S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓዋርያዊ ትውፊት (PAR ADOSIS) (1ይ ክፋል)

ሳዕሪ ይነቅጽ፥ ዕምባባ ይቕምስል፥ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር (ኢሳ፡40፡8)

ትውፊት እትብል ቓል ካብ ግእዝ ዝተረኽበት ክነሳ፥ ነታ ሓዲሽ ኪዳን ዝተጻሕፈላ ቛንቛ ግሪኽ “ፓራዶሲስ par’ad’os’is παράδοσις እትብል ቓል ትኽክለኛ ትርጉማ እያ። ከምኡ’ውን ነታ ካብ ላቲን “ትራዲሾ traditio  ብቛንቛ እንግሊዝ ድማ “ትራዲሽን Tradition” እትብል ቓል ትርጉማ እያ። ምናልባሽ ድማ ነታ ብቛንቛ እብራይስጢ “ masar", ወይ ድማ “Qibbel” እትብል ቓል ትርጉም ትውፊት ከይኰነት ኣይትተርፍን። ትውፊት ማለት ምውፋይ፥ ምሃብ፥ ምጽዋት፥ ልማድ፥ ባህሊ፥ ወግዒ፥ ውርሻ ወዘተ… ክኸውን ከሎ፥ ብፍላይ ኣብ መንፈሳዊ እምነት ግና፥ ካብ እግዚኣብሔር ናብ ደቂ ሰባት ብነብያት፥ ብሓዋርያት ወይ ብጳጳሳት፥ ብሊቓውንቲ፥ ብናዝራውያን፥ ብካህናት ዝመሓላለፍ ዓይነት ትምህርቲ ወይ ልማድ እዩ። ወይ ድማ ብጠቅላላ ካብ ቀዳሞት ኣቦታት ንዳሕረዎት ወለዶታት ዝመሓላለፍ፥ ቤተ ክርስቲያን ካብ ክርስቶስን ሓዋርያትን ኣቦታትን ዝተቐበለቶ ትምህርቲ ክሳብ ዓለም ዘላ ዘገልግላ ልማዳዊ ትምህርቲ እዩ። ቀንዲ ዕላማኡ ድማ ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንድሕነትና ዝኸውን ዝመሃሮ ትምህርቲ፥ መንፈስ ቅዱስ ድማ ብርትዓውነት ኣብ ልብና ዘሕደሮ፥ ኣቦታት’ውን ዝመስከርዎ እዩ። ብፍላይ ድማ ከም ንትምህርቲ ሥላሴ ዝሕሉ፥…. ካብ ወለዶ ንወለዶ ዝወራረስ ትምህርቲ ትውፊት ይበሃል። ትውፊት ንጽሑፍ ህያው ኰይኑ ክነብር ይገብሮ። ስለዚ ድማ ትውፊትን ጽሑፍን ኣፍን ማንካን ኰይኖም ይጓዕዙ። ብዝያዳ ትውፊት እትብል ቓል መዝገበ ቓላት ትግርኛ ከምዚ ገይሩ ይገልጻ

“ትውፊት” ስም ክኸውን ከሎ ካብ “ወፈየ” “ህያብ ሃበ” “ልማድ” “ባህሊ” “ውግዒ” ካብ ኣቦታት ንወለዶታት ብቓል ብያታ ኣቢሉ እተወርሰ፥ ዋርሳ ናይ ቤተ ሰብ ባህሊ 2 ሓዋርያ ንተኻእቶም ዘውረስዎም እምነት ተሃድሶ ወዘተ” እዩ ኢሉ ይገልጾ።

ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝርከቡ መሰረትን ሱርን ናይዚ ቅዱስ ትውፊት እዚ እግዚኣብሔርን ኣዳምን ኖህን ኣብርሃምን ሙሴን ነብያትን ወዘተ…. ክኾኑ ከለዉ፥ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ፥ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን ሓዋርያትን ካልኦት ደቀ መዛምርትን ኣቦታትን እዮም። እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ፥ ገሊኡ ብኣፍ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ተነጊሩ ብኣጻብዕቱ ድማ ተጻሒፈ፥ ገሊኡ ብኣፍ ኣቦታት ዝተነግረ ማለት ትውፊት ክኸውን ከሎ፥ ብኢድ ሙሴን ነብያትን ድማ ተጻሕፈ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ ብኣፍ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወፈየ ብሓዋርያት እንደገና ዝተወፈየ፥ ብኢድ ሓዋርያትን ካልኦት ደቀ መዛምርትን ድማ፥ ተጻሕፈ። ናይዚ ኹሉ ትውፊታት ተደሚሩ መብዛሕትኡ ኣብ ጽሑፍ ስለ ዝሰፈረ፥ ብድምር መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሉ ተጸውዔ። ትውፊትን ጽሑፍን ክንብል ከሎና፥ እቲ ካብ ቓል ናብ ቓል ብልማድ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እናተወራረሰ ክመሓላለፍ ዝነብር ዝነበረን ዘሎን፥ ኣብ ጽሑፍ ሰፈረ ኢና ንብል ዘሎና። ንኣብነት ትምህርቲ ቅድስቲ ሥላሴ ማለት ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ንረኽቦ፥ ሥላሴ ዝብል ስም ግን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ንረኽቦ።

