S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መንፈስ ቅዱስ መን እዩ?

በዓለ ጰራቅሊጦስ 1ይ ሰንበት [Sermon for the Pentecostal Sunday]

ኣብዚ ዕለት'ዚ ዝንበብ ወንጌል

ዲያቆን:- 1ይ ቆሮ 15፣1-20 (Peter)
ተሓጋጋዚ ዲያቆን:- 1ይ ጴጥ 1፣1-13 (Peter)
ተሓጋጋዚ ካህን:- ግብ
  2፣ 22-27 (Acts)
ካህን:- ዮሃ 20፣ 1-19 (John)

ያሬዳዊ መዝሙር፡- ይትፌሳሕ ሰማይ ወትትሃሰይ ምድሪ
መዝሙር ዳዊት፡- ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚኣብሔር፣ ንትፌሳሕ ወንትሓሰይ ባቲ፣ ኦ እግዚኦ ኣድሕንሶ። መዝ 118፣24።
መዝሙር ዳዊት፡- "እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ።ብእኣ ንተሓጎስን ባህ ይበለናን።ዎ እግዚኣብሄር ኣድሕን ኮታ" መዝ 118፡24።
Psalms:-
  “This is the day the Lord has made; let us rejoice and be glad in it. O LORD, save us. Psalms 118.24-25.”
ቅዳሴ፡-ዮስቆሮስ

                            መንፈስ ቅዱስ መን እዩ?

ካብ መበል 50 መዓልቲ ድሕሪ ትንሳኤ ክሳብ ሰነ 16 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ዘሎ እዋን ቤተ ክርስትያን ዘመን-ጰራቅሊጦስ እናበለት ትጽውዖ።

መንፈስ ቅዱስ ሰማያትን ዓለምን ዝፈጠረ ኣምላኽ እዩ። ነዚ ብዝምልከት "ወመንፈሰ እግዚኣብሔር ይጼልል መልእልተ ማይ .. መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝንቢ ነበረ" (ዘፍ 1፣2) ይብል። ገና ዓለም ከምዚ ዘላቶ ገጸ-ምድር ከይሓዘት ከላ፣ መንፈስ ቅዱስ ግቡእ መልክዕ ንምትሓዛ ይሰርሓ ነበረ። ኣብታ ገና ግቡእ መልክዓ ዘይሓዘት ዓለም መንፈስ ቅዱስ ምንስፋፉ ድማ ከምቲ ዑፍ-ዘገዳም እንቋቑሖኣ ሒዛ እናበረርት ናብ ጨቓዊት እተዕብዮም፣ ከምኡ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ማያት ብምዝምባይ ንመሬት ከምእትጸንዕን እዚ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ መልክዓ-ምድሪ ከምእትሕዝ ገይርዋ። ዘማራይ'ውን "ሰማያት ብቓል እግዚኣብሔር፣ ብዘሎ ሰራዊቶምውን ብእስትንፋስ ኣፉ ተገብረ።"(መዝ 33.6) ብምባል ብዘሎ ምድራዊን ሰማያውን ሰራዊት ብኣካላዊ እስትንፋስ ከምዝጸንዐ ይነግረና። ኢዮብ ብወገኑ "መንፈስ ኣምላኽ እዩ ዝፈጠረኒ፣ እስትንፋስ እቲ ኹሉ ዝኽእል እዩ ህይወት ዝሃበኒ።" (ኢዮብ 33.4) ብምባል ብኣካላዊ እስትንፋስ ናይ ኣብን ወልድን ከምዝጸንዐን ህይወት ከምዝረኸበን ይምህረና። እዚ ድማ ምስቲ "እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፣ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።" (ዘፍ 2.7) ተባሂሉ ዝተጻሕፈ ዝሰማማዕ እዩ። ስለዝኾነ ድማ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣቦ፣ ምስ ወልድ፣ ብሓደ መለኮት ንዓለም ዝደኮነ፣ ንኹሉ ዝገበረ ዝፈጠረን ፈጣሪ ሕያው ኣምላኽ እዩ።

መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣቦ ምስ ወዲ መለኮታዊ ማዕርነት ስለዘለዎ ኣምላኽ እዩ። ስሙ ድማ እግዚኣብሄር-መንፈስ ቅዱስ ይብሃል። መጽሓፍ ቅዱስውን መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣቦ ምስ ወዲ ዘለዎ መለኮታዊ ማዕርነት፣ መለኮታዊ ሓድነት፣ መለኮታዊ ኣምላኽነት ከምዝዀነ ኣብ ኢሳይያስ 6.1-10 ተጻሒፉ ንረኽቦ። እግዚኣብሄር ዝብል ቃል እግዚኣብሄር-መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዘየማትእ ገሊጽዎ ኣሎ (ግብ 28.23-28)። ብተወሳኺ፣ ቅዱስ ጴጥሮስ 'እግዚኣብሄር' ኢሉ ከምዝገለጾ ኣብ (ግብ 5.3-4) ምንባብ ይከኣል።

መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣቦን ምስ ወድን ብመለኮቱ ማዕረ ይኹን እምበር፣ ብኣካሉ ግና ፍሉይ እዩ። ንእግዚኣብሄር-ኣቦ ፍሉይ ኣካል ኣለዎ። 'ኣቦ' ዝብል ስም ንገዛእ ርእሱ ኣካላዊ ስም እዩ። ንእግዚኣብሄር-ወዲ ፍሉይ ኣካል ኣለዎ።ንእግዚኣብሄር-መንፈስ ቅዱስ ድማ ከምኡ ፍሉይ ኣካል ኣለዎ። እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብቲ መጽሓፍ-ህይወት ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ተገሊጹ ንረኽቦ፣ "...ሕጂውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንዓይን ንመንፈሱን ልኢኹ ኣሎ።" ኢሳ 48.16። እዚ ቃል እዚ ነቲ ኣካላዊ ስም እግዚኣብሄር-መንፈስ ቅዱስ ይገልጽ። ጎይታ እግዚኣብሄር ዝብል ንኣቦ ዘመልክት ኮይኑ፣ መንፈሱ ዝብል ድማ ንመንፈስ ቅዱስ የመልክት። 'ልኢኹ' ዝብል ድማ ነቲ ብስጋ ዝተገልጸ ጎይታ ክርስቶስ የመልክት (ማቴ 28.19)።

መንፈስ ቅዱስ ፍሉይ ስም ኣለዎ፣-

ፍሉይ ስም ናይ መንፈስ ቅዱስ 'እግዚኣብሄር-መንፈስ ቅዱስ' ወይድማ 'መንፈስ ቅዱስ' ይበሃል። እዚ ድማ ኣካላዊ መጸውዒ ስሙ እዩ። ንኣብነት ን'ወልድ' መንፈስ ቅዱስ ኢልና ኣይንጽውዖን፣ ወይውን ን'ኣቦ' መንፈስ ቅዱስ ኢልና ኣይንጽውዖን ኢና። ሰለስቲኦም ነናቶም ዝኾነ ፍሉይ ስም ኣለዎም። ስላሴ ዝብል ስም ግና ንሰለስቲኦም (ኣቦ፣ ወዲ፣ መንፈስ ቅዱስ) ዘጠቓልል ስም-ባህርይ ዘመልክት እዩ።

ኣቦ፣ ወዲ፣ መንፈስ ቅዱስ ዝብል ስም-ኣካላት ግና ንሓድሕዱ ኣይጋራጮን እዩ። ኣግናጥዮስ ዝበሃል ሓደ ካብ ኣቦታት ቤተ ክርስትያን ‘ኣቦ’፣ ወዲ ወይ መንፈስ ቅዱስ ኪኸውን ኣይክእልን'ዩ። ‘ወዲ’፣ ኣቦ ወይ መንፈስ ቅዱስ ኪኸውን ኣይክእልን'ዩ። ‘መንፈስ ቅዱስ’፣ ኣቦ ወይ ወዲ ኪኸውን ኣይክእልን'ዩ (ሃይማኖተ ኣበው ዘኣንጾክያ ገጽ 37 ክፍሊ 1 ቁጽሪ 8-9) ይብል። ሰለስቲኦም (ኣቦ፣ ወዲ፣ መንፈስ ቅዱስ) ፍጹማትን ምሉኣትን እዮም። ኣቦ ከም ልቢ ኪኸውን ከሎ ናይ ወዲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ልቦና እዩ። ወዲ ድማ ቃል ኪኸውን ከሎ፣ ድምጽን ቃልን ናይ ኣቦ ድምጽን ቃልን ናይ መንፈስ ቅዱስ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ድማ እስትንፋስ ኪኸውን ከሎ፣ ንኣቦ ይኹን ንወዲ እስትንፋሶም ወይድማ ህይወቶም እዩ።

