S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝባን-ሕጊ’ዮም-!! ዝብሉ ዘለዉ

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን, ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

ነገራት ካብ ሥሩዕ መንገዲ ወጺኦም  ክበላሸዉ ከለዉ፥ ኅብረተ-ሰብና ዝጥቀመሉ ሓደ ኣበሃህላ ኣሎ። ንሱ ድማ ነቲ ንሕጊ ኣኽብሮት ዘይብሉ ወገን፥ ሥርዓት ንምትሓዝ ክድለ ከሎ “-ዝባን-ሕጊ-” ዝብል ኣበሃህላ ክጥቀም፥ ኅብረተ-ሰብና ክሠርሓሉ ዝጸንሐ ባህልናዩ። ስለዚውን እቲ “-ዝባን-ሕጊ-” ዝብል ቃል፥ ከም ታቦት ዝፍራህን ዝኸብርን ቃል ስለ-ዝነበረ፥ ብምንም ተኣምር ረጊጽካዮን ጥሒስካዮን ክኽየድ ይከኣል ከም-ዘይነበረ፥ እቲ ነባር ባህልና ሕያው ምስክርዩ።

ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ቤተ-ክርስቲያን-ተዋሕዶ ድማ፥ ነገራት ካብ ዝበላሸዉ ነዊሕ ኮይኑዩ። ንምዕራዮም ወይ ሥርዓት ንምትሓዞም ተባሂሉ፥ ዝተገብረ ጻዕርን ድኻምን ብዙሕ እንተኾነ፥ ዛጊት ዘምጽኦ ለውጢ ግና ኣሎ ኣይበሃልን። ስለዚ ድማ እዛ ብቕድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ጥንታዊት ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፥ ንህልውናኣ ኣብ ዝፈታተን ቀራና-መንገዲ ትርከብ ምህላዋ፥ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

ስለዚ ድማ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ኣደራዕ ክትቅበል ትርከብ ዘላ። ስለዚ ድማ በብግዚኡ ተሸይሞም ብዝተላእኩላ ፓትርያርክታት፥ ክትምራሕ ዝጸንሐትን ሕጂውን ዘላን። ክሳብ ሕጂ ግና ባዕላ ይደልዎ ኢላ ዝመረጸቶ ፓትርያርክ የብላን። ብሕጊ ዝቖመን ንሕጊ ዝግዛእን ሲኖዶስ ከይሃለወውን፥ ሲኖዶስ ወሲኑዎ እናተባህለ፥ መወዳእታ ዘይብሉ ዕንወት ክፍጸም ጸኒሑዩ። ንእምነትን ረብሓን ቤተ-ክርስቲያን ዝውክል ሲኖዶስ ግና፥ ትማሊ ኣይነበረን ሎሚውን ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

ካብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ክፍለ-ዘመን ጀሚራ ድማ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ፖለቲካ ተታሒዛ እናሃለወት፥ ነፃ ተባሂላ ክንገረላ ጸኒሑዩ። ነፃ ግና ኣይነበረትን፥ ነፃ ኮይናውን ኣይትፈልጥን። የግዳስ ዝተኣዘዘቶ ክትፍጽምን ዝተጻሕፈላ ከተንብብን ከም-ዝጸንሐት እቲ ታሪኻ ዝዛረብ። ከም-ዝፍለጥ ብስማ ብዙሕ ተባሂሉ ብዙሕውን ተገይሩዩ። ብዛዕባ ዝበሃልን ዝግበርን ግና፥ እታ ብጳጳሳታ ዝተጠልመት ቤተ-ክርስቲያን፥ ምንም ትፈልጦ ነገር የብላን።

