S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ (3ይ ሰንበት ጾመ ኣርብዓ)

ሳልሳይ ሰንበት ዓቢይ ጾም "ምኵራብ" ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ምንባባት ወንጌል
ዲያቆን:- ቆላ 2፣16-23 (Col)
ተሓጋጋዚ ዲያቆን:- ያዕ 2፣14-26 (James)
ተሓጋጋዚ
 ካህን:- ግብ  10፡1-9 (Acts)
ካህን:- ዮሃ 2፣12-end (John)
ያሬዳዊ መዝሙር፡- ቦኣ ኢየሱስ ምኵራበ ኣይሁድ (ኢ
ሱስ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተወ)
መዝሙር ዳዊት፡- እስመ ቅንዓተ ቤትከ በልዓኒ፣ ትእይርቶሙ ለእለ ይትኤየሩከ ወድቀ ላዕሌየ፣ ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ
መዝሙር ዳዊት፡- ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣ ጸርፊ እቶም ዝጸርፉኻ'ውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ፣ እናበኼኹ ንነስፍሰይ ብጾም ኣሕሳእክዋ። መዝ 69፡9-10።
Psalms:- “For zeal for your house consumes me, and the insults of those who insult you fall on me. When I weep and fast, I must endure scorn”(Psalms 69:9-10).
ቅዳሴ፡- ነኣኩተከ

                                           ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ

ምኵራብ (ቤት ጸሎት ኣይሁድ) ካብ ቤተ መቕደስ ዝተፈልየ እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ቤተ መቕደስ ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ኣይስራሕን እዩ። ምኵራብ ግና ኣብ ዝኾነ ቦታ ይስራሕ ነይሩ። ምኵራብ፣ ቃል እግዚኣብሄር ዝስበኸሉን ሕጊ ኦሪት እትመሃረሉን ቦታ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ዕለት'ዚ ዘማራይ ያሬድ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምኵራብ ኣትዩ ከምዝመሃረ እዩ ዘሚሩ።

ቦኣ ኢየሱስ ምኵራበ ኣይሁድ። ወመሃረ ቃለ ሃይማኖት። ወይቤሎሙ ምጽዋተ ኣበድር እመስዋዕት። ኣነ ውእቱ እግዚኣ ለሰንበት ወኣቡሃ ልምሕረት። ኢትግበሩ ቤተ ኣቡየ ቤተ ምስያጥ፣ ቤትየሰ ቤተ ጸሎት ትሰመይ። ቦኣ ምኵራቦሙ ወገሰጾሙ ያርምሙ። ኣንከሩ ምሕረቶ፣ ሞገሱ ቃሉ ወጣዕመ ቃሉ ወሳዕስኣ ኣፉሁ።

ትርጉም፣ ኢየሱስ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ፣ ካብ መስዋእቲ ምጽዋት እናበለ እለ ቃል ወንጌል መሃሮም። ጎይታ ሰንበትን ናይ ምሕረት ኣቦን ኣነ እየ። መልሲ ክሳብ ዝስእኑ: “ስለምንታከ ቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ እትገብርዎ? ቤት ኣቦይ ቤት ጸሎት እምበር ቤት ንግዲ ኣይኮነን” እናበለ ገሰጾም። ብምሕረቱን በቲ ካብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋን ድማ ይግረሙ ነበሩ።

ወንጌላዊ ማቴዎስ "ኢየሱስ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ እናመሃረ፣ ወንጌል መንግስተ ሰማያት እናሰበኸ፣ ነቲ ህዝቢ ካብ ሕማምን ደውየን እናፈወሰ፣ ኣብ ገሊላ ይዘውር ነበረ" ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። እቲ መራሕቲ ኣይሁድ ንኽውደሱን ክርኣዩን ኢሎም ዝቕመጥሉ ስፍራ፣ ክርስቶስ ግና ትምህርቲ ወንጌል ከምዝመሃረሉ ወንጌላዊ ሉቃስ ክምስክር ኮሎ ከምዚ ይብል፣ "ኢየሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰ። ወሪኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጎደብኡ ዘሎ ኹሉ ዓድታት ተሰምዔ። ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሃረ፣ ኩሎም'ውን ይንእንድዎ ነበሩ።

ናብታ ዝዓበየላ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፣ በመዓልቲ ሰንበት ድማ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፣ ኬንብብ'ውን ተንስአ። መጽሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ ከኣ ሃብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተቐልዖ ኸኣ፣ እዚ እተጻሕፈ ክፍሊ ረኸበ፣ ንድኻታት ከበስሮም ስለዝቐብኣኒ፣ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፣ ንዕዉራት ምርኣይ፣ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ክሰብኽ፣ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄር’ውን ክሰብክ ለኣኸኒ።ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸኣ፣ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ኹሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ። ሽዑ፣ እዚ ጽሑፍ'ዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ፣ ኪብሎም ጀመረ። ኹሎም ከኣ መስከሩሉ፣ በቲ ካብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ይግረሙ ነበሩ። ሉቃ 4.14-23

እቲ ኣብ እዋን ቅዳሴ ዝንበብ ወንጌል'ውን፣ ክርስቶስ ነቶም ነጋዶን ንብረቶምን ካብቲ ኣፍደገ ቤት መቕደስ ከምዝስጎጎም እዩ ዝገልጽ።ኣስዒቡ ድማ፣ "ነዚ ቤት መቕደስ ኣፍርስዎ፣ ኣነ ድማ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ክሃንጾ እየ" ኢሉ ስለ ሞቱን ትንሳኤኡን ከምዝተዛረበ ይገልጽ። እቶም ብትምህርቱ ዝተመሰጡ ሰባት እኳ እንተኣመንዎ፣ ልቢ ሰባት ዝፈልጥ ጎይታ ስለዝኾነ ግና፣ ናይ ውሽጢ ልቦም ርእዩ ኣይተቐበሎምን። "ኢይፈቅድ ይንግርዎ፣ ግእዞ ለሰብእ፣ እስመ ላዕሌሁ የኣምሮ ለሰብእ።" ብዛዕባ መንነት ሰባት ክነግርዎ ኣይጽበን፣ ንሱ ባዕሉ ንሰባት ይፈልጦም እዩ እሞ" ክብል ዮሃንስ ጽሒፉ ኣሎ።

ክቡራት ኣመንቲ፣ ሎሚ ህይወትና ከመይ ኣሎ? ህይወትና ቤት መቕደስ ኣምላክ እያ'ሞ ማዕከን ሓጢኣት ኮይና ከይትህሉ ገዛእርእስና ንመርምር። ኣብ ሱባኤ (ጾምን ጸሎትን) ኢና ዘሎና'ሞ፣ ንዝተጸዋዕናሉ ህይወትን ናብራን ክንበቕዕ: ርእስና እናመርመርና ብንስሓ ናብቲ ዙፋን ኣምላኽ ብትብዓት ቀሪብና ምሕረት ምእንቲ ክንረክብሲ እንሆ ልባዊ ውሳኔ የድልየና ኣሎ።

እግዚኣብሄር ይርድኣና፣ ኣሜን።

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div