S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝኾነ እንተኾነ ክርስቲያን ተስፋ ኣይቆርጽን ኢዩ!

ኣብዛ መከራን ጸበባን ዝበዝኃ ዓለም ኵሉ ነገር እሾኽ ኮይኑ ምሕላፍ እንተ ኸልከለካ፣ መሬት ክንዲ ኣፍ ዕንቍ እንተጸበበትካ፣ ምድረ-ሰማይ ጽልምት ኢሉ እንተ

ሓርበተካ፣ ዝኣመንካዮ ጠሊሙ ዘፍቀርካዮ እንተጸልኣካ፣ ዝዘራእካዮ ሃጕጉ ዝወለድካዮ እንተረሓቐካ፣ ምድሪ ብወገና ሓሳርን ውርደትን ከም እተብቍል ግራት ኮይና እንተ ኣሸኾትካ፣ ብዅሉ ተነጺልካ ምንባር እንተ መረረካ፣ በዝን በትን ኢልካ ኵሉ እንተ ኾርክሓካ፣ ምንም እንተኾነ ምንም ተስፋ ኣይትቝረጽ። እወ ክርስቲያን ተስፋ ክቖርጽ ኣይግብኦን እዩ። ከመይሲ ሎሚ፡ ሎሚ እምበር፡ ጽባሕ ስለ ዘይኮነት። እዚ ሎሚ ተስፋ ዘቝርጸካ ዘሎ ኵነታት ጊዚያውን ኃላፍን እምበር ነባሪ ከምዘይኮነ ንልብኻ ከተእምኖ ከኣል እሞ፡ ሎሚ ከምዘላቶ ክትከይድ ሓዲግካ፡ ነታ ጽባሕ ትበርቕ ፀሓይን ንዕኣ ተኸቲላ ትመጽእ መዓልትን ብተስፋ ተጸበ። ብርግጽ ድማ ንምድኃንካ ዝተዘርግሐት ናይ እግዚኣብሔር ኢድ ኣብ ዙርያኻ ከምዘላ ክትርዳእ ኢኻ። እቲ ንዮሴፍ፡ ዳንኤል፡ ሠለስቱ-ደቂቅ፡ ኢዮብ፡ ወዘተ …….. ኣብ እዋን ጸበባ ዝረድኦም ኣምላኽ፡ ንዓኻውን ከምኡ የፍቅረካን ይሓልየልካን ኢዩ። ስለ ዝኾነ’ውን ኣብታ ብረድኤት እግዚኣብሔር ጽባሕ ትበርቕ ሓዳስ ፀሓይን ሓዳስ መዓልትን ተስፋ ብምግባር ደኣ ተጸበ እምበር፡ ብናይ ሎሚ ፈተና ዝርታዕ ልቢ ክህልወካ ኣይግባእን። ከመይሲ ክርስቲያን ተስፋ ኣይቆርጽን ኢዩ።

 

ከምዝፍለጥ ኣብ ናይ ሕይወት ጉዕዞ ዘጋጥም ብዙኅ ፈተነታት ኣሎ። ነቲ ፈተና ብዓወት ዝወጹዎ ግና ብዙኃት ኣይኮኑን። ከመይሲ እምነት እግዚኣብሔር ዘይብሉ ሰብ፡ ብተስፋ ክጽበ ዘኽእሎ ትዕግሥቲ’ውን ስለ ዘይብሉ፣ ኣብታ ጽባሕ ትበርቕ ፀሓይ ሓንቲ ካልእ ሓዳስ መዓልቲ ምስ ሓዲሽ ተስፋ ከም እትመጽእ ልቡ ኣሚኑ ክቕበሎ ኣይኮነሉን ኢዩ። በዚ ድማ ምድረ-ሰማይ ሕውስውስ ኢሉ ይጽልምቶ እሞ፣ ብጽላሎቱ ክፈርህን ዝሰጎጎ ዘይብሉ ክሃድምን ይነብር። ብኣንጻሩ እቶም ኣብ እግዚኣብሔር እምነት ጌሮም ብተስፋ ዝጎዓዙ ሰባት ግን፡ እቲ ናይ ሎሚ ፈተና ኣብታ ጽባሕ ትበርቕ ፀሓይን ሓዳስ መዓልትን ሓሊፉ ከም ዘይጸንሖም ብምልኣት ልቢ ስለ ዝኣምኑ፡ ብዝኾነ ፈተና ተረቲዖም ኣብ ቅብጸት ተስፋ ክወድቁ ኣይረኣዩን። ስለዚ ኸኣ’ዩ እቲ ኣብ ሓደ ክርስቲያን ክህሉ ዝግብኦ ጽንዓት እምነት፣ ብዘይካ ትዕግሥትን ተስፋን ካልእ መለክዕን ሚዛንን የብሉን ዝበሃል። ከመይሲ ብዘይ ትዕግሥትን ተስፋን ክርከብ ዝከኣል ናይ ዓወት ኣኽሊል የልቦን።

