S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ቅንያት በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ንርከብ ምህላውና ክንዝክሮ ግዲ ይብለና። ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መዓልቲ ሰማእትነቱ ክንዝክር እንከለና፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ንዝግበር ዓመጽ ብትብዓት ናብ ንጉስ ቀሪቡ ክኹንኖ እንከሎ፥ እታ ክብርቲ ህይወቱ ድማ ብሰማእትነት ከም ዝሓለፈት ንዝክረሉ መዓልቲ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል "ጐደና እግዚኣብሔር ጽረጉ መገዱ ድማ ኣቅንዑ። "ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ከረንን ኵርባን ዘበለ ድማ ትሕት ይበል፡ ቄናን ከኣ ይቕናዕ፡ ድንጉርውን ሰጥ ዝበለ መገዲ ይኹን" (ሉቃ 3 4-5) እምበኣር ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ኮይና፥ ዓመጽ ዘበለ የብቅዕ፡ ቄናን ኣካይዳ ይወገድ ብምባል ነቲ ዓማጺ ስርዓት ናይ ሃገርና ብትብዓት ከም ዮሓንስ ደው ምባል ክንላማመድ መንፈሳዊ ትብዓት ይሃበና ይብል።  እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከምዚ ይብል "ቅኑዕ ክትገብሩ፡ ሓቂ ኽትፈርዱ፡ እእዝዘኩም ኣለኹ። ነቲ ዝተዓመጸ ኻብቲ ዓማጺኡ ኣናግፍዎ (ኤር 22 3)

ኣምላኽ ዝተዓመጸ ኣብ ማእከልና እንተሎ ክነናግፎ ይድሊ። ነዚ ዝተረደእት ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ፥ ነቶም ናጽነትን ሓርነትን ከምጽኡ ዝተሰለፉ ደቃ፥ ምትሕግጋዝን ከምኡ'ውን ኣብቲ ከቢድ እዋን ንህዝባ ጸሎትን ምጽንናዕን ክትገብር ትግደድ ዝነበረት። ቤተ-ክርስቲያና ነዚ ኹሉ ኣበርክቶ ኣብ ደቃን ኣብ ሃገርን ክትገብር እንከላ፡ ብሓጎስ ዝተቀበልዎ ዓመጽቲ ስርዓት ሃገርና፡ ሎሚ ንህዝቢ ክዕምጽዎን ክኣስርዎን ኣደዳ ስደትን ሞትን ክገብርዎ ዝተዓዘበት ቤተ-ክርስቲያን ዓገብ ክትብሎም ምስ ጀመረት እዚ ስራሕ ፖለቲካ እዩ ብምባል፥ ነቲ ትማሊ ምስኦም ኰይና ዝሓለፈቶ ናይ መከራ እዋን ክኽሕድዋ ዝስምዑ ዝራኣዩን ዘለው። ነታ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘላ ቤተ-ክርስቲያን ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ስለ ዝኣሰርዋ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ዓቅሚ ዘይብላ ዝበልዋ እንዳተኣዘዘት ከም ትኸይድ ጌይረምዋ ይርከቡ ኣለው። ብኣንጻር ናይዚ፡ እታ ኣብ ስደት ትርከብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ፡ ኣብቲ ሓቀኛ ቀኖናዊ መስመር እትርከብ፡ ንምእሳር ፓትርያርክ እንጠንዮስ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝገብርዎ ዓመጽ፡ ደው ንኸብልዎን ከምኡ'ውን ኣብ ጐድኒ ድኻታት ኰይና ክተጸናንዕ ልሙድ ስርሓ ኰይኑ ይርከብ ኣሎ።

