S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብምኽንያት 6 ዓመት ስሜት ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤክ ኤርትራ ዝወጸ ስነ-ጽሑፍ

"ሕማቅ ዘመን ካብቲ ሕማቕ ዚገብረካስ ሕማቕ ዝምህረካ ይገድድ" ከምዝብሃል ዘይሕጋዊ ሽመት ኣቡን ዲዮስቆሮስ፥ ንሕጊ ኣልቦነትን ግብረ-ኣረማውነትን ናይቶም ወጠንትን ተግበርትን ናይቲ ኣብ መፋርቕ 2005 ዓም ዝጀመረ እኩይ ምኽሪ ናብ ጥርዙ ዚበጽሓሉ ፍጻሜ እዩ።  ሓዊ ወሊዕካ ድቃስ፡ ሕጊ ኣፍሪስካ ሰላምን ህድኣትን ኪርከብ ስለዘይክኣል፡ ሳዕበኑ ኸኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳዓበየን እንዳበኣሰን ይኸይድ ኣሎ። ወዮ ድኣኣምላኽ ኪጸልእ ምኽሪ ይኸልእኮይኑ እምበር እዚ ኸዊልካ ዘይክወል ገበን እንታይ ኪወልድ ምዃኑ ምግማት ከቢድ ኣይነበረን። እዚ ሓደገኛ ፈተና ብኣግኡ ዘስተውዓሉ ብዙሓት ሊቃውንቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካን ካልኦትንውን ካብ ወጻኢ፡ ኣቦታት ጳጳሳት ደው ኢሎም ኪሓስቡ ከም ቀደሞም ብፍቕርን ብምርድዳእን ሽግሮም ኪፈትሑ፡ መሳርሒ ናይቲ ኩሉ እኩይ ስራሕ ኮይኑ ንዝነበረን ዘሎን ኣብ ዘይምልከቶ ቦታ ዝተቐመጠ ዓለማዊ ሰብ ኣቶ ዮፍታሀ ዲሞጥሮስ ኸኣ ኢዱን እግሩን ከውጽእ ብተደጋጋምን ብዓውታን ጻውዒት ተገይሩ ነይሩ እዩ። ሰማዒ እዝኒ ግን ኣይረኸበን። ኣብዚ ጉዳይ ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብሉ ሰብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ (www.tewahdo.org) በብመዓልቱን ከከም ኣፈጻጽማኡን ተቐሚጡ ዘሎ ሰነዳት ኪምልከት ይኽእል እዩ። ጉዳይ ቤተክርስትያን ድቃስ ዝኸልኦም ኣገልገልትን ምእመናንንውን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታ እቲ ነገር ቅድሚ ኣብ ፍጻሜ ምብጻሑ እንዳተኸታተሉ እዋናዊ ሓበሬታ ይዝርግሑ ኔሮም እዮም (ብፍላይ ካብ መፋርቕ 2005 ክሳብ ሎሚ) መርገም ህዝብና ግዲ ዘይተወድአ ኮይኑ ግን እቲ መገዲ ጥፍኣትን ዕንወትን ቀጸለ እምበር ደው ኣይበለን።

እቶም ነዚ ገበንዚ እናረኣዩ ትም ኣይኪብሉን እዮም ትባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣዕይንቲ ቤተክርስትያን ዝኾኑ ምሁራት ውሉደ ክህነት ኣቐዲሞም ኣብ ማሕዩር ከምዝኣትዉ ተገይሩ፡ ክሳብ ሎሚ ለይቲ ኸኣ ገበኖም እንታይ ምዃኑ ዘፍለጦም ኣካል የልቦን። ብዙሓት ብዕድመ ዓበይቲ እዮም ዝተባህሉ ሊቃውንቲ ኸኣ ነታ ንምሉእ ዘመኖም ዘገልገልዋ ቤተክርስትያን ኣጸዳ ከይረግጹ ብኣቶ ይፍታሀ ተኸልኪሎም እዮም። እግዚኦ ኢሉ ኪምህለል ካብ ዘይክእል ሰብ ካልእ እንታይ ንጽበ። ብቐደሙ ብዘይ ድልየት ቤተክርስትያን ብሰላሕታ ኣትዩ፡ ስልጣን ኣቦታት ጳጳሳት ጨውዩዋና ኣማሓዳሪ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኣነ እየ ብምባልኣብ ማእከል ዝተቐመጠ ናይ ጥፍኣት ተልእኾኡ ኪፍጽምዶ ኣይኮነን? ከም ሓደ ዜጋ ንሃገር ከገልግል እንተዝድለ፡ ናይ ደርጊ ኣምባሳደር ብምዃን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዝፈጸሞ ገበን ብወግዒ ተነሲሑ ብኽእለቱ ንህዝቡ ዘገልግለሉ ዓውዲ መኣስ ተሳኢኑ!

