S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዕዳ ፍቕሪ (ቀዳማይ ክፋል)

እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኮይና ንገለ እካ ዕዳ ኣይሃሉኹም።ሮሜ 13:8

መእተዊ፥

ንወዲ ሰብ ከም ዕዳ ገይሩ ዜሳቕዮን ዘዕንዎን ነገር ከም ዘየልቦ ዂላትና ኣይንስሕቶን ኢና። ዕዳ ዝተዓድየ ሰብ ሰለም የብሉን ኲሉ ጊዜ ድማ ብስቅቕታ እዩ ዚነብር። ንሱ ጥራይ ግን ኣይኰነን፡ ዕዳኡ እንተ ዘይከፈለ ወይ ንማእሰርቲ ወይ ድማ ዘለዎ ዂሉ ተሓሪጁ ንሱን ስድራቤቱን ኪወጽእዎ ናብ ዘይኽእሉ ጥልቂ ድኽነት ኪጥሕል ዘለዎ ተኽእሎውን ኣዝዩ ዓብዩ እዩ። ካልእ ዕዳ ኣብ ልዕሊ ዝተዓድየ ሰብ ዝፈጥረሉ እኩይ ስምዒት ድማ ሕፍረት እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ከም ዘዕደዮ ዚፈልጦ ሰብ ይሓፍር፡ ኣብ  ኣብ ቅድሚ ስድራ ቤቱ ይሓፍር። ስለዚ በዓል ዕዳ ካብ ምዃን ዚኸፍእ ስለ ነገር የልቦን። እታ ኣብ 2ነገ 41-7 ተጠቒሳ ዘላ ሰበይቲ መዋቲ ነብዪ ዝነበረት መበለት፡ ሰብ ዕዳኦም መጺኦም ንደቃ አሲሮም ንባርነት ኪሸጥዎም ደለዩ። ንሳ ግና ናብ ነብዩ ኤልሳእ መጺኣ ካብ ሰብ ዕዳኣ ኬድሕና ተማሕጸነቶ። እቶም ኣብ ነህ 5 1-13 ተጠቒሶም ዘለዉ ኣይሁዳውያን ድማ ዕለታዊ መግቦም ምእንቲ ኺዕድጉ ኢሎም ግራውቶም ኣትሓዙ። ዕዳኦም ከፊሎም ግራውቶም ከምልሱ ስለ ዘይከኣሉ ድማ ኣወዳትን ኣዋልድን ደቆም ኪሸጡ ተገደዱ። ካብዚ ታሪኽ እዚ ከም እንርድኦ፡ ዕዳ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ዚበልዕ ኽፉእ ነገር ምዃኑ እዩ።

ዀይኑ ግና ዕዳ ሰብ ዝተዓድየ ሰብን፡ ዕዳ ኣምላኽ ዝተዓድየ ሰብን ኵላቶም፡ ሰብ ዕዳ ስለ ዝዀኑ ጥራይ፡ ኣብ ሓደ መደብ ክትምድቦም ዝከኣል ኣይዀነን። ዕዳ ሰብ ምኽፋሉ እንተ ሰኣንካ እዃ ኣብ መወዳእታስ ሞት ኬናግፈካ ይኽእል እዩ። ዕዳኻ፡ ዕዳ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግን ሞት የናግፈካ ዘይዀነስ ናብ  ዝገደደ ፍዳን መቕጻዕትን እዩ ኣሕሊፉ ዚህበካ። እቲ ኣብ መልኡ መጽሓፍ ቅዱስ መርሚርና ኽንረኽቦ እንኽእል ኣምላኽ ንሰብ ዘዕደዮ ዕዳ ናይ ፍቕሪ ዕዳ እዩ (ሮሜ 138) በዚ ኣምላኽ ዝሃበና ከም ናይ ድንዃን ናብራ ዝምሰል ናይ ምድሪ ናይ መገሻ ናብራና፡ ከፊልና ወዲእና ኣብ ቅድሚኡ ደው ክንብለሉ ዝጽበየና ዕዳ እዚ ናይ ፍቅሪ ዕዳ እዩ። ምኽንያቱ ፍቕሪ እንተ ጐደለካ ነቲ ዂሉ ኻልእ ሕግታት ድማ ክትፍጽሞ ስለ ዘይትኽእል ዕዳኻ እናበዝሐን እና ኸበደን እዩ ዚኸይድ። ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ኸም  መበገሲ ዝተጠቕመሉ ጥቕሲ ምእንቲ ኼብርህ ኣስዒቡ፡እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ።ኢሉ ጸሓፈ (ሮሜ 139-10) እምበኣር ንዂሉ ትእዛዛት ክንእዘዝ እተኽእልና ጥበብና ፍቕሪ እያ። ንኻልእ ኲሉ ትእዛዛት ንምግባሩ ቅድሚ ምግዳልካ ነቲ ብጻይካ ንምፍቃር እንተ ትጋደል ነቲ ዝተረፈ ትእዛዛት ንምፍጻም ምቐለለልካ ነይሩ ማለት እዩ።

