S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

 ትሕዝቶ ስነ-ጽሑፍ

ትርጉም ድሕነት

ድሕነት ብመን ይርከብ?

ድሕነት ብኸመይ ይርከብ? (ኦርቶዶክሳዊ ኣረኣእያ)

ምንዳይ ኣገዳስነት ዘድሕን ጎይታ

ትርጉም ድሕነት

ድሕነት ዝብል ኣርእስቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለዝኾነ ናይ ልዕሊ 30 ዓመት ኣገልግሎት ክርስቶስ ብምልኡ (ካብታ ናብ ምድሪ ዝወረደላ ክሳብ’ታ ናብ ሰማይ ዝዓረገላ) ብዓቕሚ ናይዚ ጽሑፍ'ዚ ክትገልጾ ምፍታን ንማይ ውቅያኖስ ብጭልፋ ቀዲሕካ ክትውድኦ ምህቃን እዩ። ግና እቲ ናይ ልዕሊ 30 ዓመት ኣገልግሎት ጎይታ ሓደ ነገር ንምውቃዕ (ንምፍጻም) ዝዓለመ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል- ወዲ ሰብ ንምድሓን። ስለ'ዚ: ድሕነት: እግዚኣብሔር ብፍቅሪ ተደሪኹ ብሰናይ ፍቓዱን ክእለቱን ንወዲ-ሰብ ካብ ዘለኣለማዊ ሞት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ከሳግሮ ኢሉ ዝወጠኖ ትልሚ እዩ ክንብል ንኽእል። ሕመረት-ድሕነት ብቐንዱ ድማ ምስቲ መበቆል-ህይወት ዝኾነ ኣምላኽ ሕብረት ወይ ግደ ምህላው ማለት'ዩ። ድሕነት ብውሕዱ ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ዝሓቖፈ እዩ።

ጸጋ ማለት ነጻ መለኮታዊ ህያብ ኣምላኽ እዩ። “ጸጋ ረኺብና ኢና” ኢልና ዋላ ሓደ ነገር እንተዘይጌርና: ጸጋ ንበይኑ ትርጉም ኣይህልዎን

ጸጋ ብዝኾነ መንገዲ ንመሰል"ነጻ-ምርጫ” ወዲ-ሰብ ክዕብልሎ ኰነ ክስርዞ ኣይክእልን።

ብዘይ ምትሕብባር ሰብ: ድሕነት ሰብ ክረጋገጽ ኣይክእልን'ዩ።

ክርስቶስ ብጸጋ ንድሕነት ስለዘብቑዓና ካብ’ቲ ንነፍስና ዚቐትል ሓጢኣት ሓራ ኣውጺኡና'ዩ። ወዲ-ሰብ ኣብ ቅድሚ መበር-ፍርዲ-ኣምላኽ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን፣ ካብ ቚጥዓ ኣምላኽ ነጻ እዩ (ሮሜ 5:9)።

ድሕነት ብመን ይርከብ?

ገለ ሰባት ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ክርስቶስ ዝተሰረተ እምነት ከምዘይብላ ገይሮም ይገልጽዋ። ካልኦት'ውን ኣብ ጻድቃንን መላእኽትን ዝተሰረተ እምነት ከምዘለዋ ገይሮም ይርድእዋ። ገለ ሰባት ድማ ንምምላድ ምስ ድሕነት ይሓዋውስዎ። ኩሉ እዚ ግና ግጉይ ርድኢት እዩ። ውሱናት ሰባት ክሓዋውስዎ እንተረኣና'ውን ናይ ዘይምርዳእ እምበር ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንሲ ኣይኮነን። ንሓቀኛ እምነት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ'ውን ኣይውክልን’ዩ። ካልኦት ሰባት'ውን ንቅዱሳን ኣብ ቦታ ናይ እግዚኣብሔር: ንእግዚኣብሔር ድማ ኣብ ቦታ ናይ ቅዱሳን ይሰርዕዎም። እዚ ድማ ግልቡጥ ትምህርቲ-ስነ-እምነት እዩ። ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ከምዚ ዓይነት ትምህርቲ-እምነት ኣይትምህርን እያ። እኳ ድኣ እግዚኣብሔር በይኑ ጥራይ እዩ ኣምላኽ ኢላ’ያ ትምህር።

