S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብቀሺ ወልደትንሳኤ ብርሃነ  ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ (ቀዳም 22 ሓምለ 2017) ዝተዋህበ ስብከት።

ኣብ ዝሓለፈ ኣርእስትናብልብኹም መገድኹም ሕሰቡዚብል ኣርእስቲ ርኢና። ብልብኻ መገድኻ ምሕሳብ ድማ ናይ ንስሓ ቀዳማይ ስጕምቲ እዩ። መገድኻ መርሚርካ ኣበሳኻ ድሕሪ ምፍላጥካ፡ ብድሕሪኡ ኽትገብሮም ዝእግባእ ተኸታተልቲ ስጕምትታት ኣለው።

ነዞም ተግባራት እዚኣቶም፡ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረወይ ድማ ንንስሓ ዚግባእ ግብሪብዚብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹልና ኣሎ። (ማቴ 58 ግብ 2619,20) ስለዚ ብንስሓ 180 ዲግሪ ተጠዊኻ መኣዝን ጉዕዞኻ ድሕሪ ምቕናዕካ፡ ነቲ ዝፈረሰካ ወይ ባዕልኻ ዘፍረስካዮ ነገራት ኵሉ ኸተዕርዮን ከተቕንዖን ምብጋስ ካልኣይ ስጕምቲ ናይ ቅኑዕ ንስሓ እዩ። ኣብቲ ደጊምካ ዘሓደስካዮ ኣገልግሎትካን መቕደስካን እትቕጽሎ ካልእ ሓያሎ ስጕምትታትውን ጊዜኡ ሓልዩ ይጽበየካ ስለ ዘሎ፡ ነቲ ዝጀመርካዮ ዕዮ ከም ናይ መወዳእታ ክትሓስቦ ኣይግባእን እዩ። ንስሓ ልክዕ ከም ሓንቲ ፍልዪት ኦም እዩ። ክሳዕ ዕለተ ሞትካ ወይ ክሳዕ ዕለተ ምጽኣቱ ብዘይምቝራጽካ ብብዝሕን ነባሪ ፍረ ዚፈርይ እዩ።

ብልብካ መገድካ ሓሲብካ መኣዝን ጉዕዞና ድሕሪ ምቕያርና ስጕምትና ናበይ ገጹ ከምርሕ ከም ዚግብኦ እግዚኣብሄር ብኣፍ ባርያኡ ሃጌ ሓቢሩና ኣሎ። ንሱ ድማ ናብ በሪኽ ቦታ ናብ ከረን ምድያብ እዩ። እግዚኣብሄር ነታ መቕደስ መህነጺ ዚኸውን ዕንጸይቲ ኸነምጽእ ጥራይ ኣይኰነን ዝኣዘዘ። ናይ ቦታ ምርጫውን ነይርዎ እዩ። ኣብቲ ጕላጕል ንመስርሒ ናይታ ቤት ዚኣክል ዕንጸይቲ ኺህልው ይኽእል እዩ። ዋና ናይ ኽትህነጽ ትድለይ ዘላ መቕደስ ግና፡ ፍሉይ ምርጫ ስለ ዘለዎ ንምርጫኡ እንተ ዘየኽበርናሉ፡ ዋላ ንሰባት ብምድናቕ ክዳስ ዚፍጽዩ ዚገብሮም ግሩም ህንጻ እንተ ሃነጽናሉ፡ ካብ ጎላጉል ኣምጺእና እንተ ሃነጽናሉ ኪሕጎሰልና ኣይክእልን እዩ። ምኽንያት ናይ ምርጫኡ ምኽንያት ፈጺሙ ኸይርድኣና ይኽእል እዩ። እንተ ኾነ ፈትዩ ኽሳዕ ዚገልጸልና ደኣ ንጽበዩ እምበር፡ ስለ ዘይተረድኣና ንፍቓዱ ኽንግህሶ ኣይግብኣናን እዩ። ስለዚ ድማ ነቶም ብምእዛዝ ዜስምርዎ ባሮት፡ ኣድራሻ ናይቲ ተኣዝዞኦም ኪርእየሉ ዚደልይ ቦታ ብንጹር ይሕብሮም ነበረ። ንኣቦና ኣብርሃም፡ ንወዱ ይስሃቅ ኪስውኣሉ ኺእዝዞ ኸሎ፡

እምበኣር ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድካ ይስሃቕ ውሰድ እሞ፡ ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዚሓርር መስዋእቲ ሰውኣዮ።በሎ (ዘፍ 222) ኣብቲ ኣብርሃም ዚነበረሉ ኸባቢ ሓያሎ ኣኽራን ከም ዝነበሩ ዘየጠራጥር እዩ። እግዚኣብሄር ግና፡ ዓይነት መስዋእቲ ጥራይ ዘይኰነ ዓይነት ቦታውን ኣዝዩ ስለ ዜገድሶ፡ ነዚ ኣስታት ወዲ 120 ዓመት ሽማግለ ናብ ምድሪ ሞርያ ኪኸይድ ኣዘዘ። እቲ ኣቦ እምነትን ተኣዝዞን ዝዀነ ቅዱስ ኣቦና ኣብርሃም ድማ፡

“. . . ተንሲኡ ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ ኸደ። ኣብርሃም ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣዒንቱ ኣንቃዕሪሩ ነታ ቦታ ብርሑቕ ረኣያ።ዘፍ 223,4

መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ብእግሪ ኣዝዩ ነዊሕ እዩ። ሽዕኡውን ኣይበጽሖን። ገና ርሑቕ መገዲ ተሪፍዎ ነበረ። ኣብ ምድሪ ሞርያውን ብዙሕ ኣኽራን ስለ ዘሎን፡ ኣየነይቲ ከረን ምዃና እግዚኣብሄር እምበር ኣብርሃም ኣይኰነን ኪመርጽ። ምርጫ ኣምላኽ ማዕረ ኽንደይ ዓብይ ትርጉም ከም ዝነበሮ ድሕሪ ኣስታት 800 ዓመታት ኣብ ዘመነ ዳዊትን ሰለሞን እዩ ተገሊጹ። እታ እግዚኣብሄር ንወዱ ኪስውኣላ ዝነገሮ ቦታ እታ ንጉስ ዳዊት ዓዲጉ መሰውኢ ዝሰርሓላ ዓውዲ ኦርናን ዝነበረት፡ ጸኒሑውን ወዲ ንጉስ ሰለሞን፡ ነታ ቀዳመይቲ ቤት መቕደስ ዝሃነጸላ ቦታ ምዃና፡ ኣብ 2ዜና 31

ሰለሞን ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ከረን ሞርያ ኣብታ እግዚኣብሄር  ንኣብኡ ዳዊት ዝተራእየላ ዳዊት ከኣ ኣዳልዩ ዝመደባ ቦታ ኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይቡሳዊ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሕ ጀመረ።ብምባል ኣብሪሁልና ኣሎ። ንዳዊት ኣብታ ቦታ እቲኣ መሰውኢ ኽሰርሕ  ዝኣዘዞ ድማ እቲ ሽዕኡ ሰይፊ ሒዙ ዝተራእዮ መልኣኽ ምዃኑ ኣብ 1ዜና 21 16,17 ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ከም መልኣኽ ኮይኑ ኣብቲ ጊዜ እቲ ንዳዊት ዝተራእዮ ድማ እግዚኣብሄር ምንባሩ እቲ ናይ ካልኣይ ዜና 31 ጥቕሲ ኣብሪሁልና ኣሎ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ነቲ ሽማግለ ሰብኣይ ካብ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ዝነውሕ መገዲ ከይዱ ክስውእ ዝኣዘዞ ብዘይ ምኽንያት ከምዘይነበረ ድሕሪ ኣስታት 800 ዓመታት ካብ ተገልጸ እግዚኣብሄር ሎሚ ንዓና ዝእዝዘና ትእዛዝ ድሕሪ ኽንደይ ዓመት ምኽንያቱን ምስጢሩን ከም ዝገልጸልና ንፈልጦ ነገር የለን። ስለዚ ናሕና ግደ ይረድኣና ኣይረድኣና ነቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ምእዛዝ ጥራይ እዩ። ዓይነት ቦታ ጥራይ ዘይኾነ ዓይነት ናይቲ  ዘድልዮ ዕንጸይቲውን ኣሎ። (ዘፍ 514 ዘጸ 2510) እግዚኣብሄር ንምንታይ ነዚ ዕንጸይቲ እዚ ፈልዩ ከም ዝመረጸ ዝፈልጥ ዋላ ሓደ የለን። ምኽንያቱ ንጉስ ሰለሞንክብሪ እግዚኣብሄር ነገር ኣብ ምስዋር ክብሪ ነገስታት ድማ ኣብ ምምርማር ነገር እዩ።ከም ዝበለ ኣብቲ እግዚኣብሄር ክገልጾ ዘይፈተወ ዝተሰወረ ምስጢር ምርጫና ምቕባል ጥራሕ እዩ (ምሳ 252) ብስም ዕንጸይቲ ንስኻ ዝመረጽካዮ እንተ ኣምጻእካ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስበቲ ዝፈተኽምዎ ኣእዋም ኽትሓንኩ በቲ ዝመረጽኽምዎ ኣታኽልቲ ኽትሓፍሩ ኢኹም። ቆጽሉ ከም ዝጸምለዎ ኦምን ማይ ከምዘይብሉ ኣታኽልትን ኽትኾኑ ኢኹም እሞ፡ እቲ ሓያል ከም እተባህለት ቃንጫ እንጣጢዕ ከም ቁልዒ ክኸውን እዩ። ክልቲኦም ብሓደ ኽነዱ እዮም። ዘጥፍእ ከኣ ሓደ እኳ የለን።ዝበሎ ብምርጫኻ ትሓፍር ንስኻን ዕዮኻን ድማ ብዘይ ጠፍእ ሓዊ ነዲድኻ ኢኻ ትተርፍ (ኢሳ 129-31) ደቂ ኣሮን ብርቱዕ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ከብቕዕ፡ንሓዊ መለሳ የብሉን።ንዕቀታዊ ስምዒት ጓሻ ሓዊ ሒዞም ናብ ቤት መቕደስ ምስ ኣተው ካብ ሰማይ ዝኾነ መለኾታዊ ሓዊ መጽእዩ በልዖም። (ዘፍ 112) ካብዚ ዅሉ እንመሃሮ እምበኣር ንሕና ብዝመረጽናዮን ቑኑዕ ኾይኑ ብዝተራእየናን ዘይኾነ በታ ናቱ ምርጫን ትእዛዝን ኽንኸይድ ከም ዘሎና እዩ። ሓደ ኻብቶምንንስሓ ዝበቕዕ ፍረወይ ድማንንስሓ ዝግባእ ግብሪዝባሃሉ ግብርታት ፍቓድኻን ምርጫኻን መስዋእቲ ጌርካ ፍቓድን ምርጫን ናይ ኣምላኽ ጥራሕ ኣብ ህይወትኻ ከም ዝገዝእ ምግባር እዩ። ነዚ ፍረ እዚ ዘየፍረየ ንስሓ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝኾነ እምበር ካብ ልቢ ዘይነቐለ ናይ ከንፈር ጥበራ ጥራይ ምዃን ንስሓ እዩ። ናብ ኣኽራን ደይብኻ ኣእዋም ምምጻእ ዝጠልቦ ሃልኪ ግዜን ገንዘብን ናብ ሰብኣዊ ዓቕምን ናይ ንዋትን ሓደጋታቱን ብምትንታን (Cost Benefit analysis ብምግባር)ካብ ጐላጉል ምምጻእ የዋጽእኢልካ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ልኡላዊ ምርጫ ኽትልውጦ ምፍታን ዓቢ ግህሰት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና እንተ ተዓዘብና እግዚኣብሄር ነቶም ዝበዝሑ ዓበይቲ ተግባራቱ ኣብ ኣኽራን ከም ዘይፍጽሞም ነስተውዕል። ንኖህ ኣብ ከረን ኣራራት (ዘፍ 84) ንሙሴ ኣብ ከረን ሆረብ ብመልክዕ ዝነድድ ቆጥቋጥ  (ዘጽ 31,2)

