S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብቀሺ ኣስመሮም ሞሳዝጊ ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ (ቀዳም 22 ሓምለ 2017) ዝተዋህበ ስብከት

ካብቲ ቐዳማይሲ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኺበልጽ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።ሃጌ 2:9

እዚ ቓል እዚ እግዚኣብሄር ብኣፍ ነብዩ ሃጌ ነቶም ቤት መቕደስ ዚሰርሑ ዝነበሩ ኣይሁዳውያንን መራሕቶምን ዝተዘርበ ናይ ተስፋ ቃል እዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰለስተ ኽፋላት ናይዚ ትምህርቲ ከም ዝረኣናዮ፡ እቶም ህዝቢ ነቲ ብእግዚኣብሄር ካብ ምርኮ እተመልሱሉ ዕላማ ሸለል ኢሎም፡ ኣብ ምስራሕ ምድራውን ውልቃውን ቤት ከም ዝተጻምዱ ተረዲእና ኣሎና። ክብሪ ናይታ ቐዳመይቲ ቤት ከመይ ከም ዝነበረ ኣብ ቀዳማይ መጽሃፍ ነገስት ብሰፊሑ ተገሊጹልና ኣሎ። እቲ እግዚኣብሄር ዚዛረበሉ ዘሎ ኽብሪ፡ ኣብቲ ንድፊ ናይቲ ህንጻ፡ ብሉጽነት ናይቲ ዝሃንጹሉ ናውቲ ህንጻ ዝተመርኰስ ኣይኰነን። ብወርቂ ኻብ ምህናጽ ሓሊፎም ብኻልእ ኪሃንጹ ኣይክእሉን እዮም። ዳጋዊ ኣተሃናንጻ ከም መወዳዳሪ ረቛሔ እንተ ተወሲዱ፡ እዛ ኻልኣይቲ ነታ ቐዳመይቲ ኽትበልጻ ኣይከኣልን እዩ።

ነታ ንጉስ ሰለሞን ዝሰርሓ ቐዳመይቲ ቤት መቕደስ ፍሉይ ክብሪ ዝውሃባ፡ እቲ ሰላምን ኣብኣ ዘፍስሶ ወርቅን ብሩርን ክቡር ኣእማንን፡ ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብን ኣይኰነን። ነታ ቤት ክብሪ ዘጐናጻፉ፡ እግዚኣብሄር ናብኣ ወሪዱ ብኽብሪ ምምልኡ እዩ። ነታ ሙሴ ብኣጭርቕትን ብቐርበት እንስሳታትን ዝሰርሓ ተንቀሳቓሲት ቤት መቕደስውን ካብታ ናይ ሰላምን ቤት መቕደስ ንላዕሊ ኽብሪ ኣምላኽ ዝተራእየላ ምንባራ ቃል እግዚኣብሄር ኣረጋጹልና እዩ ( ዘጸ 2417 4034 1ነገ 810-11 2ዜና 513-14) ስለዚ እግዚኣብሄር ጽባቐ መቕዳስ መሲጥዎ ብኽብሪ ዚመልእ ነይሩ እንተ ዚኸውን እታ ብዓለባን ብቘርበትን ዝተሰርሓት መቕደስ ክብሪ ኣምላኽ ክትርእይ ኣይምኻኣለትን ነይራ። እግዚኣብሄር ነታ ንጉስ ሰለሞን ዝሃነጻ መቕደስ ኬኽብራ ኪስማማዕ ከሎ ኣቐዲሙ ዘቐመጦ ቕድመ ዂነት ከም ዝነበረ፡ ኪንርሳዖ ኣይግባእን እዩ። ሰለሞን፡ ነቲ ህንጻ ፈጺሙ ጸሎቱን ምህላላኡን ምስ ኣቕረበ፡ እግዚኣብሄር ካልኣይ ጊዜ ተገልጸሉ እሞ፡ ከምዚ ዝስዕብ በሎ፡

“. . . ነቲ ኣብ ቅድመይ ዝተማህለልካዩ ጸሎትካን ምህልላኻን ሰሚዐዮ ኣለኹ። ነዛ ዝስረሕካያ ቤት፡ ስመይ ክሳዕ ዘለኣለም ኣብኣ ኽነብር ቀዲሰያ ኣሎኹ። ዓይነይን ልበይን ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኺነብራ እየን።. . . ንስኻትኩምን ደቅኹምን ካብ ምስዓበይ ፈጺምኩም እንተ ተመለስኩም፡ ነቲ ዝሃብኩኹም ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን ከኣ እንተ ዘይሓሎኹም።ኬድኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልግልኩምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፡ ሽዑ ኣነ ንእስራኤል ካብዛ ዝሃብክዎም ምድሪ ኸጽንቶም እየ፡ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብያ እየ። እስራኤላውያን ካብ ኲሎም ህዝብታት መመሰልን መላገጽን ኪኸውን እዩ። እዛ ቤት እዚኣ ድማ ኣዝያ እኳ ልዕል እንተ በለት፡ ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ተገሪሙ ይፋጺ።” 1ነገ 93,6-8

ስለዚ ኽብሪ ናይታ ቤት መቕደስ፡ ብጽባቐ ናይቲ ህንጻን ብጽባቐ ናይቲ ኣብ ውሽጣ ዚካየድ ዓይነት ስርዓተ ኣምልኾ ዘይኰነስ ብዓይነት ህይወት ናይቶም ኣብኣ ዜገልግሉን ዚግልገሉን ሰባት እዩ ዝውሰን። ነቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ትእዛዛትን ንፍቓድ ኣምላኽን ዜገልግልን ዚእዘዝን ህዝብን ኣገልገልትን እንተልዮም እግዚኣብሄር ኣብ ህይወቶም ምስ ከበረ፡ ብድሕሪኡ ድማ ነታ ንሳቶም ንስሙ ኢሎም ዝሰርሕዋ ቤተ መቕደስ የኽብራ ነበረ። እምበር ክብሪ ናይታ ዝሃነጻን ዘገልግለላን ቤተ ክርስትያን ኪርእይ ዚደልይ ዝዀነ ይኹን ኣገልጋሊ ይኹን ምእመን ቀዳምነት ሂቡ ኺጥንቀቐሉ ዚግባእ፡ ኣብ ዕለታዊ ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወቱ ንኣምላኽ የኽብሮ ከምህላው ምርግጋጽን እዩ። ኣብኡ ዝተዓወተ ሰብ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ግሩም ህንጻ፡ ኣብ ድንኳን ዋላ ትሕቲ ገረብ ኰይኑ ዝሰርዖን ዚህቦን ኣገልግሎት ንእግዚኣብሄር ናይ ግድን ኬኽብሮ እዩ።