ፍቅሪ እታ ዝበለጸት መገዲ፥

ኣብ ናይ ቈረንቶስ ቤተ ክርስትያን እቶም ኣገልገልትን ምእመናናንን ብዙሕን ዝተማለአን ውህበታት ዝተቐበሉ ነበሩ። እንተ ዀነ በቲ ዘይናቶም ውህበት ንሓድሕዶም ኣብ ክንዲ ዚደጋገፉን ዝተሃናነጹን ብእኡ ኪወዳደሩን ክፈላለዩን መረጹ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ምፍልላይ ምስ ረኣየ ብዙሕ ሓዘነ እሞ ሓንቲ ዓባይ ነገር ጐዲላቶም ከም ዘላ ተገንዘበ። ሓደ ምዕራፍ ምሉእ ብዛዕባ ሓድነት ናይታ ሰብነት ክርስቶስ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ንኣካላዊ ስብነትና ከም ኣብነት ብምጥቓም ድሕሪ ምግላጹ ነታ ምዕራፍ ኪዛዝማ ኸሎነተን ዚዓበያ ውህበታት ደኣ ጸዓቱ ሕጂ ከኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ።በሎም (1ቄረ 1231) ብድሕርዚ ኣብ ምዕራፍ 13 ሓደ ምዕራፍ ምሉእ ንዓኣ ብምውፋይ ፍቕሪ ብኸመይእታ ዝበለጸት መገዲከም ዝተባህለት ኣርኣዮም። እቶም ኣብታ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ ተዘርዚሮም ዘለዉ ውህበታት ኣዝዮም ዓበይቲ እዮም። ንሳቶም ከኣ፦

(1)   ብቛንቋታት ሰበን መላእኽትን ክንዛረብ ምኽኣል

(2)   ትንቢት ዚንበይ ነብ ምዃን

(3)   ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን ዘለዎ ሊቅ ምዃን

(4)   ኣኽራን ካብ ሰፈሮም ከተግዕዝ ክሳዕ እትኽእል ዓብይ ናይ እምነት ሰብ ምዃን

(5)   ኲሉ ገንዘብካ ንድኻታት ክትዕድል ክሳዕ እትኽእል ናይ ልግሲ ጸጋ ዘለካ ምዃን

(6)   ስጋዃ ብሓዊ ነዲዱ ክመውት ኣሕሊፍካ ክሳዕ ምሃብ ትብዓትን ጽንዓትን ዘሎካ ሰማእት ምዃን ዜጠቓልሉ እዮም።

እዚ ውህበታት እዚ ኣዝዩ ዓብዩ ውህበታት እዩ። ሎሚ ካብ ዘሎና ኣገልገልቲ ዀነ ምእመናንን እዚ ውህበት ጸጋ እዚ ዘለዎ ሰብ ሓደ እኳ ኸም ዘለዎ ርግጸኛ ዀይኑ ኽዛረብ ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን። በዚ ውህበታት እዚ ጌርካ እትዓይዮ ዕዮ ትርጉምን ክብርን እንተልብሶ ግና እታዝበለጸት መገዲዝተባህለት ፍቕሪ እያ። ምኽንያቱ እዚ ውህበታት እዚ ካብ ኣምላኽ እንቕበሎ እምበር ካባና ዝወጽእ ወይ ናትና ኣይኰነን። በዘይ ናትካ ነገር ድማ ክትምካሕን ካብ ኣምላኽ ዓስቢ ኽትቅበልን ዝከኣል ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጽእና፡ ሓንቲ እኳ ኽንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ።ይብል (2ቆረ 35) ነቶም ካብ ኣምላኽ ንዝተቐበልዎ እምበር ናቶም ብዘይኰነ ንብረት ዚምክሑ ሰብ ቊረንቶስ ድማካብ ካልኦት ዘብለጸካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧ ተቐቢልካ ኻብ እትኸውን ግና፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትኽበር፧ይብሎም (1ቊረ47) ነዚ ብኣምላኽ ዝተዋህበካ ውህበታት በቲ ፍረ መንፈስ ዝዀነ ካብ ህይወትካ ዚፈርይ ፍቕሪ እንተ ጌርካዮን እንተ ተጠቐምካሉን ግና ነቲ ውህበታት ኣብ መዓለኡ ስለ ዘውዓልካዮ ብእኡ ክብርን ዓስብን ክትቅበል ኽትበቅዕ ኢኻ። እቶም ንፍቕሪ ጐስዮም በቲ ውህበታት ጥራይ ኪዓይዩ ዚደልዩ ግና ንሳቶምን ኣገልግሎቶምን ኲሉ ግብሮምን ከንቱን ዘይጠቅምን እዩ ዝኸውን። ከም ሰብ ዘይኰነ ድማ ከም ጭልጭል ዚብል ጸናል እዮም ዚቊጸሩ። በቲ ግብሮም ኣቓልቦ ሰብ ናባታቶም ካብ ምስሓብ ዚሓልፍ ዝዀነ ዓይነት ፍረ ኬፍርዩ ኣይክእሉን እዮም።