ዓሰርተ ትእዛዛት ዝነበሩ ከረን ሲና (ዘጸ 1911,12) መርገምን ምርቓን ዝተዋህበሉ ከረን ዔባልን ጌሪዚምን (ዘዳ 1129 2711-13) ንነብዪ ኤልያስ ብሓዊ ዝመልሰሉ ከረን ቀርጫሎስ (1ነገ 1819) ዳግማይ ንኤልያስ ዝተራኸበሉ ከረን ሆሬብ (1ነገ 199) ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተራእዮ ጉሉሓት ኣብነታት እዮም። እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ እኳ ኣስተውዒሎምዎን እቶም ሰራዊት ሶርያ ንንጉሶም ኣማልኽቶም ኣማልኽቲ ኣኽራን እዮም። ስለዚ እዮም ካባኻ ዝሓየሉ፡ ግናኸ ኣብ ጐልጐል ኴንና ንዋጋኣዮም፡ ብርግጽ ክንሕይሎም ኢና።ናብ ዚብል ግጉይ ግምት ኪበጽሑ ገይሮዎም ነበረ (1ነገ 2023) ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን እንተ ረኣናውን ጐይታ ኣብ ደብረ ዘይቲ፡ ኣብ ከረን ደብረ ታቦር (ሄርሞን) ኣብቲ ናይ ከረን ስብከት ዝሰበኸሉ ከረን ዓበይቲ ፍጻመታት ፈጺሙ እዩ (ማር 92 ግብ 112 ማቴ 51) ንጸሎትውን ወርትግ ናብ ከረን ደዩቡ ይሓድር ነበረ (ማቴ 1423 ማር 646 ሉቃ 516 612 928) ንህይወት ወዲ መዝሙር ድማ ምስ ኣብ ከረን ዘላ ከተማ የነጻጽር ነበረ (ማቴ 514) ስለዚ ከረን ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ከም ምልክት ጽድቅን ቅድስናን ከም ምልክት ጸሎትን ትውክልትን እዩ ዚግለጽ። ንሙሴ ራእይ ናይታ ሰማያዊት መቕደስ ኣብቲ ዝደየቦ ከረን እዩ ዘርኣዮ (ዘጸ 2540) ናይ መንፈሳዊ ዕብየት ትእምርቲ እዩ። እቲ ኣብ ከረን ዝረኣኻዮ ጽድቅን ቅድስናን ክብርን ናይ ኣምላኽ ኢኻ ናብ ታሕቲ ምስ ወረድካ እትለማመዶ። ድምጺ ዝለዓለ ተሰማዕነት ዚህልዎ ኣብ ከረን እዩ። ኣብ ከረን ዝደየበ ሰብ ንኸባቢኡ ብስፍሓትን ብርሕቀትን ይርእይ። ዝዋጋእ ሰብ ወይ ሰራዊት ድማ ነቲ ዝበረኸ ገዛኢ ዝዀነ ቦታ ኺቘጻጸር እዩ ዚቀዳደም። ሕማማት ድማ ኣብ ከበሳዊ ብራኸ ዘለዎ ዝወሓደ እዮም። ኣብ ቖላዊ ዝዀነ ቦታታት  ግና ሕማማት ዝበዝሑን ዝኸበዱን እዮም። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ድማ እቲ ሓቂ ከምኡ እዩ። ኣብ ዝለዓለ መንፈሳዊ ብራኸ ዝደየበ ሰብ ካብ ሓጢኣት ይፍለይ፡ ኣብ ጸላእቱ ይዕወት ድምጹ የስምዕ፡ ድምጺ ኣምላኽን ሰብን ይሰምዕ። ቅዱስ ዳዊትን ነብዪ ኣንባቆምን፡

ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፡ኣብቲ በሪኽ ቦታይ የቝመኒ

እግዚኣብሄር፡ እቲ ጐይታ፡ ሓይለይ እዩ፡ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፡ ኣብቲ በሪኽ ቦታይውን ኬመላልሰኒ እዩ።

ብምባል ንናይ ከረን ህይወት እቶም ናይ ኣምላኽ ሰባት ጥራሕ ከም ዚበቕዖ ኣረጋጊጾምልና ኣለው (መዝ 1833 ኣን 319 ዘዳ 3213 ኢሳ 5814) እዚ ዚስዕብ ጥቕስታትውን ነዚ ሓቂ እዚ ዜረጋግጸልና እዩ።

