S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጾም

ኣምላኽ ምእንቲ ኪሕልወና ኢልና ጾምናን ጸሌናን ንሱ ከኣ ሰምዓና (እዝ.823)

መእተዊ።

ጾም ብመጀመርታ ብእግዚኣብሔር ዝተዋህበት ትእዛዝ ኮይና፣ ኣብ መንጎ ፈጣርን ፍጡርን፣ ኣዛዝን ተኣዛዝን፣ ገዛእን ተገዛእን ዘሎ ናይ ባህርይ መዝነት ውን እተፍልጥ ኮይና እያ ብእግዚኣብሔር ዝተዋህበት። እዚ ትእዛዝ እዚ ከኣ ፈሪሕካን ተሸቝሪርካን ተሰኪፍካን ክትጾሞ ወይ ኪትፍጽሞ ዘይኮነስ፣ እሙን ኴንካ፣ ብምሉእ ልብኻ፣ ብትብዓትን ብናይ ውሽጣዊ መንፈስ ድርኺትን ክንፍጽሞ እግዚኣብሔር ምሉእ ነጻነት ሂቡና እዩ። ሲራ.1515-17

በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ምስ እንፍጽሞ ከኣ ንሥጋዊ ሓሳባትን ዓለማዊ ትምኒትን ኣሸኒፉ፣ ንኵልንትናና ዝቕልስ መንፈሳዊ ሓይሊ ንረክብ። እዚ መንፈሳዊ ሓይሊ እዚ ከኣ ብቑዕን ኣብ ላዕሊ ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ቀሪቡ ዝስማዕ ጸሎት ከነዕርግ (ኪንጽሊ) የኽእለና።

ንእንፍጽሞ መንፈሳዊ ሥርዓት ኮነ ኣገልግሎት፣ ብግቡእ ከነተግብሮ ግን ምሉእ ኣፍልጦ ኪህልወና የድሊ። ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር እምበኣር ሕጽር ዝበለን ሓፈሻዊ ትርጉም፣ ዕላማ፣ ዓይነትን ክፍልታትን ጾም ዝገልጽ ጽሑፍ ቀጺሉ ይቐርብ።

ትርጉም ጾም፣ (Definition of Fasting)

ጾም ማለት ነዚ ኣብ ታሕቲ፣ ኣብ ቍጽሪ ኣርባዕተ ተገሊጹ ዘሎ ክልተ ክፍልታት ጾም፣ ማለት ነገራውን (መብልዕን መስተን) መንፈሳውን ጾም ዘጠቓልል ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፣  ካብ መብልዕን መስተን ንዝተወሰነ ጊዜ ምኽልካል ብዝምልከት ከኣ ኣብ ክልተ ክፍልታት ክኽፈል ይኽእል። ንሱ ከኣ፣-

ካብ ኵሉ ዓይነት መብልዕን መስተን ንውሱን ጊዜ ምኽልካል

ኣይሁዳዊት ንግሥቲ ኣስቴር ነቶም ድነ ጥፍኣት ኣንጸላልይዎም ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ንምድሓን እዚ ዝስዕብ ጾም ኣወጀት። “ኣብ ሱሳን ንዘለዉ ኣይሁድ ኵሎም ኣኪብካ ኪሳዕ ሰለስተ መዓልቲ፣ ለይትን መዓልትን ከይበላዕኩምን ከይሰቴኹምን ምእንታይ ጹሙ፣ አነ ውን ክጸውም እየ። አስ.416

ሰብ ነነዌ ውን እቲ ኣብ ልዕሊኦም ኪወርድ ተዳልዩ ዝነበረ መዓት እግዚኣብሔር ብነቢይ ዮናስ ምስ ተነግሮም፣ ንሶም ውን ጾም ኣወጁ። “ሰብ ወይ እንስሳ ገለ ኣይጥዓሙ፣ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገዱን ካብ ክፉእ ግብሩን ይመለስ። ዮና.3”5-9

ሊቀ ነቢያት ሙሴ ውን ሕጊ እግዚኣብሔር ንምቕባል፣እንጌራ ከይበለዐን ማይ ከይሰተየን ኣብኡ ምስ እግዚኣብሔር ኣርብዓ መዓልትን አርብዓ ለይትን ገበረ። ድማ ናይቲ ኪዳን ቃላት፣ እቲ ዓሰርተ ቃላት ኣብተን ጽላት ጸሓፎ።ዘዐ. 3428

