S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መድሓኒ ተወሊዱ

ስብከትን ምንባባት ወንጌልን:- ጥሪ 1ይ ሰንበት (ግእዝ)
(ዘመነ ልደት፡- ካብ ታሕሳስ ፳፱ ክሳብ ጥሪ ፮፡ ግእዝ)

ኣብዚ ዕለት'ዚ ዝንበብ ወንጌል

ዲያቆን:- ሮሜ  11፣25-36-------------------------(Deacon)Romans 11:25-36
ተሓጋጋዚ ዲያቆን:- 1ይ ዮሃ 4፣ 1-9----------(Sub deacon)1 John 4: 1-9
ተሓጋጋዚ ካህን:-  ግብ  7፡17-23----------------(Assistant Priest)Acts 7:17-23
1ይ ካህን:- ማቴ  2፡1-13--------------------------(Priest)Matthew 2:1-13
ያሬዳዊ መዝሙር:- ይሰርቅ ኮከበ እምያዕቆብ ወየኣትት ኃጢኣት እምእስራኤል (ካብ ያዕቆብ ኮኾብ ይወጽእ፡ ሓጢኣት እስራኤል ከኣ የርሕቕ)
መዝሙር ዳዊት ግእዝ:- ወኣነሂ በኩርየ እሬስዮ፤ ወልዑል ውእቱ እምነገስተ ምድር፤ ወለዓለም ኣዐቅብ ሎቱ ሣህልየ። መዝ 88፡27-28።
መዝሙር ዳዊት ትግርኛ:- ኣነውን ቦኽሪ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኪገብሮ እየ፤ ሳህለይ ንዘልኣለም ኪሕልወሉ እየ፤ ኪዳነይውን ከጽንዓሉ እየ። መዝ 89፡27-28።
Psalms:- "Also I will make him [my] firstborn, higher than the kings of the earth. My mercy will I keep for him for evermore, and my covenant shall stand fast with him.” Psalms 89፡27-28.
ቅዳሴ፡- ቅ. ድዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም)

መድሓኒ ተወሊዱ

እግዚኣብሔር ዝመደባ መዓልቲ ምድሓን ምስ መጸት (ገላ 44) ጸልማት ብብርሃን ዝትክኣሉ፤ ምዉት ህይወት ዝዘርኣሉ፤ ባሕሪ-ሞት ህያው ዝኾነሉ፤ ወዲ ሰብ ዳግማይ ሕዳሴ ዝረኽበሉ እዋን እዩ። ኣብዚ ፍሉይ መዓልቲ’ዚ ንጉስ ቄሳር ናይ ህዝቢ ቆጸራ ብምእዋጁ፡ ኩሎም ናብ ዓዶም ኮይዶም ኪቑጸሩ ስለዝተገብረ፡ . ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ ንጉስ ዳዊት ብምዃና ናብ ዓዲ ዳዊት፡ ዓዲ ንጉስ ሰሎሞን፡ ቤት ልሔም ከደት። ክርስቶስ ዝተወልደሉ እዋን ከምቲ ነብዪ ሚክያስ ኣቐዲሙ ዝተነበዮ፡ ጸልማት ሓሊፉስ ብርሃን ዝወጸሉ ግዜ ለይቲ ነበረ። ነቲ ሰማይን ምድርን ዘይጾርዎ ፈጣሪ፡ ኣብ ማህጸን ቅድስቲ ድንግል ሓዲሩ፡ ነቲ መላእኽትን ሰራዊት ሰማይን ፍግም ኢሎም ዝሰግድሉ፡ ንጉስ ነገስታት፡ መሕደሪ ስኢኑ ኣብ ደንበ ምስ እንስሳ ሓደረ። ሰባት ነዛ ቅድስቲ ስድራ ዝኸውን ቦታ ኪህቡ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን፡ ካብ ናይቲ እዋን ሰባት ከብቶም ሒሾም። መድሓኒ፡ ንጉስ ሰማይን ምድርን ክርስቶስ ምውላዱ ነገስታት ከይሰምዑ፡ መጀመርያ ጓሶት ተበሰሩ።መድሓኒ ክርስቶስ ጎይታ ተወሊዱ እዩ እሞ ደስ ይበልኩም ተባህሉ ጓሶት ድማ ናብ ቤትልሔም ኣምርሑ፤ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ብኣጭርቕቲ ከኣ ተጠቕሊሉ ረኸብዎ፤ ነቲ ሰማይን ምድርን ዘይጸርዎ ኣምላኽ፡ ስጋ ሰብ ለቢሱ፡ ኩሉ ኣብ ኢዱ ዝጾረ ኣምላኽ ውሱን ኮይኑ ከም ህጻን ጡብ ኣዲኡ ኪጠቡ ረኸብዎ። ነቲ ግብ ዝበለ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝልውጥ፡ ንድነ ሞት ቀንጢጡ ህይወት ዝህብ ጎይታ: መላእኽትን ጓሶትን ብሓባር ከምዚ ኢሎም ዘመሩስብኃት ለእግዚኣብሔር በሰማያት፡ ወሰላም በምድር ስምረቱ ለሰብእ ጎድኒ ጎድኒ እዚ ድማ በቲ ዘይምርመር ስልጣኑካብ ያዕቆብ ኮኸብ ብርሃን ወጸ ሓጢኣት እስራኤል ከኣ ኣርሓቐዝብል ትንቢት ምእንቲ ኪፍጸም፡ ሰብኣ ሰገል (ሰብ ጥበብ) ካብ ርሑቅ ቦታ ብኮኸብ ተመሪሖም ናብቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ኣዕሪፋትሉ ዝነበረት ደንበ መጹ። ብዓብዪ ታሕጓስ ድማ ወርቂ ንንግስነቱ፤ ዕጣን ንክህነቱ፤ ከርበ ድማ ንሞቱ ዘመልክት ህያባት እናሃቡ ፍግም ኢሎም ሰገዱ። እቲ ዘገርም ግን መብዛሕትኦም ነበርቲ ኢየሩሳሌም፡ ሹማምንትኦምን ነገስታትቶምን ኣብ ኢየሩሳሌም በታ ለይቲ እቲኣ ንዝተፈጸመ፡ ታሪኽ ብምልእታ ዓለም ዝለወጠ፡ ዓብዪ ፍጻሜ ኣይፈልጡን ነበሩ። ምኽንያቱ ልቦም ካብ ኣምላኽ ሸፊቱ ብዓለማዊ ነገራት ተኣሳሲሩ ስለዝነበረ ትንቢት ንምምርማርን እቲ ናይ ምድሓን እዋን ምጽባይን ኣይከኣሉን።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝምህረና መድሓኒና ክርስቶስ ዝተወልደሉ ዕላማታት እዚ ዝስዕብ እዩ ዝነበረ፡- ግብሪ ሰይጣን ከፍርስ (1 ዮሃ 38) ዝጠፍኡ ኪመልስ፡ ንዝተጎድኡ ኪፍውስ (ሉቃ 1910) ህይወት ኪህብ (ዮሃ 1010) ንሰይጣን ኪስዕር (ዕብራ 214-18) ሓጢኣተኛታት ከድሕን (1ጢሞ 115) ሓቂ ክምስክር (ዮሃ 1837) ትንቢት ኪፍጽም (ሉቃ 2444 ዮሃ 546 ዮሃ 1930) ንድኻታት ወንጌል ኪሰብኽ (ሉቃ 417-20) ዘለኣለማዊ ህይወት ኪህብ (ዮሃ 316) ጽድቂ ኪኾነልና (ርሜ 81-2)

