S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መድሓኒ ክርስቶስ ንሰብኽ፣ (ወልዶ መድኅነ ንሰብክ):

ታሕሳስ 3 ሰንበት ዝንበብ ወንጌልን ስብከትን:

(ዘመነ ስብከት፤ ካብ ታሕሳስ 7 - ታሕሳስ 26 ግእዝ)
 
ምንባባት ወንጌል
ዲያቆን:- እብ 1፣1-14---------------------(Deacon) Hebrews 1፣1-14
ንፍቅ ዲያቆን:- 2ይ ጴጥ 3:1-10------(Sub deacon) 2nd Peter 3:1-10
ንፍቅ ካህን:- ግብ  3:17- 26------------(Assistant Priest) Acts 3:17- 26
ካህን:- ዮሃ 1:44 - 51---------------------(Priest) John 1:44 - 51
ያሬዳዊ መዝሙር፡- ወልዶ መድኅነ ንሰብክ (መድሓኒ ክርስቶስ ንሰብኽ)
መዝሙር ዳዊት፡- ፈኑ እዴከ እምኣርያም፣ ኣድኅነነ ወባልኃነ እማይ ብዙሕ፣ ወእምእዴሆሙ ለደቂቀ ነኪር።”
መዝሙር ዳዊት፡- ኣእዳውካ ካብ ላዕሊ ዘርግሕ፣ ካብ ብርቱዕ ማያት፣ ካብ ኢድ ጓና ኣናግፈኒ።መዝ 144፡7.
Psalms:-Reach down your hand from on high; deliver me and rescue me from the mighty waters, from the hands of foreigners.” Psalms 144:7.
ቅዳሴ፡-ኣትናቴዎስ

መድሓኒ ክርስቶስ ንሰብኽ፣ (ወልዶ መድኅነ ንሰብክ)

ኣብዚ ዕለት'ዚ፣ ብሙሴ፣ ብነብያትን መዝሙራትን ኣቐዲሙ ክርስቶስ ስጋ ከምዝለብስ፣ ብትንቢት ተነጊሩ፣ ምሳሌ ተዋሂቡ፣ ሱባኤ ተኣውጁ ምንባሩ ይስበኽ። ነቢያት ስለ ክርስቶስ ኣቐዲሞም ከምዝተነበዩን ዝሰበኹን ንምእማት ብሓደ ወገን፣ ቤተ ክርስትያን ንክርስቶስ ከምእትሰብክ ንምምሃር በቲ ካልእ: እዚ ዕለት'ዚ ስብከት ተባሂሉ።      