እግዚኣብሄር ኣብ ድንኰንካ ዚሓድር መን እዩ፧ ኣብ ከረን ቅድስናን ዚነብርከ መን እዩ፧ እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፡ ብል ሳኑ ዘይሓምይ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ ንብጻዩ ዘይጸርፍ፡ እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ነበይኑ ዚረኣዮ፡ ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዜኽብሮም፡ ዚጐድኦ እኳ እንተዀኑ ነቲ ዝመሓለሉ ዘይልውጦ፡ ገንዘቡ ብሓረግ ዘይህብ ንጉድኣት ንጹህ (ሰብ) ከኣ መማለጃ ዘይቅበል፡እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለኣለም ኣይናወጽን እዩ።መዝ 191-5

“. . . ካባናስ ምስ ዚባላዕ ሓዊ ኺነብር ዚኽእል መን እዩ፧ ካባናኸ ምስ ናይ ዘለኣለም ባርዕ ኪነብር ዚኽእል መን እዩ፡ እቲ ብጽድቂ ዚመላለስን ቅንዕናን ዚዛረብን፡ ረብሓ ምጭቋን ዚንዕቕ፡ መማለዲ ኸይቅበል ድማ ኢዱ ዚንዝንዞ ብዛዕባ ምኽዓው ደም ከይሰምዕ ከኣ ኣእዛኑ ዚውትፍ፡ እከይ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዚዕምትሲ፡ንሱ ኣብ በሪኽ ኪነብር ኣኻውሕ እምባታት ከኣ ጸግዑ ኪኸውን፡ እንጌራኡ ኺረክብ ማዮውን ንሓዋሩ ኣይኪነጽፍን እዩ።ኢሳ 3314-16

እምበኣርሲ እቲ ኣብ ከረን (ደረጃ) ቅድስና ዝበጽሐ ሰብ፡ እዚ እዞም ቅዱሳት ነብያት ዝበልዎ ህይወት እዩ ዚህልዎ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦ፡ ኣብ ምድሪ ኺፍጽሞ ዚኽእል ድማ ንሱ እዩ። ናብዚ ኸረን እዚ ዘይደየበ ሰብ ግና፡ ንገዛእ ህይወቱን ነቶም ዜገልግሎም ምእመናን ቤተ ክርስትያንን፡ በቲ ካብ ዓለምን ካብ ስጋን ዝተማህሮ ጥበብ ጥራይ እዩ ዚመርሖምን ዜገልግሎምን። ነቲ ሓሳብ ኣምላኽ ኣብቲ ከረን ቅድስና ምስ እንድይብ ኢና እንረኽቦን ከነጥርዮ እንኽእልን። ቃል እግዚኣብሄር ድማ፡

“. . . (እቲ) ካብ ምድሪ ዝዀነ ምድራዊ እዩ፡ናይ ምድሪውን ይዛረብ፡

ንስኻትኩም (ፈሪሳውያን) ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ፡ ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚእ ኣይኰንኩን።

ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናቱ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ካብ ዓለም ዝሓሬኩኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰን ኩምን። ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ።

ኣቱም ደቀይ፡ ንስኻትኩም ካብ ዓለም ኢኹም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዓብይ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎ ኣሎኹም። ንሳቶምሲ ካብ ዓለም እዮም። ስለዚ ካብ ዓለም ይዛረቡ ኣለው፡ ዓለምውን ትሰምዕዕም ኣላ። ንሕና ካብ ኣምላኽ ኢና፧ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ካብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈሳዊ ሓቅን ንመንፈሳዊ ስሕተትን በዚ ኢና እንፈልጦ።

ኢሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዮሃ 331 823 1519 1ዮሃ 44,5) እምበኣር ናይቲናብ ከረን ምዲያብ ዚብል መንፈሳዊ መልእኽቲ፡ ካብ ዓለም ዘይኰነ ካብ ኣምላኽ ካብ ላዕሊ ምዃን፡ ማለት እዩ። እዚ ድማ በቲ ኣብ መንፈሳዊ ማሕበራዊ ናብራና እንነብሮ ህይወት እዩ ዚግለጽ።

እቲ ካብ ኣኽራን ደዩቡ ዕንጸይቲ ኼምጽእ ዜድልዮ ዘሎ ነታ ቤት መቕደስ ምእንቲ ኺሰርሕ እዩ። ዕንጸይቲ ኣኪብካ እንተ ዀመርካዮ እሞ ቤት እንተ ዘይሰራሕካዮ፡ ውጽኢት ብርሰትን ብኽነትን ጥራይ እዩ ዚኸውን። ስለዚ ናብቲ ዝኣዘዝካዮ ኸረን ድዩ ብካ ነቲ ዝተኣዘዝካዮ ኣኪብካ ማለት ሰራሕካ ወዲ እኳ ማለት ኣይኰነን፡ ነቲ ዕንጸይቲ ጸሪብካን ቀሪጽካን ኣብ ልዕሊ እቲ ስሩት መሰረት ሰሪትካ ምህናጽ ይጽበየካ ኣሎ። ከም ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብልሓተኛ ሃናጺ ኽትከውን የድልየካ። እቲ ህንጻ ብውሕልነት እንተ ዘይተሃንጽ፡ ሓደ መዓልቲ ብርቱዕ ዝናምን ውሒዝን ንፍስስን ምስ መጸ ኼዕንዎ እዩ። ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ኬጽልሉን ኪኸብሩን ዝኣተዉ ኺጐድኦም እዩ። ስለዚ ድማ እዩ፡

ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኻልእ ኪስረት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ከምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ኰይኑ ነቲ መሰረት ሰረትኩ። ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ከም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ። ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ዕንጸይቲ ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሐ እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ  ኽትግለጹ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ።ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪገሃድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ።