እምነትን ድሕነትን ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ጻድቃን ኣይተሰረተ ዋላ ኣብ መላእኽቲ ኣይተደኮነ። “ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን” (ኤፌ 2:19-20) እተነድቀ እምነት እዩ። ክርስቶስ ጀማርን ደምዳምን ሰረተ-እምነት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ እዩ። “ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን” (ግብ 4:12)። ድሕነት ብክርስቶስ መድሃኔ-ዓለም እምበር ብኻልእ ከምዘይርከብ ትኣምን ንክርስቶስ ጥራይ ድማ ትሰብኽ። ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንክርስቶስ ጥራይ ተምልኽ ምኽንያቱ ብዘይካ ክርስቶስ ስሌኣ ደሙ ዘፍሰሰ ካልእ መድሓኒ የብላን (ማቴ 26:28; እብ 9:22; ግብ 20:28; 1ጴጥ 1:18-19)። “ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ሕድገት ሓጢኣት ኣሎና” (ኤፌ 1:7)። “ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኲሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ” (1ዮሃ 1:7)። ከም ውጽኢቱ፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ነንዕለቱ ቅዱስ ስጋን ደምን ክርስቶስ ከም ህያው መስዋእቲ እናቕረበት ኣመንቲ ትጓሲ። ነዚ ህያው መስዋእቲ’ዚ ንምቕራብ ኣብ እንገብሮ ናይ ሕብረት ጸሎት (ቅዳሴ) “ኦ ኣምላኽ ከም ምሕረትካ እምበር ኣይከም ኣበሳናን/ሓጢኣትናን” እናበልና ንጽሊ። ድሕሪ ቅዱስ ቁርባን ማለት ኣብ መዕጸዊ’ቲ ሓባራዊ ጸሎት (ቅዳሴ) ድማ “ጸጋ ተዓዲልና ብሓይሊ መስቀል ናይ [ጎይታና] ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወት ረኺብና" (ኤፌ 1:7; ኤፌ 2:13; 16; ራእ 5:9) እናበልና ዝነበረና ጸሎት ብመዝሙር ንድምድሞ። እዚ ቀጥታዊ ጸሎት እዩ።

እቲ ኩሉ ግዜ እነዘውትሮ ግኑን ምህልላ (ጸሎት) ቤተ ክርስቲያን እንተኾነ'ውን ንሱ እዩ ዝምህረና። ኣብ ምህልላ ቤተ ክርስቲያን “እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ” ኢልና ንጽሊ ምኽንያቱ ካልእ ዝምሕር ኣካል ስለ ዘየለ (ማቴ 9:27; እብ 4:16)። እግዚኣብሔር ስለቶም ዘፍቅሮም ቅዱሳንን መላእኽትን ኢሉ ስለ ዝምሕረናን ዝባርኸናን “ስለ ቅዱሳንን መላእኽትን መሓረና” እናበልና እናሻዕ ናብ እግዚኣብሔር ንጽሊ። ንኣብነት: ኣብ ጸሎት ቤተ ክርስቲያን (ብሰላምታ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ) እንተኾነ'ውን “…ሓጢኣትና ኪሰርየልና ናብ ፍቑር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምሕረት ለምንልና” እናበልና ናብ እግዚኣብሔር ንጽሊ። እዚ ተዘዋዋሪ ወይ ዘይቀጥታዊ ጸሎት’ዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረት ኣለዎ (ያእ 5:16; 1ጢሞ 2:1; ዘዳግም 5: 9-10; 1ነገ8: 23; 1ዜና 1.8; መዝ 103: 17)። ኣምላኽ እንተፈቐዶ: ምምላድ ዝብል ጽሑፍን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረቱን ካልእ ግዜ ከነቕርቦ ኢና።

ድሕነት ብኸመይ ይርከብ? (ኦርቶዶክሳዊ ኣረኣእያ)

ኣብዚ መዋእል’ዚ ብዙሓት ክርስቲያናት ሓደ ግዜ ንክርስቶስ ከም “መድሕን-ሂወተይ ተቐቢለዮ እየ" ኢሎም ምስ ኣወጁ ጉዳይ ድሕነት ከም ውሑስ ገይሮም ይወስድዎ። ነታ ሰዓት ወይ መዓልቲ  እናዘከሩ ድማ እታ ዝደሓንኩላ ዕለት እናበሉ እናሻዕ ይዝክርዋ። “ንክርስቶስ ሓደ ግዜ ስለዝተቐበልካዮ ድሕነትካ ተረጋጊጹ እዩ! ስለዚ ካልእ ዝኾነ ነገር ክትገብር ኣየድልየካን እዩ። ድሕነት ሓደ ግዜ ምስ ተቐበልካዮ ካባኻ ኣይውሰድን እዩ። ድሕነት ብእምነት ጥራይ እዩ ዝርከብ። ብድሕሪኡ ሓጢኣት እንተገበርካ'ውን ንድሕነትካ ዝስርዞ ነገር የለን” ይብሉ።