መድሓኒ ክርስቶስ ብሙሴ፣ ብነብያትን መዝሙራትን ኣቐዲሙ ተሰቢኹ እዩ። ንኣብነት ኢሳይያስ (7፣14፣ ማቴ 1፣23) መድሓኒ ክርስቶስ ካብ ድንግል ከምዝውለድ ሰቢኹ። ሚክያስ ብወገኑ ኣብ ቤተ ልሄም ከምዝውለድ ሰቢኹ (ሚክ 5፣2።ማቴ 2፣5)። ነቢይ ሆሴእ'ውን ነቲ ቀዳማይ ኣዳም ናብ ክብሩ ንምምላስ ከምዝውለድን ናብ ግብጺ ከምዝስደድን ተነበዩ (ሆሴእ 11፣1።ማቴ 2፣14)። ህዝብታት ብኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ከምዝርእዩ ድማ እቲ ብመጋዝ ዝተመገዘ ነቢይ ሰበኸ (ኢሳ 9፣1-2።ማቴ4፣16)። ነቲ ብዝተቐጥቀጠ ሻምብቆን ብዝተክኽ ጥዋፍን ዝምሰል ህይወት ደቂ ሰባት ድማ ከምዘየጥፍኦ ሰበኸ (ኢሳ 42፣1-4። ማቴ 12፣18)። ከምኡውን ስለቲ ክርስቶስ ዘስተምህሮ ወንጌልን ህዝቢ ከምዝቕበሎን ሰበኸ (ኢሳ 6፣9-10; ኢሳ 29፣13። ማቴ 13፣14; 15፣8-9)። ትምህርቲ ክርስቶስ ብምሳሌ ከምዝስበኽ ኣብ ትንቢት ነቢያት ኣይተረሰዐን (መዝ 78፣2።ማቴ 13፣34-35)። ስለ ሆሳእና ክርስቶስን (ዘካ 9፣9። ማቴ 21፣5)፣ ብፈሪሳውያን ከምዝንዓቕ ግን ከኣ እምኒ ማዕዝን ምዃኑ ኣቐዲሙ ብትንቢት ተነጊሩ (መዝ 118፣23-25። ኢሳ፣ 8.1። ዳን 2፣3-35። ማቴ 21፣42)። እቲ ዝውለድ ኣምላኽ-ዳዊት ተባሂሉ ከምዝጽዋዕ (መዝ 110፣1። ማቴ 22፣44)። ብሳላሳ ብሩር ከምዝሽየጥ (ኤር 7፣6። ዘካ 11፣1። ማቴ 27፣9) ፣ ንድኻታት ወንጌል ክሰብኽ፣ ንእሱራት ክፈትሕ፣ ኣዒንቲ ዕዉራት ክኸፍት፡ንስቡራት ልቢ ክዝንን፣ ንምሩኻት ሓርነት ከምዝሰብከሎም ተሰቢኹ (ኢሳ 61፣1-2። ሉቃ 4፣17-21)። ኣብ ጉባኤ ብዝተፈርዶ ፍርዲ እግሩን ኣእዳዉን ኣብ መስቀል ከምዝሽንከር፣ መሪር ሓሞት ከምዘስትይዎ፣ ክዳኑ ድማ ዓቀይቶት ከምዝካፈልዎ ተሰቢኹ (መዝ 22፣1-24። ዮሃ 19፣23-24፤ 29-30። መከራ ከምዝጸግብ፣ መቓብሩ ድማ ምስቶም  ክፉኣት ከምዝኸውን እቲ ነቢይ ሰበኸ (ኢሳ 43፣1-12።1ይ ጴጥ 2፣21-25)። ካብ ሞት ከምዝትንስእ (መዝ 78፣76። ማቴ 28)፣ ናብ ላዕሊ ከምዝዓርግ (መዝ 47፣5። ማር 16፣16-18)፣ ዳግማይ ተመሊሱ ከምዝመጽእን ነቢያት ብሰፊሕ ሰቢኾም እዮም። 

ኣብ ላዕሊ ከምዝርኣናዮ፣ ነቢያት ንመድሓኒ ክርስቶስ ብብዙሕ መገዲ ከምዝሰበኽዎ ተማሂርና። ኣምላኽ ቀደም ብነቢያት ገይሩ ነቦታትና፣ ሕጂ ኣብ መወዳእታ ዘመን ድማ ንዓና ከምዝተጋህደልና ኣብ መልእክቲ እብራውያን ብሰፊሑ ተጻሒፉ ኣሎ። እዚ ኩሎ ድማ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ንዝኣወጆ ድሕነት ዘነጽር እዩ።    

ክቡር ኣንባቢ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ብነቢያት ከምዝተሰብከ ኣንቢብካ ኣለኻ።ንዓኻከ ሎሚ መን እዩ ዝሰብከልካ? ንስኻኸ ንክርስቶስዶ ወይስ ንመን ትሰብኽ? ሃዋርያ ጳውሎስ "ንሕናስ ነቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ኢና ንሰብኽ" ይብል። እወ፣ ሓቂ እዩ በዘይካኡ መድሓኒ ስለዘየሎ፡ ወንጌል ምስባኽ ዘየሐፍር ተልእኮ እዩ። ክቡር ኣንባቢ፣ ንስኻውን ወንጌል ክትሰብኽ፣ ምስ ኣሕዋትካ ክትካፈሎ ዝግባእ ናይ ህይወትካ ምንጪ-ሓጎስ ወንጌለ-ክርስቶስ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዝኾነ እዋን፣ ብድኽነት ኮነ ብሃብቲ: ኣብ ራህዋ ኮነ ኣብ ጸበባ ንክርስቶስ ክንሰብኽ ይምዕደና። 

ስለዚ፣ ነቲ ሰለ ሓጢኣትና ዝሞተን ዘድሓነናን ክርስቶስ ክንሰብኽ ይግብኣና (1ይ ጢሞ 4፣2-5።ሮሜ 1፣ 15-17። 2ይ ቆሮ 4፣5-6)።

ኩሉጊዜ ንክርስቶስ ክንሰብኽ እግዚኣብሔር ጸጋ የብዝሓልና።  ኣሜን።
ትርጉም፡ ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፤ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ። ብፍቓድ ደራሲ መም. ልዑለቃል ኣካሉ።

posted:- 12-18-2008

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div