S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ኣርእስቲ ንዓና ንኦርቶዶክሳውያን፥ ብዙሕ ክንዛረበሉን ክንጽሕፈሉን ዝግበኣና ኣርእስቲዩ። ከመይሲ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስቲያንና ዘሎ ጸገማት ኩሉ፥ ምስ ኣርእስት ምትሕሓዝ ዘለዎ ኮይኑ ይርከብ  ብምህላዉ እዩ። ከም-ዝፍለጥ ኣብ 1983 / (1991) እቶም ዝነበሩ ሊቀ-ጳጳስ ማለት ኣቡነ-ገብርኤል ንኣዲስ-ኣበባ ምስ-ከዱ፥ ኣብቲ መንበረ-ጵጵስና ተጸዋዒ ዝነበሩ፥ እቶም ዋና-ጸሓፊ  መጋቤ-ሥርዓት ሉቃስ ገብረ-ሚካኤል ምዃኖም ዝፍለጥ።

እቲ ቀጻሊ እንታይ ክኸውን-? ወይ እቲ መንበረ-ጵጵስና ብኸመይ ክምራሕ-? ዝብል ሕቶ ንብዙሓት ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ዘተሓሳሰበ እንተነበረ፥ ኩሉ በብመንገዱ ግና፥ ነቶም ብበረኻ ዝመጹ ደቁ ኣብ ምቕባል ተጸሚዱ ስለ-ዝነበረ፥ ከም ዘሀውኽ ጉዳይ ገይሩ ክርእዮ ኣይከኣለን። ይኹን እምበር እቶም ብበረኻ ዝመጹ ኣጋይሽ፥ እንታይ እዋን ከም-ዘርከቡሉ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክመርሑ፥ ኣባ ..... መዚዝና ኣሎና ብምባል ዝጸሓፉዎ ደብዳቤ፥ ንብዙሓት ዘሰንበደን ዘገረመን ደብዳቤ ምንባሩ፥ ብዙሓት ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ክሳብ ሕጂ ብኣንክሮ ይዝክሩዎ እዮም።

እዚ ዝተባህለ ደብዳቤ፥ ዘይቅቡልን ዘይሕጋውን ስለ-ዝነበረ፥ “-እዞም ደቂ እንታይ ወሪዱዎም-!! ብምባል ዝተገረሙ ዉሑዳት ኣይነበሩን። ብጌጋ ወይ ብሃወኽ ዝግበር ዝነበረ ስለ-ዝመሰሎምውን፥ መምህር ተወልደ-ብርሃን ዓምደ-መስቀልን፥ መጋቤ-ሥርዓት ሉቃስ ገብረ-ሚካኤልን፥ ናብ ገለ ሰበ-ሥልጣን ቀሪቦም ከረድኡ ኢሎም፥ ዝገበሩዎ ፈተነ ምንባሩ ዝፍለጥዩ። ኣብ በረኻ ተወዲኡ ዝኣተወ መደብ ስለ-ዝነበረ ግና፥ ቅዉም-ነገር ኢሉ ክሰምዖም ዝደሊውን ኣይተረኽበን። ስለ ድማዮም እዞም ክልተ ብልቦና ዝፍለጡ ዝነበሩ ኣቦታት፥ ቤተ-ክርስቲያንና ንከቢድ ሓደጋ ተጋሊጻ ትርከብ ምህላዋ፥ ግልጺ ኮይኑ ክርኣዮም ዝኸኣለ፥ ካብዚ ብምብጋስ ከኣዮም ንሳቶም እዞም ክልተ ሕጂ ብሕይወት ዘየለዉ ኣቦታት“-ንማይ ዝበልካዮ ንበረድ ኣይኹን-” ክሳብ ምባልውን ዝበጽሑ።

ከመይሲ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ናይ ሕዝቢ ተዋሕዶ ሃብትን ንብረትን ክሳብ ዝኾነት፥ ቤታ ብኸመይ ተመሓድር-? ንማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ ዝግደፍ ደኣምበር፥ እቶም ህልውና-ኣምላኽ ኣይኣምኑንዮም ተባሂሎም ክሕመዩ ዝጸንሑ ማርክሳውያን፥ ዝጭነቐሉ ጉዳይ ኮይኑ ክርከብ፥ ብዝኾነ መዐቀኒ ቅቡል ዝበሃል ኣይነበረን። ስለ እዚ ደረት ጥሒስካ ዝተገብረ ደብዳቤ ምጽሓፍዚ፥ መሰል ሕዝቢ-ተዋሕዶ ግሂሱ ሰጢጡ ዝኸደ ብምንባሩ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ነቶም ብበረኻ ዝኣተዉ ካብ ኣብራኹ ዝወጹ ደቁ፥ ብዓይኒ ጠርጠራ ክጥቶም ግዜ ክወስደሉ ኣይከኣለን።