ይኹን እምበር እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንዚኣ፥ ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰተ-ሕጊ፥ ምስ ማእሰርቲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዘተሓሕዙዎ ኣለዉ። እዚኣቶም ግና እቶም ንጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ብርሑቕ ዝፈልጥዎ ጥራይዮም ክኾኑ ዝኽእሉ። ከመይሲ ቅድሚቶም  ፓትርያርክ ምእሳሮም፥ ኣብ ዝነበረ ግዜ ክልተ ፓትርያርክ ነይሮምዮም። ንሳቶም ግና ብሽመት ዝመጹ እምበር፥ ብመንገዲ ቀኖና ክምረጹ ዝኸኣሉዮም ነይሮም ዝበሃል ታሪኽ የልቦን።ማለት ኣብ መንጎ ሽመትን ምርጫን ዘሎ ፍልልይ ምርዳእ ኣገዳሲዩ። ክሳብ ራብዓይ-ፓትርያርክ ድማ፥ ብሽመት እምበር ብምርጫ ዝመጸ ፓትርያርክ፥ ኣሎ ዝበሃል ታሪኽ ከምዘየሎ፥ ግልጺ ዝኾነ ሓቂዩ። እንድሕሪ ነገር ክጅመር ከሎ፥ ካብ ሱሩ መሠረቱ ነፃ ዘይነበረት ድማ፥ ነፃ ኮይና ፓትርያርክ መሪጻ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።

ስለዚ እቲ መንበረ-ፓትርያርክ ብመጀመርታ፥ኢሉ ክቐውም ከሎ፥ ኣብ መሠረት ሕጊ ረጊጹ ክቐውም ዕድል ኣይረኸበን። ኣብቲ እዋን እቶም ሓደ ክልተ ንቕሓት ነይሩዎም ዝበሃሉ ዉሉደ-ክህነትና፥ እቲ ዘይሕጋዊ ኣከያይዳ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ኣጸቢቑ ይርድኦም እንተነበረ፥ እቲ ኣብ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶና ዝነበረ ንቕሓት ግና፥ ኣብ ማእከል ቤተ-ክርስቲያን እንታይ ይግበር ከም-ዝነበረ፥ ክፈልጥ ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ንቕሓት ዝበጽሐ ስለ-ዘይነበረ፥ ዝበልካ ኣንተበልካውን ክግበር ዝከኣል ነገር ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ ዋና ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ሕዝቢ፥ እቲ ዝፍጸም ዝነበረ ግህሰተ-ሕጊ ተረዲኡዎ ክልዓል እንተ-ዘይክኢሉ፥ ውሉደ-ክህነት ንበይኑ ክግበሮ ዝኽእል ኣይነበረን።

ስለዚውን ነዚ ዝተባህለ ድኽመት ከም ምኽንያት ብምጥቃም፥ እቲ ፖለቲካዊ-ኃይሊ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስቲያን ኢዱ ክመልስን፥ ንኽቈጻጸራ ዘኽእሎውን ምቹእ-ባይታ ስለ-ዝፈጠረ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ከም ሓንቲ መንግሥታዊት-ትካል ተቘጺራ፥ እቲ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኻ ክሳብ እትስእን ታሕቲ ወሪዳ፥ ዝበሉዋ ክትከውን ወይ ዝኣዘዙዋ ክትፍጽም ምጽንሓ ዝፍለጥዩ። ብግዳም ንዝርኢ ግና፥ ሲኖዶስን ፓትርያርክን ዘለዉዋ፥ ነፃ ቤተ-ከስቲያን መሲላ ክትርአ ጸኒሓ። እቲ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ሓቂ ግና ብኣንጻሩ ካልእ ነይሩ።

ነዚ ሕጊ ዝረግጸ ኣከያይዳዚ፥ በብግዚኡ ክቃወሙ ዝጸንሑ ኣቦታት ነይሮምዮም። እቲ ክበጽሖም ዝጸንሐ ዕጫ ግና ተነጽሎን ማእሰርትን ስደትን እዩ። ከም መቐጸልታ ኩሉ ከኣዩ፥ እቶም ተስፋ ቤተ-ክርስቲያን ክኾኑዮም ተባሂሉ ብብዙሕ ትጽቢት ክግበረሎም ዝጸንሑ፥ ሠለስተ-ካህናት መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም፥ ካብ ዝሓለፈ 13-ዓመት ጀሚሮም፥ ኣብ ትሕቲ መቑሕ ኣትዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ኣብዚ ፍጻሜ ድማ ብኣውርኡ እቲ ብዮፍታሔን ሃብቶም ርእሶምን ክዝወር ዝጸንሐ መንበረ-ፓትርያርክ፥ ዋና ከሳስን ተዋሳእን ኮይኑ ምርካቡ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ከመይ ዝበለ መጻብቦ ኣትያ ከም-ዝጸንሐትን ከምዘላን፥ ንምርድኡ ዝጽግም ኣይኮነን።    