ምውጻእ ፍትሒ ንዝተወጽዑ፡ ሓርነት ድማ ንጥቑዓት ካብ እግዚኣብሄር እንመሃሮ ኣምላኻዊ ባህርይ እዩ። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከምዚ ይብለና፥ "እቲ ኣነ ዝፈትዎ ኣገልግሎት ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧” (ኢሳ 58 6) ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያናን ሃገርናን ክሳዕ ዘይተራኣየ፡ ናይ ባርነት ኣርዑት ካብ ክሳድ ህዝብና ክሳዕ ዘየተሰበረ ኣውያትና ዘቋረጽ ኣይኰነን። ፓትርያርክ እንጠንዮስ ከምቲ ብቃሎም፡ ንዓሰርተ-ሓደ ዓመትን መንፈቅን ኣብ ሓለዋ ጸኒሐ ዝበልዎ፥ ቡዙሓት ዜጋታትናውን ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ተመቒሖም ይርከቡ ኣለው። ናብ ጉዳይ ፓትርያርክ እንጠንዮስ ምልስ እንተበልና፡ ዘይውዳእ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ኰይኑ ይቅጽል ኣሎ። ብዙሓት በቲ ዝግበር ድራማታት ክታለሉ ይራኣዩ እዮም። ገሊኦም ካብ ማሕዮር ፈጺሞም ዝተለቐቑ ዝመስሎም ክህልው እንከለው፡ ናብ መንበሮም ዝተመለሱ ኰይኑ ዝስመዖምውን ውሑዳት ኣይኰኑን። እቲ ሓቂ ግን፡ ካብቲ ዝነበርዎ ናይ ማሕዮር ገዛ ናብ ካልእ ገዛ ምቕያሮም ጥራይ ምዃኑ እዩ።ገበል ዝነበራ ስፍራስ፡ ተመን ነይሳኣናከም ዝተበሃለ፡ ንፓትርያርክ እንጠንዮስ እዚ ሕጂ ዘለውዎ ኵንታት ካብቲ ዝነበርዎ ከም ዘይሓይሽ እቲ ካብ ኣሥመራ ብመንገዲ ካህናትን ድያቆናትን ዝተላእከ ጽሑፍ ገሊጽዎ ኣሎ። እምበኣርከስ ፓትርያርክ እንጠንዮስ ናብ መንበሮም ክሳዕ ዘይተመለሱ፡ እቶም ሰብ ፖለቲካ ኢዶም ካብ ቤተ-ክርስቲያን ክሳዕ ዘየውጽኡ፡ በዓቢኡ ድማ ኣብ ሃገርና ፍትሒ ክሳዕ ዘይነገሰ በቲ ዝገብርዎ ኩሉ ናይ ዓቅሊ ጽበት ተግባር ክንዛነ ኣይግባኣናን እዩ።

ቤተ-ክርስቲያን ብዓመጽቲ ሰበ ስልጣንን ኣገልገልትን እንተ ዘይተኣሲራን ተዓሚጻን፡ ድምጺ ድኻታት ኰይና ደወል ክትሃርም፡ እቲ ቀንዲ መለኮታዊ ተልእኾኣ ነበረ። ጐይታና ኢየሱስ ነቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣርዑት ባርነት ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ናይ ሓርነት መልእኽቲ ብሥራት ከም ዝሰበኸሎም ነንብብ ኢና፥ "ንድኻታት ከበሥሮም ስለ ዝቀባኣኒ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕለይ ኣሎ፥ ንስቡራት ልቢ ኽዝንን፥ ንምሩኻት ሓርነት፥ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ (ሉቃ 4 18 ኢሳ 61 1) ኣብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እንምልኸት፥ ካብ ስራሕን ምህሮን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንርድኦ፡ ኣብ ምውጻእ ሓርነት ንህዝቢ ኣምላኽ፡ ቤተ ክርስትያን ንፖለቲከኛ ዘቁጽር ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ዘይብላ ምዃንይ እዩ። እንታይ ደኣ፥ ሓላፍነትናን ጉቡእናን ምዃኑ ተረዲእና ባዕላትና ክንጣበቐሎን ምርካብ እዩ።

ከምኡ'ውን ካብቶም ናይ 21 ክፍለ ዘመን ሊቃውንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳብ ብምውሳድ ነቲ "ድኻታት" ዝብል ሓሳብ ምስ ህሉው ኩነታት ናይ ሃገርና ብምትሕሓዝ ክገልጾ ክፍትን እየ። ነቲ ድኻታት ዝብል ኣብ ሰለስተ ከፊልና ክንርእዮ ምፈተኹ፥

እቲ ቀዳማይ ድኻታት ዝብል ቃል ከምቲ ኩላትና ንፈልጦን ዝርዳኣናን ድኽነት ናይ ትሕዝቶ፥ ሕጽረት ናይ ቀረብ ዝብላዕን ዝኽደንን ናይ ናብራ ቅልውላው ክኸውን እንከሎ።

