S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሰንበት'ዚ ዳግማይ ትንሳኤ ተባሂሉ ይስመ ነቲ ጐይታ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንሓዋርያት ዳግማይ ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ተጋሂዱ ዘጸናንዓሉን እምነቶም ዝሓደሰሉን ግዜ ዝዝኸረሉ መዓልቲ እዩ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታት ተፈልዩ ምስ ተንስአ፡ ነቶም ሓደጋ ኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ ኣብ ቤት ተዓጽዮም ዝነበሩ ሰዓብቱ፡ በቲ በዚ ምድራዊ ሕጊ ዘይቅየድ ናይ ትንሳኤ ኣካሉ፡ ማዕጾ ብዕጽዉ ኣብታ ዘለውዋ ቤት ኣትዩ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን ኢሉ፡ ንዝተረበሸ መንፈሶም ኣህደአ። ምትሃት ዘይዀነስ ብስጋ ህያው ኰይኑ ከም ዝነብር ከርእዮም ድማ ኽሕዝዎን ክድህስስዎን ዓደሞም፡ መግቢ በሊዑውን ኣካላዊ ትንሳኤኡ ኣረጋገጸሎም። እዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ጐይታ ምግሃድ፡ ነቶም ድሕሪ ሞቱን ቐብሩን ኣብ ከቢድ ወጥሪን ተስፋ ምቑራጽን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ምንጪ ዕረፍትን ህድኣትን ዀኖም። ንኣብነት እቶም ተስፋ ቆሪጾም ካብ ምስዓብ ጐይታ ንድሕሪት ናብ ኤማሁስ ዝምለሱ ዝነበሩ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ፡ ጐይታ ከም ሓላፍ መገዲ ምሳታቶም ተሓዊሱ ክኸይድ ጀመረ። ኣብ ዕላሎም ድማ እቲ ጓሂ ናይቲ በቲ ቅነ ዘጋጠመ ቕትለት ናይቲ ናይ እስራኤል ተስፋ እዩ ኢሎም ዝኣመንዎ መራሒኦም ይስማዕ ነበረ። እቲ ፍርዲ ናብ ዓወት ክሳብ ዝበጽሕ ንጭፍሉቕ ሻምብቖ ዘይሰብር፡ ንተኻኺ ጥዋፍውን ዘየጥፍእ ዕጉስ ጐይታ ግና፡ ነቲ ነብያትን መዝሙራት ዳዊትን ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ዝበልዎ ከዘኻኽሮም ደኣ ጀመረ። ኣብ ዓዲ በጺሖም ምሳታቶ ከላግስ ግዲ በልዎ። ኣብ መኣዲ እንጌራ ክቖርስ ምስ ጀመረ ግና ኣዒንቶም ተኸፍታ፡ ጐይታ ምዃኑ ድማ ኣለለይዎ። ጐይታ ካባታቶም ምስ ተሰወረ ግና፡ ተስፈኦምን እምነቶም ተሓዲሱ፡ በቲ ምሸት ንሕደር ከይበሉ ብኡ ንብኡ ናብ ኢዮሩሳሌም ናብቶ ዝተረፈ ኣሕዋቶም ተመሊሶም እቲ ዝዀነ ኵሉ ከዘንትውሎም ተበገሱ።