ብመንጽር ኣበሃህላ ክርአ ከሎ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ዋና ነይሩዎ ክበሃል፥ ምስቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ሓቂ ክሳነየልና ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ ድማ እቲ ዝኾነ ሞያ ነይሩዎ ዘይበሃል ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ፥ መሳልል-ፖለቲካ ተጠቒሙ ኣብ መንበረ-ፓትርያርክ እግሩ ከዕርፍ ዝኸኣለ፥ እቲ “-ዋና-ጸሓፊ-” ዝብል ዝነበረ መደብ ሥርሑ፥ ናብ “-ዋና-ኣማሓዳሪ ቤተ-ክርስቲያን-” ብምቕያር ድማ፥ ነታ ዋና ዝሰኣነት ቤተ-ክርስቲያን፥ ንልዕሊ 13-ዓመት ዝኸውን ከም-ዘይሓልፍ ክፍርሳን ከዕንዋን ምጽንሑ ዝፍለጥዩ።

መወዳእታኡ ግና እቲ ደምበ-ተዋሕዶና፥ ነቲ ኩሉ ኣፍራሲ-ተልእኮ ዮፍታሔ ተጻዊሩዎ ክኸይድ ዝኽእል ኮይኑ ስለ-ዘይተረኽበ። ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝመርሑዎ ኃያል ተቓውሞ፥ ከልዕል ከም-ዝኸኣለ ዝፍለጥዩ። በዚ ተቓውሞ ድማ፥ እቶም ክልተ ብዕድልን ገንዘብን ቤተ-ክርስቲያን ከላግጹ ዝጸንሑ፥ እኩያን ተባሂሎምውን ክግለጹ ዝኽእሉ፥ ማለት ዮፍታሔ ዲሜጥሮስን ሃብቶም ርእሶምን፥ እቲ ተቓውሞ ብዘልዓሎ ማዕበል፥ ካብ ደምበ መንበረ-ፓትርያርክ ተሓግሒጎም ክወጹ ከም-ዝተገብረ፥ ኩሉ ዝፈልጦ ናይ ትማሊ ታሪኽ እዩ።

ይኹን እምበር እቲ መንበረ-ፓትርያርክ ግና፥ ጸርዩ ክጸሪ ዝኽእል ኮይኑ ኣይተረኽበን። ስለዚ ድማ ብድሕሪ ዮፍታሔን ሃብቶምንውን፥ ኣባ-ሉቃስ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ሰላም ክህቡዋ  ዝደልዩ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። ኣብ ዓዲ ጥራይ ዘይኮነ፥ ካብ ኤውሮጳ ክሳብ ኣሜሪካ ዝርከብ ሰበኻታት፥ ሰላም ከም-ዘይርከብ ንምግባር ብቐጻሊ ሓዊ ክመልሱሉዮም ዝተላዕሉ። እቲ ካብ ኣፎም ክወጽእ ዝስማዕ ዘሎ ቃላት፥ ካብ ሓደ ናይ ፖለቲካ ካድረ እምበር፥ ካብ ኣፍ ሓደ ኣብ መዓርገ-ጵጵስና ዝርከብ ጳጳስ ክወጽእ፥ ዝኾነ ሰብ ክጽበዮ ዝኽእል ኣይነበረን። ንሶም ግና በቲ ጥዑም ክዛረብ ዘይተዓደለ ልሣኖም ኣቢሎም፥ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ከናውጹዋ ዋና ሥርሐይ ኢሎም ተታሓሒዞሞ ይርከቡ ኣለዉ።

እቲ ምስ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዕርቂ ተገይሩ ብምባል፥ ዝጀመሩዎ ናይ ሸፈጥ-ጸወታ ከኣ፥ ገና ከይተበገሰ ከሎ ምፍሻሉ እንተ-ተረጋገጸ፥ ንሶም ኣባ-ሉቃስ ግና ሕጂውን ዓሪፎም ክቕመጡ ዝደልዩ ኮይኖም ኣይረኣዩን ዘለዉ። እቲ ብመሪሕነቶም ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ጸቕጢ ብምግባር፥  ክትግበር ዝተደልየ እኩይ ፈተነውን፥ ሓንሳዕ ጥራይ ዘይኮነ ተደጋጋሚ ፍሽለት ከጋጥሞ ዝተራእየ። ንሶም እዞም ጸረ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ኣቕዋም ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ጳጳስ እዚኦም ግና፥ ሕጂውን ካብቲ ቤተ-ክርስቲያን ንምንዋጽ ዝተበገሱሉ እኩይ ሓቐነ፥ ንድሕሪት ክምለሱ ዝደልዩ መሲሎም ይረኣዩ የለዉን። እኳ ደኣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ሰላምን ምርግጋእን ከም-ዘይርከብ ንምግባር፥ ኣበርቲዖም ይንቀሳቐሱ ምህላዎም፥ ክንደይ ዘጉሂ ክንደይ ከኣ ዘሕዝንዩ። ንሕና ግና እግዚኣብሔር ይቕረ ይበለሎም ምባልና ክንቅጽል ኢና።

እምበኣር ነዚ ኩሉ ክዕዘቡ ድሕሪ ምጽናሕዮም፥ እቶም ኩሉ ግዜ ሓበን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝኾኑ ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን፥ ኣንጻር ኣባ-ሉቃስ ሕጂውን ተቓውሞ ኣልዒሎም ዝረከቡ ዘለዉ። ርግጽ ኣባ-ሉቃስ በዓል-ግዜ ከም ምዃኖም መጠን፥ ነቶም ገዳማውያን ኣቦታት ኣብ ሞቁሕ ከእትዉዎምን፥ ናዅራ ከም-ዝሰፍሩ ክገብሩዎምን ይኽእሉ እዮም። ግዳስ ኣንድዒ ደኣ ንዕኦም  ዘይርኣዮም ከይከውን  እምበር፥ ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶናስ ብማእሰርትን ሞቑሕን ዝፍታሕ ዕጥቂ ከም-ዘየልቦ ክርድኡ ምተገብኦም ነይሩዩ።

ከመይሲ ባዕሎም ኣባ-ሉቃስ ንመቑሕ ኣሕሊፎም ዝሃቡዎም፥ ካብ ዝሓለፈ 13-ዓመት ጀሚሮም ተሞቒሖም ዝርከቡ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ዉሑዳት ኣይኮኑን። እንተኾነ “-እስመ በእንቲኣከ ይቀትሉነ ኩሎ ኣሚረ። ወኮነ ከመ ኣባግዕ ዘይጠብሁ። ንቃህ እግዚኦ ለምንት ትነውም-እናበሉ ደኣ፥ እታ እግዚኣብሔር መልሲ ዝህበላ መዓልቲ ይጽበዩ ኣለዉ እምበር፥ ዕጥቁ ፈቲሑ ንድሌት በዓል ኣባ-ሉቃስ ዝምብርከኽሲ፥ ዛጊት ተረኺቡ ዝበሃል ታሪኽ ኣይተሰምዐን። እዚ ከኣ ኣባ-ሉቃስ ኣዐርዮም ይፈልጡዎ እዮም።ስ

ብዝተረፈ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ, ቀሲስ-ገብረ-መድኅን ገብረ-ጊዮርጊስ, ቀሲስ-ፉጹምብርሃን ገብረ-ንጉሥ, ቀሲስ-ተኽለ-ኣብ መንግሥተ-ኣብ, መሪ-ጌታ ይትባረክ በርሀ በደልኩም ኣሚንኩም ይቕሬታ ሓቲትኩም ድሕሪ ምፍራም፥ ክትወጹ ትኽእሉ ኢኹም ዝብል ብመዓር ዝተሸፈነ ዕረ ቀሪቡሎም ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።

ንሳቶም እቶም ምእንቲ ቅድስናን ክብርን ቤተ-ክርስቲያን ክብሉ፥ ኣብ መቑሕ ዝበልዩ ዘለዉ ኣቦታት ግና፥  ኣብቲ ዝተዳለወሎም መጻወድያ ሕራይ ኢሎም ዝኣትዉ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። እዚ ኩሉ ከኣ ነቶም ሕማም ርእሲ ቤተ-ክርስቲያን ኮይኖም ዝንቀሳቕሱ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ፥ ይጠፍኦም ክንብል ኣይንኽእልን።

ብዝተረፈ ኣብቲ 2 መስከረም 2010 / (2017) ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዘሕለፉዎ ቃለ-ውግዘት፥ ንኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን “-ሕዝበ ክርስቲያን ዘፋልስን፥ ቤተ-ክርስቲያን ዘፍርስን-” ተግባር ኣብ ምፍጻም ይርከቡ ኣለዉ ብምባል፥ ነቲ ተግባሮም ኣውጊዞሞ ኣለዉ ግዚኡን ሰዓቱን ሓልዩ ዝተወስደ ቃለ-ውግዘት ብምዃኑ ድማ፥ ምሉእ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ ዝደገፎን ዝተሰማማዓሉን ውሳኔ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ውግዘት ከኣ ብምንም ዓይነት ጥሒስካዮ ክሕለፍ ዝግባእ ኣይነበረን። እቶም ጳጳስ ክትብሎም ዘጸግሙ ኮይኖም ዝርከቡ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ ግና፥ ሕጂውን ጌግኦም ክእርሙን ኣብ ልቦም ክምለሱን ዝደልዩ መሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ።

ናቶም ከይኣክል ግና፥ እቶም ብቅዉም-ነገር ዝፍለጥ ታሪኽ ኣለዎም ዘይበሃሉ ኣባ-ቄርሎስ፥ ነቲ ሲኖዶስ እውክል ብምባል ጠበቓ ኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን ኮይኖም ክርከቡ ምድላዮምዩ። ግዳስ ወዮ ደኣ ንሶም ዝፈልጡዎ ነገር ዘይብሎም ኮይኖም እምበር፥ ፓትርያርክ ዘይብሉ ሲኖዶስ፥ ሲኖዶስ ክበሃል ከም-ዘይከኣል፥ በየናይ ቋንቋ እንተ-ዝንገሮም ኮን ክርድኦም ምኸኣለ ይኸውን-?! ንሶም ኣባ-ቄርሎስ ግና፥ ምስ ቤተ-ክርስቲያን ተረሓሒቖም ማዕዶ ተቐሚጦም ይርከቡ ስለ-ዘለዉ፥ ዘይተጻሕፈ ከንብቡ እንተ ተራእዩ ዘገርም ኣይኮነን።

ብዝተረፈ እንኳንዶ ንኻልኦት፥ ንርእሶም ክውክሉኳ ዘይክእሉ ክነሶም፥ ጠበቓ ካልኦት ኮይነ ክርከብ እንተበሉ፥ እቲ ስበት ደኣ ምስሓቡ ከይ-ጨንቆም እምበር፥እኽእል በሃሊ እንተደኣ ኮይኖምሲ፥ እንሆ ፈረስ እንሆ ሜዳ ካብ ምባል ሓሊፍና፥ ክንብሎም እንደሊ ካልእ ዘረባ የልቦን። ከመይሲ ኣባ-ቄርሎስ ኢሎም ኣይሎም ከምጽኡዎ ዝኽእሉ ለውጢ ስለ-ዘየሎዩ።

ንመንነት ኣባ-ቄርሎስ ካብ ዝገልጽ ሓደውን፥ እቲ ቤተ-መቕደስ ኣምላኽ መሕብኢ ብረት ክኸውን ብምፍቃዶም ምኽንያት፥ ሰርቲፊኬት ክቕበሉ ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ዝቐረቡሉ ግዜ፥ ኣርበኛ ተባሂለ ኢሎም ኩርዕርዕ ኢሎም ክርኣዩ ምድላዮም፥ ብዙሓት ብዕድል ዘይተዓደለት ቤተ-ክርስቲያን ክሓዝኑ ከለዉ፥ በቲ ታሕቲ ዝወረደ ዘሕፍር ተግባርም ድማ፥ ዝሓፈሩ ዉሑዳት ኣይነበሩን። ካብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ታሕቲ ወሪዶም መዓርጎም ዘዋረዱ ጳጳሳት ከኣ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ እትጽበዮ ተስፋ የብላን።

ብዝኾነ ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን፥ ኣንጻር ኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን ዘሕለፉዎ ውግዘት፥ ዝበልካ እንተበልካ ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ውግዘት ንኸይፍጸም በዓል ኣባ-ሉቃስ ክፈጥሩዎ ኣብ ዝኽእሉ፥ ኣድማን ሕልኽልኽን ተሳታፊ ኮንካ ምርካብ፥ ኣንጻር ቤተ-ክርስቲያን ምስላፍ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ብዝተረፈ እዚ ውግዘትዚ፥ ኣቕሊልካ ክርአ ስለ-ዘይግባእ፥ እቶም ዘራያት በዓል ኣባ-ሉቃስ ኮይኖም ክለዓሉ ዝኽእሉ ወገናት፥ ኣብዚ ጉዳይ ኢዶም መሊሶም ከይርከቡ፥ ተዓገሱልና ኢልካ ምጥንቃቖም ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓና።