ብምባል ኣብ ኣተሃናንጻና ኽንጥንቀቕ ዝተነግረና (1ቈረ 310-13) እቲ እንኮ መሰረት ቤተ ክርስቲያን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ምእመን መሰረትውን ንሱ እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሃናጺ (ኣገልጋሊ) ቤተ ክርስቲያን ነዚ ሓቂ እዚ ኺፈልጦ ይግባእ። ህንጻኻ ዚፍተነሉ መፈተኒት ሓዊ ምዃኑ ብግልጺ እናተነግረካ ብሓቂ ዚህመዅ ህንጻ ምስራሕ ከቢድ ግብሪ ዕሽነት እዩ። ስለዚ ድማ እግዚኣብሄር ንሙሴ እንታይ ዓይነት ቤት መቕደስ፡ ብምንታይ ዓይነት ናውቲ፡ ኣበየናይ ቦታ ኣብቲ ዝተሃንጸ መቕደስ ድማ በየናይ ሕግን ስርዓትን ኬገልግሎ ከም ዚደልይ ኣብ ከረን ኣደዪቡ ንኣርብዓ መዓልትን ለይትን ኣርኣዮ። ብድሕርዚ ኺወርድ ከሎ፡

“. . . ኵሉ ከምታ ኣብ ከረን ዝረኣኻያ ምስሊ ኽትገብር ኣስተብህል (ተጠንቀቕ)ብምባል ኣጠንቀቖ (እብ 85 ግብ 744 ዘጸ 2540) ሙሴ፡ እቲ እሙን ባርያ ኣምላኽ ከኣ፡ “. . . ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኵሉ ገበረ፡ ከምኡ ገበረተባሂሉ ብኣምላኽን ብሰብን ተመስከረሉ (ዘጸ 4016) እግዚኣብሄር በቲ ዑዮ ኣዝዩ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ብኢድ ሙሴን ውሕሉላት እስራኤላውያን ሞያውያንን ዝተሰርሐ ብቝዕ ስራሕ፡ ብናይ ክብሪ ደበናኡ ወሪዱ ኣኽበሮ። ካብ ዕብየት ናይቲ ኽብሪ ዝተራዕለ፡ ሙሴ ናብቲ ድንኰኣን ምርኻብ ኬኣትው ኣይከኣለን (ዘጸ 4034,35) ክብሪ ኣምላኽ ኣብ ዝዓዘዘሉ ግደ ሰባት እናወሓደ፡ ግደ ኣምላኽ እናበዝሐን እናዓበየን እዩ ዚኸይድ። እግዚኣብሄር ኣብቲ ፍቃዱ ብምልኣት ዝኸበረሉ ቦታ ጥራይ እዩ ዚርከብ።

እቲ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይኑ ነቲ መሰረት ኣብ ምስራት ዝተዓወተ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቲ ሕድሪ ወንጌል ዘርከቦ ጢሞቴዎስ ወዱ፡

ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ ኣለኹ። እንተ ደንጓኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት (ኣብታ) ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈትው ኣሎኹ።ብምባል ጸሓፈሉ (1ጢሞ 314,15) ምኽንያቱ ንሱ ከምቲ ሙሴ ኣብቲ ከረን ደዪቡ ዝረኣዮ፡ ናብ ሳልሳይ ሰማይ ተነጢቑ ንዅሉ ሰማያውን ምድራውን ምስጢራት ተማሂሩ ዝመጸ ሰብ እዩ። ስለዚ ኣብታ ማሕበር ህያው ኣምላኽ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን እንታይን ብኸመይን ኪግበር ከም ዚግብኦ ኺመክር ብቕዓት ኣለዎ። እግዚኣብሄር እቲ ቤታ ክርስትያን እትህነጸሉ ኣገባብ ብሃዋርያቱ ግሩም ገይሩ ስለ ዝገለጸ፡ ሎሚ ንሕና ናብቲ ሙሴ ዝደየቦ ኸረንን ሃዋርያ ጳውሎስ ዝደየቦ ሳልሳይ ሰማይን ክንድይብ ኣየደልየናን እዩ። ስለዚ ድማ፡

ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም (ናብራኦም) እናተቛመትኩም፡ ኣስኣሰር እምነቶም ስዒቡ።ተባህለልና (እብ 137) ናይዞም ኵሎም ነብያትን ሃዋርያትን መጻሕፍቲ ተኣኪቡን ተጠሚሩን ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ ዝተዋህበና ምኽንያት ድማ ነቲ ድሙቕ ኣሰሮም ኣብኡ ምእንቲ ኽንረኽቦ ተባሂሉ እዩ። ስለዚ ንነፍሲ ወከፍ ምእመን ህያው እምኒ ጌርካ ብክርስቶስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅቡል መስዋእቲ ኬቕርብን ንኣምላኽ ብቕዱስ ክህነት ብብቕዓት ኬገልግል ዚኽእል መንፈሳዊ ቤተ ጌርካ ምህናጽ ሃዋርያት ዝሓደጉልና ኣርኣያ እዩ። ከምቲ ናይ ሳርዴስ ኣገልጋሊ ንርእስና ምውታት ኴንና፡ እቲ ብኣና ዚግልገል መጓሴና ድማ ከማና ምውት ከይከውን ክንጥንቀቕ ይግብኣና። (ራእ 31-4) ኣብ ዘመን ነብዪ ኢሳይያስ፡ ካብ መራሕቲ እቲ ህዝቢ ጀሚሮም ክሳዕ እቲ ዝተሓቱ ኽፋል ናይቲ ሕብረተ ሰብ መንፈሳዊ ጥዕና ስለ ዘይገብሮ፡