በቲ ቀዳማይ ምግሃድ ንሃዋርያት፡ ሃዋርያ ቶማስ ኣብ ማእከሎም ስለ ዘይነበረ፡ ነቲ ዝነገርዎ ምቕባሉ ስኢኑ፡ ኣጻብዔይ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ፡ ኢደይ ድማ ኣብ ጐድኑ እንተ ዘየእቶኹስ፡ ኣይኣምንን እየ ኢሉ ነበረ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ዘይምእማን ከወግድ ጐይታ ዳግም ኣብ ሰሙኑ ምልኣት ጉባኤ ሃዋርያት ኣብ ዝተረኽበሉ ተጋህደ። እዚ ተግባር፡ ጐይታ ንህያውነቱ ዘተራጥር ሓንቲ ነገር እዃ ክገድፍ ፍቃደኛ ዘይምንባሩ ዘመልኽት እዩ። ነዚ ነገር ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ  ብጥንቃቐ ይሰርሓሉ ምንባሩ ምስ እንርኢ ድማ እገዳስነት ርግጽነት ትንሳኤኡ ክሳብ ክንደይ ግዙፍ ምዃኑ የነጽረልና እዩ። ፈርሳውያን  ትእምርቲ ከርእዮም ምስ ሓተትዎ፡ ነዛ መቅደስ ኣፍርስዋ ኣነ ድማ ብሰለስተ መዓልቲ ከልዕላ እየ ምስ በሎም፡ ኣብቲ እዋን መንፈሳዊ ትርጓሜኡ ዝተረድኦ ሰብ ኣይነበረን። ምኽንያቱ፡ እታ ቤት መቕደስ ብኣርብዓን ሽዱሽተን ዓመት ምስርሓ እዮም ክዛረቡ ዝተሰምዑ። ድሕሪ ሞቱን ቀብሩን ግና፡ እቲ ትርጓሜ ተገልጸሎም። ንጲላጦስ ድማ ከምዚ በልዎጐይታይ፡ እቲ መስሓቲ ብህይወቱ ኸሎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ እየ፡ ከም ዝበለ ዘከርና። ስለዚ ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መጺኦም ከይሰርቅዎ እሞ ንህዝቢ፡ ካብ ምውታት ተንሲኡ፡ ከይብሉ፡ ካብታ ቐዳመይትስ እታ ዳሕረይቲ ስሕተት ከይትገድድ፡ እቲ መቓብር ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ኺሕሎ ኣዝዝ፡ በልዎ።” (ማቴ 27:63-64) እዚ ድማ ኣምላኽ ነቲ ጉዳይ ተሓቢኡ፡ ወይ ድማ ንሰባት ኣዘንጊዑ ኽገብሮ ከም ዝይዀነ ዘምልክት እዩ። ይትረፍ እቶም ሰዓብቱ፡ እቶም ሰቐልቱውን ከይተረፈ ብዛዕባ ዓወት ትንሳኤኡ ዘጠራጥር ነገር ምእንቲ ከይህልዎም፡ ከዘኻኽሮም፡ ነቂሖም ክሕልዎ ድማ ኸዳልዎም ኸሎ ንዕዘብ። ስለዚ እምበኣር ኣብ ጉባኤ ሃዋርያትውን ነዚ ምርዳእ ርግጹነት ስጋዊ ትንሳኤኡ ጐደሎ ዘይብሉ ኽገብሮ ዳግም ተጋህደ። ከምቲ ቀዳማይ እዋን ሕጂውን፡ ማዕጾ ብዕጽዉ ኣብ ማእከሎም ተጋሂዲሰላም ንኣኻትኹም ይኹን በሎም ነቲ ምኽንያት ናይዚ ዳግም ምግሃድ ዝነበረ ሃዋርያ ቶማስ ጸዊዑ ድማኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይውን ርኤ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐድነይ ኣእትዋ፡ ኣማኒ እምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን፡ በሎ። ኣእዳዉ ናብቲ ብመስማር ዝጐድጐደ ኢዱን ብዂናት ዝተበስዐ ጐድኑን ኣእትው ምስ ተባህለ ግና፡ ካልኦት ክብልዎ ብዘይሰማዕናዮ ምእማን ንጐይታ፡ጐይታይን ኣምላኸይንክብሎ ተሰምዐ። እቲ ብኸምዚ ዝበለ ርግጽነት ዝተረትዐ ጉባኤ ሃዋርያት፡ ብዓብዪ ትብዓት ብዛዕባ ትንሳኤኡ ኽምስኽር ተበገሰ። እቲ ኣእዳውና ዘረምሰሳኦ ኣዒንትና ዝረኣያኦ እቲ ቃል ህይወት ዝዀነ ክርስቶስ ከም ዝተንስኤ ንሕና ምስኽር ኢና ይብሉውን ነበሩ (1ዮሃ 11 ግብ 2:32 5:32) እዚ ርትዒ እዚ ንሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ክሳብ ጻት ምድሪ፡ ናብ ዘይፈልጦ ህዝብን ባህልን ናብ ሃገር ህንዲ ከይዱ ንክርስቶስ ክሰብኾ ክሳብ ዝድርኾ ሓይሊ ነበሮ። ኣብኡ ድማ ብሰማእትነት ሓለፈ። እዚ ክፍሊ ዝምህረና ሓቂ እንተ ኣልዩ፡ ጐይታ ንህዝቡ እሙን ከም ዝዀነ እዩ። ነቲ ኣብ ነውጺ ዘሎ ህዝቡ ሰላሙ ክመልስ እምነቱ ክድግፍ ዝፈጥን ረዳኢ ምዃኑ። ነተን በዚ ትንሳኤኡ ዳግም ዝተበሰረሉ ኣጋጣሚ ንሃዋርያት ዝዀናሎም ክልተ በረኸታት ንመልከት።