እቲ ካልኣይ ድማ መንፈሳዊ ድኽነት ይባሃል፡ ናይ ኣማላኻኽታን ኣታሓሳስባን ድማ እዩ። ፍቅድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ እንተ ዘይፈሊጥናዮን መርሚርናዮን፥ መራሕቲ ዘበሉ ኩሎም ካብ ኣምላኽ እዮም እንዳተባሃለ ከም በዓል ሂትለር፡ ፈርኦን፡ ከምኡ'ውን ነዚ ዘሎ ስርዓት ናይ ዓድና ተቀቢልናዮምን ሓቒፍናዮምን ክንከይድ ንግደድ ኢና። ካብዚ ዝዓቢ መንፈሳዊ ድኽነትን ውድቀትን ድማ ኣሎ ክብሃል ኣይከኣልን እዩ። ምኽንያቱ ጸላኢኻ ካብ ዘይምፍላጥ ዝተላዓለ ንባርነት ከም እተፈጠርካ፡ ከምዚ ሎሚ ህዝብና ዝነብሮ ዘሎ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ሰይጣናውያን መራሕቲ፡ ፍትሒ፡ ሕጊ፡ ሓርነት፡ ሰላም ዘይፈልጡ ኣብ ትሕቲ ኣሬሜናውያን ክትነብር ይገብረካ።

እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክርእዮ ዝደለኹ፡ ድኽነት ኣብ ሓድነት ወይ ኣብ ጥርናፈ ህዝቢ እዩ። ኣንጻር ዓመጽቲ ንምቅላስ ዓቅሚ ክሓጽረካ እንኮሎ ምስ ድኽነት እዩ ዝቁጸር። ምኽንያቱ እቶም ዓመጽቲ መራሕቲ፡ ስልጣንን፥ ቁጠባን፥ ናይ ሓንቲ ሃገር ስለ ዝቈጻጸርዎ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ከቢድ ድኽነት ይወድቅ። ናይዚ ውጽኢት ድማ ከምዚ ሎሚ ኣባና ንዕዘቦ ዘለና፡ ምፍልላይ ኣብ ቤት-ኣምላኽ፡ ኣብ ማሕበረኮም፡ ኣብ ሰብ ሓዳር፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቤተሰብን መታዓቢትን ምርኣይ ልሙድ ተርእዮ ኰይኑ ይርኸብ ኣሎ። ቤተ-ክርስቲያን ጸግዒ ድኻታትን ጥቁዓትን ክትከውን ኣለዋ ዘበለኒ ምኽንያት፡ ነዚ ኹሉ ውድቀት ናይ ሃገርናን ቤተ-ክርስትያናን እቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብትብዓትን ብልቦናን ክንዓዪ እምበር ብሰንኪ ፍርሒ ኣመኻኒና ኢድና ኣጣሚርና ክንርእን ክንዕዘብን ኣይግባኣናን እዩ።

ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ማእከል ናይ ሕብረተሰብና ኰይና ንህዝባ ኣገልግሎት እንዳሃበት ንዘመናት ከምዝመጸት ዝፍለጥ ኰይኑ፥ ሎሚ ግን መጻወቲ ዓማጺ ስርዓት ኰይና ትርከብ ኣላ። ብትሕዝቶ ድኻታት ዝኾኑ ደቃ ዝርከብሉ ስፍራ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ ግዜ ጸበባ ድማ ህዝቢ ናብ ኣምላኽ ክምህለልን ምጽንናዕ ክረክብን ኣብ ቀጽራ ይእከብ ነበረ። እታ ማእከል ናይ ሕብረተሰብና ዝነበረት ቤተ-ኣምላኽ ስለ ዘፍረስዋ፡ ደቃ እንዳ ባደሙ፡ ወለዲ እንዳ ተከዙ፥ ፓትርያርክ እንዳተኣሰሩ፡ ሃገር ናብ ምጽናት ገጻ እንዳኸደት ከምቲ ኩሉ ኣብ ሃገርና ማእሰርቲ ዘርከበሉ ቤተ-ክርስቲያን'ውን ድምጻ ስለ ዝተኣሰረት ህዝባ ከም ደቂ ዛግራ ተበቲኑ እንዳ ጠፈእ፡ ነቲ ሰይጣናዊ ተግባራቶም ዓገብ ዝብሎምን ዝቃወሞምን ኣካል ኣይተረኸበን። ናይዚ ኹሉ ዕንወትን ጥፍኣትን ዓላዊ ስርዓት ኣሥመራ ክኸውን እንከሎ፥ ንሕና'ውን እንተኾነ ከም ህዝቢ፥ ዝናኣድ ተግባር ኣሎና ክንብል ዘኽእል ትብዓት ዘሎና ህዝቢ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ሃገርና ናብ ማዓሙቕ ጸልማት እንዳ ኣተወት፡ ማዓንጣ ዘይቆጸሩ ዕሸላት እንዳ ጠፍኡ፡ ወላዲት ወላድ መኻን እንዳተቐየረት ግዜና ኣብ ደገፍትን ተቓወምትን ምባል ክነሕልፎ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝሕፍር ታሪኽ ኰይኑ ክርከብ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሒዙና ዘሎ ጨካን ኣሬሜናዊ ዝዀነ ስርዓት፡ ፈታዊ ዝባሃል ዘይብሉ፥ ፈተውቱን ጸላእቱን ኣንዳ ተባሃሃልና ክንፋላለ፡ ነቲ ንጥፍኣትና ዝምነ ሰይጣናዊ ስርዓት ሓገዝቱ ኴንካ ምርካብ እዩ። ፍትወት ናይ ስልጣን እምበር፡ ፈታዊ ዝባሃል ዘይብሉ ምኻኑ ብግብሪ 26 ዓመታት ዝኣክል ኣርአዩና ኣሎ። ኩሉ እቲ ሰይጣናዊ ስራሕ ዝገብሮ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ገይርዎ ይርከብ። እንተ ኣሰረ፡ እንተ ቀተለ፡ ገዛውቲ እንተ ኣዕነወ ንኹሉ ብኣልማማ እምበር፡ ናይ ፈተውተይ ኢሉ ዝናሓፎ፡ ፈታዊ ዘይብሉ ምኻኑ ካብዚ ንላዕሊ መራጋገጺ ኣየድልዮን እዮ። ደቂ ሓንቲ ሃገር ክንስና ገሌና ንደገ ንነብዕ ገሌና ድማ ከምቲ "ሞት ሑጹይ ኰይንኒ ዓው ኢልካ ዘይብከ" ዝተባሃለ ኣብ ትሕቲ መተርኣስ ኣቲና ንውሽጢ ዝርንዛሕ ንብዓት ንነብዕ ውሑዳት ኣይኰናን። ንዝሓለፍናዮ ድኻማት ገዲፍና፡ ጸላኢና ኣለሊና ንሃገርን ንትውልድን ብምሕሳብ ብሓደ መንፈስ ክንትንስእ እዋኑን ግዝይኡን ኰይኑ ይግድደና ኣሎ።

ብፍላይ ድማ እቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ህዝብና ኣብ ከምዚ ዓይነት መከራ ወዲቁ ምትንሳእ ስኢኑ እንዳ ራኣናዮ፡ ብስቅታ ክንሓልፎ ብኣምላኽ ዓይኒ ይኹን ብሕልናውን እንተዀነ ተቀባልነት የብሉን። ነህምያ እቲ ነብይ፡ ዕንወት ኢየሩሳሌም ምስ ሰመዐ ንምህናጽ ኢየሩሳሌም ተበገሰ ይብለና እቲ ጽሑፍ። እቶም ዘይተዓደሉ፡ ራእይ ዘይብሎም ሰባት ድማ ከላግጽሉ ከም ዝጀመሩ ኣብቲ ቅዱስ ጽሑፍ ተጻሒፉ ንረኽቦ ኢና። ከምዚ ድማ ይብል "ሽዑ ኣነ ኸምዚ ኢለ መለስኩሎም፡ ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና እዩ እሞ፡ ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ኽንዐዪ ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ክፍልን ግቡእን መዘከርታን የብልኩምን በልክዎምይብል (ነህ 2 20) ጽባሕ ንግሆ ኣብታ መጻኢት ኤርትራ ግደን ስፍራን ዘይብልና ኰይና ንኸይንርከብ፡ ሎሚ ኣበርቲዕና ክንቃለስን ክንሰርሕን መንፈሳዊ ምሕጽንታይ የቅርብ።

ኣምላኽ ንሃገርናን ንቤተ-ክርስቲያናን ሰላሙ ይሃብ!!!

Minister of religion Rev. Yohannes Ghebrehiwet

Medhani-Alem Church Manchester.

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div