S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መስቀል

ወወሃብኮሙ ምርተ ይፈርኁከ ከመ ያምሥጡምገጸ ቅስት ወይድኃኑ ፍቁራኒከመዝ. ፶፱ ፬። ስለ ሓቂ ንቲ ኪለዓል ነቶም ዝፈርሁኻ ሰንደቕ ዓላማ ሃብካዮምመዝ. 604

መስቀል ብርሃን ለኩሉ ዓለም ዓምዳ ወድዳ ለቤተ ክርስቲያን። መስቀል ንኹሉ ዓለም ዘብርህ መሠረትን ዓምድን (እምነትን) ቤተ ክርስቲያንዩ። (ድጉዓ ዘቅድስት) ንሱ ነቶም ክልተስ ሓደ ዚገበረ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ከልካሊ ቀጽሪውን ዘፍረሰ ሰላምናዩ። …. ብመስቀሉ ነቲ ጽልቀቲሉ፡ ንክልቲ ብሓደ ሥጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም።ኤፌ. 214-17 ኣዳምን ሄዋንን ዛዝ ፈጣሪ ጥሒሶም ፈጣሪ ኣሕዚኖም ሕይወቶም ምስ ጎድ፡ ንመጀመርታ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተዋህበ ተስፋዘርኢ እ ሰበይቲ ተመን ኪጭፍልቕ፡ ዩ።ዚብል ኣምላኻዊ ቃል ነይሩ። ዘፍ.315 እ ከልካሊ (ቀጽሪ) ኣዳምን ሄዋንን ምስ ፈጣሪ ንኸይራኸቡ፡ ዓቢይ ከልካሊ ኮይንዎም ነበረ።

ነሆግዚኣብሔንምድኃን ሓጻር ኣይኮነትን ከይሰምከኣዝኑ ኣይጻንዖን ዩ። ኢሳይያስ 59: 1።

ግናኸ ዳውኩም ብደም ኣጻብኩም ብበደል ረኺሰን ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረብ ኣሎ።ሞ ንኣኹምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኮይኑ ዝፈላልየኩምሲ ኃጢኣትኩም; . 591-4 እ ንወዲ ሰብ ካብ ፈጣሪክፈልዮ ዝኽምበኣር ኃጢኣት ጥራይዩ።ገጽካ ከዊልካልና ብሰሪ ኣበሳና ኸኣ ደርቢኻናሞ፡ ስምካ ዝጽውን፡ ንኣኻ ክሕዝሉ ዝትንስ ሓደ ኣይነበረን” (ኢ. 64 7 ኢ. 7 11 ሆሴ.55-8)

ግዚኣብሔር ነቲ ኣብ መስቀልን ብመስቀል ኪፍጸም ዘለዎርቀ ሰላም ንነቢያቱ ብብዙሕ መንገዲ ይገልጸሎም ነበረ።. 11-2 ወኣስተሓለፈዴሁ ኤፍሬም ወምናሴ “ኢዱ ኣብ ኤፍሬምን ምናሴን ኣመሓላለፈ።ዘፍ. 48 14-20

ስራኤል ኣመሳቒሉ ብትምርተ መስቀል ዝባረኸሉ ምኽንያት፡ ብዘር ኩሎም ኣሕዛብ ኪባረኹዮም ዚብል ተስፋ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ከም ዚፍጸም ብትንቢት ስለ ዝተገልጸሉዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ዮሴፍ ነቲ ምሥጢር ምምስቓል ኣዳው ኪቕይሮንተደለየ፡ ቆብ ግና ፈሊጠ ኣሎኹ ወደየ ብምባል ትንቢትምበር ጌጋ ከም ዘይኮነ ነገሮ ዘፍ. 48 19

