S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሰንበት ዕለት 17 ሓምለ 2017 ኣ.ፈ (11 ሓምለ 1997 ዓ.ም ግእዝ)  3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንኽልተ ኤጲስ ቆጶሳት ማለት ንብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስን ንብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስን ብማዕርግ ጵጵስና ክቐብኡ ወዓሉ። በጀካ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ድማ ብምልኦም 8ተ ጳጳሳት ተዋሕዶ ምስ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣብቲ ጸሎተ ቅዳሴን ሥርዓተ-ሽመትን ሓቢሮም ክሳተፉ ውዒሎም እዮም። ብድሕሪኡውን ኩሎም ጳጳሳት ኣብቲ ብምኽንያት በዓለ-ሲመት ንኽብሪ 2ተ ጳጳሳት ተባሂሉ ዝተዳለወ መኣዲ-ምርፋቕ (ምሳሕ) ብየማነ-ጸጋም ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኮይኖም ብፍሱሕ ገጽን ብጥዑም ዘረባን ዝተዳለወሎም ሽሻይ ምስ ኩሎም ዕዱማትን ሠራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክን ብሰላም ተመገቡ። ስዒቡ መዝሙር ምስጋናን መግለጺ ሓጎስ ማዕዳታትን ምስ ተዋህበ፥ ስብሓት ለኣብ! ተባሂሉ ብጸሎተ ቡራኬ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ መዛዘሚ ጸሎት ተገይሩ ፍጻሜ ናይ ሰንበት በዚ ኣብቂዑ ኩሉ ሰብ ብደሓነ ሰላም ተፋነወ።

እዛ ቃል እዚኣ ንመጀመርታ ጊዜ (ቦኽሪ እዝነይ) ዝሰማዕክዋ ኣብቲ ምድረ በዳን ምድረ ፍዳን ዝኾነ ሳዋ ዝበሃል ቦታ መደንዘዝን መልመስን መንእሰያት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 1997 .ም. እዩ ዝነበረ። ሓደ ወተሃደራዊ በዓል ሥልጣን ኤርትራ ከቢድ መልእኽቱ ከመሓላልፍ ከሎ፡ ከምዚ ኮይነ፥ ከምዚ ኣሎኒ፥ ዝብል ዝኾነ ምኽንያት ቅቡል ኣይኮነን። ንኽትፈልጡ ኣብዚ ክልተ ትእዛዝ ጥራይ እየን ዘለዋግበር ወይ ኣይትግበርዝብላ፥ "ካብዚ ወጻኢ ንዝኸደ ምሕረት ዝበሃል የሎን። ካብ ኢድ ሰይጣን ምሕረት ኣይትጸበ።" ክብል ኃይለ-ቃል ዘለዎ ከቢድ መጠንቀቕታ ሂቡና ናብ ቦትኡ ተዓዝረ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ እምበኣር ኣብ ኢድ ሰይጣን ኢና ኣቲና ዘሎና ብዝብል ሓሳብ ብሓቂ ልበይ ስለ ዝተጎድአ ኣምላኽ ብምሕረቱ ካብቲ ዘፍርሕ ዓዘቕትን ከቢድ መግዛእትን መዋጽኦ ክፈጥረልና ወትሩ ብጸሎት ይልምን ነበርኩ። ነታ ከባድ ቃል በዓል ሥልጣን ህግደፍ ዝተዛረባ ክኣ እንሆ ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 22 (ዕስራን ክልተን) ዓመታት ብፍጹም ክርስዓ ኣይከኣልኩን።

ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ታሪኽ፡ ነቶም ተዋሳእቲ ናይቲ ታሪኽ ገዲፍካ፡ ከምዘለዎ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን እናተፈጸመ ብዓይንኻ ክትርእን፡ ኣካል ናይቲ ዝፍጸም ዘሎ ታሪኽ ኮይንካ ንገዛእ ርእስኻ ክትረኽባን ዘገርም እዩ። ናይ ታሪኽ ጽቡቅ ነገሩ፡ ንኽልቲኡ ኣሉታውን ኣወንታውን ናይቲ ፍጻሜ ስለዝገልጽ፡ ተጠንቂቑ ነቲ ታሪኽ ብምስትውዓል ንዘንብብ ብዙሕ ዝምሃር። እቲ ብዘይ ምስትውዓል ነቲ ታሪኽ ዘንብብን፡ ካብ ቅንዕና ወጻኢ ብኻልእ ፖለቲካውን ማሕበራውን መኽሰባት ተታሊሉ ክትርጉሞ ዝፍትን ግን፡ ነቲ ታሪኽ ብኣሉታዊ ጎኑ ካብ ምድጋም ካልእ ምርጫ ኣይህልዎን እዩ።

ኩልና ከም ንፈልጦ፡ ሽም ዘይብሉ ንህቢ፡ ኣይሰምር፡ ኣየምዕር ምዃኑ ርዱእ ሓቂ እዩ። ቆፎ ብዘይ ንህቢ ድማ ኣይብርበር፡ ኣይከብር እኳ ደኣ ይሓስር እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዘምዕርን ዘኽብርን ዝነበረ ዕስለ ንህቢ ምስ ሽሙ ነቲ ቆፎ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሓዲግዎ ስለ ዝኸደ እዩ።

ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ፡ ክትቍጥዑ ከሎኹም ኣብ ኃጢኣት ከይትበጽሑ ተጠንቀቑ። ኣብ ቍጥዓኹም ፀሓይ ኣትዕረብኩም። ንዲያብሎስ ከኣ መገዲ ኣይትሃብዎ ዝብል ረዚን መልእኽቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሒፉልና ከም ዘሎ ብዙሕ ጊዜ እነንብቦ ትኹል ቃል ሓቂ እዩ። ኤፈ 426-27 ካብዚ መሠረታዊ ትእዛዝ ኣምላኽ ተበጊስና ኢና እምበኣር ብምኽንያት እዚ ሎሚ-ቅነ ዳግማይ ዝካየድ ዘሎ ጸለመ ኣብ ልዕሊ  3 ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ነዚ ሓጺር ጽሑፍ ናብ ኣንበብቲ ነቕርቦ ዘሎና።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ፍልሰታን ይበሃሉ። እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ’’ በሎ። እምበኣር ኣጽዋማት ዝተሰርዐ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከነኽብርን ሓይሊ ስጋና ብትዕግሥቲ ከነድክምን እዩ። ዘፍ 217

ዲያቆን ዮሓንስ ገብረሕይወት፥ መድኃኔ - ዓለም ማንቸስተር, ዓባይብሪጣንያ

ኣብ መጽሔት መገዲ ሕይወት, ቁጽሪ 2 ሕታም ዝተዳለወ።

ወይዘሮ ክርስቲና ወይ ወይዘሮ ታውክልያ ተባሂለን ዝስመያ ኣኽሱማዊት ኣደ ከምዝነበራ ትፈልጡ ? “ኣኽሱምን ክርስቲናን ደኣ ኣበይ ኣበይ እየን ዝራኸባ?” ኢልኩም ትሓቱ እንተለኹም፡ ምምርማር ታሪኽ ቅዱስ ያሬድ የድልየኩም ኣሎ ማለት እዩ። ንስርሓት ቅዱስ ያሬድ ናብቲ ዝቐጸለ ወለዶ ዘሳገሩ፡ ሳዊሮስ፡ ሳንድሮስ፡ ባልዳዶስ፡ ኬፋ፡ ወዘተ እዮም ዝበሃሉ ኔሮም። ኣሰያይማ ስሞም ይዓጀበና እንተሎ፡ ታሪኽ ንግስነት ክርስትናን ንግስነት ኣኽሱምን ኣብ ዞባና ክንፈልጥ እዩ ዝያዳኡ ክዓጅበና ዝግባእ።