ካብዚ ነጥቢ ብምብጋስ ከኣዮም እቶም ኣቦታት፥ ላዕልን ታሕትን ኢሎም ነቲ ጉዳይ መስመር ከትሕዙዎ ዝገበሩዎ ጎስጓስ፥ እዝኒቶም ሰብ-ፖለቲካ ዘይሰምዕ ምስ-ኮነ፥ ሐደ ብጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተጸዋዒ ብምዃን፥ ሓላፍነት ክወስድ ዝኽእል ኣካል ክቐውም ዝብል ተበግሶ ክገብሩ ዝተላዕሉ። ርግጽ እቲ ሓሳብ ከም ሓሳብ መጠን ቅቡልን ዝድገፍን እንተ-ነበረ፥ ምስቲ ኣብ ደምበ-ተዋሕዶና ዝኾነ ተመክሮ ዘይምጽንሑ ግና፥ ሓደ ነፃ  ዝኾነን ርእሱ ዝኸኣለን ባይታ ንምፍጣር ነቶም ኣቦታት፥ ብቐሊል ክብጻሕ ዝኽእል ነገር ኣይነበረን። ይኹን እምበር ብድሕሪ ክንደይ ጻዕርን ድኻምን ግና፥ ሓደ “-ግዚያዊ-ሲኖዶስ-” ብምባል ዝፍለጥ ጉባኤ ኣብ ምቛም ክዕወቱ ከም-ዝኸኣሉ ይፍለጥ። እዚ ድማ ነቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ኢድኩምን እግርኹምን ኣክቡልና ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ፥ ተባሂሉ ዝተውስደ ስጉምቲ ነይሩ።

እቶም ሰብ-ፖለቲካ ግና፥ ንውሳኔኦም ዳግመ ግምት ክገብሩሉ ዝደልዩ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። ስለ ድማ እቲ ዝቖመ ግዚያዊ-ሲኖዶስ፥ ሓደ ዘማእክሎ ኣቦ-መንበር ክመርጽ ዝነበሮ መሰል ተነፊጉዎ፥ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር እቲ ኣቐድም ኣቢሉ፥ ብፖለቲካዊ-ሽመት ዝተመዘዘ ጳጳስ ከም-ዝቕመጥ ምግባሩዩ። እቲ ፖለቲካዊ ኃይሊ ጨፍሊቑ ስለ-ዝሓዞ ከኣ፥ ዝተገብረ እንተ-ተገብረውን ግዚያዊ-ሲኖዶስ፥ ነፃ ኣየር ከተንፍስ ዝኽእለሉ ባይታ ክርከብ ኣይከኣለን። በዚ ኣገባብ ድማ ጠቕላላ ምምሕዳር ቤተ-ክርስቲያን፥ ብፖለቲካ ዝዝወርን መምርሒ-ፖለቲካ ዝኽተልን ከም-ዝኸውን ስለ-ዝተገብረ፥ እቲ ኩሉ ርእሳ ዝኸኣለትን ነፃ ዝኾነትን ቤተ-ክርስቲያን ክትህሉ ዝተገብረ ጻዕሪ፥ ብዘይ ገለ ውጽኢት ባዶ ኮይኑ ክተርፍ ግድነት ኮይኑ።

ካብዚ ንደሓር እቶም ሰብ-ፖለቲካ ኣተኵሮም ክሠርሑሉ ዝተራእዩ፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዝተኻእለ መጠን፥ ኣብቲ መድረኽ ምሁራት ሰብ ሞያ ከም-ዘይቅልቀሉ ንምግባር፥ ኣበርቲዖም ክንቀሳቐሱ ተራእዮም። ነዚ ንምትግባር ካብ ዝወሰዱዎ ቀዳማይ ስጉምቲ፥ ነቶም ብኹሉ መለክዒ መምህር ኢልካ ክግለጹ ዝኽእሉ ሊቅ፥ ማለት መምህር ተወልደ-ብርሃን ዓምደ-መስቀል። ጳጳስ ኮይኖም ንኸይምረጹ፥ ክሳብ ገዳም ደብረ-መርቆሬዎስ ዝዘርግሑዎ ናይ ተንኮል መርበብዩ። ደሓር ድማ በቶም መጋበርያ-ፖለቲካ ዝኾኑ ጳጳሳት ኣቢሎም፥ ካብ መንበረ-ፓትርያርክ ተደፊኦም ከም-ዝወጹ ምግባሮም፥ ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ዝፈልጡዎ ሓቂዩ።   

ይተካእ ይለቀብ ድማ ብድሕሪ እውን፥ እቲ ምሁራን ናይ ምርሓቕ ስጉምቲ ቀጻሊ ኮይኑ፥ እቶም እንኮ ናይ ነገረ-መለኮት ምሁር ዝነበሩ ጳጳስ፥ ማለት ኣቡነ-መቃርዮስ ካብ ሥራሕ ምስጓጎም ጥራይ ዘይኮነ፥ ደራጎን ኃይለ-መለኮት ብዝኸተሞ ደብዳቤ፥ ካብ ሃገርውን ተደፊኦም ክወጹ ምግዳዶምዩ። እዚ ድማ እቲ ካልኣይ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ኣንጻር ውሳኔ ግና፥ ክግበር ዝከኣል ነገር ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ ብዘይ ዝኾነ ክራይተሪያ፥ ብናቶም መለክዒ ተመሪጹ ዝተቐመጠ ናይ ጳጳሳት-ሲኖዶስ፥ ድሮ ናይዝጊ ክፍሉ ዘሽከርክሮ ኮይኑ ይርከብ ስለ-ዝነበረ፥ ምእንቲ ረብሓ ቤተ-ክርስቲያን ኢሉ ኣፉ ክኸፍት ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል ኣይነበረን።

