪሩ ንስኻውን ምስኡ ከም ዝተደረርኻ ከየረጋገጸ ኣይወጽእን እዩ (ራእ 3:20) እንጌራ ክቆርስ ምስ ጀመረ መንፈሳውያን ኣዒንቶም ተኸፍታ። ህያው ኰይኑ ከም ዝነብር ድማ ረኣዩ። ብምእማን ርግጹነት ትንሳኤ ክርስቶስ ድማ ካብ ደቂ እዛ ዓለም ናብ፡ ውሉድ ትንሳኤን ውሉድ ኣምላኽነትን ተሰጋገሩ። ትንሳኤ ውሉድ ኣለዎ። ብሓይሊ ትንሳኤ ኢና ውሉድ ኣምላኽ ዝዀንና። ውሉድ ካብ ኰንና ከኣ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ ንክርስቶስ መዋርስቱ (ሮሜ 817) እዞም ውሉድ ትንሳኤ፡ ብምእማን እቲ ንሓይሊ ሞት ስዒሩ ዝተንስአ ናይ ትንሳኤ ጐይታ፡ ውልድነት ኣብ ኣምላኽ ዝረኸቡ ሰባት እዮም። ነዚኣቶም ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ሓደስቲ ፍጥረታት ኢልዎም ኣሎ (2ቈረ 517)

እዚ ብትንሳኤ ክርስቶስ ዝረከብናዮ ሓዲሽ ፍጥረትነት እንታይ እዩ፡ ብከመይ እዩ ዝብል ሕቶታት ነእምሮና ክመጾ ባህርያዊ እዩ። ኣብቲ ቀዳማይ ሰንበት ናይ ትንሳኤ፡ ክርስቶስ ንዕዳ ሓጢኣትና ክኸፍል ምማቱን፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ዓወት ረኺብና ብጽድቒ ምእንቲ ክንነብር ንጽድቕና ከም ዝተንስኤ ርኢና ኣሎና። እዚ ናይ ጽድቂ ህይወት እዚ፡ ሰብ ብልቡ ኣምላኽ ንወዱ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዘተንስኦ ብምእማን ዝርኸብ ህይወት እዩ (ሮሜ 10: 9-11) እዚ ሓዲሽ ፍጥረት እምበኣር ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝምህረና እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ እዩ (ኤፌ 424) ንሱ፡ እቲ ንክርስቶስ ካብ ምውታት ዘተንስኦ መንፈስ፡ ኣብኡ ሓዲሩ ህያው ዝገበሮ ሰብ እዩ (ሮሜ 8:11) እዚ ሓዲሽ ፍጥረት እዚ፡ እቲ መንፈስ ቅዱስ ብሓይሊ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕልንኡ ካብ ምውት ግብሪ ዘንጽሆ ሰብ እዩ (እብ 9:14) ኣብዚ ኩሉ ናይቲ ሓዲሽ ፍጥረትና፡ ዕዮን ስራሕን መንፈስ ቅዱስ ጎሊሑ ኢና ንርኢ። ከምቲ ንኒቆዲሞስ ዝተባለሉ ሰብ ካብ ላዕሊ ካብ ኣምላኽ ዝውለድ ብምሕዳር መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ሓደስቲ ደቂ ትንሳኤ ናይ ምፍጣር ስራሕ ንምውሓስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ኡፍ ኢሉ መንፈስ ቅዱስ ኣቐበሎም (ዮሃ 20:22) ንዓና ነዞም ብስሙ ንንኣምን ድማ እቲ መንፈሱ ሰፊሩ ዘይህብ ኣምላኽ፡ ነቲ ኣተስፊውና ዘሎ ድሕነት ዘውሕስ ዕርቡን ርስትና ዝኹነ ወሃቢ ህይወት መንፈስ ቅዱስ ሂቡና እዩ (ዮሃ 3:34 ኤፌ 113) እዚ ዝተቐበልናዮ መንፈስ ቅዱስ ድማ እዩ ነቲ ናይ ጽድቂ ህይወት ከም እንነብሮ ክድግፈና ዝኽእል። ስጋ ድኹም እዩ። እቲ ድልው ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ግና ንድኻምና ደጊፉ ንሓጢኣት እምቢ ንጽድቂ ድማ ሕራይ እንብለሉ ጸጋ (ጉልበት) ይህበና (ሮሜ 8:26 ማቴ 26:41) ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ብከምዚ ገሊጽዎ ኣሎብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም እጽሊ ኣሎኹ” (ኤፌ 316)