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመንመበል 18 - ክፋልን መወዳእታን)

ቅድሚ ንኣለክሳንድሪያ ምምላሰይ፥  ንሓንቲ ክርስቲያን ዝኾነት ኃውተይ ክበጽሓ ኣሎኒ ብምባል፥ መንገደይ ናብኣ ኣቢለ ኣቕናዕኩ። ንሳ ከመይ ዝበለት ዓባይ ሰብ እያ። እቲ ጽቡቕ ተግባራውን ተዛሪብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብጥቕልል ዝበለ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ኢልካ ትግለጽ፥ ወረጃን ዓባይን ወይዘሮያ። ማለት ኣብቲ ኩሉ ሰብ ሪሑቑኒ፥ መውደቕን መጸግዕን ስኢነ ምድረ ሰማይውን፥ ጽልምት ኢሉኒ ዝነበረሉ ግዜ። ልባን ማዕጾ-ቤታን ከፊታ ዘዕቈበትኒ፥ ናይቲ ክትዝክሮ ከሎኻ ዘስካሕክሕ እዋን እምንቲ ኃውተይ እያ።

መቸም ካብ ሱር-መሠረቱ፥ ወይ ካብ ጉንዱ ክርአ ከሎ፥ ዘዛርብ ጉዳይ ከይተረኽበ፥ ክዛረብ ኮነ ክጽሕፍ ዝደሊ ሰብ፥ ይርከብ ክበሃል ኣይከኣልን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ኣብዚ እዋናትዚ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዝምልከት፥ ተደጋጊሙ ክዝረብን ክጸሓፍን ዝርከብ ዘሎ። ይኹን እምበር ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ መዛረቢ ኣርእስቲ ክትከውን ካብ እትጅምር፥ ነዊሕ ኮይኑዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፥ ክፍጸም ዝርከብ ዘሎ ግህሰተ-ሕጊ፥ ምንም ምምሕያሽ ክግበር ስለ-ዘይተራእየ ከኣ። እንሆ እታ ቤተ-ክርስቲያን፥ ብቐጻሊ ናይ ርድኡኒ ኣውያት ከተስምዕ ትርከብ ዘላ።

ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ እቶም፡ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ይኹን! (ሉቃ 2፡ 14)

ምልኣት ዘመን ምስ ኣኸለ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሕዝቢ ኣምላኽ ሓርነት ንምዉጻእ፡ ኣብ መብልዒ ማል፡ ኣብ ቤት-ልሄም ተወልደ። እዛ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ፍልይቲ ዝኾነት ለይቲ፡ ምስታ ቅድስቲ ስድራቤት፡ ብመንፈስ ክነምሲ፡ ናዓና ዓብይ ዕድል'ዩ። መሎኮት ምስ ስጋና ዝተዋሃሃደሉ፡ ኣምላኽ ኣብ ማእከል ሕዝቡ ዝተገለጸሉ፡ ድንቂ ዝኾነ ምሥጢር ኣምላኽ ነስተንትነሉ: ምሸት'ዩ። "እቲ ቓል ስጋ ኾነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኣባና ሓደረ" (ዮሓ 1፡ 14)። ኣብዚ ምሽት'ዚ ነቲ ናይ ነገስታት ንጉስ ወሃቢ ጸጋ ንረኽቦ፡ ነታ ኣደ ቤተ-ክርስቲያን ተባሂላ ብኽብሪ ዝተጸወዓት፡ ኣዴና  ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ምስ ቅዱስ ዮሴፍ ንረኽባ። ከምኡ ድማ ነቲ ሰማያዊ ስራሕ ኣምላኽ ንምዕጃብ፡ ቅዱሳን መልእኽቲ፡ ዘቕረብዎ ጉሩም ምስጋና፡ ሓቢርና ነምስየሉ ፍሉይ ምሸት'ዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div