ኣብ ዘመን ሊቀ ካህናት ኤሊ ዝተኸሰተ ታሪኽ ነዚ ንዛረበሉ ዘለና ሓቂ ኣዝዩ ዜብርሃልና እዩ።፡ ነውሪ ናይቶም ክልተ መንእሰያት ካህናትን ሸለልትነት ናይ ኬቕንዖም ወይ ኬወግዶም ሓላፍነትን ስልጣንን ዝነበሮ ኣቦኦም፡ሊቀ ካህናት ኤሊን፡ ኣብ ቀዳማይ መጽሓፍ ሳሙኤል ከም ዚግባእ ተዘርዚሩልና ኣሎ። እቶም መንእሰያት በቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መስዋእቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ በደል፡ እቲ ህዝቢ ነቲ መስዋእቲ ኽሳዕ ዚንዕቆ ገይሮምዎ ነበሩ። በቲ ተግባሮምን፡ እቲ መስዋእቲ ንኣታቶም እምበር ንኣምላኽ ይስዋእ ከም ዘሎን ኣምሲሎምዎ ነበሩ። ሕሉፍ ሓሊፍዎም ድማ፡ ነተን ኣብ ዙርያ እቲ ቕዱስ መቕደስ ብዝሙት ይደፍርወን ነበሩ። እግዚኣብሄር በቲ ደረት ኣልቦ ትዕግስቱን ምሕረቱን ኪንስሑ ዕድል ሂብዎም እኳ እንተ ነበረ፡ ንሳቶም ግና ኣይተጠቕሙሉን። ብድሕርዚ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝብን ንቤት መቕደሱን ተፈልዮም። ክብሩ ካብቲ ታቦቱ ስሓበ። ኣብቲ ቕድሚኡን ድሕሪኡን ዝነበረ ዘመናት፡ ይትረፍ ንዝተጸግዖን ንዝተንከፎን፡ ነቲ ብማዕዶ ዓይኑ ሰሪቑ ዝጠመተ እኳ ዚቐዝፍ ዝነበረ ታቦት፡ እግዚኣብሄርን ክብሩን ካብቲ ቤት መቕደስን ታቦት ኪዳንን ስለ ዝተፈልየ፡ እቶም ኣረማውያን ፍልስጤማውያን ነቲ ታቦት ኪዳን ካብ ኢድ እቶም ተሰኪሞምዎ ዝነበሩ ካህናት ብኢዶም መንዚዖም፡ ኣብቲ ርኹስ ቤት ናይ ጣኣቶም (ዳጎን) ኣቐመጥዎ። ኣብ ኢድ እቶም ካህናት ከሎ ሓይሉን ክብሩን ስኢኑ ዝነበረ፡ ኣብ እንዳ ጣኦት ምስ ኣተወ ግና ፍልስጤማውያን ክሳዕ ዚጭነቝ ሓይሉን ክብሩን ገለጸ።

እምበኣር ክብሪ ቤት መቕደስ ክብሪ ናይቲ ኣብኡ ዘሎ ንዋየ ቅድሳትን፡ ኣብኡ ዚፍጸም ስርዓታትን፡ ኣብ ህይወት ናይቶም ኣብኡ ዜገልግሉን ዚግልገሉን ህዝቢ ከም ዚምርኰስ፡ እዚ ታሪኽ እዚ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።እግዚኣብሄር ኣብ ህይወትና ይኸብር እንተልዩ ኣብታ ዘቘምናያ ቤት መቕደስውን ኬኽብር እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ቤተ ክርስትያኑን ኣብ ኣገልግሎቱን ክብሪ ኣምላኽ ዓዚዙ ኺርእይ ዚደልይ ኲሉ ክርስትያን፡ ኣብ ህይወቱን ህይወት ምእመናትን ኣተኲሩ ኪዓይይ ይግብኦ ማለት እዩ። ቃል እግዚኣብሄርውን በቲ ቕዱስ ሃዋርያኡ ገይሩ፡

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።ብምባል ብኣጽንዖት ምዒዱና ኣሎኣ (1ቆረ 619,20) ስለዚ እቲ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ኣገልግሎታን ኪርእይ ዚብህግ ኲሉ ክርስትያን፡ ቅድም ኣብ መቕደስ ስጋኡ ንኣምላኽ ኬኽብር ይግብኦ። እግዚኣብሄር ካብ ኣብቲ ብኢድ ሰብ ዝተሰርሐ ቤት መቕደስ ንላዕሊ ኣብቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ መቕደስ ስጋና ኪኸብርን ኪግልገልን እዩ፡ ዚደልይ። ስለዚ ድማ እዩ ሰባት ንመቕደስ ስጋኦም ንትእዛዛቱ ብምፍራስን ሓጢኣት ብምፍጻምን ኬማስንዎ ከለዉ፡ ንኣታቶም ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ዝዀነ በደል ዘይፈጸመ ንሳቶም ዝሃነጽዎ ቤት መቕደስ ሰባት ክሳዕ ዚስክሑሉ ምሳታቶም ኣሕቢሩ ዚድምስሶ። ነዚ ሓቂ እዚ ድማ ኣብቲ እታ ቤት መቕደስ ዝተመረቐትሉ ዕለት ኣግሂዱ ከም ዝገለጻ ልዕል ኢልና ኣብ 1ነገ 93,6-8 ርኢናዮ ኢና። እግዚኣብሄር ካብ ኣብቲ ሰብ ዝሰርሖ ብዕጨ-እምኒ ዝተነድቀ ቤት መቕደስ ንላዕሊ፡ በቲ ንሱ ዝሰርሖ ህያው ቤት መቕደስ ዝዀነ ሰብ ከም ዝግደስ ብኣፍ ነብዩ ኢሳይያስ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ገሊጹልና ኣሎ።

ኣዐርዩ፡ ኣዐርዩ፡ መገዲ ጽረጉ፡ ካብ መገዲ ህዝበይ መዓንቀፊ ኣርሕቑ፡ ኪበሀል እዩ። ስለዚ እቲ ንዘለኣለም ዚነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን (እግዚኣብሄር) ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር ኣሎኹ፡ ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር ኣሎኹ።ኢሳ 5714,15

ስለዚ እግዚኣብሄር ከነዐርዮ፡ ክንጸርጎ መዐንቀፊ ከነርሕቕሉ ዝተዋህበና ተልእኾ፡ ንልቢ ሰባት ትሑትን ድቑስን፡ ኣምላክ ኪነብሮ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ምድላዉ እዩ። ሰማይን ምድርን ዘይጸርዎ ኣምላኽ፡ እሞ ድማ ኣብ ኣዝዩ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እናነበረ ኸሎስ፡ ብዝያዳ ኣብቲ ትሑትን ድቝስን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ኪነብርን ኪሓድርን መረጸ። ነዚ ነገር እዚ ኣጸቢቕና ከነስተውዕሎን ክንውፈየሉን ስለ ዝደለየ ድማ፡ ብእኡ ብነብዩ ኢሳይያስ ደጊሙ ነዚ ሓሳብ እዚ ንቤት እስራኤል ከም ዚንገሮም ገበረ።

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ሰማይ ዝፋነይ እዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ ኸመይ ዝበለ እዩ እቲ ኣነ ዝዐርፈሉ ስፍራኸ ኸመይ ዝበለ እዩ። ኢደይ እያ ነዚ ዂሉ ዝገበረቶ፡ እዚ ኸኣ ኰይኑ ኣሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ግናኸ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘሎኹ።ኢሳ 661,2