ብዝተረፈ እዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም፣ ኵርኳሕ ዝበዝሓ ዘይተደቅስ ንእዲ ስለ ዝኾነት፣ ኣብቲ ንምንባር ኢልካ ዝግበር ቃልሲ ዘይውዳእ ፈተናታት በዝን በትን ክቕርቅረና ይኽእል ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ህሞት ብብዙኅ ዕዳ ክንጽቀጥ፡ ዝሠራሕናዮ ክፈርስ፡ ዝኣከብናዮ ክብተን፡ ዘቐመጥናዮ ክጠፍእ፡ ኩሉ ክጽልምተናን ክዅርክሓናን ኣይክእልን እዩ ዝበሃል ኣይኮነን። እዚ ኵሉ ግና ናይ ሎሚ ጸገም እምበር፣ ጽባሕ ከም ግመ ተቐንጢጡ ክበንን ስለ ዝኽእል፣ በዚ ፀሓይ ክዓርበናን መሬት ክጽልምተናን ኣይግባእን። ከመይሲ ክርስቲያን ተስፋ ኣይቆርጽን ኢዩ።

ቅዱስ ዳዊት ‘’እስመ በተስፋ ሓደረ ሥጋየ’’ ክብል ከሎ ኣብታ ብረድኤት እግዚኣብሔር ጽባሕ ትበርቕ ፀሓይ ተስፋ ብምግባር እንተ ዘይኮይኑ፣ ካልእ ዝጽበዮ ተስፋ ነይሩዎ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ካብ ሎሚ ጽባሕ ይሓይሽ ብዝብል ተስፋ ክሓድር ከሎ ግን፣ እቲ ሎሚ ዝነበሮ ኵነታት ጽባሕ ኣብ ሓጎስ ከምዝልወጥ ምሉእ እምነት ከምዝነብሮ፣ ካብ ኣበሃህላኡ ክንርዳእ ንኽእል። እምበኣርከስ ብዓይኒ እምነት ጠሚትካ ክዝረብ ከሎ፡ ዝኾነ ሰብ እቲ ሎሚ ክበጽሖ ዘይከኣለ ጽባሕ ክበጽሖ፡ እቲ ሎሚ ዝሰኣኖ’ውን ጽባሕ ክረኽቦ ከምዝኽእል ስለ ዝእመን፣ ብዝሓልፍ ጊዚያዊ ፈተና ተረቲዑ ተስፋኡ ክውዳእን ትዕግሥቱ ክጽንቀቕን ኣይግባእን። (መዝ 22፡4)