እዚ ዕላማታ’ዚ ንኽፍጸም እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ መን ኮይኑ ኪውለድ ኣድለየ? ሰብ ኮነ (ዕብ 415) ንዝጠመዩ ምእንቲ ከጽግብ እንጌራ ህይወት ኮነ (ዮሃ 635-39) ኣብ ናይ ሓጢኣት ጸልማት ንዘሎዉ ብርሃን ኮነ (ዮሃ 812) ጓሳን ኣላይን ንዝሰኣኑ ሕይዋይ ጓሳ ኮነ (ዮሃ 1011 ሕዝ 341-30) ሞት ንዝበርትዖምን ተስፋ ንዘቖረጹን ህይወት ኮይኑ (ዮሃ 1125) ናብ እግዚኣብሔር ኪበጽሑ ንዘይከኣሉን መንገዲ ንዝጠፍኦምን ዘየጋጊ መንገዲ ኮነ (ዮሃ 146) ንሓቂ ሓሶት፡ ንሓሶት ከኣ ሓቂ ንዝለዋውጡ ሓቂ ኮነ (ሮሜ 724-25) ሓድነትን ሰለስትነትን ንዘይተገልጸሎም ትምህርተ ሥላሴ ኪገልጸሎም ተጋህደ (ዮሃ 148) ድሕነት ንዘይረኸቡ እንኮ መድሓኒ ኮይኑ ተገልጸ (ዮሃ 108) ጣዕምን ትርጉምን ህይወት ንዝሰኣኑ ሓቀኛ ጉንዲ ወይኒ ኮይኑ ተጋህደ (ዮሃ 151)

ክቡር ክርስትያን እዚ ክቡር በዓል ኣብ ነብዕለሉ ዘሎና እዋን፡ ልደት በቲ ሓቀኛ ትርጉምን ዕላምኡንዶ ተብዕሎ(ልዮ) ኣሎኻ ()? መድሓኒና ክርስቶስ ብምኽንያት ሕጊ ምፍራስ ናይ ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሄዋንን ዝሰኣንናዮ ክብሪ ኪመልሰልናን፡ ሕዳሴ ህይወት ኪህበና ከምዝመጸ ክንዝክርን ንዕኡ ዝበቕዕ ህይወትን ኪንመርሕን ብመንፈሱ ይደግፈና።

ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ: ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ኣሜን።

ትርጉም፡ ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፤ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ። ብፍቓድ ደራሲ መም. ልዑለቃል ኣካሉ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div