እምበኣር፡ ዝደለየ ዓይነት ጽባቐን ክብርን ዘለዎ ቤት መቕደስ እንተ ሃነጽና እኳ፡ ካብቲ ንሱ ድሮ ዚነብረሉ ዘሎ ሰማይን ምድርን ዚጽብቕ ጌርና ክንሰርሕ ኣይንኽእልን ኢና። ናይ ሰብን ናይ ኣምላኽን ስራሕ ፈጺሙ ንሓድሕዱ ኺወዳደር ዚኽእልውን ኣይኰነ። ሰብ ዋላ እንተ ሰረሐ እኳ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝፈጠሮ እምንን ዕንጸይትን ወርቅን ብሩን ሓጺንን ገይሩ እዩ ዝሰርሕ እምበር፡ ባዕሉ ምሂዙ ካብ ገዛእ ርእሱ ዝፈጥሮን ዚሰርሖን ነገር የብሉን። ዋላ እቲ ዝዓበየ ኢሉ ዝሰርሖ ህንጻ ድማ፡ ንሒደት ኣሽሓት ሰበት ይሕዙሉ ይከውን እምበር፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ዘይኣኽልዎ ኣምላኽ ዚኣክልን ዚበቅዕን ህንጻ ኪሰርሕ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እቲ ሰብ ዝሰርሖ ህንጻ ንእኡ ነቲ ሰብ እምበር ንኣምላኽ ኢልካ ዚስራሕ ኣይኰነን። ስለዚ ድማ እዩ፡ቤተ-ክርስትያንተባሂሉ ዝተጸውዐ። ክርስትያን ዚእከቡሉ ቤት እምበር ኣምላክ ዝነብረሉ ቤት ኣይኰነን። ኣምላኽ ኣብኣ ዚህልው፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብኡ ዚእከብ ሰብ እንተ ኣልዩ ጥራይ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ እቶም ሰባት ካብ ህይወቶም እንተ ኣርሓቕዎ፡ ንሱ ድማ ንኣታቶምን ነቲ  ዝሰርሕዎ ህንጻን ኣሕቢሩ ዜፍርሶም። እስራኤላውያን ደድሕሪ ፍቓድ ርእሶም እናተመላለሱ፡ ንፍቓዱ እናፍረሱ ክነሶም፡ ናብታ ቤት መቕደስ እናመጹ ግና ከመይ ዝኣመሰሉ ምሩጻት እንስሳታት ይስውኡሉ ነበሩ።ልቦም ግን ብቓሉ ይርዕድ ኣይነበረን። ስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይነበሮምን። እግዚኣብሄር ከኣ ከምቲ ብቕዱስ ዳዊት ኣቦና።

እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።. . . መስዋእቲ

ባህ ኣየብለካን እዩ፣ እንተ ዘይኰነስ መቕረብኩልካ ነይረ፣ ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይትብህጐን ኢኻ እሞ፣17 መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ኣምላኽ፣ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ።ዝበሎ፡ መስዋእቲ ዜብህጎ ኣምላኽ ኣይዀነን ( መዝ 3418:; 51 16,17) ንእኡ መስዋእቲ ዜሐጉሶ፡ ቅድም ናይቲ ኺስውእ ዚመጽእ ዘሎ ሰብ ኣካይዳን ህይወትን ኣዝዩ ምስ ዜሕጒስ እዩ። ነቲ መስዋእቲ፡ እቶም ነቲ መስዋእቲ ዝፈጸሞ ካህንን እቲ ሓውን እዮም ዝበልዕዎ እምበር፡ ንሱ ኣይበልዖን እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ንህዝቢ እስራኤል።

ኣታ ህዝበይ፣ ኣነ ኽዛረብሲ ስማዕ፣ ኣታ እስራኤል፣ ኣነ ኽምስክር እየ፣ ኣነ ኣምላኽሲ ኣምላኽካ እየ። ብዛዕባ መስዋእትታትካ ኣይወቕሰካን፣ መስዋእትታት ምሕራርካ ኸኣ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።ኵሎም እንስሳ በረኻን

ኣብ ኣሻሕ ኣኽራን ዘለዋ ኸብትን ናተይ እየን፣ ንዅለን ኣዕዋፍ ኣኽራን እፈልጠን፣ ኣብ ምድሪ ዚዋሳወስ (ዘበለ ዂሉ) ከኣ ምሳይ እዩ ዘሎ እሞ፣ ኣነ ካብ ገዛኻ ዝራብዓት፣ ካብ ደምቤኻውን ዲቤላታት ኣይወስድን። ምድርን ምልኣታን ናተይ እያ እሞ፣ እንተ ዝጠሚ እኳ ኣይምነገርኩኻን።ኣነዶ ስጋ ዝራብዓት እበልዕ፣ደም ዲቤላታትሲ እሰቲ እየ፧ዝበሎም (መዝ 507-13) ብኣንጻሩ፡ ነቲ ንፍቓዱ እናገሃሱ ዜቕርብዎ መስዋእቲ ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ኣዝዩ ኸቢድን ዘይጽወርን እዩ። ስለዚ ድማ ነቲ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ናይ ኢሳ 661,2 ኣስዒብና እንተ ረኣናዮ፡ ኣዚዩ ዜሰምብድ እዩ። ከምዚ ዝስዕብ ድማ ይብል

እቲ ብዕራይ ዚሐርድ (ዚስውእ) ከምቲ ንሰብ ዚቐትል እዩ፡እቲ ገንሸል ዚስውእ ከምቲ ንኽሳድ ከልቢ ዚሰብር (ዚስውእ) እዩ፡ እቲ ንመስዋእቲ ብልዒ ዜቕርብ ከምቲ ደም ሓሰማ ዚስውእ እዩ፡ እቲ ዕጣን ዚዐጥን ከምቲ ንጣኦት ዜመስግን እዩ። እወ፡መገድታት ርእሶም ሐረዩ፡ነፍሶም ድማ ብጽያፎም ባህ በላ። ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እኩይ ገበሩ፡ ባህ ዘየብለኒውን ሐረዩ እምበር፡ጸዊዔ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፡ ተዛረቢ ኸኣ ኣይሰምዑንን እሞ፡ ኣነ ኸኣ ጒድኣቶም ክሐሪ፡ ዜሰክሖም ድማ ከውርደሎም እየ።ኢሳ 663,4

ንሓደ እስራኤላዊ፡ ሓሰማ ከልቢ ወይ ሰብ ኣብቲ መሰውኢ ናይ ቤት መቕደስ ምቕራብ ማለት ኣዝዩ ኸቢድ ነግር ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጦ እዩ። ስለዚ ኣግዚኣብሄር ብመገዲ ርእስኻ እናተመላለስካ፡ ንኣምላኽ ባህ ዘየብሎ እኩይን ጽዩፍ ተግባር ክትገብር ቀኒኻ፡ ናብ ቤት መቕደስ ከመይ ዝበለ ንጹህ ገንሸል እንተ ሰዋእካ እኳ፡ ኣነ ግና ነቲ ዝቕረብካዮ መስዋእቲ ከም ናይ  ሓሰማን ከልብን ርኹስ መስዋእቲ ገይረ እየ ዝርእዮብምባል ገለጸሎም። ኣብቲ ሽዱሽተ መዓልታት፡ ብሓጢኣትን ብርኽሰትን ክትመላለስ ቀኒኻ ኣብቲ ሻብዓይ መዓልቲ መጺእካ፡ ብእተቕርቦ ጸሎትን መባእን መዝሙርን ካልእ ኣገልግሎትን ንእግዚኣብሄር ከተኽብሮን ከተስምሮን ኣይከኣልንን እዩ። ብኣንጻሩ እግዚኣሄር ከም ጸርፍን ላግጽን እዩ  ዚርእዮ። ዋላ ብኣፍካ  ከምኡ እንተ ዘይበልካ፡ ከምኡ ዚብል ጥረ ሓሳብውን ኣብ ኣእምሮኻ እንተ ዘይሓሰብካ፡ ብተግባርካ ግን ንእግዚኣብሄር ከም ዘይርኢ ዕውር፡ ከም ዘይሰምዕ ጸማም ጌርካ ትርእዮ ከም ዘሎኻ ክትፈልጥ ይግባእ።ቅዱስ ዳዊት ንተግባር ናይ ረሲኣን ኪትርጉም ኸሎ ደጋጊሙ