ንኣብነት እቶም ኵሉ ጊዜ ንጽቡቕ ኮነ ንዘይጽቡቕ መመሰሊ ንገብሮም እስራኤላውያን፣ ኣብታ ነቦታቶም ብተስፋ ዝተዋህበቶም ሃገር ንምእታው ክብገሱ ከለዉ፡ ነዊሕ መገዲ ይጽበዮም ምንባሩ ዝፈለጥዎ ነገር ኣይነበሮምን። ከነኣን ግና ብሰሙን ወርሕን ዓመትን ዝእቶ ቀረባ ኮይኑ ኣይረኸቡዎን። እቲ ጊዜ፡ ጊዜ እናወለደ ከይዱ ድማ ን40 ዓመት ዝኣክል ኣብቲ ኣጻምእ በረኻታት ሲና ተንከራቲቶም እዮም። ኣብዚ ኣዝዩ ነዊሕ ዝነበረ ጉዕዞ’ዚ ድማ ንትዕግሥቶም ዝፈታተን መሪርን ጽንኩርን ኵነታት ከምዘጋጠሞም ርግጽ ኢዩ። ንሳቶም ግና በዚ ፈተና’ዚ ተስፋ ክቖርጹን ኅሊና ከዕርቡን ኣይተራእዩን። የግዳስ ክወግሕ’ዩ! ክሓልፍ’ዩ! ብዝብል ተስፋ ስለ ዝተጓዕዙ፣ ድሕሪ 40 ዓመት ኣድካሚ ጉዕዞ ከነኣን ክኣትዉ ክኢሎም።

ከምኡ’ውን እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እሙን ዝነበረ ኢዮብ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ፈተና ሥጋ፡ ሰብ ክጻወሮ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ከምዝነበረ እቶም ጽሑፋት ይዛረቡ ኢዮም። ኢዮብ ግና በዚ ሕሰምን መከራን’ዚ ተረቲዑ ክወድቕ ኣይንርእዮን። ሰበይቱ ከይተረፈት ንጽንዓት እምነቱ ዝፈታተን ሰይጣናዊ ምኽሪ ሒዛ ቀሪባቶ ኢያ። ንሱ ግና ኣብታ ብእግዚኣብሔር ትርከብ ተስፋ ተኣማሚኑ፡ ስቅቕታ ሓዘንን እህህታን ብትዕግሥቲ ተቐቢሉ ደኣ ጉዕዞኡ ቀጸለ እምበር፡ ተስፋ ክቖርጽ ኣይተራእየን። ኣብ መወዳእታ ድማ እግዚኣብሔር ጽንዓት እምነቱ ርእዩ ብዓይኒ ምሕረቱ ከምዝጠመቶን ዓስቢ ትዕግሥቱ ከምዝፈደዮን ንርኢ።

እምበኣርከስ እቶም ናይ ሕይወትና መምርሒ ዝኾኑ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዘረጋግጽዎ፡ ብዘይ ጻማ ዝርከብ ዓስቢ ዘይምህላዉ ኢዩ። ስለ ዝኾነ’ውን እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዓስቢ ዝጽበ ኵሉ ብናይ ሎሚ ፈተና ከይትዓንቀፈ እቲ ብትዕግሥቲ ዝርከብ ናይ ጽባሕ ተስፋ ክጽበ ኣለዎ። ስለዚ’ዩ ሓዋርያ ጳውሎስ ‘’ብጸበባ ተዓገሱ ብተስፋ ተሓጎሱ’’ ዝብል። ከመይሲ ነቲ ኵሉ ኣብ ሕይወት ዘጋጥም ምረትን ሕሰምን ብተመስገን ምቕባል ከይተኻእለ፡ እታ ብተስፋ ትብጻሕ ኣኽሊል ዓወት ተረካቢት ኣይኮነትን። ነዚ ከረጋግጽ ሓዋርያ ያዕቆብ ብወገኑ ‘’እቲ ዝፍተን ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ እግዚኣብሔር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ሕይወት ክቕበል ኢዩ’ሞ፣ እቲ ብፈተና ዝዕገሥ ሰብ ብፁዕ ኢዩ’’ ዝብል ረዚን መልእኽቲ ዝሓዘ ቃላት ጽሒፉልና ኣሎ። ነባሪ ተስፋን ወሓዚ ሓጎስን ኣምላኽ ይሃበና!። (ሮሜ 12፡12)

ብዲያቆን ተኽለማርያም ምርካጽዮን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div