ብኦርቶዶክሳዊ ኣረኣእያ: እዚ ንሶም ዝብልዎ ኣይቅቡልን ጥራይ ዘይኮነስ ግጉይ እዩ ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ኮነ ዕለታዊ-ናብራ-ደቂ-ሰባት ዘይድግፎ ስግንጢራዊ ትምህርቲ እዩ። እስኪ ክሓትት! ድሕነት ብሓቂ ኣብ ሓደ ህሞት ወይ ካልኢት ተቐቢልካዮ ዘብቕዕ ጉዳይ ድዩ? ናይ ሽሕ ማይልስ ጉዕዞ: ሓደ ስጉምቲ ጥራይ ስለ ዝተጓዕዝካሉ ጉዕዞይ ወዲአ’የ ኣብ ቦታይ በጺሐ እየ ክትብልዶ ትኽእል ኢኻ? ገዛ ዝሰርሕ ሰብ መሰረት ቤቱ ስለዘንጸፈ ጥራይ: ገና ከጽልለሉ ኣብ ዘይክእል ጊዜ ቤተይ ተዛዚሙ እዩ ክብል ዝከኣል ኣይኮነን ምኽንያቱ  90 ካብ ሚእቲ (90%) ናይቲ ስራሕ ገና ብሕጂ ክስራሕ ስለዘለዎ። እዚ ድማ ፈሊመዮ እምበር ዛዚመዮ ክትብል ኣየኽእለካን። ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ ድሕነት: ከምቲ ብዙሓት ናይ ዘመንና ክርስቲያናት ዝብልዎ ኣብ ሓደ እዋን ከም ማሕታ-በርቂ ተቒቢልካዮ ዘብቕዕ ዘይኮነስ ናይ ምሉእ-ህይወት-ጉዕዞ (ዕድመ-ልክዕ) እዩ። ምድራዊ ጉዕዞ-ህይወት ከየብቕዐ ድሕነተይ ተረጋጊጹ እዩ ኢልካ ኣርባዕተ ነጥቢ እተንብረሉ ጉዳይ ኣይኮነን ምኽንያቱ እቲ ጽሑፍ “ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሃድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሓሊኹም ኣሎኹም” (1ጴጥ1:5) እዩ ዝብል። መወዳእታና ድኣ የጸብቐልና እምበር ክንደይ ሰባት እዮም'ሞ ንድሕሪት ዘይተመልሱ! ክንደይከ ዘይጠፍኡ። ድሕነት ብእምነት ይጅምር፣ ብጥምቀት ምልኣት ይረክብ መዓልታዊ ድማ ብንስሓን ናብራ-ቅድስናን ይዓብን ይሕሎን። ድሕነት ቀጻሊ ሓለዋ የድልዮ እንተዘይኮይኑ ከምዝኾነ ነገር ክጠፍእ ይኽእል (ሉቃ 22:31-32)።

ብመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት፣ ድሕነት ብእምነት እዩ ዝጅምር። ጎይታ: እቲ “ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ…”(ዮሃ 3:36) ምስ በለ፡ እቲ ሃዋርያ ኣምላኽ ድማ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ” (እብ 11:6) ይብል። እንደገና: “ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ  ዘይኣመነ ግና ኪዂነን እዩ” (ማር 16:16) ምስ በለ:  እቲ ሃዋርያ ኣምላኽ ቅጽል ኣቢሉ “ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ” (1ቆሮ 1:18) እናበለ እምነት ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ይምዕደና።

እምነት ንበይኑ ግና ኣኻሊ ኣይኮነን። እቲ ብእምነት ዝጀመረ ድሕነት ብጥምቀት ምልኣት ይረክብ (ዮሃ 3:3-7; ገላ 3:27; ማር 16:16; ግብ 2:38)። እምነት ንበይኑ ኣኻሊ እንተዝኸውን’ሞ “የሱስ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል የለን” ኢሉ ኣይምምሃረናን፡ ጥምቀት ሚልዮናት ክርስቲያናት ድማ ንኸንቱ ምኾነ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣኺሉ ዚተርፍ ጽሑፍ ኣሎ። ንኣብነት፡ “ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም” (ግብ 2:38)። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም (ቆሎ 2:12)። “…ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና (ሮሜ 6:4) ይብል። ቅጽል ኣቢሉ’ውን “እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣሎና” (ሮሜ 6:6) ይብለና። ሃዋርያ ጳውሎስ’ውን “ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኲላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም (ገላ 3:27) እናበለ ብጥምቀት ውሉድ ኣምላኽ ከምዝኾንና ምሂሩና ኣሎ።