ከመይሲ ንሕቶ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣይሰምዕን ምባል፥ ፈኸም እናበለ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ከይሃለዎ ስለ-ዘይተርፍ፥ ነዚ ጉዳይ ብናይ ትማሊ ዓይኒ ክትርእዮ ምፍታን፥ ዘይተደልየ ጸገም እምበር ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂ፥ ከምቲ ቅድሚ ዕሥራ-ዓመት ዝነበሮ፥ማንም መጺኡ ክዕንድረሉ ዝኽእል መድረኽ ከም-ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ። ማለት ሕጂ ዋናታት ዘለዉዎ መድረኽ ክኸውን በቒዑዩ። ስለዚ እቲ ብከም በዓል ኣባ-ሉቃስ ኣቢልካ ክግበር ዝድለ ናይ ፖለቲካ ጸወታ ክብቅዕ ኣለዎ በሃልቲ ኢና።

ስለዚ ነዚ ብኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ኣቢሉ ዝቐርብ ዘሎ ተቓውሞ፥ ብጐነጽ ወይ ብማእሰርቲ ኣቢልካ ፍታሕ ክርከበሉ ኢልካ ምሕሳብ፥ ብልቦና ዝተጠመተ ኣሠራርሓ ክንብል ኣይንኽእልን። የግዳስ እቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክውክሉ ዘይክእሉ፥ ምስ ከም በዓል ኣባ-ሉቃስ ክሠርሑ ካብ ምድላይ፥ ንሕዝቢ ተዋሕዶ ክውክሉ ምስ-ዝኽእሉ ኣቦታት ርክብ ብምግባር፥ እቲ ጸገም ክታሕ ክረኽበሉ ዝኽእል መንገዲ ክርከብ ምተኻእለ።

ይኹን እምበር ንዝኾነ ዝቐርብ ሕቶ ኣይሰምዕን ኢልካ፥ ከምኡውን ንፓትርያርክ-እንጦንዮስን ንካህናት መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለምን ኣብ ትሕቲ መቑሕ ሒዝካ ግና፥ ክመጽእ ዝኽእል ዝኾነ ፍታሕ ክህሉ ይኽእል ዝብል እምነት የብልናን። ስለ እቲ ንበዓል ኣባ-ሉቃስ ከም መጋበሪ ብምጥቃም፥ ክግበር ዝድለ ጸወታ ኣብዚ ከብቅዕ ዘለዎ። ድሕሪ ደጊም ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻርና ጌርና ክንሕዛ ኢና ምባል፥ ኣብ ድቃስ ኮንካ ዝሕለም ሕልሚ እንተ-ዘይኮይኑ፥ ክትግበር ይኽእል ክንብል ኣይንኽእልን።

ከመይሲ ትማሊ ዋና ኣይነበራን። ሎሚ ግና ክብሪ ንዕኡ ንመድኃኔ-ዓለም ይኹን፥ ንዝኾነ መድረኽ ክገጥሙ ዝኽእሉ ምሁራን ወሊዳያ። ስለ እቲ ክሳብ ሕጂ ክግበር ዝጸንሐ ናይ ፖለቲካ-ጸወታ፥ ድሕሪ ደጊም ክድገም ከም-ዘይከኣል ምፍላጡ ኣገዳሲዩ። ስለዚ ድማ ኢና እቲ ብኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝተመሓላለፈ ውግዘት ሕጋዊ ስለ-ዝኾነ፥ ነቲ ብኃይሊ ንምዕጋቱ ክግበር ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ-ምትእትታው፥ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ስለ-ዝኽእል፥ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ንሕዝቢ-ተዋሕዶ ዝግደፍ ዕዮ ገዛ ደኣምበር፥ ሰብ-ፖለቲካ ዝጭነቑሉ ጉዳይ ክኸውን ኣይግባእን ንብል ዘሎና።

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div