እቶም ዓበይቲ ኣዕኑድ ቤተ-ክርስቲያን ኢልካ ክግለጹ ዝኽእሉ ዝነበሩ፥ መጋቤ-ምሥጢር መብራህቱ መባእ፥ መጋቤ-ሥርዓት ሉቃስ ገብረሚካኤል፥ መምህር ዓምደ-ብርሃን ገብረ-ማርያም፥ መጋቤ-ካህናት በርሀ ወልደ-ማርያም፥ ሊቀ-ካህናት ባህታ ገብረ-ሚካኤል፥ መልኣከ-ምሕረት ማርቆስ ገብረ-ማርያምን። ንኹሎም ብተነጽሎ ከም-ዝሳቐዩ ድሕሪ ምግባር፥ ተሸማቒቖም ክሳብ መቓብር ደፊኦም ከም-ዘውረዱዎም፥ ኣካል ታሪኽና ኮይኑ እናተዘርበሉ ክነብር ዘለዎ ዘሕዝን ፍጻሜዩ። ንመሪጌታ ሠመረኣብ ወልደ-ገብርኤል ድማ፥ እንሆ ብሕይወቶም ከለዉ ክቐብሩዎም፥ በዓል ኣባ-ሉቃስ ሓንሳእ ይኣስሩዎም፥ ሓንሳእ ድማ ብውግዘትን ብተነጽሎን ከሳቕዩዎም ይርከቡ ኣለዉ። መሪጌታ ተወልደ-መድኅን መንግሥቱ እንተኾኑውን፥ ብውግዘት ተፈልዮምን ተነጺሎምንዮም ዝርከቡ ዘለዉ።  

ግዳስ ምንም እታ ቤተ-ክርስቲያን፥ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቁጽጻር ፖለቲካ ኣትያ ትርከብ እንተ-ነበረት፥ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ማኅበራት መንእሰይ፥ ንጥፈታት ግና፥ ነቶም ሰብ ፖለቲካ ምንም ከደቅሶም ዝኽእል ኮይኑ ኣይተረኽበን። በዘን ማኅበራት እዚኣተን ድማ ቅሳነት ክስምዖም ስለ-ዘይከኣለ፥ ንምፍራሰን ብዙሕ ስዉር ፈተነታት ክካየድ ምጽንሑ ዝፍለጥዩ። ኣብቲ ናይ ክርስቶስ ከውሒ ዝተሠረታ ብምዃነን ግና፥ ብማዕበል ፖለቲካ ተደፊአን ክወድቃ ዝኽእላ ኮይነን ኣይተረኽባን።

እቲ “-ሃገራዊ ማኅበር መንእሰይ ተማሃሮ ኤርትራ-” ብምባል ዝፍለጥ ዝነበረ ማኅበር፥ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ ብዘሳውሮ ዝነበረ ሓዊ ግና፥ ኣብ እንዳ-ማርያምን እንዳ-ሥላሴን ሓደጋ ብምፍጻም፥ ብዙሕ መጻሕፍቲ ክነድድ ክኢሉ። እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ግና፥ ካብቲ ዝነደደ መጻሕፍቲ መጽሓፍ-ቅዱስ ብብዝሒ ይርከብ ምንባሩዩ። ነዚ ምንዳድ ግና እቶም ሽዕዑ ዝነበሩ ፓትርያርክ፥ ከም ጽቡቕን ዓወት ቤተ-ክርስቲያንን ገይሮም ክገልጹዎዮም ዝተሰምዑ። እቲ ክንድቲ ዝኣክል ዕንወት ተፈጺሙ እናሃለወ ድማ፥ እቲ መምርሒ ናይዝጊ ክፍሉ ተኸቲሉ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ናይ ጳጳሳት-ሲኖዶስ፥ ሓንቲ ቃል ከስምዕ ዘይምኽኣሉ እዩ።

ኣብቲ ሽዕኡ እዋናት ኣብ ደምበ-ተዋሕዶና፥ እቲ ዝዓበየ ማኅበር ተባሂሉ ዝፍለጥ፥ ማኅበር-መንእሰይ መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም እዩ። እቲ ኣብ መካነ-ሕይወት ዝካየድ ዝነበረ መንፈሳዊ-ንጥፈታት፥ ከም ናይ ጽባሕ ተስፋ ገይሮም ዝጥምቱዎ፥ ብዙሓት ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ነይሮምዮም። እታ ናይ ጽባሕ ምዕብልቲ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶውን፥ ብመንገዲ መካነ-ሕይወት ክትመጽእ ከም-እትኽእል፥ ናይቶም ትንሣኤ ቤተ-ክርስቲያን ክርእዩ ዝምነዩ ኦርቶዶክሳውያን ጽኑዕ ተስፋን እምነት ነይሩ። መንእሰያት መካነ-ሕይወት ግና ኣብ መንጎ ክልተ እምባ ተቐርቂሮም፥ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ይርከቡ ስለ-ዝነበሩ፥ ንሳቶምውን ቅሳነት ነይሩዎም ዝበሃሉ ኣይነበሩን።