1. ሰላም፥ ጐይታና ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ ዘውስኦ ናይ መጀመርያ ቃልሰላም ንኣኻትኩም ይኹንዝብል ነበረ። ኣብ ከምዚ ንሃዋርያት ዘጋጠሞም ጸገም፡ እቲ ብመጀመርያ ዝጠፍእ ነገር ሰላም እዩ። ነቲ ጓሳ እቐትሎ፡ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ይብላ ከም ዝተባህለ፡ ብሞት ጐይትኦም፡ ሰላሞም ተሰሪቑ  ብጓህን ፍርህን ተዋሒጦም ንመዓልታት ኣብ ገዛ ኽዕጸዉ ተቐሰቡ። ነዞም ሰባት ልዕሊ ኩሉ ዘድልዮም ድማ ምህድእ ስለዝነበረ፡ ጐይታ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን ኢሉ ሰላሙ ሃቦም። እዚ ጉይታ ዝህቦ ሰላም ግና ከምቲ ዓለም እትህቦ ሰላም ኣይዀነን። እቲ ጐይታ ዝህበካ ሰላም ነገራት ብምምላእን ዘይምምላእን ዝመጽእ ዘይኰነስ፡ ጐይታ ምሳኽ ካብ ምዃን ዝተላዕለ ዝመጽእ፡ ኣብ ብማዕበል ዝዓፍር ባሕሪውን ከይተረፈ ንመርከብ እምነትካ ብህድኣት ኽትጉዓዝ ዝረድእ ሰላም እዩ። (ዮሃ 14:27 ማርቆስ 4:38-39) እዚ ሰላም እዚ ኣብቲ፡ ጸላኢና ከም ፈረኦን ደዲሕረና ስዒቡ ኽውሕጠና ዝህንደደሉ እዋን ህድእ ክንብል እሞ እቲ ውግእና ክዋግኣልና ምሳና ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃኑ እተርእየና እያ (2 ዜና 32:8 ዘጸ 14:13 መዝ 46:10) ንሰላምና ዝሰርቁ ዝኽእሉ ክልተ ነገራት ስደትን (መኸራን) ሓጢኣትን እዮም። እቲ ቀዳምይ ብስደት ጸላኢ ዝመጽእ ሰላም ምስኣን ካብ ደገ ስለ ዝነቅል ምልጋሱ ዝቀለለ እዩ። መድሃኒቱ ድማ ካብቲ ኣብ ጸላኢካ ዘሎ እቲ ምሳኻ ዘሎ ኣምላኽ ከም ዝሕይል ምዝካር፡ ውግእካ ከም ናቱ ውግእ ወሲዱ ተዋጊኡ ዓወት ዝህበካ ኣምላኽ ምሳኻ ከም ዘሎ ምዝካር እዩ። ኣምላኽ ምሳና ካብ ኰነኸ መን እዩ ዝቃወመና። ጽባሕ እትወልዶ እንተ ዘይፈለጥናዃ ንጽባሕ ሒዝዋ ዘሎ ኣምልኽ ኣቦና ምዃኑ ምፍላጥና ግና ምኽንያት ምህዳእና እዩ። ከምቲ ኣምላኽ ንሙሴእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ እሞ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን እዩ፡ ስለዚ ጽንዑ፡ ትብዑ፡ ኣይትፍርሁ፡ ብኣታቶም ኣይትሸበሩ።ዝበሎ ጐይታውንእንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።ብምባል ምሳና ከም ዝኸውን ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዘዳ 31:6 ኢሳ 4810 ማቴ 28: 19-20 ዮሃ 147 ) ስለዚ፡ ስሉስ ቅዱስ ኣምላኽና ምሳና ዘሎ ሰባት ካብ ኰንና፡ ሰይጣን ብዘምጽኦ ስደት ወይ መከራ ተረቢሽና ሰላምና ክነጥፍእ ኣይግባእን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰንብድን፡ ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ ይብለና ጐይታ (ዮሃ 141) እቲ ብምኽንያት ሓጢኣት ዝመጽእ ሰላም ምስኣን ግና ካብ ውሽጢ እዩ ዝብገስ። እቲ ሓጢኣት ክሳብ ዘይተኣልየ ድማ ነቲ ሰላም ምስኣን ክተጥፍኦ ኣይከኣልን እዩ።ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ፡ንረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን፡ ይብል እግዚኣብሄር።” (ኢሳ 4818, 22) ከምቲ እቲ ብመገዲ ዘይምእዛዝ ዝኸይድ ዝነበረ ነብዪ ዮናስ ነታ መርከብ ንምኽንያት ነውጺ ዝዀነ፡ ናብ ባሕሪ ምድርባዩ ድማ ሰላም ኣምዝጽእላ፡ ሰላምና ክምለስ ንኩሉ ሓጢኣትና ብንስሓ ካብና ንደርብዮ (ግብ 3:19)

