S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተጠቒሱ ዘሎ ቃል፣ ቅድሚ ክልተ-ሺሕ ዓመት፣ ኣብ ቤተ-ልሔም ዝተነግረ ቃል እዩ። እዚ ሠራዊት ሰማይን መላእኽትን ኃቢሮም ዘስምዑዎ ቃል ምስጋና`ዚ፣ እቶም ናይ ቤተ-ልሔም ጓሶት፣ ብዛዕባ እንታይ ምዃኑ ክርድኡዎ ዝኸኣሉ ነገር ኣይነበሮምን። ስለዚ ከኣ`ዮም እቲ ዝኾነ ነገር ክንፈልጥ፣ ናብ ቤተ-ልሔም ንኺድ ዝበሉ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ከኣ፣ እቲ ጎይታን መድኅን-ዓለምን ዝኾነ ክርስቶስ፣ ምስታ ቅድስቲ ዝኾነት ወላዲተ-ኣምላኽ ድንግል-ማርያምን፣ ከምኡ`ውን ዮሴፍ ኣብ መብልዕ-ማል ደቂሱ ረኸቡዎ። (ሉቃ-2/14)

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፥ ኣሜን።

ናብ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ኣሕጉራትን እትነብሩ ዘሎኹም።
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋ ሰላምን ጥዕናን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንኣኻትኩም ይኹን።

እቲ ካብ 1999 . ጀሚሩ ዓመት መጸ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ዝዳሎ መንፈሳዊ ዓመታዊ ጉባኤ ሎሚ ዓመት'ውን ብረድኤት እግዚኣብሔር ንመበል 22 ዓመቱ ክካየድ እዩ።  እዚ ጸሎተ-ቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ መሪሕነት፥ ኣቦታት ውሉደ ክህነት፡ መዘምራን ትምህርቲ ሰንበትን ምሁራት ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ብዝህብዎ፥ መደብ-ትምህርቲ፥ ስብከታት፥ ሰሚናራት፥ መዝሙራትን ጸሎተ-ምህልላን ብስሩዕ መደባት ንኽመሓላልፍ ብኽፍሊ ትምህርትን ስብከትን መርሓ-ግብር (ፕሮግራም) ወጺኡ ኣሎ። ናይ ሎሚ ዘመን ዓመታዊ ጉባኤ  በዚ ዘሎ ለበዳ ሕማም-ኮረና ምኽንያት፥ ብመሰኮት ኢንተርነት ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (Live) ካብ ሓሙስ  30 ሓምለ (July)  -  ክሳብ ቀዳም 1 ነሓሰ (August) 2020 . (ካብ ክሳብ ፳፭ ሓምለ ፳፻፲፪ .) ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 . ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ሰዓታት፡ ካብ ኣአንጋዲት ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ሲንሲናቲ ኦሃዮ፥ ክመሓለልፍ ምዃኑ ብኣኽብሮት ክንሕብር ንፈቱ። 

ዝኽትምና ቀዳምነት ኣብ ሕጻናት ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዘስዕቦ ሥነ-ኣእምሮኣዊ ይኹን  ማኅበራዊ ጉድኣት ቀሊል ኣይኮነን። ብሞት ወለዲ ንዝመጽእ ዝኽትምና ከኣ ግደፍዶ ክትምነዮስ ወሪዱካ ክትጾሮውን ከቢድ መስገደል ምዃኑ እቲ ዘይበጽሖ ሰብውን ዘይርድኦ ኣይኮነን። ከምቲ ሥጋውያን ወለዲ ዘለዉና፥ መንፈሳውያን ወለዲ ከም ዘለዉና ድማ ኩልና ክንስሕቶ ኣይግባእን። ዝኽትማና እምበኣር ሰብ ብዝሰርሖ ይኹን ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ከጋጥም ዝኽእል መሪር ዕዳ ምስኣን ወለድን ኩሉ ሓልዮቶምን መሪሕነቶምን ማለት እዩ።  ስለ ዝኾነ ድማ ዝኽትምና ብምስኣን ሥጋውያን ይኹኑ መንፈሳውያን ወለድና ከጋጥም ከም ዝኽእል ክንርዳእ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። እቲ ንቡር ብዘይ ንቡር ኣብ ዝተተክኣሉ፥ ጥልመትን ጭካነን ኣብ ዝበዝሖ መወዳእታ ዘመን 8 ሺሕ ንነብር ብምህላውና ድማ እንሆ ኣብ ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራውን ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝኣክል ክትኣምኖ ብዘጸግም ኵነታት መንፈሳዊ ዝኽትምና ወሪዱናስ ብከቢድ ሓዘንን ጓህን እናነባዕና ንነብር ኣሎና።

ዝኸበርኩም ማኅበረ-ምእመናን-!  እዚ ሕጂ ንርከቦ ዘሎና እዋን፣ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ። ኣብ ዝሃሎና ሃገር ንሃሉ ብዘየገድስ፣ ኩላትና ብኃባር ነስተማቕሮ ዘሎና መሪር ሕይወት`ዩ። ምናልባት`ውን ኣብ ታሪኽ ዓለምና፣ ከምዚ ናይ ሕጂ ኣጋጢሙ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስልን። ከመይሲ ኣብ 1-ይን 2-ይን ኲናት-ዓለም፣ ብሚልዮናት ዝቑጸር ብዙሕ ሕዝቢ ከም-ዝሃለቐ ዝፍለጥ`ዩ። እዚ ግና ኣብቲ ዓውዲ-ኲናት ዝካየደሉ ዝነበረ፣ ውሱን ቦታ ደኣምበር። ንምልእቲ ዓለም ካብ ጫፍ ንጫፍ በጺሑዋ` ዝበሃል ኣይነበረን።