ኵሉ ሓሳባት እቲ ረሲእ፣ ኣምላኽ የልቦን እዩ፣ ብትዕቢቱ ኸኣ፣ (እግዚኣብሄር) ኣይምርምርን እዩ፣ ይብል አሎ. . . ስለምንታይ ረሲእ ንኣምላኽ ዚንዕቆ፣ ብልቡ ኸኣ፣ኣይክትምርምርን ኢኻ፣ ዚብሎ፣. . . . ንመበለትን ስደተኛን ይቐትሉ፡ ንዘኽታማት ከኣ ይሐርዱ እዮም እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣይርእዮን፡ ኣምላኽ ያእቆብ ኣየስተብህሎን እዩ፡ ይብሉ ኣለዉ። ኣቱም ዳንዴታት ህዝቢ፡ ኣስተውዕሉ፡ኣቱም ዓያሱ፡ መኣዝ ኢኹም እትልብሙ ፡እዝኒ ዝተኸለስ ኣይሰምዕንዶ ዓይኒ ዝፈጠረስ ኣይርእንዶ እዩ

ይብል ነበረ (መዝ 104,13  946-9) ስለዚ ሓደ ሰብ ሓጢኣት ኪፍጽም ከሎ ክልተ ግብራዊ መልእኽታት የመሓላልፍ ከም ዘሎ ኪርዳኦ ይግባእ። እቲ ቐዳማይ  “ ኣምላኽ የለንዚብል ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ፡ዋላ እንተሎ እኳ፡ ነዚ ኣነ ዝገብሮን ዚዛረቦን ዘለኹ ክርእይን ኪሰምዕን ዘይኽእል ዕውርን ጸማምን እዩዚብል እዩ። ስለዚ ዝተፈላለየ ዓይነት ሓጢኣት ብድፍረት ክትፍጽም ቀኒኻ ኣብ ቤተ ክርስትያን መጺእኻ ዝተፈላለየ ዓይነት መስዋእቲ ናይ ጸሎትን መዝሙርን ቍርባንን መባእን ከተቕርብ ከሎኻ፡ ብሓንጎልካን ብኣፍካን እኳ ከምኡ እንተ ዘይበልካ፡ ብግብርኻ ግን ንኣምላኽ ተስተናዕቖን ትጸርፎን ኢኻ ዘሎኻ። ስለዚ እታቤት ኣምላኽ ኢልካ እትሰምያ ዘሎኻ ቤት፡ ኣምላኽ ዚጽረፈላ እምበር ኣምላኽ  ዚከብረላ ቤት ትገብራ ኣየሎኻን። እግዚኣብሄር ድማ ነታ ዚጽረፈላ ቤት  ኬፍርሳ እምበር ኪሃንጻ ኣይደልዩን እዩ። እምበኣር እቲ ክብሪ ቤት ኣምላኹ ካብቲ ዝቐደመ እቲ ዳሕራዋይ ዝበለጸ ኪዀነሉ ዚደልይ ህዝብን ኣገልጋልን፡ ቅድም ነታ ቤት ባዕሉ ኬኽብራ ኪኽእል ኣለዎ። ዜኽብራ ድማ ብኩር ናውቲ ህንጻ ብምህናጽን፡ ብኽቡር ንዋየት ቅድሳት ብምምላእን ዘይኰነ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክብሩን ቅዱስን ዝዀነ ህይወት ብምንባር ኣብታ ቤት ምርካቡ ብምርግጋጽ እዩ። ካብኡ ብዝተረፈ፡ ክብሪ ህይወትና ምስ ክብሪ ኣምላኽና ዘይጠዓዓም እንተ ዀይኑ፡ ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ንቤተ ክርስትያንና ኬኽብረልና ክንጽበይ ኣይከኣልን እዩ። እንተ ተጸቤን ድማ ክንቱ ትጽቢት ኰይኑ እዩ ዚተርፍ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ክሳዕ ክንድዚ ሓሲራ መጻውቲትን መላገጽጺትን ናይ ኢዝሄራውያን (atheists) ኮምኑዩኒስታውያን ኰይና ተሪፋ ዘላ ድማ ብእኡ እዩ። ህንጻታት ኣይፈረሰን። ኲሉ ስርዓታን ቀኖናኣን ግና ፈሪሱስ መገባርያ ፖለቲካኛታት ኰይና ትርከብ ኣላ። ካብ ቤተ ክርስትያን ኽትብላ ከም ካልኦት ሚኒስትሪታትሚኒስትሪኢልካ ኽትጽዋዕ ብዝያዳ ዝቐረበን ዚብጽሓን ኰይኑ ይርከብ። እምበኣር ክብሪ ቤተ ክርስትያንና፡ ካብቲ ንናይ ቀድም ዝበለጸ ዀይኑ ኽትርከብ ንደልይ እንተ ዀንና፡ መጀመርታ ንመቕደስ ስጋና ኸነ ኽብሪ የድልየና ኣሎ። ንእግዚኣብሄር ብስጋና ምስ ኣኽበርናዮ፡ ብቅንኣት ቤቱ ኬለዓዓል እዩ፡ ሽዑ ነታ ዝፈረሰትን ዝረኸሰትን ቤቱ ኺሃንጽን ኬንጽህን እዩ። ነቶም በዓቲ ጐሓሉት ጌሮምዋ ዘለዉ ዂሎም ድማ በቲ ኽብሩ ቅልጽሙ ጻራሪጉ ከውጽኣላ እዩ። ነቶም ቀዳሞት ጐሓሉት ዚትካእ እንተ ዀይኑ ግን፡ ነታ ቤት ንምጽራይ ዚለዓለሉን ዚህወኸሉን ዝዀነ ካልእ ምኽንያት የብሉን። ክብሪ ብጌት ኣምላኽ እናዓበየን እናበለጸን ዚኸይድ እቶም ኣብኡ ዚእከቡ ሰባት ኣብ ዓይኒ ኣምላክ ብኽብሪ ምስ ዚጥመቱ ጥራይ እዮም።

ብመሰረቱ ወዲ ሰብ ንኽብሪ ኣምላኽ እሉ እተፈጥረ፡ ስለዚ ድማ፡ ነቲ ብምርኮ ዝወሰዶም ንጉስ፡ነቲ ብስመይ እንተጽውዐ ዘበለ ዂሉ ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝደኰንኽዎን ዝገበርክዎን ( ህዝቢ) ኣምጽኣዮኢሉ ኣዘዘ ( ኢሳ 436,7) ነቶም ኪላኣኽዎ ዝሓረዮም ባሮቱ ድማ፡ኣነ ዝኸብረሉ ባርያ ንስኻ ኢኻ፡. . . ኣብ ኣዒንተይ ብሉጽን ክብሩን ኢኻእናበለ እዩ ዜኽብሮም (ኢሳ 493 434) ከምቲ ነብዩ ኢሳያስ ኣብቲ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ዝተነበዮ ትንቢቱ ዝገለጾ፡ ነቶም ዚኣምንዎ ዚቕበልዎ ኲሎም፡ኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄርተባሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ እዩ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብስጋ ዝተገልጸ (ኢሳ 613 ) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ  ናብ ጢሞቴዎስ ዝጽሓፎ መልእኽቲ ገሊጽዎ ከም ዘሎ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ብክርስቶስ ዛኣምነ ክርስትያንኣቕሓ ኽብሪንምዃን እዩ ዝተፈጥረ። ሰብ ግና ነቲ ዝተመደበሉ ድንቂ ጽሕፍቶ ደርብዩ፡ኣቕሓ ውርደትናይ ምዃን ዕጫ የልዕል ኣሎ።