ዅሉ እቲ ልቢ ሕሙም፡ ኵሉ እቲ ልቢ ሕሉሉ እዩ።ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳብ ርእሲ ገለ ጥዑይ የብሉን። (ኵሉ) ዘይተጠወቐን ዘይተዘነነን ብቕብኢ ዘይለስለሰን ኣቝሳልን ስምብራትን ሓድሽ መውቃዕትን ጥራይ እዩ።ብምባል ብዜሕዝን ቃላት ገለጾ (ኢሳ 15-6)

እዚ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ተጠቂሱ ዘሎ ሓሳብ ብኣፍ ነብዪ ሃጌ ነቶም ካብ ዕዮ ቤት ኣምላኽ ዝበዅሩ መራሕትን ህዝብን ናይ እስራኤል ዝተባህለ እዩ። ብትእዛዝ ኣምላኽን ንጉስ ቄሮስን ቤት መቕደስ ንምስራሕ ምስ ተለቀቍ፡ ኣብ ሃገሮም ኣትዮም ኬብቅዑ፡ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዝዀኑ ዓይነት ተበግሶ ኣይወሰዱን (እዝ 38) ቅድሚ ነቲ ህንጻ መቕደስ (መጀመርታ ነቲ መሰውኢ ሓዲሶም ዕለታዊ መስዋእቲ ጀሚሮም ነበሩ። እንተ ዀነ እቲ ቤት መቕደስ ስለ ዘይተሃንጸ፡ እቲ ዝፈሰሰ ደም፡ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ ይንጸግን የተዓርቕን ኣይነበረን (እዝ 31-6) እቲ ኣብ ዘመነ ቂሮስ ዝጀመረ ተቓውሞ ኣብ ዘመነ ኣሓሽቄሮስ በርቲዑ ነቲ ዝሰረትዎ ህንጻ ኸይቅጽሉ ብትእዛዛ ንጉስ ተኸልኸሉ። እግዚኣብሄር ንኣሽቄሮስ ኣልዩ ንዳርዮስ ተክኦ። እግዚኣብሄር ድማ ብነብዪ ሃጌን ዘካርያስን ንምስራሕ ኪለዓሉ ነገሮም። ዋላ ተቓውሞ እንተ ተላዕሎም እኳ ውሳኔ ዳርዮስ ክሳዕ ዚመጽእ ነቲ ዝጀመርዎ ስራሕ ኣየብኰርዎን። ዳርዮስ እቲ ስራሕ ኪቅጽልን ብጥንቃቐ ኪግበርን ምስ ኣዘዘ ድማ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ፈጸምዎን። እግዚኣብሄር ድማ በታ ክትስራሕ ዝኣዘዘ ቤቱ ከምቲ ዝበሎ ተሓጐሰን ከበረን።

ነታ ቤት ኣምላኽ ንኸይሰርሕዋ ዝተጠቕመሉ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ስለ ዘይነበረ፡ ኣብቲብልብኹም መገድኹም ሕሰቡዚብል ኣርእስቲ ከም ዝተመሃርናዮ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ጽላታት ህይወት ናይታ ሃገርን ናይቲ ህዝብን ከቢድ ደርቅን መቕጻዕትን ኣውረደሎም። ብሰላም ዝተኣዘዝዎ ኸይሰርሑ ኣብ ከባቢኦም ካብ ዝነበራ ኣህዛብን ካብቲ ሽዑ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ንጉስን ተቓውሞ እንተ መጾም እኳ ዕዮኦም ኬቋርጽ ብዓይኒ ኣምላኽ ቅቡል ምኽንያት ኰይኑ ኣይተረኽበን። ምኽንያት እቲ ንልቢ ነገስታት ዚእዝዝን ዜማእዝንን ኣምላኽ ብግልጽን ደጋጊሙን ኣዚዝዎም ኬብቅዕ፡ ካብ ንድምጺ ናይ ኣምላኾም ንላዕሊ፡ ንድምጺ ስጋን ሰይጣን ኪሰምዑ ምምራጾም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ኰይኑ ኣይተረኽበን። ስለዚ ዝወረደ ኺወርዶም ዕዮኦም ኪቕጽሉ ነይርዎም ማለት እዩ። እግዚኣብሄር ቤተ ኽትስራሕ ወሲኑ ስለ ዘሎ ኣብ ቅድሚ ተቓወምኦም ደው ዚብልን ውግኦም ዚዋግኣሎምን ንሱ እዩ። ሓደ እዋን ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ ካብ ምርኮ ባቢሎን ምምላስ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተነበዮ ትንቢት፡

ኣነ ኣነ እዩ ዘጸናንዓኩም፡ ንስኻኸ ካብዚ መዋቲ ሰብ ካብዚ ኸም ሳዕሪ ዚሓልቁ ወዲ ሰብ እትፈርህሲ መን ኢኻ፧ነቲ ሰማያት ዝገተረ፡ ንምድሪ ከኣ ዝሰረተ ነቲ ዝፈጣሪካ እግዚኣብሄር ረሳዕካዮ። ኵሉ ጊዜ ኵሉ መዓልቲ ኻብ ነድሪ እቲ ንምጥፋእ እተዳለወ ገፋዒ ትፈርህ ኣሎኻ።ነድሪ እቲ ገፋዒ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ብምባል ነቲ ጸላኢኦም ገዲፎም ንእኡ ኪዝክሩ ከም ዘለዎም ኣመልኪትዎም ነይሩ እዩ (ኢሳ 5112-14) ካብ ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ንላዕሊ፡ ንነድርን ግፍዕን ናይ መዋቲ ሰበ ምፍራህ ከቢድ ጌጋ እዩ። ከምቲ ጐይታና፡