ኣገዳስነት ፍቕሪ፥

ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ዓበይቲ ውህበታትን ተግባራትን ምስ ፍቕሪ ኣነጻጺሩ ድሕሪ ምግላጹ፡ ፍቕሪ እንታይ ዓይነት ፍረ ኸተፍርይ ከም እትኽእልን፡ በኸመይ ንሕግታትን ፍቓድን ናይ እግዚኣሔር ኣብ ምፍጻም ኸም እትሕግዘናን ብኸሚ ዚስዕብ ገለጸልና።ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሀርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሐፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ።”( 1ቆረ 134-7) እዚ ኽፍሊ ጽሑፍ እዚ ንዂሉ ባህርያት ናይ ፍቕሪ ተንቲኑ ወዲእዎ እዩ እዃ እንተ ዘይበልና ነቲ ዝበዝሕ ግን ዘርዚርዎ ኣሎ ክንበል ንኽእል ኢና። መብዛሕትኦም ብእግዚኣብሔር ዝተዋህቡና ትእዛዛት ብቐጥታ  ኣብ ልዕሊ እቲ ብጻይና ዝዀነ ሰብ ዚፍጸሙ እዮም። ብዛዕባ ምፍጻም ትእዛዛት ኣምላኽ ክንሓስብን ክንዛረብን ከሎና ዚመጽኣና ቀዳማይ ሓሳብትእዛዛት እግዚኣብሔር ንምፍጻሙ ኣዝዩ ኸቢድ እዩዚብል ምስ ሓሳብ ኣምላኽ ዚጻረር ዝምቡዕ ኣተሓሳስባ እዩ። ክርስቶስን ሃዋርያቱን ግና ብኣንጻሩ ፈኲስን ቀሊልን ከም ዝዀነ እዮም ነጊሮምና ( ማቴ 1129-30 1ዮሃ 53) እግዚኣብሔር ዓቕምና መዚኑ ቀሊልን ፈኲስን ኢሉ ዝሃበና ትእዛዝ ንዓና ከቢድ ዝዀነሉ ምኽንያት ነታ ንዂሉ ሕጋጋት እትቕልሎን ንኽንፍጽሞ ሓይሊ እትህበና ጥበብ እታ ንብጻይና ከም ነፍስና ጌርና ብክርስቶሳዊ ፍቕሪ ምፍቃር ስለዝኣበናያ እዩ። ምልጋስ፡ ምዕጋስ፡ ትሕቲ ምባል፡ ይቕረ ምባል፡ ካልእ ኲሉ ሰናይ ግብርን ምግባሩ ዝሰኣነና ፍቕሪ ኣምላኽ ኰነ ፍቕሪ ሰብ ፈጺሙ ስለ ዝሰኣነና እዩ። ከምቲ ቃል እግዚኣብሔርንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብዂሉ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ብዂሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮኢሉ ዝኣዘዘና ጌርና ንኣምላኽ እንተ ነፍቅር ክንገብሮ ዜጸግመናን ዚኸብደናን ትእዛዝ ፈጺሙ ኣይመሃለወናን ነይሩ (ዘዳ 65) ጐይታና ኣብ ሕጊ እታ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየናይቲ ምዃኑ ምስ ተሓተተ እዛ ዝጠቐስናያ ትእዛዝ ምዃኑ እዩ ዝመለሰ (ማቴ 2234-40) ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስእታ ዝበለጸት መገዲኢሉ ኺገልጻ ኸሎ ጐይታና ድማ፡እታ ቀዳማይትን ዓባይን ትእዛዝኢሉ ሰመያ። እምበር ነታዝበለጸትን ዝዓበየትንኢሎም ኣምላኽን ቅዱስንን ዘድነቅዋ ትእዛዝ ሓዲግካ ካልኦት ትእዛዛት ብምፍጻም ንኣምላኽ ከተኽብሮ ኣይከኣልን እዩ ክንብል ንኽእል ኢና። ጸሎት ክንጽልይ ጾም ክንጸዉም መባእን ምጽዋትን ክንህብ ዝኣዘዞ እግዚኣብሔር ባዕሉ እዩ። ነታ እግዚኣብሔር ዘኽበራ ