S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን, ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ    

ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዝግበር ኣገልግሎት ብዙሕን ሰፊሕን እዩ። ብሰኣታት ጀሚሩ ብማሕሌት ሓሊፉ ክሳብ ቅዳሴ ዘሎ ግዜ፥ ዘውዕልን ዘሕድርን ኣግልግሎት ምዃኑ ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ይፈልጡዎ እዮም። እቲ በዚ ኣገልግሎት’ዚ ዝበጽሕ ምህልላን ጸሎትን  ከኣ’ዩ፥ ንሕዝብና ዓቢይ ጽላልን ረድኤትን ኮይኑዎ ዝነብር ዘሎ።

ርግጽ’ዩ እቲ ክርስቲያናዊ ታሪኽና ኣዚዩ ነዊሕ’ዩ። ከመይሲ ንዓታትና ወንጌል ዝሰበኹልና ሓዋርያት’ዮም። ስለዚ ኢና’ውን ካብቶም ቀዳሞት ክርስትና ዝተቐበሉ ሕዝቢ ኮንና ንርከብ ዘሎና።በዚ ታሪኽ’ዚ ከኣ ክንሕበን እንተደለና ዘይግበኣና ኣይኮነን። ከመይሲ “-እንሆ ማይ ንኸይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ-” ብምባል ደኣ ኢና ዝተጠመቕና እምበር፥ ኣቦታትና ብደም ሓዋርያት ዝሕተቱ ኮይኖም ብዘይ ምርካቦም፥ ክንደይ’ኳ ተዓዲልናን ተባሪኽናን ኢና ክንብል ዘይግበኣና ኣይኮነን። (ግሓ. 8/26-39)

ይኹን እምበር እቶም ቀዳሞትና፥ ብብሉይ-ኪዳን ኣቢሎም’ኳ ኣብ ክርስትና ምእታዎም እንተ-ተፈልጠ፥ ኣገልግሎት ክህቡዎም ዝኽእሉ ወንጌላውያን ስለ-ዘይረኸቡ ግና፥ ምስጢረ-ጥምቀት ጥራይ ሒዞም፥ ክሳብ መጀመርታ ራብዓይ-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን ከም-ዝተጓዕዙ’ዩ እቲ ታሪኽ ዝነግር። ማለት እቲ ጥምቀትና ኣብ ምድረ-ከነዓን ስለ-ዝተፈጸመ፥ ንዕኡ ተኸቲሉ ናባና ናብዚ ምድረ-ኣግዓዝያን ዝኣተወ ሓዋርያ ስለ-ዘይነበረ’ዩ።

ኣብ 330 ዓ/ም ኣቢሉ ግና፥ ሓዲሽ ታሪኽ ዝጅመረሉ ክስተት ተፈጥረ። ንሱ ድማ እቶም ታሪኽ-ክርስትና ምድረ-ኣግዓዚ ብኽብሪ ዝዝክሮም፥ ኣቡነ-ሰላማ ከሣቴ-ብርሃን ወይ ፍሬሚናጦስ፥ ጳጳስ ምድሪ-ሓበሻ ኮይኖም ክመጹ ምኽኣሎም’ዩ። ግዳስ ኣቡነ ሰላማ ጽርኣዊ ወይ ግሪኻዊ ከም-ምዃኖም መጠን፥ ነቲ ብጀካ ሥርዓተ-ጥምቀት ምንም ኣፍልጦ ዘይጸንሖ ሕዝቢ-ሓበሻ፥ ኣብ ምሉእ ዝኾነ ርድኢት ክርስትና ከምጽኡዎ፥ እቲ ዝጽበዮም ዝነበረ ሓላፍነት ኣቕሊልካ ክርአ ዝኽእል ኣይነበረን።

እቶም ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ኣቦታት ከም-ዝነበሩ ዝንገረሎም፥ ሊቀ-ጳጳሳት ኣትናቴዎስ ግና፥ መዓርገ-ጵጵስና ሂቦም ንምድሪ-ሓበሻ ቅድሚ ምል ኣኾም፥ ንሓሙሽተ-ዓመት መመላእታ ከም-ዝመሃሩዎምን ከም-ዘዳለዉዎምን’ዩ እቲ ታሪኽ ዝዛረብ። በዚ መሠረት’ዚ ከኣ’ዮም ኣቡነ-ሰላማ፥ ነቲ ፊደላት ግዕዝ ንንባብ ከም-ዝጥዕም ጌሮም ሥርዓት ብምትሓዝ፥ ንኣገልግሎት ድልው ክገብሩዎ ዝኸኣሉ።

በዚ መሠረት’ዚ እውን፥ ንመጀመታ ግዜ ኣብ ታሪኽ ምድሪ-ሓበሻ፥ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናብ ቋንቋ-ግዕዝ ተተርጕሞም ክቐርቡ ከኣሉ። በዚ ኣቢሉ ድማ’ዩ እቲ ኣገልግሎት ወንጌል፥ ናብ ሕዝብና ክዝርጋሕ ዝኸኣለ። ታሪኽ ክርስትና ሃገርና ክለዓል ከሎ፥ ውዕለት’ዞም ክልተ ዓበይቲ ኣቦታት ከቶ ክርሳዕ ዝግብኦ ኣይኮነን። ብርግጽ ድማ ታሪኽ ሊቀ-ጳጳሳት ኣትናቴዎስን ኣቡነ-ሰላማ ከሣቴ-ብርሃንን፥ ኣካል ታሪኽ ክርስትናና ኮይኑ እናተዘከረ ዝነብር ዘሎ ስለዚ’ዩ።

ኣብቲ ድሕሪ ኣቡነ-ሰላማ ዘሎ ታሪኽ ግና፥ እቲ ኣገልግሎት ወንጌል ከምቲ ክኾኖ ዝግብኦ ኮይኑ ክቕጽል ከም-ዘይከኣለ ኢና ክንርኢ ንኽእል። ከመይሲ እቶም ካብ መንበረ-ማርቆስ ተላኢኾም ዝመጹ ጳጳሳት፥ ብዛዕባ ቋንቋን ባህልን ልማድን ሕዝቢ-ሓበሻ፥  ኣፍልጦ ንኽህልዎም ብወገን ግብጺ ዝኾነ ዝግበር ጻዕሪ ስለ-ዘይነበረ፥ ዉሉደ-ክህነትና ምስ ግዜ ክስጉም ዘኽእሎ ፍልጠት ክረክብ ጸኒሑ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን።

ከም ውጽ ኢት እዚ ዝተባህለ ሸለልትነት’ዚ ከኣ፥ እንሆ ቤተ-ክርስቲያንና ጥንታዊት ከም-ምዃና መጠን፥ ኣብ ቅድሚት ክትሥራዕ ዝግብኣ ዝነበረ፥ ሕጂ ግና ኣብ ድሕሪት’ያ ትርከብ ዘላ። ኣገልግሎትና ምስ ግዜ ሓቢሩ ክስጉም ዝኽእል ብዘይ-ምዃኑ፥ እዚ ድኽመት’ዚ ንቤተ-ክርስቲያንና ክቡር ዋጋ ክትከፍል ኣገዲዱዋ’ዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እንሆ እቲ መንእሰይ ወለዶ፥ ሕቑኡ ሂቡዋ ክኸይድ ካብ ዝርአ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። ነዚ ጌጋ’ዚ ንምእራም ዝተወስደ ስጉምቲ ኣሎ ንምባል ድማ፥ ዝከኣል ኣይመስልን።

ርግጽ’ዩ ኣብዚ እዋናት’ዚ እግዚኣብሔር ይመስገን-!! ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ እቲ ኣጸድ ቤተ-ክርስቲያን ብመንእሰያት ምልእ ኢሉ ክርአ ምኽ ኣሉ ክንደይ’ኳ ዘሐጉስ’ዩ። እቲ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ ግና፥ ብርግጽዶ እዚ መንእሰይ-ወሎዶ’ዚ፥ ብኣገልግሎትና ዕጉብ’ዩ-? ንዝብል ሕቶ ብእወንታ ክምለስ ዝኽእል መልሲ ምስ-ዝህልወና፥ ሽዕኡ’ዩ ኣገልግሎትና ንድሌት ደቅና ዘዕግብ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል። ርግጽ’ዩ ደቅና ኣብ መድረኽ ወጺኦም ክዝምሩ ንርእዮም ኣሎና። በዚ ድማ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ዝስምዖ ሓጎስ ብዙሕ’ዩ።

ይኹን እምበር ሓደ ምእኩል ዝኾነ መምርሒ ከም-ዝወጽእ ተገይሩ፥ ኣብ ምትግባሩ ጻዕሪ ክግበር ከይተኽእለ፥ ንሕቶ መንእሰያት መሊስና ኢና ክንብል ከም-ዘይንኽእል፥ ምርድኡ ከድልየና እዩ። ብዝተረፈ ንድሕሪት ተመሊስና ታሪኽና እንተረአናዮ፥ ቤተ-ክርስቲያንና ንሕቶ መንእሰያት ክትምልስ ብዘይ ምኽኣላ፥ “-ክትወልድ እምበር ከተዕቢ ዘይትኽእል-” ተባሂላ ክትንቀፈሉ ጸኒሓ’ያ። ከመይሲ ነቶም ብጸጋ-ጥምቀት ዝወለደቶም ደቃ፥ እግሪ እግሮም እናሰዓበት ክትኣልዮም ዘኽእል ዓቕሚ ኣይጸንሓን። በዚ ድማ ብዙሓት ደቃ ከሲራ’ያ። ገና’ውን ትኸስር’ያ ዘላ።

ሕጂ ከም ሕጂ ብመንበረ-ፓትርያርክ ዝቘመ ምምሕዳር ኣሎና ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ ግና፥ እቲ መንእሰያት ደቅና ኣብ ምዕባይ ዝጸንሐ ድኽመት፥ ብኸምኡ ክቕጽል ስቕ ኢልና ክንርእዮ ንረብሓና ኣይኮነን። ስለዚ ምንም’ኳ በብወገና ንገብሮ ጻዕሪ ምህላዉ እንተ-ተፈልጠ፥ ሓደ ንኹሉ ኣገልግሎትና ብማእከልነት ጠርኒፉ ዝሕዝ መጻሕፍትን መምርሕን ኣብ ምድላው ኣቢልና ከነተኵር ግና፥ እቲ ሕጂ ዘሎ ህልው ኩነታት ይግድደና’ዩ። ከመይሲ ንሕቶ መንእሰያት ዝኸውን መልሲ ከይተረኽበ፥ በብመንገድኻ ብፍኑው ዝግበር ኣገልግሎት፥ ፍታሕ ከምጽእ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት የብልናን።

ስለዚ ንሕቶ መንእሰያት መልሲ ካብ ምርካብ፥ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ካልእ ጉዳይ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። እዚ እቲ ዝዓበየ ኣጀንዳ ቤተ-ክርስቲያን’ዩ ክኸውን ዝግብኦ። ነዚ ኣርእስቲ ብጎቦ ገዲፍካ፥ ነገልግል ኣሎና ምባል ከኣ፥ ትርጉም ዘለዎ ኣገልግሎት ክኸውን ይኽእል’ዩ ኣይበሃልን። ከመይሲ ተካኢ ትውልዲ ዘይብላ ቤተ-ክርስቲያን፥ ንኽትቅጽል ዝኾነ ውሕስነት የብላን። እቲ ዝዓበየ ኣብ መንእሰያት ትዅረት ጌርካ ክሥራሕ ዝድለ ከኣ ስለዚ’ዩ።

ብድሕሪ ምውዳቕ-ደርጊ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና፥ ዓቢይ ጸገም ከም-ዘጋጠመ ክንዝንግዖ ንኽእል ኣይኮናን። ኣብቲ እዋን’ቲ ነቲ ተረቂቑ ዝኣትወና ዝነበረ ናይ መናፍቓን ስልኳ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ክነቕሓሉ ስለ-ዘይከኣለ፥ ዓቢይ ስምብራት ገዲፉልና ሓሊፉ’ዩ። እዚ ነቓዕ’ዚ ከኣ ገና ኣይተኃትመን’ዩ ዘሎ። ሕጂ’ውን ኣገልግሎትና ፈቲሽና እቲ ድኽመትና ከነዐሪ እንተ-ዘይኪኢልና፥ ነቲ መንእሰይ-ወሎዶና ከነዕግብ ዘኽእለና ቋንቋ ክንረክብ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዘለዉ ጸገማት፥ ኣዚዮም ብዙሓት ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ። ካብቶም ቀዳምነታት ሂብካ ክሥረሓሎም ዝግብኦም ሓደ ድማ፥ ሕቶ መንእሰያት ክኸውን ከም-ዝግባእ፥ ዘተሓታት ኣይኮነን። ስለዚ ሓደ ሓላፍነት ክስከም ዝኽእል ድልዱል ማእከልነት ከም-ዝቐውም ብምግባር፥ ነዚ ሕቶ’ዚ ዕቱብን ስሉጥን መልሲ ክንረኽበሉ እንተደኣ ዘይኪኢልና፥ ጽባሕ ሒዝና ዘይነጽንዖን ጐይና ዘይነርክቦን ጉዳይ ክኾነና እዩ። እቲ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ድማ፥ እንታይ ክኸውን ከም-ዝኽእል ምግማቱ ዝጽግም ኣይኮነን።

 እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ 90-ታት ዓቢይ ትዅረት ተዋሂቡዎ፥ ኣብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ዓቢይ ምንቕናቕ ፈጢሩ ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ’ዩ። እቲ ክብደት ሓላፍነት ይርድኦ ነይሩ ዘይበሃል ሲኖዶስ፥ ዕንቅፋት ኮይኑ ኣየሥርሕን ስለ-ዝበለ ግና፥ እቲ እቶም ዓበይቲ ሊቃውንቲ ከም በዓል መምህር ተወልደ-ብርሃን, መጋቤ-ምሥጢር መብራህቱ, መጋቤ-ሥርዓት ሉቃስ, መምህር ዓምደ-ብርሃን፥ ተዓጢቖም ኣብ መፈጸምታ ዘብጽሑዎ ጉዳይ “-ይተኃተም ኢልና ኣይነፍቅድን-” ብምባል ገቲሮም ስለ-ዝሓዙ፥ ከይተኃትመ ከም-ዝተረፈ ኩሉ ዉሉደ-ክህነትና ዝፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።

ሕጂ ግና ካብቶም ኣብ ኣሥመራ ዘለዉ ጳጳሳት፥ ፍቓድ ክንሓትት እንግደደሉ ምኽንያት ስለ-ዘየሎ፥ ናትና ውሳኔን ቈራጽነትን ጥራይ’ዩ ዝሓትት። ስለ’ዚ ደቅና  ‘ውን ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ክዓብዩ ዘለዎም መሰል፥ ክንሕልወሎም ዘሎና ሓላፍነት ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ጎይታና’ውን “-ሕፃናት ሕደጉዎም ናባይ ይምጽኡ-” ዝበሎ ቃል፥ ንወለዲ ዓቢይ ሓላፍነት ዘሰክም ረዚን ኣምላኻዊ ቃል’ዩ። መንገዲ ቤተ-ክርስቲያን ኣቢልና ክንመርሖም ድማ፥ ቃል ጎይታ የገድደና እዩ። (ማር. 10/13-14)

ካልኦት ክርስቲያን ኣኅዋትና፥ ደቆም ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ከም-ዘዕብዩ ንፈልጥ ኢና። ንሕና ግና እዚ ተመክሮ’ዚ ስለ-ዘይጸንሓና፥ ደቂ-ተዋሕዶ ዝዋስኡሉ መድረኽ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን፥ ነይሩ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። እዚ ግጉይ ዝኾነ ልማድን ባህልን’ዚ ከኣ፥ ብዙሕ ኣኽሲሩና እዩ። ሕጂ ግና ጌጋና ኣሪምና፥ ብመንገዲ ትምህርቲ-ሰንበት ኣቢልና ንደቅና፥ ብቅድስና ክዓብዩሉ ኣኽእሉ መንገዲ ንምርሓዮም። ካብ ቤተ-ክርስቲያን ወጻኢ ደቅና ክዓብዩሉ ዝኽእሉ፥ ካልእ ኣማራጺ ድማ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።

ስለ’ዚ እቲ ብተናጸል ዝግበር ነናይ ብሕቲ ተበግሶ ተሪፉ፥ ብማእከልነት ቤተ-ክርስቲያን ዝምራሕ፥ ንትምህርቲ-ሰንበት ዝመርሕን ዘወሃህድን፥ ሓደ ድልዱል ማእከል ክቐውም ንጽባሕ ዘይበሃል ሕቶ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። በዚ መሠረት’ዚ ነዚ ዝበሃል ዘሎ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፥ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ መንበረ-ጵጵስና ሓላፍነት ክወስድ፥ ግቡኡን ሓላፍነቱን እዩ። ከመይሲ እቲ ግዜ ቀዲሙና ይኸይድ’ዩ ዘሎ። ስለዚ ‘ውን መጻሕፍቲ ኣብ ምኅታምን መምርሒ ኣብ ምውጻእን ደኣ ክንነጥፍ ኣሎና እምበር፥ ድሕሪ ደጊም ንዘረባ ዝጠፍእ ግዜ ክህልውና ግቡእ ኣይኮነን። ቅቡል ከም-ዘይኮነ’ውን ምርድኡ የድልየና ኣሎ።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ግንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div