 

ግናኸ ኣብ ዓብዪ ቤት ካብ ዕጨይትን መሬትን ዝዀነ ኣቓሑ ድማ እምበር፡ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ጥራይ ኣይኰነን ዚርከብ፡ ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንውርደት ይኸውን።እምብኣርሲ ሓደ እኳ ርእሱ ኻብ እዚኣቶም እንተ ኣጽረየ፡ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ እተቐደሰ፡ ንተግባር ብዓል ቤት ዚጠቅም፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውን እዩ።” (2ጢሞ 220-21)

ካብዚ ቓል እንርድኦ ኣቕሓ ኽብሪ ወይ ኣቕሓ ውርደት ምዃን ምርጫ እምበር ጽሕፍቶ ኣይኰነን። ከተምልጠሉ ዘይከኣል ጽሕፍቶ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ እዚ ቕዱስ ሃዋርያ፡ሓደ እኳ ርእሱ ኣቕሓ ውርደት ካብ ምዃን እንተ ኣጽረየዚብል ቅድመ ዂነት ኣይመቐመጠን። ኣቕሓ ኽብሪ፡ ቅዱስ ኣቅሓ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ እቲ ቕዱስ በዓል ቤት ( እግዚኣብሄር) ንተግባሩ ወይ ንኣገልግሎቱ ኺጥቀመሉ ብቝዕ ዚኸውን። ሰንይ ግብሪ ንምግባር ዘለዎ ድሉውነት ድማ ልዑል እዩ። እቲ ዳሕረዋይ ክብሪ ቤተ ክርስትያን ካብቲ ዝሓለፈ ኽብራ እናበለጽን እናዓበየን ዚኸይድ፡ ካብ ኣቕሓ ውርደት ናብ ኣቕሓ ኽብሪ ገጾም ዚልወጡን ዚዓብዩን ቍጽሪ ምእመናንን ኣገልገልትን እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን እዩ። ብኣቕሑ ውርደት ኣብ ዝመልኣት ቤተ ክርስትያን፡ክብሪ እግዚኣብሄር ኪግለጽ ኣይክእልን እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ቤተ ክርስትያን ክብሩ ንኸይገልጽ፡ ህላወ ናይ ሓደ ኣቕሓ ውረድት ዝዀነ ሰብ ኪዓግቶ ይኽእል እዩ። ምሉእ ህዝቢ እስራኤል ንጹህ ከሎ ሓደ ኣካን ጥራሕ ሕርሚ ብምልዓል ስለ ዝረኸ እግዚኣብሄርን ሓይሊ ኽብሩ፡ ነቲ ኽቡር ቅልጽሙ ኻብ እስራኤል ከም ዝሰሓበ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹልና ኣሎ ( ኢያ 71-26) ሕሩይ (ክልኩል) ኣቕሓ ዝሓዘ፡ ኣቕሓ ውርደት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን እንተልዩ፡ እቲ ምስ ሓጢኣት ምሕባር ዘይኰነሉ ኣምላኽ ካብታ ቤት እቲኣ ገዛእ ርእሱን ክብሩን ይስሕብ። እታ ቤተ ክርስትያን ድማ ኣብ ቅድሚ ሰይጣንን ሰዓብቱን ስዕረትን ዝሞተትን ኰይና እያ ትተርፍ። እቲ ነዚ ዘስተውዓለ ቅዱስ ሃዋርያ ኣብቲ ንእብራውያን ዝጻሓፎ መልእኽቱ፡ደጋጊሙሓደ እኳእናበለ ኬጠንቅቖም ተሰምዐ።

ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሎሚ ኺብሀል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዐሸዎ ኸይተርር እሞ፡ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉ፡ ተጠንቀቑ።”(ዕብ 312-13)

ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣይ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረቲ እቲኣ ኽንኣቱ ንጋደል።”(ዕብ 411)

ምእንትዚ ነተን ዘርጋሕጋሕ ዚብላ ኣእዳውን ወለል ዝበለን ኣብራኽን ኣቕንዕወን፡ እቲ ዚሕንክስ ኪሐዊ እምበር፡ ካብ መገዲ ምእንቲ ኸይወጽእሲ፡ነእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ። ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይኪርእዮን እዩ እሞ፡ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኲሉ ሰብን ስዐብወን።ሓደ እኳ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ከይጐድል፡ ንብዙሓት ዜርክስ ገለ መሪር ሱር በቚሉ ኸየጨንቐኩም፡ ተጠንቀቑ። ክላምጥሕ ንሓደ ብልዒ ብዂርናኡ ዝሸጠ ኤሳው፡ ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ርኹስ ከይከውን፡ ተጠንቀቑ። ንሱውን ጸኒሑ እኳ በረኸት ኪወርስ እንተ ደለየ፡ ብንብዓት እናደለያ ኽነሱስ፡ ንንስሓ ስፍራ ኣይረኸበን እሞ፡ ከም እተደርበየ፡ ትፈልጡ ኢኹም።”(ዕብ 1215-17)

ስለዚ ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ሓደ ኣቕሓ ውርደት እንተልዩ እግዚኣብሄር ኣብታ ቤት እቲኣ ክብሩ ካብ ምግላጽ ኪዕገት ይኽእል እዩ። ኣብታ ጐይታና ባዕሉ ዝመስራቲኣን ዝመራሒኣን፡ ኣስታት 120 ዝዀኑ ኣባላት ዝነበርዋ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ሓደ ንገዛእ ርእሱ ካብ ኣቕሓ ኽብሪ ናብ ኣቕሓ ውርደት ዘውርዶ ሰብ ነበረ። ካብ ባርያ ክርስቶስ ምዃን፡ ባርያ ገንዘብ ስለዚ ኸኣ ባርያ ሰይጣን ምዃን ዝመረጸ፡ ናብ ኲሉ ወገን ዝሕንክስ ኣዝዩ ዜደንግጽ ሰብ ድማ ዀነ። ክሳዕ እታ ኣኽሊል ምስጢራት ዝዀነት ምስጢር ቍርባን ዝተሰርዓትላ ሓሙስ ምሸት ካብት ሕብረት ኣይተፈልየን። ከይተገብኣቶውን ካብታ ሕብስትን ካብታ ጽዋእ ወይንን ብድፍረት ተኻፈለ። ነቶም ከይተገብኦም ብድፍረት ዚወስድዎ ሰባት፡ ስጋን ደም ናይ ጐይታ ናብቲ መወዳእታ ምዕራፍ ናብ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ስለ ዝድርኾ፡ ነታ ቝራስ ምስ ወሰድ ብኡንብኡ ቐልጢፉ ወጸ። ጐይታውውንነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮበሎ  ( ዮሃ 1327, 30) እቲ ኣዝዩ ዜገርም ግና፡ ይሁዳ ውጽእ ምስ በለ፡ ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ፡

