S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኩሉ ብእኡን ንዕኡን እዩ ዝተፈጥረ

ስብከትን ምንባባት ወንጌልን:- ሕዳር 3ይ ሰንበት

(ኣስተምህሮ፤ ካብ ሕዳር 6 - ታሕሳስ 13 ግእዝ)

ያሬዳዊ መዝሙር፡- ሎቱ ስብሓት ወሎቱ ኣኮቴት ለዘቀደሳ ለሰንበት (ንሰንበት ዝቐደሰ ንዕኡ ፍጹም ምስጋና ይግባእ)

ምንባባት ወንጌል

ዲያቆን:- 1ይ ጴጥ 1፣ 13-21------------(Deacon) 1st Peter 1:13-21

ንፍቅ ዲያቆን:- ቆለ 1፣ 12 - 29-------(Sub deacon) Colossians 1:12-29

ተሓጋጋዚ ካህን:-  ግብ  19፣21-41----(Assistant Priest)  Acts 19:21-41

ካህን:- ዮሓ  5፡16-28---------------------(Priest)  John 5:16-28

መዝሙር ዳዊት፡- ኩሎ  ዘፈቀደ ገብረ እግዚኣብሔር፣ በሰማይኒ ወበምድርኒ፣ በባህርኒ ወበኵሉ ቀላያት። መዝ 134፡6

መዝሙር ዳዊት፡- እግዚኣብሔር ኣብ ሰማይን ምድርን፣ ኣብ ባሕርን መዓሙቕን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ። መዝ 135፡6

Psalms:- “Whatsoever the Lord pleased, [that] did he in heaven, and in earth, in the seas, and all" Ps 135.6

ቅዳሴ፡- ቅ. ኣትናቴዎስ

ኩሉ ብእኡን ንዕኡን እዩ ዝተፈጥረ (ቆለ 1፡16)

እዚ ሎሚ ኣብ ቅዳሴ ዝንበብ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላስዩስ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ኩሉ ነገር ብሥልጣን፡ ቃልን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝተፈጥረ፤ ኣብ ሰማይ ዘሎዉ ክቡራትን ግሩማትን መላእኽትን ሊቃነ መላእኽትን ብእኡ ስለዝተፈጥሩ፡ ፍግም ኢሎም ሰጊዶም ዝግዝእዎ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዚመልኽ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ የስተምህረና።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ዕለት ወንጌልውን ክርስቶስ በለ፡ ኣቦይ ክሳብ ሕጂ ይሰርሕ ኣሎ፡ ኣነውን ከምኡ፤ ንፍጥረት ኩሉዓለም በብእዋኑ ዝምግብ፡ ንህይወት ዘለዎን ግኡዝን ሕጉን ስርዓቱን ሓልዩ ንኽቕጽል ዝገብር ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።  ስግር ኢሉውን “ወኵሉ ቦቱ ኮነ ወዘእንበሌሁሰ ኣልቦ ዘኮነ ወኢምንትኒ” ኩሉ ብእኡ ኮነ፡ ካብቲ ዝኾነ ዘበለ ድማ ብዘይብኣኡ ዝኾነ የልቦን። (1፡3)።

እምበኣር ከም ክርስትያናት ካብዚ ደረት ዘይብሉ ሥልጣን ኣምላኽ ዘስተምህር ቃል እንታይ ንመሃር? ክርስቶስ፡ ወልደ እግዚኣብሔር ፈጣሪ ኩሉ ዝርአን ዘይርአን ፍጥረት ጥራሕ ኣይኮነን። ብምኽንያት ሓጢኣት ኣዳምን ደቁን (ንሕናውን) ኣብ ትሕቲ ሞትን መርገምን ንኣሽሓት ዓመታት ንዝነበርና ሕዝብን ኣሕዛብንውን ኣብ መስቀል ብሙማት፡ ከምብሓድሽ ካልኣይ ፍጥረት (ልደት) ሂቡና እዩ። እዚ ኩሉ ድማ ንሕና ንኽብሩን ንውዳሴኡን ምእንቲ ክንቀውም ኢሉ እዩ። ኣብ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ዚመልኽ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዝደለዮ ዝገብር እግዚኣብሔር ምስጋና ይኹኖ። ኣሜን።

ትርጉም፡ ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፤ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ። ብፍቓድ ደራሲ መም. ልዑለቃል ኣካሉ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div