መንእሰያት መካነ-ሕይወት ብቁጽሪ ብዙሓት፥ ብዓይነትውን ምሁራት ስለ-ዝነበሩ፥ ከምቲ ኣብ እንዳ-ማርያምን እንዳ-ሥላሴን ዝተፈጸመ ሓደጋ ኣብኣቶም ምፍጻም ይከኣል ኣይነበረን። ብዙሕ ግዜ ብኸምኡ ተፈቲኖም ነይሮምዮም። ግናኸ ናይ ዝኾነ ሓገዝ ከይሓተቱ፥ ባዕላቶምዮም ድሕነት ቤተ-ክርስቲያኖም ውሑስ ክገብሩ ዝተቓለሱ። ብዝተረፈ “-ሃማመተኤ-” ኮኑ ሃገራዊ-ድኅነት፥ ኣብ ልዕሊኦም ዘካየዱዎ ፈተነ ውሑድ ኣይነበረን። እግዚኣብሔር ዝኣምላኹ ሕዝቢ ግና ደፊእካ ከተውድቖ ስለ-ዘይከኣል፥ መንእሰያት መካነ-ሕይወትውን፥ መድኃኔ-ዓለም ጸግዒ ብምግባርዮም ጸኒዖም ደው ክብሉ ዝኸኣሉ።

ነዚ ኦርቶዶክሳዊ ጽንዓት ትኽ ብትኽ ገጢምካ ምስዓሩ ዘይከኣል ምስ ኮነ ከኣ። ንሓለፍቲ መካነ-ሕይወት ፖሊስ ከም-ዝጸውዑዎም ዝፍለጥዩ። እቲ ዝቐረበሎም ሕቶ ድማ “.....ስለ-ምንታዮም ክንድ ዝኣኽሉ ምሁራን፥ ኣብዚ ቤተ-ክርስቲያን ክህልዉ ዝኸኣሉ-?!... ዝብል ዝነበረ። እቲ በቶም መራሕቲ መካነ-ሕይወት ዝተዋሕበ መልሲ ድማ “..... ቤተ-ክርስቲያንና ጸዊዓ ዘምጽኣቶ ምሁር የብላን። እቶም ኣብኡ እንርከብ ኩልና ድማ፥ ቈልዑት ኮንና ዝመጻእና ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ-ክርስቲያን እናተማሃርና ዝዓበና ደኣምበር፥ ካብ ደገ ጸዊዕና ዘምጻእናዮ ምሁር የብልናን....” ዝብል መልሲዮም ሂቦም።

እምበኣር ኣብ ሓደ ቤተ-ክርስቲያን ምሁራት ይብዝሑ ይውሓዱ፥ ነቶም ሰብ ፖለቲካ እንታይ ክምልከቶም ይኽእል-? ከምዚ ዝርአ ዘሎ ግና እቶም ፖሊስ፥ ምሁር ምዃን ብገበን ዘኽስስ ወንጀል እዮም ዝብሉ ዘለዉ። ብኻልእ ኣዘራርባ ድማ ኣብ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ምሁራን ክርኣዩ ገበን ዝብል መልእኽቲዮም ከተሓላልፉ ደልዮም። ብዝተረፈ ኣብ ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን ዝርከቡ ወይ ዝመጹ እቶም ኣመንቲ ደኣምበር፥ ዓቢይን ንእሽቶን፥ ሃብታምን ድኻን፥ ሰብኣይን ሰበይትን፥ ምሁርን ዘይምሁርን ኢልካ ዝግበር ኣፈላላይ ከም-ዘየልቦ ፍሉጥዩ።

እቶም ሰብ ፖለቲካ ግና ኣብ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ምሁራን ክቕልቀሉ ኣይንፈቅድን ኢና ዝብል ኣቕዋም ከም-ዝሓዙ ኢና ክንርኢ ንኽእል። ስለ ከኣዮም እቶም ሠለስተ-ካህናት መካነ-ሕይወት፥ ምሁራን ኮይኖም ብምርካቦም ምኽንያት ጥራይ ገበን ተቘጺሩዎም፥ 13-ዓመት መመላእታ ኣብ ትሕቲ መቑሕ ኣትዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ስለዚውን ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ብዝኾነ ተኣምር ምሁራት ክቕልቀሉ ወይ ክርኣዩ የብሎምን ዝብል ኣቕዋም ስለ-ዝተታሕዘ፥ እንሆ እታ ዘይተዓደለት ቤተ-ክርስቲያንና ንልዕሊ 26-ዓመት፥ እቶም ሰብ-ፖለቲካ ኩኒ ከም-ዝበሉዋ ኮይና ትርከብ ዘላ ስለዚያ።