ሙሴ ዓቢይ ናይ ኣምላኽ ሰብውን ነቲ ብመስቀል ኪፍጸም ዘለዎ ድኅነት ቅድሚ ብዙኅ ዘመናት ነቶም ዝመርሖም ዝነበረ ሕዝቢ፡ ከምዚ ኣረድም፡ኣነ ጽባሕ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ደይ ሒዘ ኣብ ኩርባ፡ ደው ክብልየ።ዘፀ. 179 እ ሙሴን ኣሮንን ዝተፈላለየ ተኣምራት ዝገብር በትሪ ኣምላኽ ኣብ ቀራንዮ ብልሒ ሞት ዘጥፍመስቀል ኣብ መወዳ ዝሰዓር ጸላከኣ ሞትዩ።” 1ቈሮ. 1526 እ በትሪ ኣምላኽዚ ትምርቲ መስቀል ምንባሩ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብከምዚ ይገልጾ።ኮነ ከኣ ሙሴ ምስ ዘልስራኤል ይስር፡ ምስ ዘውርድ ድማ ኣማሌቅ ይስ ነበረ።ዘፀ. 1711 እቲ ንሙሴ ኣብ ኩርባ፡ ያሱ ድማ ኣብ ዓውደ ኲናት ሓደ ዝገብሮም ዝነበረቲ ብትምርተ መስቀል (ብምልዓል ዳው) ዚዓዪ ዝነበረ ረድኤትግዚኣብሔርዩ። ብእኡ ብደም መስቀሉ ጌይሩ ሰላም ምስ ገበረ፡ ከኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ኩሉ ንር ተዓሪቕዎዩ። ቈላ.120

ኣብ ከል ምድሪ ኣብ ቀራንዮ ኪፍጸም ዘለዎ፡ ተስፋ ንደቂስራኤል ንምርድኡ ይኸብዶም ስለ ዝነበረ፡ግዚኣብሔር ብበበይኑ ምሳሌታት ይገልጸሎም ነበረ። “እግዚኣብሔር ከኣ ንሙሴ ዚነድድ ተመን ንኣኻ ግበር፡ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ክኸውን ድማተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ ኪሓዊዩ። ሙሴ ከኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ገበረ። ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ኮነ ከኣ ገለ ተመን ንሰብንተ ነኸሰ፡ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዚጥምት፡ ይሓዊ ነበረ። ዘኁል.218-9

ኣብ ባላተሰቕለ ኣስራዚ ናይየሱስ ክርስቶስ ምሳሌ ምዃኑእኡ ዚኣምን ኩሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኪረክብምበር ከይጠፍሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦ እዩ።ዮሓ. 314-15

ዝነዱ ኣትማንቶም ተናኸስቲ። ከምቲቶም ኣትማን ብሕንዞም ነቲ ሕዝቢ ዝጎድዎ፡ ዲያብሎስ ከኣ ብክፉምኽሩ ንኣዳምን ንዘር ዝቐትሎም ናይ ዲያብሎስ ምሳሌዩ ተመን ኣስራዚ። ተመን ኣስራዚ ሕንዚ የብሉን። ጐይታናን መድኃኒናንየሱስ ክርስቶስውን ኣበሳ ዘይብሉ ንጹሕሞ፡ ናይ ክርስቶስ ምሳሌዩ።. 539 ማቴ.2724

ከምቲ ናብ ተመን ኣስራዚ ዝጥምት ዝሓዊ ዝነበረ፡ ናብ ክርስቶስ ምነት ዝጥምት ከኣ ካብ ኃጢኣቱ ይነጽህ።ናብቲ ሕፍረት ቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚዘሎ ሓጎስ መስቀል ተዓገሰን ኣብ የማን ኣምላኽተቐመጠን ጀማርምነትናን ደምዳሚኣንየሱስ ንጠምት።” እ.122 ፊል.320

ነዚ ኩሉ ኣብ ዝረኣናዮ ትንቢት ንምፍጻም፡ ጐይታናን መድኃኒናንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ከል ምድሪ ኣብ ቀራንዮ ተሰቕለ። መዝ. 74 12-13

