S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅድስና [ 2ይ ሰንበት ጾመ-ኣርብዓ ]

ካልኣይ ሰንበት ናይ ጾመ-ኣርብዓ (ዓቢ ጾም) ቅድስት ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ምንባባት ወንጌል
ዲያቆን:- 1 ተሰ 4፣1-13 (1 Thess 4: 1-13)
ተሓጋጋዚ ዲያቆን:- 1ይ ጴጥ 1፣ 13-25 (1 Peter)
ተሓጋጋዚ ካህን:-  ግብ  10፡7-30 (Acts)
ካህን:- ማቴ  6፡16-25 (Matthew)
ያሬዳዊ መዝሙር፡-ግነዩ ለእግዚኣብሔር ወጸውኡ ስሙ (ንእግዚኣብሔር ኣመስግኑ ስሙውን ጸውዑ)
መዝሙር ዳዊት፡-እግዚኣብሔር ግና ሰማያት ገበረ፤ ግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡ፤ ሓይልን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ። መዝ 96፡5-6።
መዝሙር ዳዊት፡- እግዚኣብሔርሰ ሰማያ ገብረ፤ ኣሚን ወሰናይት ቅድሜሁ፤ ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ።
Psalms:-“but the LORD made the heavens. Honor and majesty [are] before him: strength and beauty [are] in his sanctuary.” Psalms 96:5-6. 7.
ቅዳሴ፡- ቅ. ኤጲፋንዮስ

ቅድስና

ብባህርዩ ቅዱስ ዝኾነ ኣምላኽ፡ ቅዱስ እንዳተባህለ ዝምስገን፡ ብቅድስና ዝነብር ንቅዱሳን ዝቕድስ፡ ቅዱሰ ቅዱሳን እግዚኣብሔር በይኑ እዩ። እስራኤላውያን ኣዘውቲሮም ይዝምርዎ ከምዝነበሩ “ዎ እግዚኣብሔር ካብ ኣማልኽቲ ከማኻ መን ኣሎ?”፡ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ እግዚኣ ኣጋእዝቲ ብቅድስና ክቡርን ፍሉዩን ኣምላኽ እዩ። ነብዪ ኢሳያስውን “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ” (ኢሳ 6፡1-10) እንዳተባህለ ብመላእኽቲ ከምዝምስገን መስከረ፤ ቅዱስ ዮሃንስ ከኣ መዝሙር ነብዪ ሙሴ እንዳዘመሩ “ንስኻ በይንኻ ቅዱስ ኢኻ” እናበሉ ሰራዊት ሰማይ ከመስግንዎ ብርኣይ ከምዝርኣየ መስከረ (ራእይ 15፡4)። ጸሎታ ሰሚዑ ዝመለሰላ ሃናውን ከምዚ ኢላ መስከረት “ብጀካኻ ኻልእ የልቦን እሞ፡ ከም እግዚኣብሔር ዝበለ ቅዱስ የልቦን፡ ከም ኣምላኽና ዝበለ ከውሒ ኸኣ የልቦን።” (1ሳሙ 2፡2)። እግዚኣብሔር ባዕሉ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ፡ ሰዓብቱ ከኣ ንመን ኪመስሉ ከምዝደልን ከምዚ ብምባል ምሂሩና “ኣነ ቅዱስ እየሞ ንስኹምውን ቅዱሳን ኩኑ” (ዘሌ 19፡2፣ 1 ጴጥ 1፡16)።

ብኣፈ መላእክት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብታ ዝዓበየት ጸሎት፡ ክርስቶስ ባዕሉ ዝምሃራ ጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት፡ “ይትቀደስ ስምከ” ስምካ ይቀደስ እናበለ ዝበዝሐ ህዝቢ ዓለም ንኣምላኽ የመስግኖ። መወዳድርቲ ዘይብሉ ስለዝኾነ ነብዪ ኢሳያስ ከምዚ እናበለ ጽሒፉልና ኣሎ “ስለዚ እቲ ንዘልኣለም ዚነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር ኣሎኹ፡ ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር ኣሎኹ።” ኢሳ 57፡15። ከምኡውን ነብዪ ሕዝቅኤል ከምዝገለጾ “…ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣርከስዎ። ኣነ ግና ነቲ ….ዘርከስዎ ቅዱስ ስመይ ነሓፍክዎ።” (ሕዝ 36፡20-21)። ነቲ ቅዱስ ኣብ ማህጸና ዝጸሮት ቅድስት ማርያምውን “…ስሙ ቅዱስ እዩ” በለት (ሉቃ 1፡50)። ንዘልኣለም ከኣ በዚ ናይ ቅድስና ስሙ ክጽዋዕ ይነብር (ኢሳ 6፡3፤ ራእይ 4፡8)።