ሕጂ ወዲ ሰብ ከበረ፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ኸበረ። ኣምላኽ ኣብኡ ኻብ ከበረ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ርእሱ ኬኽብሮ እዩ፡ ቀልጢፉውን ኬኽብሮ እዩ።ምባሉ እዩ ( ዮሃ 13:31,32) ስለዚ ኽብሪ ኣምላኽን ክብሪ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ዚረጋገጽ፡ እቶም ኣቓሑ ውርደት ናብቲ ዝተመደበሎም ኪወጹ ኸለዉ እዩ። እቲ ዝበለጸ ምርጫ ግና ምውጻእ ዘይኰነ ሕውየት እዩ። ኣቕሓ ውረድት ካብ ምዃን ርእስና ኣጽሪና፡ ኣቕሓ ኽብሪ ናብ ምዃን ክንልወጥ ከሎና ፡ሽዑ ኽብሪ ቤተክርስትያን ዚዓዝዘሉ ጊዜ ኸም ዝኣኸለ ንጹር ምልክት እዩ።ከምቲ ንእስራኤል፡ኣብ ኢድ እዚ ክቡር ኣኽሊል. . . ዘውዲ ንጉስ ክትኰኒ፡ ኢኺዝተባህለላ፡ ንሕናውን ናብዚ ኽብሪ እዚ ገጽና ኽንዓብይ የድልይ (ኢሳ 623)።እቲ ሊቀ ነብያት ዝዀነ ሙሴ፡ ብብርቱዕ ቅንኣትን ባህግን ናብ ኣምላኽ ዝጸለያ ጸሎት እንተልያ፡ክርኻ ኣርእየኒእትብል እያ ( ዘጸ 33:18) እግዚኣብሄር ድማ፡ገጽካ ኣርእየኒማለት ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ፡ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ ገጸይ ክትርእይ ኣይትኽእልን ኢኻ።. . . ክብረይ ኪሓልፍ ከሎ ኣብ ጭዳድ ከውሒ እገብረካ (እሓብኣካ) ኣነ ኽሳዕ ዝሓልፍ ከኣ ብኢደይ ክኸውለካ እየ።ኢሎኡ መለሰሉ።ኣቐዲሙ ግና፡ ነቲክብርኻ ኣርእየኒዚብል ጸሎት ሙሴ፡

ኩሉ ለውሃተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸሕልፍ እየ፡ ስም እግዚኣሄር ድማ ኣብ ቅድሜኻ ክእውጃ እየ። ነቲ ኽምጒሶ እየ፡ ነቲ ኽምሕሮ ዝደሌኹ ድማ ክምሕሮ እየ።ብምባል እዩ ዝመለሰሉ ( ዘጸ 3319) መቸም ምሕረት ለውሃት መጐስ ፍቕሪ ወዘተ ባህርያት እምበር ኣካልነት ዘለዎም ብናይ ስምዒት ህዋሳት ዚህወስ ውዱዕ  ወይ ቍስ ነገራት ኣይኰኑን ( neither a erson no a matter) ስለዚለውሃተይ ኣብ ቅድሜኻ ከሕልፍ እየኽብሎ ኸሎ ለውሃተይን ምሕረተይን መጐሰይን ገይረ ኽመርሓካ እየ፡ እዞም ባህርያተይ እዚኣቶም መግለጺ ክብረይ እዮም፡ ክብረይ ኣይተፈልየላን ምሳኻን ቀቅድሜኻን ይኸይድ ኣሎኢሉ የረጋግጸሉ ኸም ዘሎ ኸነስተውዕል ይግባኣና። ስለዚ ኣብ ውልቃዊ ህይወተና ዀነ ኣብ  ቤተ ክርስትያንና፡ ኽብሪ ኣምላኽ ካብ ቅድም ብዝበለጸ ይዓዝዝ ከም ዘሎ እነስተውዕል፡ እዞም ባህርያት እዚኣቶም ኪዓዝዙልና ኸለዉ እዩ። መጐስ ኣምላኽ ዘይዓሰላ ቤተ ክርስትያን ይኹን ውልቀሰብ፡ኣገልግሎቱ ዀነ ህይወቱ ፍረ ዝበሃል ኣይርከቦን እዩ። ኣካላትና ኣብቶም ሰማዕቲ ንስሓን ካልእ ፍረታትን ዚፈርይ፡ መጐስ ኣምላኽ እንተልይዎ ጥራይ እዩ። ምሕረቱን ለውሃቱን ጸጋኡን ኣብ ልዕሌና እንተ ዘይዓዚዙ፡ ጻዕርና ፍረ ዘይብሉ ኸንቱ ሃልኪ ዀይኑ ዚተርፍ። ዝሰራዕናዮም መደባት ብልሙጽን ርጉእን ኣገባብ ንነዊሕ ዓመታት ስለ ዝተሳለዩልና ኣይኰነንናን ጽቡቕ ከም ዘሎና ኽንሓስብ ዚግብኣና። ኣብ ገዛእ ህይወትና፡ ኣብ ህይወት ናይቲ ፈትዩ ዚስዕበና ህዝብን ለውጥን ፍረን ይረኣይ እንተልዩ፡ ካብቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ድማ ናብ ድሕነት እናኣብቃዕና ንእግዚኣብሄርን ንሰራዊት መላእኽቱን ኣብ ሰማያት ዓብዩ ሓጐስ ከነዕዝዝ እንተ ኸኣልና፡ ሽዑ ክብሪ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኣዝዩ ዓዚዙ ኸም ዘሎ ርግጸኛት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነብዩ ኢሳይያስ ኣብ ትንቢቱ ዝገለጾ ኣዝዩ ዜገርምን ዜሕዝንን ቃል ኣሎ።

ከም ጥንስቲ ሰበይቲ፡ ክትወልድ ምስ ቀረበት፡ ቅልውላው ተታሒዛ እትጭርሕ፡ እግዚኣብሄር፡ ንሕናውን ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ዀንና። ጠነስና፡ ጻዕሪ ሕርሲ ሐዘና፡ ንፋስ ከም ዝወለደት ኰንና፡ ምድሓን ንምድሪ ኣየምጻእናላን፡ ኣብ ዓለም ዚነብሩ ኸኣ ኣይውለዱን።ኢሳ 2617-18

ብዓይነ ልቦናኹም ርኣይዎ (imagine ግበርዎ)።ትሽዓተ ወርሒ ከብዳ ተነፊሑ ዘይነብሳ ዝጾረት ሰበይቲ መዓልቲ ሕርሳ ኣኺሉ ብቕልውላዉ ተታሒዛ ክትጻዓርን ክትጭርሕን ሰዓታት ኣሕሊፉ፡ ወዲ ይኹን ጓል ህያው ናጽላ ተቐቢላ ኸተጥብዉን፡ ነቲ ስቓያ ዜረስዕ ውላድ ክትሓቍፍ እናተጸበየት ከላ፡ እቶም ዜሕርስዋ፡ኣብ ማህጽነኪ ንፋስ እምበር ህጻን (ዕሽል) ኣይጻንሓንእንተ ዝብልዋ፡ ንሳን ብዓል ኪዳናን ዓጽመ ስጋኣን ፈተውታን ዋላ ምሕረስታውን ከይተረፈ እንታይ ምተሰምዖም፧ ኣብ ዓለምናውን ውዕይን ዜና ( breaking news) ኰይኑ መገረመ ነይሩ።ሎሚ ብዙሓት ክርስትያን ውልቀ ሰባትን ኣብያተ ክርስትያንን፡ ጻዕረ ኣገልግሎተን ንፋስ ከም ምውላድ ኰይኑ እናሃለወ ከም ውዑይ ናይ መርድእ ዜና ዘይኰነ ኸም ንቡርን ቅቡልን ክስተት ይረኣይ ምህላው ኣዝዩ ዜሕዝን እዩ። ቤተ ክርስትያን ኣብ ማእከል እቲ እትነብረሉ ዓለም፡ ንሰባት ምድሓን ከተምጽኣሎም፡ ነቶም ኣብ ዓለም ተወሊዶም ዚነብሩ ሰባት ድማ ውሉድ ኣምላኽ ክትገብሮም እንተኽኢላ፡ ሽዑ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኣ ኸም ዘሎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንቤተ ክርስትያን ክብራ ወንጌል ኣምላኽ ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ።

እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ። ማለት፡ ክርስቶስ ኢየሱስ ከም ጐይታ፡ ንርእስና ግና ምእንቲ ኢየሱስ ከም ግዙኣትኩም ጌርና እምበር፡ ርእስና ኣይኰነናን እንሰብኽ ዘሎና። እቲ፡ ካብ ጸልማትሲ ብርሃን ይብራህ፡ ዝበለ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንብርሃን ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ ብገጽ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብርሆ።”2ቆረ 44-6

እምበኣር፡ ብርሃን ወንጌል ናይ ክርስቶስ ክብሪ ኻብ ኰነ፡ ናይታ ሰብነት- ክርስቶስ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ክብሪውን ንሱ ወንጌል ጥራሕ እዩ። ብርሃን ወንጌል ኣብኣ ደሚቝ ዘይበርህ ቤተ ክርስትያን እታ ኽብሪ ኣምላኽ ዝረሓቓ፡ ጸልማት ከኣ ዝወረሳ ቤተ ክርስትያን እያ።ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡

ስለዚ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ ኽሳብ ዙርያ እልዋሪቆን ንወንጌል ክርስቶስ ብምሉእ ሓይለይ ሰበኽክዎ።ዝበለ፡ እታ ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያት ዝተሰረተት ውልቃ ነፍስን ቤተ ክርስትያንን ከኣ ብምሉእ ሓይላን ፍቓዳን ወንጌል እያ ትሰብኽ (ሮሜ 1519) ኣቐዲምና ኣብ ዝረኣናዮ ጥቕስታት፡ ወንጌል ብርሃን እዩ፡ ክብሪ ድማ እዩ (2ቄረ 44,6) ስለዚ እታ ብርሃን ወንጌል እተብርህ ቤተ ክርስትያን፡ ንሳ እታ ክብሪ ኣምላኽ ዝዓዘዘላ ቤተ ክርስትያን እያ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ብርሃንን ክብርን፡ ዝበዝሕ ጊዜ፡ ብሓንሳእ ኪጥቀሱ ኸለዉ ኢና ነንብብ።

ብርሃንኪ መጺኡ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡ ብርሂ።እንሆ፡ ጸልማት ንምድሪ፡ ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኺ ኺወጽእ፡ ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኺርኤ እዩ።  ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፡ ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም።ኢሳ 601-3

“. . .ክብሪ እግዚኣብሄርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሄ፡ . . .” ሉቃ 29

ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፡ እግዚኣብሄርውን ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ክኾነላ፡ ኣብ ማእከላውን ንኽብሪ ክኸውን እየ፡።ዘካ 25

ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ብርሃን ብዓይነ ስጋ ዚረኣይን ዚደጒሕን ኰይኑ ይረኣይ ነበረ። ናይ ሓድሽ ኪዳን ብርሃን ግና ወንጌል እዩ። ንዓይኒ ዘይኰነ ድማ ንልቢ እዩ ዜብርሃሉ ቃል እግዚኣብሄር (ቃል ወንጌል) ብርሃን ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (መዝ 198 119105,130 ምሳ 623 2ጴጥ 119) ጐያ ናብ ምድሪ ገሊላ መጺኡ ወንጌል ኪሰብኽ ምስ ጀመረ፡ እቲ ብነብዩ ኢሳይያስ ዝተነግረ

“. . . ኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓብዩ ብርሃን ረኣየ፡ ኣብ ዓዲ ሞትን ድነን ንዚነብሩ ብርሃን ወጸሎም።ዚብል ትንቤት ፍጻሜ ከም ዝተረኸበ ተጻሒፉልና ኣሎ ( ማቴ 415,16 ኢሳ 823 91) ነቲ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ብርሃን ዜብርሁ ሰባትን ቤተክርስትያንን፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡

ንሕና ዂላትና ግና ብቕሉዕ ገጽ ነቲ ኽብሪ ጐይታ ኸም ብመስትያት ጌርና እናጠመትናዮ፡ ከም ካብ መንፈስ ጐይታ ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ።ዝበሎ ብምሉእ ሓይሎም ንወንጌል ዚሰብክዎ ስለ ዝዀኑ ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ (ንክርስቶስ ናብ ምምሳል) ከም ዚልወጡን፡ ካብ ሓደ ክብሪ ናብ ዝዓበየ ክብሪ ከም ዚሰጋገሩ ከነስተውዕል ይግብኣና ( 2ቆረ 318)

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ፡ዝዀነ ክርስትያን ብኸመይ ክብሪ ኣቦ ከም ዝቕበል፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብነት ብምግባር ግሩም ገይሩ ገሊኡልና ኣሎ

ሕጂ ወዲ ሰብ ከበረ፡ ኣምላኽውን ብእኡ ኸበረ።ኣምላኽ ብእኡ ኻብ ከበረ፡ ኣምላኽ ከኣ ንእኡ (ንወዱ) ባዕሉ ኬኽብሮ እዩ፡ ቀልጢፉውን ኬክብሮ እዩ።ዮሃ 1331

ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ ኣብ ምድሪ ኣኽቢረካ እየ። ! ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለምን ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣኽብረኒ።ዮሃ 174,5

ጐይታና፡ ኣዚ መልእኽቱን ጸሎቱን ሓደ ንጹር ዝዀነ ነጥቢ ኣጒሊሑልና ኣሎ። ንሱ ኸኣ ነቶም ዘኽበርዎ ከም ዜኽብር እዩ።ወዲ ሰብተባሂሉ ዘሎ ጐይታና ኢየሱስ ባዕሉ እዩ። መጀመርታ እቲ ወዲ-- ሰብ ንኣምላኽ (ንእግዚኣብሄር ኣቦ) ምስ ኣኽበሮ፡ ድሕሪኡ ድማ እቲ ኣቦ ነቲ ዝኽበሮ ወዲ ባዕሉ ከም ዘኽብሮ ኣነጺሩ ገሊጹልና፡ ኣሎ። ኣብቲ ጸሎቱ ድማ ቅድሚ እቲ ወዲ ( ማለት ኢየሱስ) ንኣቦ ኣብ ምድሪ ምስ ኣኽበሮ ብድሕሪኡ እቲ ኣቦ ነቲ ወዲ  ከም ዜኽብሮ ኣመልከተና።ስለዚ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣምላኽ ( እግዚኣብሄር ኣቦ) ነቶም ዘኽብርዎ ጥራይ ከም ዜኽብርን፡ እቲ ኣብ ሰማያት፡ በቲ ቅድሚ ምስራት ዓለም ዝተዳለወሉ ኽብሪ ኪኸብር ዚደልይ ውልቀ ሰብ ቅድም ንሱ ንእግዚኣኣብሄር ኣብ ምድሪ ኬኽብር ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጸልና።ከየኽበርካዮ ኬኽብረካ ምጽባይ ማለት፡ ካብ ዘይዘራእካሉ ግራት ስራናይ ወይ ጣፍ ክትዓጽድ ምጽባይ ዝዓይነቱ ዓሻ ትጽቢት እዩ። እቲ እግዚኣብሄር፡ ንኤሊ፡ ነቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ንላዕሊ ንደቁ ዜኽብር ሊቀ ካህናት፡ኣነስ ነቶም ዜኽብሩኒ ኣኽብሮም፡ እቶም ዚንዕቍኒ ኸኣ ኪሓስሩ እዮምዝበሎ ቓል ኪርሳዕ ኣይግባእን ( 1ሳሙ 229,30)