መንፈስ ቅዱስ ሰራጺ እዩ፣-

ወዲ ካብ ኣቦ ቅድሚ ምውላዱ መንፈስ ቅዱስ ኣቐዲሙ ካብ ኣቦ ስለዝሰረጸ ሰራጺ ይበሃል። (ምስራጽ ምውጻእ ማለት እዩ) ሰራጺ ተባሂሉ ዝተጸወዐ ድማ ካብቶም ሰለሰተ ኣካላዊ ኣስማት ሓደ፣ መለለዪ ናይ ግብሪ ስሙ 'መንፈስ ቅዱስ ሰራጺ' ዝብል ስለዝኾነ እዩ። ናይ ወዲ ናይ ግብሪ ስሙ ተወላዲ እዩ። ናይ ኣቦ ናይ ግብሪ ስሙ ድማ ወላዲ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ጥራይ እዩ ዝሰርጽ (ዝወጽእ)። እዚ ድማ ኣብ (ዮሃ 15፣26) ተገሊጹ ይርከብ፣ "እቲ ኣነ ካብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፣ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ንሱ ኺምስክረለይ እዩ"። ነዚ መለኮታዊ ቃል'ዚ መሰረት ብምግባር ድማ 150 ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን "ካብ ኣብ ብዝሰረጸ መንፈስ ቅዱስ ንኣምን። ምስ ኣቦ ብማዕረ ንሰግደሉን ነመስግኖን። (ጸሎተ ሃይማኖት) ክብሉ ገሊጾሞ።

ኤጲፋንዮስ በዓል ቆጵሮስ (ሓደ ካብ ኣበው ቤተ ክርስትያን) “ኣብ ብሉይ ዝተዛረበ፣ ብኣፍ ነቢያት ዝተሰብከ፣ ብሃዋርያት ዝመሃረ፣ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝወረደ፣ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ዝሓደረ መንፈስ ቅዱስ ብእኡ ንኣምን። ከምኡውን፣ እዚ መንፈስ ቅዱስ'ዚ ናይ እግዚኣብሄር-መንፈስ ጰራቅሊጦስ ዝበሃል ፍጹም መንፈስ ካብ ኣቦ ዝመጸ፣ ካብ ወዲ ዝወስድ ከምዝኾነ ንኣምን" ክብል ጽሒፉ።

መንፈስ ቅዱስ መጸናንዒ እዩ፣-

መንፈስ ቅዱስ ጓሳዪ ንዝሰኣና ኣባጊዕ ዝእክብ፣ ነታ ኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ዘበርትዕ፣ ብሞት፣ ሕማም፣ ሓዘንን ካልእ መከራን ንዝሳቐዩ ዘጸናንዕ፣ ስለዝኾነ ጰራቅሊጦስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ "ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፣ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ"። (ዮሃ 14.16) ይብል።  ከምኡውን (ዮሃ 15.26። ዮሃ 16.5-15) ተወሳኺ ሓሳብ ይህበና።

ክቡራት ኣመንቲ፣ እምበኣር ኣብዚ በዓል ጰራቅሊጦስ እነብዕለሉ ዘለና እዋን፣ ካብ ኩሉ ሓጢኣት ርሒቕና፣ ልብና ኣዳሊና ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ሃዋርያት ዝወረደ፣ ሎሚውን ኣብ ልዕሌና ውረድ ኢልና ክንጽሊ ይግባኣና። እቲ ጥንቲ ኣብ ልዕሊ ሃዋርያት ዝወረደ መንፈስ ቅዱስ፣ ሎሚ ድማ ኣብ ልዕሌና ወሪዱ ንልብና ይምልኣዮ፣ ኣሜን።

ትርጉም፡ ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፤ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ። ብፍቓድ ደራሲ መም. ልዑለቃል ኣካሉ። Posted June 3, 2009

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div