ብዝተረፈ ኣንጻርቶም ሠለስተ መምህራነ-ወንጌል ዝኾኑ ካህናትና፥ ክሳብ ሕጂ ዝተጠቕሰ ኣንቀጽ ምህላዉ ዝፍለጥ ነገር የልቦን። ምሁራን ብምዃኖምን ንኣግልግሎት ወንጌል ብርሃን ኮይኖም ብምርካቦምን ግና፥ እንሆ ክሳብ እግዚኣብሔር ብዓይኒ ምሕረት ጠሚቱ፥ ናይ ፍትሒ ኣዋጅ ዝእውጀላ መዓልቲ፥ “-ስምዓነ ኣምላክነ ወመድኃኒነ-!!-” እናበሉ፥ ምስ መቝሖም ኣብ ነዊሕ ሱባኤን ጸሎትን ኣትዮም ይርከቡ ኣለዉ። እቲ ሕያው ኣምላኽ ዝዛረበላ ሰዓት ርሕቕቲ ከም-ዘይትኸውን ከኣ፥ እምነት ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያንዩ። ከመይሲ ንእግዚኣብሔር ኣሚኑ ዝተጸበየሞ፥ ዝሓፈረ ሕዝቢ የልቦን።

ይኹን እምበር እቲ ምሁራን ናይ ምጽላእ ሕማም፥ ኣብ መካነ-ሕይወት ጥራይ ዝውዳእ ኣይነበረን። ከመይሲ ከም ቀዋሚ ፖሊሲ ናይቲ ሥርዓት ኮይኑ ክትግበር ስለ-ዝነበሮ፥ ኣብቲ ክግበር ዝድለ ዝነበረ ጉዕዞ፥ ኣብ ኩሉ ዓጋቲ ኮይኑ ይርከብ ምንባሩ ዝፍለጥዩ። ከም ኣብነት ካብ ዝጥቀሱ ብዙሓት ሓደ፥ እቲ መንፈሳዊ-ኮለጅ ንምሥራሕ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪዩ። ነዚ ዕዮ ተባሂሉ ኣብ 1988 / (1996) ሓደ ኮሚቴ ቈይሙ ከም-ዝነበረ ዝፍለጥዩ። እዚ ኮሚቴ ኣብ ትሕቲ ኣቦ-መንበርነት ኣቡነ-ያዕቆብ ኮይኑ፥ ኣብ መንበረ-ፓትርያርክ ካብ ዝነበሩ ናይ ክፍልታት ሓለፍቲ፥ ብኣባልነት ዝሓቘፈ ምንባሩ ድማ ይፍለጥ። እዚ ኮሚቴ ነቲ ዕዮ ዘካይዶ ዝነበረ፥ ካብ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-ሺኖዳ 3 ዝተረኽባ $ 100.000 /ሚእቲ ሽሕ/ ዶላር። ከምኡውን ካብ ኖርወይ ዝተረኻባ 500. 000/ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ/ ናይ ኖርወይ-ክሮነር ስለ-ዝነበረ፥ ነዚ ከም መበገሲ ተታሒዙ እቲ ኮሚቴ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ።

ናይ ገዳም ደብረ-ቢዘን ንብረት ዝኾነ መሬት ኣብ እምባትካላ ስለ-ዝተረኽበ ከኣ፥ ምስቶም ገዳም ብምስምማዕ 200.000 ሽሕ ብር ዋጋ፥ እቲ መሬት ከም-ዝዕደግ ኮይኑ። ኩሉ ነገር ተወዲኡ እቲ ዕዮ ሕንፃ ክጅመር ኣብ ዝተባህለሉ ዜሮ-ሰዓት ግና፥ ገዳም ደብረ-ቢዘን ብሃንደበት ሓሳባቶም ብምቕያር፥ “..... እቲ ውዕል መሸጣ ተጣዒስና ኢና ይፍረሰልና ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም.....” ስለ-ምንታይ እንተ-ተባህሉ ከኣ “..... እቲ ውዕል መሸጣ ኣፍርሱዎ ዝብል፥ በቶም ፓትርያርክ ማለት ብኣቡነ-ፊልጶስ ዝግበረልና ዘሎ ጸቕጢ፥ ልዕሊ ኣቕምና ስለ-ዝኾነ ክንክእሎ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ንሕና ሰላም ክንረክብ በጃኻትኩም ገንዘብኩም ተቐበሉና .....” ስለ-ዝበሉ፥ እቲ ኣብ ምጅማር በጺሑ ዝነበረ መንፈሳዊ-ኮለጅ፥ ከቋርጽ ግድነት ኮይኑ።

እቶም ፓትርያርክ ብድሕሪ መጋረጃ ምሕባእ ከየድለዮም፥ ብቀጥታ ብትእዛዝ ደው ከብሉዎ ይኽእሉ ነይሮምዮም። ከመይሲ ምንም ሕዝቢ ተዋሕዶ ኣይምረጾም እምበር፥ ዕድመ ንሰብ-ፖለቲካ ፓትርያርክ ኮይኖም ነታ ቤተ-ክርስቲያን ዝመርሑዋ ዝነበሩ ንሶምዮም። ብድሕሪት ተጠውዮም ኢዶም ኮነ ኢድቶም ኣብ ሥልጣን ዘምጽኡዎም ጎይተቶም ከምዘየሎ ንምምሳል፥ ብድሕሪ መጋረጃ ገዳም ደብረ-ቢዘን ተጠውዮም እንተ-ተዛረቡውን፥ እቲ ምስጢር ከምቲ ዝሓሰቡዎ ተሰቲሩ ክተርፍ ኣይከኣለን። ከመይሲ ከም በዓል መምህር ተክለ-ማርያም ተስፋ-ልደት ዝኣመስሉ፥ ተባዓት ኣቦታት ኣብቲ ጉዳይ ስለ-ዝነበሩ፥ በቲ ብኣባ-ፊልጶስ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ዝፍጸም ዝነበረ ክሕደትን ጥልመትን፥ ሕጉሳት ክኾኑ ዝኽእሉ ኣይነበሩን። ስለዚ ከኣ እቲ ምስጢር ክወጽእ ዝኸኣለ።