2. ደገፍ እምነት፥ ምስ ኣምላኽ ኣብ ምንባርና እቲ ወሳኒ ባእታ እምነትና እዩ። ምኽንያቱ ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ከስምሮ ዝኽእል ሰብ የለን። ነዚ ድማ እዩ ጐይታ እቲ ዝበዝሐ ግዜ ንደቀ መዛሙርቱ ዝግስጸሉ ዝነበረ ኣርእስቲ፥ እቱም ጉዱላት እምነት፡ ኣታ ጐደሎ እምነት፡ እዚ ዘይእሙን ወለዶ ወዘተ ዝብሉ ቃላት ዀይኖም እንረኽቦም። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ከም እምነትካ ይኹነልካ፡ እምነትካ ኣድሓነትካ/ኪ፡ እምነትካ/ ዓባይ እያ፡ ከምዚ ዝበለ እምነት ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኣኹን ተባሂሎም ዝተናእዱ ምንባሮም ድማ ነንብብ ኢና። ንዝኣምን ኩሉ ይከኣሎ እዩ፡ ኣታ ብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻ ወዘተ ተባሂሎም ንኽኣምኑ ዝተዓደሙ ድማ ኔሮም እዮም። ስለዚ ናይ እምነት ምጉዳል ክሳብ ክንድይ ካብቲ ናይ ኣምላኽ መደብ ከም ዘትርፈና ንምርድኡ ኣየጸግምን እዩ። ስለዚ ኣብዚ ዳግማይ ምግሃዱ፡ ንሃዋርያ ቶማስ ብዛዕብ እዚእማኒ እምበር ዘይእማኒ ኣይትኹንኢሉ ዘጠንቐቖ። መጽሓፍ ቅዱስ ንእምነት ከም ናብቲ ኣምላኽ ዝመደብልና ወደብ እተብጽሓና መርኸብ እዩ ዝምስላ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዩ እቲ ጸላኢ ዘልዕሎ ማዕበል ሰላም ክሰርቕ ይኽእል። ናይ መወዳእታ ዕላማኡ ግና እምነትካ ከጥፍእ እዩ። እቲ ጐይታ ብዝገበረሉ ጻውዒት ብማይማይ ክኸይድ ዝጀመረ ሓዋርያ ጴጥሮስ፡ ንማዕበል ኽጥምንት ምስ ጀመረ፡ ልቡ ክርበሽን ክፈርህን ጀመረ፡ እዚ ድማ ንናይ እምነቱ ምጉዳል ጠንቂ ዀነ። ከም ውጺቱ ድማ ክጥዕል ጀመረ። ነቶም ኣምላኽ ብኣታቶም ብዙሕ መደብ ዘለው ሰባት፡ ጸላኢ እምነቶም ከጉድል ብዙሕ እዩ ዝፍትን። ብዛዕባ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ጐይታ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፥ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ። ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም።” (ሉቃ 2231-32) ጐይታ እምነት ባሮቱ ክትጠፍእ ኢዱ ከጣምር ከም ዘይዀነ፡ ንሕናውን ንምጽንናዕ ኣሕዋትና ክንነቕሕ ከም ዘለና ይምህረና።

ኣምላኽ ሰላሙ ይሃበና እምነትናውን ይደግፍ። ኣሜን

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥  ሰንበት 23 ሚያዝያ 2017 (ሰንበት 15 ሚያዝያ 2009 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 681-2

ይትነሣእ እግዚኣብሔር ወይዘረዉ ጾሩ ወይጉየዩ ጸላእቱ እምቅድመ ገጹ ከመ የኅልቅ ጢስ ከማሁ የኅልቁ።

ኣምላኽ ይተንስእ፣ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፣ እቶም ዚጸልእዎ ኻብ ገጹ ይህደሙ። ትኪ ኸም ዚብተን፣ ከምኡ ትብትኖም።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ቆረ 15:1-20

ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 2019-31

1ዮሓ 11-ፍጻሜ

ንፍቅ ዲያቆን

ቅዳሴ ድዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም)

ግሃ 23:1-10

ንፍቅ ካህን 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div