ጐይታና ግና፡ ነቲ ቕዳም ተኸተል ናይ ምክብባር ጥራይ ዘይኰነ፡ እግዚኣብሄር ብኸመይ ከም ዚኸብርውን ገሊጹልና እዩ። እቲኣነ ኻኣ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጸመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻዝበሎ ቃል፡ ንሕናውን ነቲ ኽንገብሮ ዝተዋህበና ግብሪ ብምፍጻም ጥራሕ ከነኽብሮ ከም እንኽእል ገሊጹልና ኣሎ። እታ ኽንፍጽማ ዝተዋህበትና ግብሪ ድማ፡ እታ ክርስቶስ ዝተቐበላን ዝፈጸማን ግብሪ እያ። ክርስቶስ ጐይታና፡ ካብ ኣቦኡ ዝተቐበሎን ከምኡ ድማ ንሱ ዝፈጸሞ ግብሪ እንታይ ምዃኑ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ብጸሎት ገሊጽዎ ኣሎ።

ነዞም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት፡ ስምካ ገለጽኩሎምናትካ ነበሩ ንኣይ ሃብካኒ።. . . እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሃብክዎም፡ ንሳቶምውን ተቐበልዎ፡ . . . ከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ ከምኡውን ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽክዎም።ዮሃ 176,8,18

ስለዚ ክርስቶስ ጐይታና፡ ካብ ኣቦ ኽልተ ነገራት ከም ዝተቓበለ ነጊሩና ኣሎ።ቀዳማይ እቲ ቓል ኪኸውን ከሎ ካልኣይ ድማ እቲ ቓል ዚሰበኸሎም ሰባት እዮም። ስለዚ ጐይትናነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻኪብል ከሎ፡ንዂሉ እቲ ዝሃብካኒ ቓል፡ ንዂሎም እቶም ዝሃብካኒ ሰባት ኣብጺሓሎም፡ ሂበዮም ኣረኪበዮምይብል ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ምእንቲ ኸይቋረጽ ድማ፡ ከምቲ ንሱ ተላኢኹ ናብ ዓለም ዝመጾ፡ ነቶም ነቲ ቓሉ ዝተቐበሉ ኽሳዕ ወሰን ዓለም ከም ዘለኣኾም ተዛረአ። እምበኣር ንኣምላኽ እነኽብሮ፡ ተመሊሱውን ንሱ ንኣና ዜኽብረና፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ኽንፍጽም ተዋሂቡና ዘሎ ክርስቶሳዊ ተልእኾን ኣርኣያን ምስ እንትግብሮ ጥራሕ እዩ።እዚ ተልእኾን ግብርን እዚ፡ ከማና ዝድኻሞም ሰባት ዝፈጸምዎ ስለ ዝዂነ ንሕናውን ክንፍጽሞ ዝከኣለና ኺብጻሕ ( ኪውቃዕ) ዚኽእል ሸቶ እዩ። እቲከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመሰልክዎ ንኣይ ምስሉዝበለና ሃዋርያ፡

ኣነ ግና ኣገልግሎተይ ክሳዕ ዝፍጽምን እቲ ጐይታ ኢየሱስ ዝሃበኒ ዕዮ ኽሳዕ ዝውዳእን፡ ንህይወተይ ኣየናሕስየላን እየ፡ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይረእያን እየ። ኣገልግሎተይ ድማ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ምስባኽ እዩ።. . . ስለዚ፡ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍስወከፍኩም ካብ ምምዓድ ከም ዘየብኰርኩ እናዘከርኩም ንቕሑ. . .  ስለዚ ኻብ ደም ኲልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎሚ መዓልቲ እምስክረልኩም ኣሎኹ።ምኽንያቱ ዂሉ ፍቓድ ኣምላኽ ድኣ ነገርኩኹም እምበር ዘትረፍኩልኩም የብለይን።. . . ሕጂ ድማ ንኣምላኽን ነቲ ኺሃንጸኩምን ምስ ኲላቶም ቅዱሳን ኬረስትየኩምን ዚኽእል ቃል ጸግኡን ኣማሕጽነኩም ኣሎኹ።

ንስኻ ግና ብዂሉ ተጠነቀቕ፡መከራ ጽገብ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ ( ፈጽም) ኣነ ካብ ሕጂ እስዋእ ኣለኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡ ሰናይ  ገድሊ ተጋዲለ፡ ነቲ ጒያ ወዲኣ፡ ነታ እምነት ከኣ ሓልየ (እየ) ደጊምሲ ጐይታይ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዂላቶም እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን።

ብምባል ዝጻሓፈልና ቃል ንዘክሮ (1ቄረ 111 ግሃ 2024, 31 26-27,32 2ጢሞ 48) እግዚኣብሄር ነቶም ከምዚ ገይሮም ኣብ ምድሪ ዜኽብሮ ባሮቱ ኽብሩ ኣብ ምድርን ኣብ ሰማይን ኬጐናጽፎም እዩ። ነቶም ነቲ ዝተዋህቦም ዕዮ ወንጌል ዘይፈጸሙ፡ ነቲ ዝተዋህቦም መኽሊት ዘየሽረፍን ዝቐበሩን ክፋኣትን ሃላያትን ባሮት ግና፡ እቲ ፡ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ግና ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ።ዚብል ቃል ኣብኣቶም ኪፍጸም፡ እዩ (ሮሜ 121) ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ ድማ ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ከድርበዩ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ጥራይ እዮም ዝዀኑ (ማቴ 2451  2530 ማር 943-48) ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ነቶም ዜኽብርዎ ዜኽብር፡ ነቶም ንዕዮኡ ብምፍጻም ዘየኽበርዎ ድማ ዜሕስር ፍትሓዊ ኣምላኽ እዩ። በዓል ሓሙሽተ መክሊት ክልተ ጥራሕ እንተ ዚረብሕ፡ እቲ በዓል ክልተውን ሓንቲ ጥራሕ እንተ ዚረብሕ፡ ካብ ናይ በዓል ሓንቲ መኽሊት ሰብ ዝሓሼ ዕጫ ምሃለዎም ኢልኩምዶ ትሓስቡ፧ ስለዚ ንኣናን ንቤተ ክርስያንናን ካዕበት ብልጫ ብዘለዎ ኽብሪ ምእንቲ ኬኽብረና፡ ነቲ ኽንገብሮ ዝሃበና ግብሪ ኸም ዚግባእ ብምፍጻም ኣብዛ ምድሪ ነኽብሮ። ኣምላኽና ናይ ዝዀነ ሰብ በዓል ዕዳን በላዕ-ወሬታን ዘይኰነ ጻድቕ ኣምላኽ እዩ። ክብሪ ነቲ ጻድቕ ስሙን ባህርዩን ይኹን።

ወይትባረኽ እግዚኣብሄር ኣምላክ ኣበዊነ።

እዚ፥ ብቀሺ ኣስመሮም ሞሳዝጊ ካህን ቤተ ክርስቲያን መድሃኔዓለም ኣትላንታ - ቀዳም 22 ሓምለ 2017 ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ከተማ ሻርሎት ኖርዝ ካሮላይና ዝተዋህበ ስብከት እዩ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div