እዚ ከርእየና ዝኽእል ድማ፥ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ምሁራን ከም-ዘይቅልቀሉ ንምግባር ዝተቐመጠ ፖሊሲ፥ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ዓመጽ፥  ይፍጸም ከም-ዝነበረ ንምርድኡ ዝጽግም ኣይመስለናን። እቶም ፓትርያርክ ከምኡ እንተገበሩውን ዘገርም ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ ፓትርያርክነት ክረኽቡዎ ዝኸኣሉ፥ ካብ ቤተ-ክርስቲያን ዘይኮነስ ካብቶም ሰብ ፖለቲካ እዩ። ስለዚ ነቲ ናብ ሽመት ዘምጽኦም ሥርዓት ገዲፎም፥ ንዘይፈልጡዋን ዘይትፈልጦምን ቤተ-ክርስቲያን፥ ሓልዮት ዘይብሎም ኮይኖም እንተ-ተረኽቡ ዘገርም ኣይኮነን።

ብጀካ ቀጺሉ ዝጥቀስ ድማ፥ እቲ ብድሕር ስዒቡ ዝተፈጸመ ካልእ ኣገራሚ ፍጻሜ እዩ። ማለት ምንም እቲ ኮለጅ ናይ ምሥራሕ ዝብል ተበግሶ ንግዚኡ እንተ-ተዓንቀፈ፥ እቲ ዕላማ ግና ኣብ ቦትኡ ነይሩ። ስለዚውን እቲ ኮሚቴ ብቐጻሊ፥ ካልእ ኣማራጺታት ክረክብ ኣብ ዝኽእለሉ ኣቢሉ ካብ ምጥማት ከዕርፍ ዝኽእል ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዝነበረ ሕጽረት ምሁራን፥ ክሳብ ክንደይ ሃስያ ከም-ዘውረደ ይርድኦ ስለ-ዝነበረ፥ ጉዳይ መንፈሳዊ-ኮለጅ ነቲ ኮሚቴ ምስ ህልውና ቤተ-ክርስቲያን ተተሓሒዙ ክርአ ዝግብኦ ጉዳይ ደኣምበር፥ ከም ማንም ኣቕሊሉ ክርእዮ ዝኽእል ኣይነበረን።

ይኹን እምበር እቶም ኣብ ደምበ-ተዋሕዶ፥ ምሁራን ክህልዉ የብሎምን ዝብል ፖሊሲ ከተግብሩ፥ ማዕረ ኮሚቴ ዝስጉሙ ዝነበሩ በዓል ናይዝጊ ክፍሉ ድማ፥ በቲ ሓደ ወገን ማዕረ ማዕረ ኮሚቴ ይንቀሳቕሱ ከም-ዝነበሩ ክግመት ዘይከኣል ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ኮሚቴ ነቲ ጉዳይ ኣብ ሓደ መወዳእታ ከብጽሖ፥ ብዘይ ዕረፍቲ ይወርድን ይድይብን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፥ ሓደ ዘገርምን ዘስደምምን ዜና ተሰሚዑ። ንሱ ድማ እቶም ፓትርያርክ ብደራጎን ኃይለ-መለኮትን ኮለኔል ጸጉ ፍስሃየን ተዓጂቦም ደንጎሎ ድሕሪ ምውራድ፥ ነቲ ብፓትርያርክ-ሺኖዳ ንመሥርሒ ኮለጅ ተባሂሉ  ንቤተ-ክርስቲያን ተለጊሱ ዝነበረ 100.000 ዶላር፥ ንጠረቤዛን መናብርን ለዊጦሞ ከም-ዝመጹ ተሰምዐ። ካብዚ ዝመርር ካልእ መርድእ ስለ-ዘይነበረ ድማ፥ ነቲ ኮሚቴ ምጽንናዕ ዘይርከቦ ሓዘን ክኾኖ ግድነት ነይሩ። እቲ ሚእቲ ሽሕ ዶላር ድማ፥ ኣብ ማይ ከም-ዝኣተወ ንሽታታ ከም-ዝጠፍእ ተገይሩ።

እዚ ድማ ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ምሁራን ክህልዉ የብሎምን ዝብል ፖሊሲ፥ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ክካየድ ናይ ዝጸንሐ ተኸታታሊ ተንኮል፥ መቐጸልታ ምንባሩ ዘጠራጥር ኣይነበረን። በዚ ድማ እቲ መንፈሳዊ-ኮለጅ ንምሥራሕ ክግበር ዝጸንሐ ቃልሲ፥ ኣብ ዕጽው ማዕጾ ስለ-ዝበጽሐ፥ እቲ ኮሚቴ ኢዱ ተሓጺቡ ካብቲ ጉዳይ ክወጽእ ከም-ዝኸኣለ ዝፍለጥ። እዚ ኩሉ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ፥ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ምሁራን ከይህልዉ ብምባል ዝተሓንጸጸ ፖሊሲ፥ ኣብ ግብሪ ክውዕል ስለ-ዝነበሮዩ።