እዚ ቃል`ዚ እቲ ሕያው ኣምላኽ፣ ብኣፍ ነቢይ-ኢሳይያስ ኣቢሉ ዝተዛረቦ ቃል`ዩ።  እዚ መልእኽቲ`ዚ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ከም-ዝነበረ`ውን፣ ካብቲ ቃላቱ ምርድኡ ይከኣል። እዚ ድማ ደቂ-ሰብ ካብቲ እግዚኣብሔር ዝሓንጸጸሎም መስመር ብምውጻእ፣ ናይ ገዛእ-ርእሶም ድሌት ብምኽታል፣ ሰጢጦም ክኸዱ ከለዉ ዝንገሮም ስምዕታ፣ ወይ ናይ መጠንቀቕታ ደወል `ዩ፣ ክበሃል`ውን ይከኣል።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ፍልሰታን ይበሃሉ። እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ’’ በሎ። እምበኣር ኣጽዋማት ዝተሰርዐ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከነኽብርን ሓይሊ ስጋና ብትዕግሥቲ ከነድክምን እዩ (ዘፍ 217)

እዋኑ ኣብ ሓምለ 2005 ኣ.ፈ እዩ ዝነበረ። ናይ ሽዑ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን (ናይ ሕጂ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ) መበል 7ይ ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ደብረ ሰላም መድኃኔ-ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ ካብ 28 ክሳብ 31 ሓምለ 2005 ኣ.ፈ ክካየድ ወሰነ።

 በስመ ሥላሴ እቀጠቅጥ ከይሴ

 "ዕረፍትን ትንሣኤን ድንግል ማርያም"

 "እዛ፡ ፈታዊኣ ተመርኲሳ፡ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላስ መን እያ፧?" መኃልየ መኃልይ ዘሰሎሞን 8:5።

 ብስም ክርስትና ካብ ዝጽውዓ ቤተ እምነታት (ርቱዕ መንገዲ) ዝብል ትርጉም ዘሎዎ እምነት ኦርቶዶክስ ዝኽተላ ኣብያተ ክርስቲያናት ንቅዱስ ሓዋርያዊ ትውፊት (Holy Tradition) ዓቢይ ቦታ ኣሎወን::ቅዱስ ትውፊት እንብሎ ካብ ቅዱሳን ኣቦታትና ሓዋርያት ጀሚሩ ካብ ወለዶ  ናብ ወለዶ እናተመኃላለፈ ዝመጽአ ኣስተምህሮን ሥርዓተ ኣምልኾን ኪኸውን ከሎ:መጽሓፍ ቅዱስውን ኣብ ዘመና ዝበጽሐ ብመንገዲ ሰንሰለት ቅዱስ ትውፊት  እዩ::ነዚ እዮም ከኣ ኦርቶዶክሳውያት ኣበዋትና :-"መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ገረብ ቅዱስ ትውፊት ዝበቖለ ሠናይ ፍረ እዩ" ዝብሉ።

ብዶ/ ሽሞንዲ ኃይለ፣ ዋሺንግቶን ዲሲ ሕመኣ።

ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ: ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት (ሉቃስ 21-16)

እቲ ወንጌላውን ሓኪምን ዝነበረ ግሪኻዊ ዝዓሌቱ ሉቃስ ዝተባህለ ወዲ መዝሙር፡ ናብ ሓደ ካልእ ቴዎፍለዎስ ዝተባህለ ግሪኻዊ፡ ታሪኽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይሁዳውያንን ግሪኻውያንን ጥራይ ዘይኰነ፡ መድኅን ዓለም ኰይኑ ንምልእቲ ዓለም ከድኅን ከም ዝመጸ ከፍልጦ ምእንቲ ኢሉ፡ 65 .. ምስ ሓዋርያ ጳውሎስ እናተጓዕዘ ከሎ፡ እዚ ሕጂ ወንጌል ኢልና ነንብቦን ንመሃሮን ዘለና፡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ጥዑም ዜና ጸሓፈሉ።

በስምኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ!

ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽ በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ። ገላ 5፡ 1።

ምኽንያት ጽሑፈይ በቲ መግለጺ ወጽዩ ዘሎ ብሽፋን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝብል'ዩ:: ቅድስና ይትረፍሲ ሰብ ምዃን ኣጥፊኡ ዘሎ ሲኖዶስ እዩ:: ንቅዱስ እንጦንዮስ ብእምነት ክኸስዎም ብቕዓት ኮነ ሞራል የብሎምን:: ቅዱስ እንጠንዮስ ድምጾም ተሰሚዑ መልእኽቲ ፈንዮም ምስ ተሰመዓ፥ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደቂሶም ኣይፈልጡን እዮም:: ነቲ ዝገበርዎ በደል ብየቅሬታን ብትሕትናን ከይዛዝምዎ ናብ ሰይጣናዊ ዝኾነ ህልኽ ምእታዎም ንቤተክርስቲያና ዓብይ ዉድቀት ኮይኑ ኣሎ:: እዚ ኹሉ ዝግበር ዘሎ ዋናታቱ እቶም ሰብ ፖለቲካ ምዃኖም ክዝንጋዕ ዘይግበኦ ሓቂ እዩ::

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div