ድሕነት መዓልታዊ ብንስሓን ናብራ-ቅድስናን ይዓብን ይሕሎን (ማቴ10:22) ምኽንያቱ ሰይጣን ንድሕነትና ኸጥፍእ ብቐጻሊ ይጻብኣና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፣ ቀጻሊ ውግእ ኣለኩም እሞ “ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኲሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” (ኤፌ 6:12) ዝብለና'ውን ነዚ ሓቂ እዚ ስለዝተረድአ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብወገኑ: “ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ። እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም፡ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ” (1ጴጥ 5:8) እናበለ ይምዕደና። እቲ ሰይጣን ክውሕጦ ዝደሊ ዘሎ ነገር እንታይ እዩ? ሰይጣን ኣንበሳ ኣይኮነን ስጋ ዝበልዕ ግና ካብ ኣምላኽ ክፈልየና እሞ ንመርከብ-እምነትና ከጥሕላ ኩሉሳዕ ህርድግ ምስ በለ እዩ። ድሕነት ቀጻሊ ሓለዋ የድልዮ። እንተዘይኮይኑ: ከምዝኾነ ነገር ክጠፍእ ይኽእል። ስለዚ እዩ ድማ ጎይታ “እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ። ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ” (ሉቃ 22:31-32) ዝብለና። ብተወሳኺ፣ ነቲ ዝተጸዋዕካሉ ድሕነት ብእምነት፣ ብናብራ-ቅድስና ከተሰንዮ እንተ ዘይክኢልካ ኣኽሊል ዓወትካ (ድሕነትካ) ክትከስሮ ትኽእል። እንተዘይኮይኑስ “ጽውዓት ብዙሓት ሕሩያት ግና ውሑዳት” (ማቴ 7:13-14) ዝብል ጽሑፍ ኣይምተጻሕፈን። ንሰብ ድማ ቀጻሊ ንስሓ፣ ቀጻሊ ቅዱስ ቁርባን ክወስድ ኣይመድለዮን ነይሩ (ሉቃ 13:3, 5; ዮሃ 6:54)።

ብተወሳኺ፣ ጎይታ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ” (ማቴ10:22)። “እቲ ዚስዕር ነዚ ኺወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኽ ክዀኖ፡ ንሱውን ውሉደይ ኪዀነኒ እዩ” (ራእ 21:8) ክብል ብዘየማትእ ምሂሩና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብወገኑ “…ዂሉ ሳዕ እናተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ”(ፊሊ 2:12) ይብል።  ሃዋርያ ጴጥሮስ’ውን “ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ኸከም ግብሩ ዚፈርድ፡ ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ” (1ጴጥ 1:17) እናበለ ይምደዕና። ቀጺሉ’ውን  “ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሃድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሓሊኹም ኣሎኹም” (1ጴጥ1:5) ይብል። ጎይታ ድማ “ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ” (ራእ 2:10) ኢሉ ኣሎ። “ድሕነት ብእምነት ጥራይ” እንተዝርከብ፣ ክርስቶስ “ክሳዕ ሞት እሙን ኩን” ክብል ኣይምኣዘዘናን ነይሩ። ኣብዚ ነጺሩ ከምዘሎ ግና እምነት ዋጋ ከምዘኽፍል፣ እዚ ኹሉ ድማ ድሕነትካ ንምሕላው ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ቀጻሊ ውግእ ከምዘሎ የነጽረልካ። “ድሕነት ብእምነት ጥራይ” እዩ ዝርከብ ንዝብል ሓሳብ እንደገና ምስ “ሰናይ ግብሪ” ኣተኣሳሲርና ኣብ ድሕነት ወዲ-ሰብ ንዘለዎ ግደ ዳግማይ ኣብ 5ይ ክፋል ስነ-ጽሑፈይ ክንርእዮ ኢና።

ምንዳይ ኣገዳስነት ዘድሕን ጎይታ

ስለምንታይ ዘድሕን ጎይታ ኣድለየ? ብምኽንያት ዓመጽ-ኣዳም መገድና ምስ ሰሓትና [ካብቲ ቅኑዕ መገዲ ምስ ወጻእና]፣ ካብ ገነት ናብ ሞት ኢና ኣምሪሕና። "መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ" (ዘፍ 3.19) ዝብል ሓረግ ድማ ሽዑ ንመጀመርታ ጊዜ ሰማዕናዮ” ይብል

ይቕጽል

1 ክፋል ስነ-ጽሑፍ | 2 ክፋል ስነ-ጽሑፍ | 3 ክፋል ስነ-ጽሑፍ | 4 ክፋል ስነ-ጽሑፍ |

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div