እምበኣርከስ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ምስቲ መንግሥቲ ንኽበኣሱ ምኽንያት ዝኾኖም፥ ብቀዳምነት ዝጥቀስ እዚዩ። ማለት እቲ ኣብ መካነ-ሕይወት ዝካየድ ዝነበረ ምንቅስቓስ፥ ዕጸዉዎ ተባሂሉ ብናይዝጊ ክፍሉ ኣቢሉ ንዝተዋህቦም ትእዛዝ፥ ከተግብሩ ፍቓደኛ ኮይኖም ክርከቡ ብዘይ ምኽኣሎምዩ። ከመይሲ እቲ ኣብ መካነ-ሕይወት፥ ብወንጌል እናተኾስኰሰ ዝዓቢ ዝነበረ ትውልዲ፥ እቶም ሰብ ፖለቲካ ንህልውናኦም ከም-ሓደጋ ስለ-ዝረኣዩዎ እዩ። ስለዚ እቶም ፓትርያርክ ንድሌት እቲ ሥርዓት ክፍጽሙ ፍቓደኛ ኮይኖም ስለ-ዘይተረኽቡ፥ እንሆ ንልዕሊ 12-ዓመት መመላእታ ኣብ መቝሕ ኣትዮም ዝርከቡ ዘለዉውን ስለዚዮም።

ከምኡውን እቶም ሠለስተ ስሑላት ካህናት፥ መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም። ማለት ቀሲስ ገብረ-መድኅን ገብረ-ጊዮርጊስ፥ ቀሲስ ፍጹም ብርሃን ገብረ-ንጉሥ፥ ቀሲስ ተኽለኣብ መንግሥተ-ኣብ፥ ስለምንታይ ኣብ መቑሕ ኣትዮም ይበልዩ ከም-ዘለዉ፥ ንምርድኡ ዝጽግም ኣይመስለናን። ከመይሲ ነቲ ኣብ መካነ-ሕይወት ክካየድ ዝጸንሐ፥ ዓቢይ ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ኦርቶዶክሳዊ ንጥፈታት፥ ክመርሑዎን ከወሃህዱዎን ዝጸንሑ ንሳቶም ስለ-ዝኾኑ፥ እቲ ኣብ መድረኽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን፥ ምሁራን ክህልዉ የብሎምን ዝብል ፖሊሲ ዝሓንጸጸ ሥርዓት፥ ብጽቡቕ ዓይኒ ክጥምቶም ብዘይ ምኽኣሉ፥ ንሳቶም ንባዕሎም ድማ ምሁራን ብምዃኖምን፥ ምሁራን ዘፍርዩ ኮይኖም ብምርካቦምንውን፥ ኣብ መቑሕ ክበልዩ ዘይተርፈሎም ዕዳ ኮይኑ ተረኺቡ።

ብዝተረፈ ኣብ 1996 / (2004) ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ ዝተቐብኡሉ እዋን፥ እቲ መንበረ-ፓትርያርክ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፥ 70-ዝኾኑ ካህናት ልብሰ-ተክህኖ ለቢሶም፥ ኣብቲ በዓለ-ሢመት ክርከቡ መደብ ወጺኡ ስለ-ዝነበረ፥ እቶም ካህናት መካነ-ሕይወትውን፥ ናይቲ መደብ ተሳተፍቲ ክኾኑ ተወሲኑ ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ነቲ በዓል ተባሂሉ ብፍሉይ ተዳልዩ ዝነበረ ልብሲውን፥ ተዓዲሉዎም ከም-ዝነበረ ይፍለጥ። ይኹን እምበር እቶም ናይ ሃገራዊ-ድኅነት ኣእዛን ከም-ዝነበሩ ዝንገረሎም፥ ቀሲስ ገብረ-ኤዎስጣቴዎስ ኪዳነን ሃብቶም ርእሶምን፥ እቲ ጸብጻብ ናብ ሃገራዊ-ድኅነት ከም-ዝበጽሕ ስለ-ዝገበሩዎ፥ ናብ መንበረ-ፓትርያርክ ህጹጽ መልእኽቲ ከም-ዝመጽእ ኮይኑ።