ትውፊት ኣብ ብሉይ ኪዳን

ትውፊት ብቕድሙ ዝጀመረሉ ኣብቲ ዓለም ዝተፈጥረትሉ ግዜ፥ ኣብ ገነት ኤዴን እዩ። ጀማሪኡ ድማ እግዚኣብሔር ባዕሉ እዩ። ኣገልግለቱ ድማ ንሰብን ኣምላኽን ዘገልግል መሳልል ነበረ። እንተ ዀነ ቅዱስ ትውፊት ብቓል ድኣ ተዋህበ እምበር ብጽሑፍ ኣይተዋህበን። ሰብ ድማ ነቲ ቐዳሞት ወለዱ ዝወፈይሉ ቓል፥ ብግብሪ ይላመዶ ነበረ እሞ፥ ካብ ወለዶ ንወለዶ እናኣመሓላለፎ ይነብር ነበረ።

ትውፊት ካብ መንፈሳዊ ሥልጣን እንተዘይኰነ፥ ካብ ሥልጣን ሰብ እንተ ዀነ ግና፥ ኣብ ሓደ እዋን ይዕምብብ ኣብ ሓደ እዋን ድማ ከምቲ ዕምባባ ንግዜኡ ተራእዩ ዝስወር፥ ግዜኣ ምስ ኣኸለ ድማ ትሓርር፥ ክሓርር ይኽእል። እንደገና ድማ ብኻልእ ሰብ ዝፈጠሮ ትውፊት ይትካእ። ገሊኡ ግና ሰብ ዝወፈዮ ክነሱ፥ ጠቓምነቱ ኣዝዩ ልዑል ይኸውን እሞ፥ ልክዕ ከምቲ ቅዱስ ልማድ ንመዋእላት ዝኣክል ከየቛረጸ እናተመሓየሸ መልክዑ እናለወጠ ይቕጽል። ንኣብነት ከም መዚቃን መሳርሒ ሞዚቃን፥ መድሓኒትን መሳርሒ መድሓኒትን፥ ክዳንን ኣሰፋፍያ ክዳንን፥ ህንጻን ኣሰራርሓ ህንጻን፥ መጓዓዝያን ኣጠቓቕማ መጓዓዝያን፥ ውግእን መሳርሒ ውግእን፥ ትምህርትን መሳርሒ ትምህርትን፥ ዝኣመስሉ በብእዋኑ ስለ ዝምዕብሉ ኩሉ ግዜ ለውጢ የምጽኡ።

እቲ ምስ ግዜ ዘይልወጥ ዓለም ኣሕሊፉ ከም ዘለዎ ዝነብር መንፈሳዊ ትውፊት ግና፥ ካብ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ። ብመጀመርታ እግዚኣብሔር ንኣዳምን ንሔዋንን ቓሉ ክውፍየሎም ከሎ፥ ብቓሉ ጥራይ ድኣ ነበረ እምበር፥ ብጽሑፍ ኣይነበረን። እዚ ድማ ግበር ኣይትግበር ዝብል ቓል ጥራይ ነበረ። ኣዳምን ሔዋንን ድማ ነዚ ትውፊት እዚ ተላሚዶሞ ኣብ ገነት ኤዴን ይነብሩ ነበሩ። ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ግና፥ ሰይጣን ነቲ ሞት ከስዕበሎም ዝኽእል ኣብ ባህርያቶም ዘይነበረ፥ ማለት ምስኣቶም ዘይተፈጥረ፥ ናይ ገዛእ ርእሱ ዘይቅዱስ ትውፊት ኣምጺኡ ወፈየሎምን ኣላለዮምን። ንሳቶም ምንም እዃ ጌጋ ይገብሩ ከም ዘለዉ እንተ ፈለጡ፥ እቲ ከም ኣምላኽ ክትዀኑ ኢኹም ዝብል መታለሊ ትውፊት ሰይጣን ባህ ኢልዎም ግዲ ዀይኑ፥ ነቲ ብፈጣሪኦም ዝተዋህቦም ቁኑዕን ሓቀኛን ትውፊት ሓዲጎም፥ ካልእ ዘይፈልጥዎ ትውፊት ክለማመዱ ስለ ዝመረጹ ንሓሳዊ ትውፊት ረዓሙ እሞ፥ እቲ ሞት ጥራይ እምበር ሕይወት ዘይነበሮ ትውፊት-ሰይጣን ተቐበሉ። ነዚ ሰይጣናዊ ትውፊት እዚ ክቕበሉ ከለዉ ድማ ብቓል እምበር ብጽሑፍ ኣይነበረን። ድሕሪ ነቲ ሓሳዊ ትውፊት ምቕባሎም ድማ፥ ኣብ ሕይወቶም ጽቡቕን ሕማቕን፥ ቑኑዕን ዘይቁኑዕን ክፈሊ ዝኽእል፥ ክልተ ባህርይ ሓደሮም። ካብዚ ንድሓር ወዲ ሰብ እንተፈተወ ነቲ ቅዱስ ትውፊት እግዚኣብሔር ክቅበል እንተጸልኤ ድማ ነቲ ብሓሶት ዝመልኤ ትውፊት ሰይጣን ክቕበል መርጫኡ ዀነ።