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ኣብ መስቀል ዝተገብረላ ክብሪ ኣምላኽ ንምዝካርን ንምኽባርን፡ ዓመት ዓመት ከተብ ትነብር።ተገብረሉ ምኽንያት፡ ከኣ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝገለጾ፡በቲ መስቀል ጐይታናየሱስ ክርስቶስ ዓለም እኡ ነዓይተሰቕለት፡ ኣነውን ንዓለምተሰቐልኩ፡ንተ ዘይኮይኑስ ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሓቕ” (ገላ. 614) ቤተ ክርስቲያንውን ኣሰር ሓዋርያ ጳውሎስ ብምኽታል፡መስቀል ኃይልነ፡ መስቀል ጽንነ፡ መስቀል ቤዛነ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ፡ብምባል ነቲ ንኣኣ ንምቕዳስን ንምድኃንን ክብል ኣብ መስቀልተፈጸመ ሕማማተ መስቀል ክትዝክር ትነብር ኣላ።

  • መስቀል ማለት ሰላም ኤፌ. 213-17
  • መስቀል ማለት ኃይሊ ኣምላኽ 1 ቈሮ. 118-19
  • መስቀል ማለት ንጸላኢ እንስረሉ መሳርሒዩ። ቈላ. 214-15

ምጽዋር ቅዱስ መስቀል

ዝኾነ ክርስቲያን መስቀል ምጽዋር ከም ዝግብክፈልጥ ኣለዎ።መስቀል ኣል ደድሕረይ ዘይስ ነዓይ ኣይበቅዩ። ማቴ. 1038 እ ከኣ ኩሉ ኣማኒ ብቕዓትምነቱ በቲ ዝጾሮ መስቀል ይምዘን ማለትዩ። መስቀል ምጽዋር ማለት ነቲ ንሕናንነብሮ ሕይወትንንሰርሖ ስራሕን፡ ምስቲ ንሕናንሕዞ መስቀል ብግብሪ ዝሳነ ክኸውን ኣለዎ።ንኹሎም ከኣ ደድሕረይ ኪስ ዝደሊ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልሞ፡ ይስዓበኒ በሎም።ሉቃ.923 መስቀል ምጽዋር ማለት፡ምበኣር ንዓለምን ፍትወቱን ቕካ ደድሕሪ ጽድቅንምነትን ፍቕርን ሰላምን ምስዓብ ማለትዩ።

ቶም ግዚኣብሔር ዘሥመርዎ ቅዱሳን ኣቦታት ከኣ፡ በዚ መንገዲዮም ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ሞገስ ዝረኸቡ። “እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ከኣ ነቲ ሥጋ ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒለምዎዮም። ገላ. 524 ስለዚ መስቀል ማለት ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ፡ ምርተ ምድኃን ማለትዩ። ንሕናውን መዓልቲ መዓልቲግዚኣብሔር ዘይከብረሉ ሓሳባትን ግብርታትን ኣልጊስና፡ ተኻፈልቲ መስቀሉ ክንከውን ይግብኣና።

“እ ዝሞተ ካብ ኃጢኣት ሓራ ወጺኡ እሞ፡ ደጊም ንኃጢኣት ከይግዛ ናይ ኃጢኣት ሥጋ ንቲ ክጠፍ ኣረጊት ሰብና ምስከምተሰቕለ ፈሊጥና፡ ኣሎና።ሮሜ 66 “ኣነስ ንኣምላኽ ብሕይወት ንቲ ክነብር፡ ካብ ሕግስ ብሕጊ ሞትኩ፡ ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ፡ ገላ. 2 19 ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር ርኽሰት፡ ፍትወት ሥጋ፡ ክፉትምኒት ስስ ድማ ኣምልኾ ዩ።ቈላ. 35። ገለ ካብቲ ክንገብሮ ዝግብኣና፡ ዚስዩ። “እምበኣርከስ ከም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቑራትን ኮንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ዓቕሊ፡ ግስቲ ልበሱ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም ንስኻትኩምውን ከምይቕረ በሉ። ኣብ ኩሉውን ፍቕሪ ሰር ፍጻሜ ልበስዋ ቈላ. 312-15 1ቈሮ.13-4-8

ንምፍጻምግዚኣብሔር ብጸጋይደግፈና።

ናይ ኤርትራርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን
መንበረ ፓትርያርክ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div