እቲ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ወትሩ ዝሕምሳ ዝነበረ ናይዝጊ ክፍሉ፥ ቀጢን ትእዛዝ ብምልኣኽ ድማ፥ ቀሲስ ፍጹም-ብርሃን ገብረ-ንጉሥን ቀሲስ ተኽለኣብ መንግሥተኣብን፥ ካብቲ መደብ ክስረዙ ብምባል ቀጢን ትእዛዝ ከመሓላልፍ ክኢሉ። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ግና “.....ነዚ ትእዛዝ ከነተግብሮ ኣይንኽእልን ኢና....” ዝብል ተሪር ኣቕዋም ብምሓዝ፥ ብትሪ ከም-ዝነጸጉዎ ይፍለጥ። ኣብቲ ቀውጢ ዝኾነ ሰዓት ግና፥ ዘገላብጥ ግዜውን ስለ-ዘይነበረ፥ “......ናይዝጊ እቲ ትፈልጡዎ ናይዝጊዩ። እቲ ኣራዊት ዝኾነ ጠባዩውን ኣብ ሕጂ በጺሑ ክቕየር ዝኽእል ኣይኮነን። እዞም ክልተ-ካህናት እንድሕሪ መጺኦም ድማ፥ ሓፊሩ ክገድፎም ዝኽእል ኣይኮነን። ንዑ ውጹ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሕዝቢ፥ ኣጋፊዑ ከውጽኦም ከም-ዝኽእል ኣብ ግምት ከነእትዎ ክንክእል ኣሎና። ስለዚ ነቶም ካህናት እንተዋረዶም ብዝበለጸ ክትጉህዩ ኢኹም። ስለዚ ካብቲ መደብ ከም-ዝተርፉ እንተ-ተግብረ ዝሓይሽ.....” ዝብል ሓሳብ ብዮፍታሔ ኣቢሉ ስለ-ዝቐረበ፥ ኣቡነ-እንጦንዮስ እቶም ካህናት ይትረፉ ኣብ ዝብል ሓሳብ ክሰማምዑ ግድነት ከም-ዝኾኖም ዝፍለጥ።

እዚ ኩሉ ከርእየና ዝኽእል ከኣ፥ እቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ምሁራን ዘይዋስኡሉ መድረኽ ንምግባር፥ ዝነበረ ተሪር ኣቕዋም ናይቲ ሥርዓት ዘርኢ እዩ። ከመይሲ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቁጽጻር ፖለቲካ ክትተሓዝ እንተደኣ ኮይና፥ እቲ ከም ኣማራጺ ክውሰድ ዝነበሮ ስጉምቲ ንሱ ጥራይ ነይሩ። እምኣበር ስለ-ምንታይ ቀሲስ ገብረ-መድኅን ገብረ-ጊዮርጊስን፥ ዶክተር ቀሲስ ፍጹም-ብርሃን ገብረ-ንጉስን፥ ዶክተር ቀሲስ ተኽለ-ኣብ መንግሥተ-ኣብን፥ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ክበልዩ ይግበር ከምዘሎ፥ እቲ ምስጢር ካልእ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ምሁራን ክዋስኡሉ ዘይተፈቕደ፥ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ምሁራን ካህናት ኮይኖም ክርከቡ ምኽኣሎም ጥራይዩ።

ካብ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን እንመሃሮ ነገር እንተደኣ ኣልዩ ግና፥ ምስ ቤተ-ክርስቲያን ተቓሊሱ ዝተዓወተ ኣሎ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። ካብ ኔሮን ጀሚሩ ክሳብ ናይ ሩስያ ቦልሾቪክ-ኣብዮት፥ መሠረት ቤተ-ክርስቲያን ኵዒቶም ንምጥፋእ፥ ናይ ክንደይ ንጹሓት ክርስቲያን ደም ፈሲሱ፥ ክንደይ መሥዋትነት ከኣ ተኸፊሉዩ። መወዳእታኡ ግና እቶም ጸረ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ዕላማ ዝነበሮም ዓላውያን ደኣዮም ዝጠፍኡ እምበር፥ ቤተ-ክርስቲያንሲ እንሆ ትነብር ዘላ። ርግጽ እቶም ኣስማቶም ብኽብሪ እንዝክሮም፥ ካህናት መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም ኣብ እስሪ-ቤት ይበልዩ ኣለዉ። እቲ ንሳቶም ተመቝሖሙሉ ዘለዉ ኦርቶዶክሳዊ-እምነት ግና፥ ሠላሳን ስሳን ሚእትን ፈርዩ፥ ኣብ ዓበይቲ ናይ ዓለም ጉባኤታት፥ ክድይቡ ዝኽእሉ ምሁራን ኣብ ዘፍርየሉ ደረጃ በጺሑ ይርከብ ኣሎ። በዚ ድማ ንሳቶም እቶም ክቡራን ካህናትና፥ ሓበንን ክብርን ከም-ዝስምዖም ንኣምን ኢና። ኣብ መቑሕ ንክጸንዑ ጸጋ ንዝሃቦም እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ፥ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ-!!

ብዝተረፈ ዘይወግሕ ጸልማት ለይቲ ስለ-ዘየሎ፥ እዚ ተጻዒኑና ዘሎ ጸልማት ለይቲውን ክወግሕ እዩ። ቤተ-ክርስቲያንናውን “-ተፈሳሕነ ወተሓሰይነ በኩሉ መዋዕሊነ፥ ወተሓሰይነ ህየንተ መዋዕል ዘኣሕመምከነ፥ ወህየንተ ዓመት እንተ ርኢናሃ ለእኪት-”  ትብለሉ ግዜ ርሑቕ ኣይክኸውንንዩ። እቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያንናውን፥ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ እቶም መለካውያን ዝኾኑ፥ ከም በዓል ኣባ-ሉቃስ ዝዕንድሩሉ ሜዳ ዘይኮነስ፥ ወንጌል ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት ዝፍጸመሉ መድረኽ ዝኾነሉ ግዜ፥ ርሑቕ ከም-ዘይከውን ጽኑዕ እምነትናዩ።

ሥብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል-!

ወለወላዲቱ ድንግል-!

ወለመስቀሉ ክቡር-!

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div