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቕስታት እንርድኦ ብምኽንያት ዝተገብረ ጾም፣ እቶም ጃምላዊ ጥፍኣት ተኣዊጁሎም ዝነበሩ ኣይሁድ፣ ምሕረትን ሕይወትን ከም ዝረኸቡ፣ እቶም መዓት እግዚኣብሔር ከም ደመና ኣብ ልዕሊኦም ተንጠልጢሉ ብምርኣዮም ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ዝነበሩ ሰብ ነነዌ ከኣ፣ እትቕጽል ሕይወትን ሕድገት ሓጢኣትን  ከም ዝተዓደሉ፣ ሕያው ቃሉ የስተምህረና።

ብዓቢኡ ሊቀ ነቢያት ሙሴ በቲ ዝጾሞ ጾም ዓሰርተ ቃላት ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምቕባሉ ጥራይ ዘይኮነ፣ ካብ ምልኣትን ዕቤትን ጸጋ እግዚኣብሔር ገጹ ከም ጸሓይ ብምድማቑ ምጥማቱ ሰኣኑ።

ንሕና ውን ጸጋ ዝመልኦ ሕይወት ኪንረክብ፣ ብርሃን እግዚኣብሔር ኣባና ከንጸባርቕ ነዚ ቅዱስ ጾምዚ ክንጸውም ይግብኣና።

ካብ ሥጋን ወይንን ጥዑም መባልዕን ንምዱብ ጊዜ ምኽልካል

እግዚኣብሔር ነቲ ብመልክዑን ኣምሳሉን ኣኽቢሩ ዝፈጠሮ ኣዳም፣ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ፍጥረት ኪገዝኡ ምሉእ ስልጣን ድሕሪ ምሃቡ፣  “… ኣብ ልዕሊ ኵሉ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ኵሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም ኣሎኹ እሞ ምግቢ ይኹንኩም። ዘፍ. 129 በሎም። ብመጀመርታ ዝተሰርዐ ምግቢ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብሕጊ መንፈሳዊ ሥርዓት ኣብ ጊዜ ጾምና ኪንምገቦ ዝተፈቕደልና ምግቢ ኣእካልን ኣሕምልትን ፍረታትን ዘጠቓልል ስለ ዝኾነ፣ እዚ ክንምገብ ምሉእ ፍቓድና ክኸውን ይግባእ።

ነቢይ ዳንኤል ውን እዚ ባህርያዊ ኣሕምልትን ማይን ጥራይ ምስቶም ሰለስተ መንእሰያት ብጾቱ 10 መዓልቲ ብምምብ፣ ካብቶም ብትእዛዝ ንጉስ ዝበለጸ መግቢ ዝምገቡ ዝነበሩ ሰባት፣ ገጾም በሪሁን ሰውነቶም ሃጢሮምን ከም ዝተረኽቡ፣ ኣብ ዳን.111-21 ክንምልከት ንኽእል።

ብተወሳኺ ነቢይ ዳንኤል ብዛዕባ ጾም ኣብ ትንቢቱ ከምዚ ዝስዕብ ይምስክረልና።በቲ ጊዜ እቲ ኣነ ዳንኤል ሰለስተ ሰሙን ምሉእ ሓዚነ ነበርኩ። እተን ሰለስተ ሰሙን ክሳዕ ዝውድኣ፣ ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩን፣ ሥጋን ወይንን ኣብ ኣፈይ ኣየእቶኹን ዘይቲ ውን ኣይተለኸኹን። ዳን.102-3

እዚ ነቢይ ዳንኤል ዝጠቐሶ መባልዕ ንሥጋና ዘሰልጥን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ዓቐኑን ኵነታቱን ብመንፈሳዊ ሕጊ ምስ ዘይግዛእ ናብ ዝኸፍአ ጥፍኣት ዘብጽሕ ዓለማዊ ዕብዳን ኪመርሕ ይኽእል።

2. ዕላማ ጾም፣ (Objectives of Fasting)

ዝኾነ ሕጊ ወይ ሥርዓት ክወጽእ ከሎ፣ ዕላማ ወይ ክብጻሕ ዝድለ መድረኽ ኣለዎ። ናይ ጾም ዕላማ ከኣ ኣብዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ (5) ነጥብታት ብሓፈሻ ክጠቓለል ይኽእል። ንሱ ኸኣ፣-