ቅዱስ እግዚኣብሔር ንሰዓብቱ ይቕድሶም (ዘጸኣት 28፡41)፡ ስሙ ዝጽውዓሉ ስፍራ፡ ስግኡን ደሙን ዝፍትፈተሉ ንዋያት ይቕድሶም (ዘጸኣት 3፡5)። ንሰንበትውን ይቕድሳ፡ ንመብጽዓናን ሞባእናን ይቕድስ፡ ንኹሉ’ቲ ንኣምልኾኡ ንጥቀመሉ ንዋያተ ቅድሳትውን ይቕድሶ (ዘፍ 2፡3፤ ኢያሱ 6፡9)።

ክርስቶስ “…ብሓቂ ቀድሶም” ከምዝበለ (ዮሃ 17፡17) ቤተክርስትያን ብደም ፈጣሪኣ ካብ ኩሉ ሓጢኣታ ትጸርን ትቕደስን። እቶም ብሓቂ ንክርስቶስ ዝስዕቡ ድማ ኪቅደሱ ይከኣሎም እዩ።

ክቡራት ክርስቶሳውያን ብሓቅን ብልብን ንኣምላኽ እንተስዒብናዮ ክንቅደስ ከምእንኽእል ንፈልጥዶ?(1 ቆረ 1፡30፤ ዮሃ 17፡17-19)። ምኽንያቱ ካብ መጀመርያኡ ቅዱሳን ክንክወን ኢና ተጸዊዕና (1 ቆረ 1፡2)። ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን ተወሊድና፡ ካብ ኣዳማዊ ሓጢኣት ጸሪና ብሓድሽ ልደት ኣብ ክርስቶስ ክንነብር ከምዝተጸዋዕና ወትሩ ክንዝክር ይግባእ። ኣብ ግዜ ቅዳሴን በቲ ቀዳማይ ዲያቆን ዝተነበበልና መልእኽቲ “ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፣ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርን ክትርሕቁ እሞ፡ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኮነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።” (1 ተሰ 4፡3-4) ይብል። በቲ ካልኣይ ዲያቆን ዝተነበውን “…ቅዱሳን ኩኑ”፡ ከምኡውን በቲ ካልኣይ ካህን ዝተነበ “…ንዝተቐደሰ ኣይተርክሱ” ይብል (1ጴጥ 1፡13-17፤ ግብሪ 10፡12-30)። ቅዱስ ያሬድ ንመዓልቱ ዚዘመሮ መዝሙርውን ብዛዕባ ቅድስና እዩ። ስለዚ ክቡራት ኣንበብቲ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኪንከውን ክንጽዋዕ ከሎና ንቅዱስ ናብራ እምበር ከምቶም ኣምላኽ ዘይፈልጡ ብትምኒት ስጋኦም ዝምርሑ ኪንከውን ኣይኮነን። ሎሚ ህይወትና ከመይ ኣሎ? ኣብ ውሽጢ፡ ዓብዪ ጾምን ጸሎትን፡ ሱባኤን ኢና ዘሎና። ንዝተጸዋዕናሉ ህይወትን ናብራን ክንበቕዕ ርእስና መርሚርና ብንስሓን ርእሰ-ምትሓትን ናብ እግሪ መድኃኔ ዓለም ወዲቕና፡ ጾምና ናይ ሕዳሴን ቅድስናን ኪኾነልና ልባዊ ውሳኔ የድልየና።

Posted on 02/25/2009

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div