ነቲ ንነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከኣሎ (ኣምላኽ) ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐተሉ። ንነፍሲ ግን ምቕታላ፡ ዘይከኣሎም (ሰባት) ኣይትፍርህዎ።ዝበሎ፡ ንሰብ ምፍራህ ናብ ድርብ ሞትን ጥፍኣትን እዩ ኣሕሊፉ ዚህበካ (ማቴ 1028) ስለዚ ድማ ንጉስ ሰለሞን፡

ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእትው፡ ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር።ኢሉ መዓደን (ምሳ 2925) እዞም ካብ ምርኮ ዝተመልሱ ኣይሁዳውያን ድማ ንሰብ ስለ ዝፈርሁ፡ ኣብ ኢድ እቲ ዜሰክሕ ኢድ እግዚኣብሄር ወዲቖም፡ ዝዀነ ሰብ ኬውርደሎም ዘይክእል ዕንወት ወረዶም።

ነዞም ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን ነገልግልን ብነፍሳት ዝቖመት መንፈሳዊት ቤት ንሃንጽ ዘሎና ባሮት ኣምላኽ ነዚ ታሪኽ እዚ ከነስተውዕሎን ክንመሃረሉን ይግብኣና። ዝሓሸ ምርጫ ዝመረጽና መሲሉና ብገዛእ ፍቓድና ናብ ዝገደደ ፍርዲ ኸይንወድቕ ርእስና ንሓልው። ቤተ ክርስትያን ብቓሉ ወንጌል እያ እትህነጽ። ጐይታና ኢየሱስ ኣብተን ኣብ ዓለምና ብኣካል ስጋ ዝተመላለሰለን ዓመታት ብዘይካ ጸሎትን ምስባኽ ወንጌልን ካልእ ዝገበሮ ነገር የልቦን፡ እቲ ዚፍጽሞ ዝነበረ ተኣምራት ሰባት ካብ ስቓዮም ምእንቲ ኺናገፉ፡ ከም ደወል ኰይኑ ሰባት ናብ ምስማዕ ቃል ወንጌል ምእንቲ ኺጽውዕ ንመለኮታውነት ናይቲ ቓል ምእንቲ ኼረጋግጽ፡ ኬመስክርን ይገብሮ ነበረ። ህንጻ ቤተ ክርስትያን ኪሃንጽ ኣይተራእየን። ንሰባት ማሕደሩን መቕደስን ኪገብር ከም ዝመረጸ፡

እቲ ትእዛዛተይ (ቓለይ) ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ። ኣነውን አፍቅሮ፡ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ። . . . ዜፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕልው እዩ። ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 1421,23) እምበኣር ክርስቶሳዊ ተልእኮ፡ ንሰባት ማሕደር ኣምላኽ ከም ዚዀኑ ጌርካ ምህናጽ እዩ። እዚ ድማ ብቓል ወንጌል እዩ ዚፍጽም።

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንሰብ ኤፌሶን ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ለይትን መዓልትን ከየቋረጸ ኵሉ ምስጢራት ኣምላኽ ብብቅዓትን ብንብዓትን ድሕሪ ምምሃሩን ምህናጹን ኣብ መወዳእታ ኺፋነዎም ከሎ፡ሕጂ ድማ ናምላኽን ነቲ ኪሃንጸኩምን ምስ ኵላቶም ቅዱሳን ኬረስትየኩምን ዚክእል ቃል ጸግኡን ኣማሕጽነኩም ኣሎኹ።ኢሉ ተዛረቦም (ግብ 2032) ስለዚ ነቶም ብኣምላኽ ዝተዋህቡና ምእመናን ብቓል ኣምላኽ ከም ዚግባእ ምሂርና፡ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ኪርስተዩ ከም ዚኽእሉ ጌርካ ምህናጽ፡ እቲ ክርስቶስ ኣብ ዝባንና ዘንበረልና መንፈሳዊ ሓላፍነትና እዩ። ክርስቶስ ጐይታና ንእግዚኣብሄር ኣቦኡኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጸሞ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ኣስዒቡ፡

ነዞም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት፡ ነቲ ዝሃብካኒ ቃል ሃብክዎ ንሱ እዩ። ኣብ ትሕቲምብምባል እታ ነቦኡ ዘኽበረላን ካብኡ ድማ ክብሪ ዚጽበየላ ግብሪ ኣገልግሎቱ ኣነጺሩ ገሊጹልና እዩ (ዮሃ 174-8) ስለዚ ድማ፡ ቅድሚ ትንሳኤኡ ኰነ ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ከይዶም ቃል ወንጌል ኪነግሩ ደጋጊሙ ኣዘዞም (ማቴ 2818-20 ማር 1615 ሉቃ 2447,48 ግብ 18) ንሳቶም ድማ ነቲ ጐይታኦም ኪገብርዎ ዝሃቦም ግብሪ ፈጺሞም ኣብ ምድሪ ኣኽበርዎ (ማር 1620 ግብ 542 835 1636 147,15,21 1718 ኢሳ 409 527) ስለዚ ድማ ቃል ኣምላኽ ናብ ኵሉ ተዘርግሐ (ግብ 67 1234 1920 ቈሎ 15,6) ከምኡ ኢሉ ድማ ኣባና በጽሐ። ሎሚውን ሕድሪ ክርስቶስን ሃዋርያትን ከም ዝተቐበልና ሰባት መጠን ኣብ ምድሪ ኽንገብሮ ዝተዋህበና ግብሪ ጽላል ሓላፍነት ንዝወደቐ ኵሉ ሰብ ብቓል ኣምላኹ መሊእናን ሃኒጽናን ማሕደር - ስላሴ ከም ዚኸውን ምግባር እዩ። ሃዋርያት፡ ካብ ትምህርቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎት ወጻኢ ኪዓይዮ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ካብዚ ዕዮ እዚ ዚጐትቶምን ዜታርፎምን መጻወድያ ኣብ ዝተጻወደሎም እዋን፡