እምበኣር እቶም እንተስ ፈሪሖም እንተስ ተታሊሎም ነቲ ንኽብሪ ኣምላኽ፡ ንሰላምን ዕብየት ቤተክርትያን፡ ብኣቦታትና ኃዋርያት (ኣብ ጉባኤ ንቅያ 325 ዓም) ዝቖመ ሕጊ ዝግሃሱ ጳጳሳት፡ ነቲ ተገኒዞም ዝተቐበልዎ ክብሪ ጵጵስና ኣሕሲሮም፡ ነቶምይደልዎተባሂሎም ብድምጺ መላእ ቤተክርስትያን ዝተመርጹ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ጠሊሞም፡ ሓልዮት ምእመናን ከምዘይብሎም ኣረጋጊጾም እዮም። እቲ ጎይታወኣሳብሰ ዘኢኮነ ኖላዌ ይጎይይ እስመ ኣሳብ ውእቱእቲ ጓና ብዓል ዓስቢ: ተኹላ ኪምጽእ ምስ ረኣየ ነብሱ ከድሕን ይሃድም ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉንዝበሎ ቅዱስ ጽሑፍ እዩ ተፈጺሙ።

እቲ ብመሪሕነት ኣቶ ዮፍታሀ ዝፈጸምዎ ድራማ ምርጫ ፓትርያርክ ግን ብህዝብን ደላይ ሓቂ ህዝቢ ዓለምን ውርደት የስዕበሎም ከምዘሎ ንኹሉ ብሩህ ኮይኑ እዩ። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና ብመደብ ብፖለቲከኛታት ዝተዘርግሐ ወረ ንገዜኡ ኣደናጊርዎ እኳ እንተነበረ ሎሚ ፈሊጦም ንዘጽቐጡ ውሑዳት ኤርትራውያን እንተዘኾይኑ እቲ ጉዳይ ከም ጽሓይ ቀትሪ በሪህሉ እዩ። ብሃይማኖታዊ ጉልባብ ዝፍጸም ዘሎ ግብረ-ኣረማውያን ምዃኑ ዓለም ብዓለሙ ፈሊጥዎ እዩ። እቲ ኹሉ ዝክኣሎ መድኃኔ ዓለም ኢዱ ዘርጊሑ ይኣክል ኪብል እዩ እምነትናን ምህለላናን እምበር ቤተክርስትያን ኣብ ኢድ ዓለማውያንን ፖለቲከኛታትን እንተወዲቓ ንዕንወትን ብርሰትን ጥራሕ እዩ።

ሎሚ እቲ ዝበዝሐ ህዝብና ብዛዕባ ኣብ ቤተክርስትያንና ዝተፈጸመን ገና ዝፍጸም ዘሎን ገበን ይዕዘብን የዋህልልን እዩ ዘሎ። ብሰንኪ እቲ ዝተፈጸመ ገበን ሰብ ካብ ሰብ፡ ዘመድ ካብ ዘመድ፡ ዓርኪ ካብ ዓርኪ ዝተፈላለየ ውሑድ ኣይኮነን። ኣብ ዓዲ ዝርከቡ ብዙሓት ውሉደ ክህነት ነቲ ዝተፈጸመ ገበን ከዊሎም ኪኸዱ ሕልናኦም ስለዘይፈቐደሎም ዝተፈላለየ ምኽንያት እንዳመሃዙ ነዚ ሕማቕ ዘመን ተኸዊሎም ኪሓልፍዎ መሪጾም እዮም። ነቲ ኽቡር ማዕርጎም ኣቐሚጦም ከም ተራ ሰብ ብጉልበቶም እንዳተገዝኡ ኪነብሩ ዝመረጹውን ሓያለይ እዮም። ኣብ ስደት ዝርከቡ ብዙሓት ውሉደ ክህነትን ምእመናን ግን ነቲ ካብ ብሎኮ ጎዳይፍ ዘይሓልፍ ሽመት ኣቡን ድዮስቆሮስ ኣይቅበልዎን እዮም እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እምበኣር ነቶም ሰብ ግዜ ከነመሓላልፎ ንደሊ መልእኽቲ እንተልዩ፡ ንኣምላኽን ነታ ብደሙ ዘጥረያ ቤተክርስትያኑን ንዒቕኩም ዝፈጸምክምዎ ገበን ክትክውሉ ህርድግ ምባልኩም እንትርፎ ድኻም ካልእ ትርፊ ኣይተረኽቦን፡ ንኹሉ ግዜ ስለዘሎዎ ጸሊም ታሪኽኩም ኪስዕበኩም ምዃኑ ጥራይ ምዝኽኻር እኹል እዩ።

ደቂቀ-እንጦንዮስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div