1) ኃጢኣትና ኪሕደገልናን ምሕረት ኪንረክብን ንጸውም።

ነቢይ ዳንኤል ስለ ሓጢኣቱን ሓጢኣት ሕዝቢ እስራኤል ይናዘዝ፣ ስለ ኢየሩሳሌም ከኣ እምህለል ነበረ። ንጾሙን ጸሎቱን ከኣ መልሲ ተዋህቦ።

ናብ እግዚኣብሔር ክትምህለል ምስ ጀመርካ መለሰልካ፣ ንሱ ኣዝዩ ይፈትወካ እዩ። ስለዚ ከኣ እየ መልሲ ክነግረካ መጺአ ዘሎኹ። እምበኣር ነቲ ራእይ ክገልጸልካ እየ መጺአ እሞ ኣስተውዕል። እግዚኣብሔር ንሕዝብኻን ነታ ቅድስቲ ከተማኻን ካብ ሓጢኣትን ኣበሳን ምእንቲ ከናግፎም ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ ዓመታት መደብኩ።ዳን.923-24 እዚ ተስፋ ከኣ፣ ኣምላኽ ኣብ ምዱብ ጊዜኡ እቲ ዘፍቅሮ ሓደ ወዱ በጃና ብምሃብ ዘለዓለማዊ ድሕነት ሂቡና እዩ። ናይዚ ድሕነትዚ ተጠቀምቲ ኪንከውን ግን ንየማን ወይ ንጸጋም ክነልግስ (ክንእለ) የብልናን።

2) ፍትወት ሥጋና ንምድካም ንጸውም።

ብሕጊ ሥነ-ፍጥረት መሰረት እንተ ተመልከትና፣ ንሕና ደቂ ኣዳም ካብ 4 ባህርያተ ሥጋን (ማይ፣ መሬት፣ ንፋስ፣ እሳት፣ ንግዙፍ ኣካልና ዘጠቓልል) ካብ 3 ባህርያተ ነፍስን (ነባቢት፣ ህያዊት፣ ለባዊት ዘጠቓለለት እስትንፋስ ሕይወት፣ ንግዙፍ ኣካልና ነባሪት ሕይወት ክትዕድል) ህያብ ኣምላክ ዝተፈጠርና ኢና። ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝገለጾ ከኣ፣ እዚ ሥጋዊ ባህርይ ዘለዓዓሎ ሥጋዊ ትምኒት ምስ ነፍሳዊ ትምኒትና ኵሉ ጊዜ ኣንጻር እዩ።ሥጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዝጻረር እዩ ዝደሊ፣ መንፈስ ከኣ ነቲ ምስ ሥጋ ዝጻረር እዩ ዝደሊ፣ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ከይትገብሩ እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም።ገላ.516-18 ሮሜ.88-14 ይብለና። ነዚ ዓለማውን ሥጋውን ትምኒት ንምድካም እዩ እምበኣር፣ እዚ ሥርዓተ ጾም ዝተሰርዐ። ቅዱስ ዳዊት ውን፣ንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕክዋ…” መዝ.3513 ደጊሙ ውን ንነፍሰይ ብጾም ኣሕሳዕክዋ…” መዝ.6910 ስለዚ ጾም ነፍስና ብመንፈስ ኣምላክ በርቲዓ፣ ኣብ ልዕሊ ሥጋናን፣ ሥጋዊ ስምዒትናን ትሥስጥነሉ መስርሕ እዩ።

3) መንፈሳዊ ሓይሊ ንምርካብ ንጸውም።

ኣብዛ ዓለማውን ዓለማውነትን ተጻብኦታት ዝመልኣ ዓለም፣ ዝበርትዐን ዝሓየለን ቅልስና፣ “…ምስ ሕልቅነትን ሥልጣናትን ምስቶም ንዘመናት ዘመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፣ ምስቶም ክፉኣት መናፍስትን እዩ እምበር ምስ ሰብ ኣይኮነን።ኤፌ612 ይብለና። ነዚኣቶም ክንስዕረሉ እንኽእል ሓይሊ ካብ ኣምላኽ ይወሃበና።ግናኸ እቲ ዓቢ ሓይሊ ናይ ኣምላኽ እምበር ናትና ከም ዘይኮነ ኪገሃድ፣ እዚ ሃብቲ እዚ ኣባና ከም ኣብ ኣቕሓ መሬት ዝተቐመጠ እዩ።” 2ቆሮ.47

ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ውን ደቀ መዛሙርቱ ጋኔን ዝሓደሮ ምሕዋዩ ምስ ሰኣኑ፣ እዚ ሓይሊ እዚ ምእንቲ ኪረኽቡ ከምዚ በሎም፣እዚ ከምዚ ዘኣመሰለ ዓይነት (ዓሌት) ግና ብጸሎትን ጾምን እንተዘይኮይኑ ኣይወጽእን እዩበሎም። ማቴ.1721 ሕጂ ውን ነዓና ኣብ ሕይወትና፣ ናብራና፣ ሕይወት ኣሕዋትናን ኣትዩ ሰይጣን ንኸይስልጥን፣ ናይ እግዚኣብሔር ሓይሊ እንረኽበሉ ጾምን ጸሎትን እዩ እሞ፣ ብሕጉስ መንፈስ ክንፍጽሞ ይግባእ።

4) እግዚኣብሔር ንዓናን ንደቅናን ንጥሪትናን ኪሕልወና ንጸውም።

እቲ ካህንን ክኢላ ጸሓፊ ሕጊ ኣምላኽ ሰማይ (ነህ.1226) ዝኾነ እዝራ፣ በረኸትን ረድኤትን ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረት (እዝ.76,9) ሕጊ እግዚኣብሔር ንምምርማርን ንምግባርን፣ ነቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን መሪሑ ዘውጽኦም እስራኤላውያን ሕዝቢ ከኣ ስርዓትን ፍርድን ኣብ ምምሃር ዝተወፈየ ሰብ ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና። እዝ.710

ነቶም ብቓልን ብግብርን ዝመርሖም ዝነበረ እስራኤላውያን፣ ከምቲ ናቱ በረኸትን ረድኤትን ዘለዎ ሕይወት ክውንኑ ጾም ኣወጀሎም። ዕላማ እቲ ዝተኣወጀ ጾም ከኣ፣ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ርእስና ከነትሕት፣ ነዓናን ንሕጻናትናን ንኹሉ ጥሪትናን ኣብ ጉዕዞና ምእንቲ ኪሕልወና ክንልምን ኢለ፣ ኣብ ሩባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ።በለ እዝ.821 ሕጂውን ነዓና ሕዝበ ክርስቲያን እዚ ሓለዋ እዚ እዩ ዘድልየና ዘሎ። እስከ ነዚ ናይ ካህን እዝራ እምነት፣ ርእስኻ ምትሓት፣ ዝረኸቦ በረኸትን፣ ዝተዋህቦ ሓይልን ጥበብን ነስተንትን። እዝ.821-23 727-28 እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብዛ ብግሽነትን ብስደተኛነትን ንሓጺር መዋዕል እንነብራ ዘለና ምድራዊት ሕይወት ነዓናን ደቅናን ጥሪትናን፣ ብደሓነ ሰላም ኪሕልወና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን። ንሕና ኸኣ እዚ በረኸትን ረድኤትን ሓይልና ዘውህብ ቅዱስ ጾም ክንጸውም ጥበቡ ይግለጸልና።

5) ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሞገስ ንምርካብ ንጸውም።

ክቡራት ሕዝበ ክርስቲያን ይትረፍዶ እቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ሞገስ እግዚኣብሔር ረኺብካስ፣ ኣብ ቅድሚ ሰብ ሞገስ ረኺብካኳ ማዕረ ክንደይ ክቡርን ፍቱውን ሰብ ከም ዝገብረካ፣ ኵልና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። እቲ ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ከይተሓንጸ ዝተሓርየ፣ ከይተወልደ ዝተቐደሰ ነቢይ ኤርምያስ (ኤር.14-5) ነቲ ሕይወት ዘጥልል ቃል ኣምላኽ፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ምስ ኣንበበሎም፣ “… እቶም ሕዝቢ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሞገስ ክረኽቡ ጾም ኪጾሙ ኣወጁ። ኤር.369 ንሕና ውን እዚ ሞገስ እዚ ካብ ኣምላኽና ካብቲ ጐይታ ክብሪ ክንረኽቦ፣ ሕቡእን ስዉርን ምስጢር ውን ክገልጸልና ነዚ ቅዱስ ጾም ክንጸውም ይግብኣና።

ሓውኹም ቀሲስ ግርማይ መሪ. ክፍሉ

posted March 13, 2010

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div