መለለዪ ውሉድ ትንሳኤ፥

ኣብ ሞንጎ ደቂ ዓለምን ውሉድ ትንሳኤን ዘሎ ፍልልይ ምፍላጥ ንህይወትና፡ ናብራ ደቂ ትንሳኤ ትነብር ምህላዋን ዘይምህላዋን ንምርኣይ ይሕግዘና እዩ። ደቂ ዓለም፡ ኣብ ትሕቲ ገዛኢ እዛ ዓለም ተባሂሉ ዘሎ ዲያብሎስ ብማእሰርቲ ሓጢኣት ገና ተኣሲሮም ዘለዎ እዩ። ክርስቶስ ምእንቲ ኩሉ ዓለም ሞይቱ፡ ንዅሉ ዝኸውን በጃ ምሕላፍ ተሰዊኡ ከብቅዕ፡ ነቲ መስዋእቱ ብግብሪ ኣፍልጦ ይኹን ምእማን ዘይሃብዎ ሰባት እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ ካብዚ ማእሰርቲ ዘውጽኦም ስለ ዘይብሎም፡ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን እዩ ዘውጽኣኒ እናበሉ ኣብ ባርነት ሓጢኣት ይነብሩ (ሮሜ 7:24)፡፡ ንኣምላኽ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ፡ እቶም ደቂ ትንሳኤ ግና ነዚ ሕቶ እዚ መልሲ ረኺቦምሉ እዩ። ከምቲ ኣብ ናይ ትንሳኤ ኣዋጅና ዝኣወጅናዮ፡ እቲ ዘናግፈና፡ ንሱ እቲ ንገዛኢ እዛ ዓለም ዝዀነ ሰይጣን ኣሲሩ ንፍጥረትና (ኣዳም) ሓራ ዘውጽአ ኢየሲስ ክርስቶስ እዩ። ብውልድነት ካብ ኣምላኽ ድማ ሓዲሽ ሕብረት መስረትና። ነዚ ሕብረት ሓዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ፥ንስኻትኩም ድማ ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኺህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ንዓኻትኩም ንነግሮ ኣሎና። ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ።” (1ዮሃ 13)

ካብዚ ሕብረት ዝተላዕለ ተካፈልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ንኸውን (2ጴጥ 14) እዚ ባህርይ እዚ እቲ ንኣምላኽ እንመስለሉ ናይ ጽድቂ ህይወት እዩ። እቲ ኣብቲ ጉንዲ ዝሓበረ ጨንፈር ካብቲ ጉንዲ ዝመጽእ ማራ ክምገብ ባህርያዊ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ፍረ ይፈሪ (ዮሃ 155) ኣብቲ መንፈሳዊ ክውንነት ድማ፡ እቲ ማራ እቲ ብመንፈስ ዝዀነ ኣምላኻዊ ህይወት፡ እቲ ፍረ ድማ እቲ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ተባሂሉ ዘሎ ናይ ጽድቂ ህይወት እዩ (ገላ 522) ስለዚ እቲ ናይ መጀመርያን ወሳንን መለለዪ ውሉድ ትንሳኤ እምበኣር ሕብረት ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ምዃኖም እዩ። ጐይታ ካብ ዝጸለዮ ዓበይቲ ጸሎታት ብዛዕባ እዚ ናይ ሓድነት ምስ ኣምላኽ ዝዀነ ጉዳይ ምንባሩ ነንብብ። እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል፥ዓለም፡ ንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ። ብሓድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፦ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም።” (ዮሃ 1721-23) ጐይታ ዝሞተሉ ዕላማ፡ ነቲ ብምኽንያት ዘይምእዛዝ ኣዳም ዘጥፋእናዮ ሓድነት ምስ ኣምላኽ ዳግም ንምምላስ እዩ። ነቲ ንዕኡ ንምምሳል ዝረድኣና ባህርይ እንማቐል ድማ ኣብዚ ሓድነት ምስ እንኣቱ እዩ።

እቲ ካልኣይ መለለዪ ናይ ደቂ ትንሳኤ ድማ፡ ከም መርኣዪ ናይቲ ብሕብረት ምስ ኣምላኽ ዝካፈልዎ ዘለዉ መግቢ ኣምላኻዊ ባህሪ ዝፈርይዎ ፍረ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ብመንፈሰይ እምበር፣ ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኰነን ከም ዝበለ ነብዪ ዘካርያስ (ዘካ 46) እቲ ፍረ ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝመጽእ። እቲ ፍረ መንፈስ ድማ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ብዘይ እዚ ቅዱስ ጳውሎስ ዝጠቐሶ፡ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ መርኣዪ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ዝበሎ ፍረታት ድማ ኣብ 2ጴጥ 15-7 ተጠቂሱ ኣሎ። እምበኣር ናይ ውሉድ ትንሳኤ ዘይማትእ መለለዪ እዚ ፍረታት መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ፈሊጥና ህይወትና ንመርምር። ነቶም እዚ ፍረ ዘለዎምእዚ ነገርዚ እንተ ኣሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ” (1ጴጥ18) ክብሎም ከሎ ነቲ እዚ ነገር ዘይብሉ ድማ ከምዚ ይብሎ፥እቲ እዚ ነገርዚ ዜብሉስ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምጽራይ ዝረስዔ፡ ዕዉር፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዚርኢ እዩ።” (1ጴጥ19) ስለዚ ኣምላኽ ኣዒንቱ ከፊቱ ኣብ ሓይሊ ትንስኤኡ ተዓቚሩ ዘሎ ሃብቲ ክርኢ ክረድኦ ክጽሊ ይግብኦ።

 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥  ሰንበት 30 ሚያዝያ 2017 (ሰንበት 22 ሚያዝያ 2009 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 12፡5-6

ይእዜ እትነሣእ ይቤ እግዚኣብሔር እሬሲ መድኃኒተ ወኣግህድ ቦቱ ቃለ እግዚኣብሔር ቃል ንጹሕ

ቃላት እግዚኣብሄር ጽሩይ ቃላት እዩ፣ ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፣ ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዔ ብሩር እዩ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ቆረ 5:11-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል ሉቃ 24: 13-33

2ጴጥ 3፡14-ፍጻሜ

ንፍቅ ዲያቆን

ቅዳሴ ድዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም)

ግሃ 21:31-ፍጻሜ

ንፍቅ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div