ንሕና ቓል ኣምላኽ ሕእዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዚግባእ ኣይኰነን። . . . ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት እዚ ቓል እዝን ከየብኰርና ንሓዝ።ብዚብል ጽኑዕ መርገጺ ይምክትዎ ነበሩ (ግብ 62,4) ቃል ኣምላኽ ከይሰብኩ፡ በቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ሃይማኖታውያን ስልጣናት ኣብ ዝተኸልከለሉ እዋን።

ንሕናስ ነቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮ ምዝራቡ ኽንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ እሞ፡ ካብ ንኣምላኽ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ፡እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱይብሉ ነበሩ እምበር ኣይተኣዘዝዎምን (ግብ 419,20 1529) ኣብ ጥራይ ዝባኖም ነርብዓ ሓደጐደል ገሪፎም ብስም ኢየሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ኣብ ዝሓደግዎም እዋንውን፡ ምእንቲ ስም ጐይታ ኺሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቝጸሩ፡ ካብ ቅድሚ እቶም ገረፍቶም እናተሓጐሱ ወጹ። እቲ ኣዝዩ ዜሓጐስ ድማ ኣብ ቤት መቕደስን ኣብ ኣባይትን እናዞሩ ብስራት ኢየሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ፈጺሞም ዘየብኵሩ ምንባሮም እዩ (ግብ 5 40,42) ብዳርባ እምንን ብኻልእ ብዙሕ ግፍዕታት እናሓለፉ እኳ ነቲ ምንጋር ወሲኾምሉ እምበር ኣይነከይዎን። ኵሉ ጊዜ ወንጌል ናይ ምንጋር ዕዳ ከም ዘለዎም ይስምዖም ስለ ዝነበረ፡ ወንጌል ካብ ምስባኽ ኬቋርጹ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ነበረ (ሮሜ 114 1ቈረ 916-18) ኣህጉራትን ባሕርታትን ግዝኣታትን (empire) ሰንጢቖም እናሓለፉ ኣብ ኵሉ ኣብጽሕዎ እምበር ንነፍሶም ኣይነሓፍዎን ኣየናሕሲዩለን። ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ደው ኪብሉ ኸለው፡ ፈጺሞም ብዕዳ ደም ኪሕተቱን ኪፍረዱን ኣይደለዮን (ግብ 2024-27)

እምበኣር ንዓናውን እዚ ዓሰርተታት ዘመናት እኳ ኬህስስዎ ዘይከኣሉ ድሙቕ ኣሰር ኣብ ቅድሜና ተነቢሩልና ኣሎ ሕጂውን ንቤተ ክርስቲያንን ንኣገልገልታን ንምእመናናን ብደም ሰባት ካብ ምጥልቃይ ዜድሕና ወንጌል እምበር ካልእ ኣይኰነን። ወንጌል ናይ ምስባኽ ትእዛዝን ፍቓድን ካብቲ ጐይታ ጐይቶት፡ ንጉስ ነገስታት፡ ኣልፋን ኦሜጋን እሙንን ሓቀኛን ቃል ኣምላኽን ዝስሙ ኢየሱስ እምበር ካብ ካልእ ኣይንጽበዮን ኢና። ውግዘትን ተነጽሎን ማእሰርትን ዝዀኑ ካልእ መከራን ፈሪህና ድሕር ክንብለሉ ዚግባእ ኣይኰነን። ነቶም ተልእኾ ህይወቶም ዘይፈጸሙ ካብ ወዲ ኣምላኽ እንታይ ዝዓይነቱ ፍርዲ ተሓዚኡሎም ከም ዘሎ ቓል ወንጌል ብንጹር ተገሊጹልና እዩ። እምበኣር ነቲ ህያው ቃል ኻብቲ ከረንና እምበር ዝዀነ ኣምላኽ ንቀበሎ፡ ብእኡ ድማ ንሰባት ሃናጽና ምስ ኵሎም ቅዱሳን ኪርስተዩ ዚበቅዑ ሰባት ጌርና ነቝሞም። ኣብ ምጻት ኣብ ቅድሚ ንትምክሕትን ተስፋን ሓጐስን ኣኽሊልን ዝዀኑና ሰባት ነፍርይ። እቲ ማሕደር ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ኪሃንጽ ዚኽእል ሰብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቲ ዝዋሕለለ ብልሓተኛ ሃናጺ እዩ። እቲ ማሕደር ኣምላኽ ዚዀኑ ዘይበቕዑ ምእመናን ኣብ ትሕቲ ጽላል ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ኣኪቡ ዝጸንሐ ግን፡ህያው ተባሂልካ ትስመ ኔርካ፡ ግናኸ ምውት ኢኻ፡ ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብኽዎንኢሉ ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማትን ሓውን፡ ንብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪድርበይ እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ንሰባት ማሕደር ኣምላኽ ገይሩ ዝሃነጻ ግና፡ በቲ ክርስቶስ ዝኸበረሉ ኽብሪ ኪኸብር እዩ እሞ፡ ብቓል ወንጌል ሰባት ብምህናጽ፡ ክብሪ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ከነዕዝዝ ጐይታ ይደግፈና።

እዚ፥ ብቀሺ ወልደትንሳኤ ብርሃነ ካህን ቤተ ክርስቲያን መድሃኔዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ - ቀዳም 22 ሓምለ 2017 ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ከተማ ሻርሎት ኖርዝ ካሮላይና ዝተዋህበ ስብከት እዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div