ድሕሪ እዚ ኣቤል ንትውፊት እግዚኣብሔር ብቓሉ ተቐቢሉ ነበረሉ እሞ፥ ጻድቕ ተባለ። ቓኤል ግና ንትውፊት ሰይጣን ተኸተለ እሞ፥ ቀታሊ ተባህለ። ናይ ክልቲኦም ትውፊት ብቓል ዝተወርሰ እምበር ብጽሑፍ ኣይነበረን። ብድሕሪኦም ድማ ሄኖክ ንትውፊት ኣምላኹ ሰዓቦ እሞ ኣምላኽ ስለ ዝወሰዶ መሊሱ ኣብ ምድሪ ኣይተራእየን ይብል።

ካብዚ ንድሓር ከምቲ መጽሓፍ ሄኖክ ዝብሎ ጽሑፍ ተጀመረ፥ እንተዀነ ጽድቂ ኖህ ካብ ጽሑፍ ይኹን ካብ ትውፊት ከመይ ጌሩ፥ ንኣምላኽ ከም ዝተኸተለ ጽሑፍ ኣይነግረናን። ሙሴ’ውን ጻድቕ ከም ዝነበረ ጥራይ ድኣ ይነግረና እምበር፥ ጽድቒ ኖህ ካብ ትምህርቲ መጽሓፍ ይኹን ወይ ካብ ትውፊት ኣይንገርን። ኣብርሃም ግና ኣብ ብጣኦት ዝኣምኑ ሕብረተ ሰብ ይነብር ከም ዝነበረ ጽሑፍ ይዛረብ፥ ጽድቑ ድማ ብዘይ ጽሑፍ፥ ብትውፊት እግዚኣብሔር ጥራይ፥ ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ፥ ብእምነት ጥራይ ሃገር ከንኣን ክሓድግ እግዚኣብሔር ጸውዖ። ኣብርሃም ድማ ብዘይ ጽሑፍ ንእግዚኣብሔር ኣመኖ እሞ፥ ንጽድቂ ተቖጽረሉ። ዮሴፍ ወዲ ወዱ ንኣብርሃም ድማ፥ ካብ ኣቦኡን ኣቦሓጎታቱን ዝወረሶ ትውፊት እግዚኣብሔር ተቐቢልዎ ይነብር ነበረ እሞ፥ ሰበይቲ ጎይትኡ ምስኣ ክድቅስ ግዲ ምስ በለቶ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከመይ ገይረ ክንድዚ ዝኣክል ሓጢኣት ክገብር ኢሉ ኣበያ። እዚኣቶም ኩላቶም ብትውፊት ጥራይ ዝጸደቑ ቕድሚ ጽሑፍ ምንባሩም ነበሩ፥ ተዘይኰነ ነዚ ኹሉ ከጽድቕ ዝኽእል ትምህርቲ ድኣ ካበይ ጽሑፍ ረኸብዎ፧ ብርግጽ ካብ ጽሑፍ ዘይኰነ ካብ ወለዶም ዝወረስዎ ትውፊት እዮም ረኺብዎ እምበር ካብ ጽሑፍሲ ኣይነበረን።

እሞኸኣ እዞም ኣብ ጽሑፍ እንተዘይተረኺቡስ ትውፊት ዝብሃል ኣይንቕበልን ኢሎም ንትውፊት ጸላእ እምነቶም ከም ዝዀነ ገይሮም ዝርእይዎ ድኣ፥ እንታይ እዮም ዝብሉ ዘለዉ። ነዚ ኹሉ ዝጠቐስናዮ ዛንታታት ሙሴ እቲ ብድሕሪ ኣብርሃም ሓሙሽተ ሚኢቲ ዓመታት ዝመጸ መልኣክ እግዚኣብሔር ከም ዘጽሓፎ ድኣ ጸሓፈ እምበር፥ ቅድሜኡስ ብቓል ጥራይ እዩ ዝንገር ዝነበረ። ስለዚ ትውፊት ማለት ቓል ብቓሉ ካብ ወለዶ ንወለዶ ብኣፍ ዝንገር ካብ ዀነ፥ እቲ ድሒሩ ዝጸሓፍ ድማ፥ እቲ ብትፊት ዝተነግረ እዩ። ስለዚ ጽሑፍ ካብ ትውፊት ካብ ዀነ፥ ትውፊት ኣቦ ጽሑፍ እዩ እምበር፥ ጽሑፍሲ ኣቦ ትውፊት ኣይዀነን።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div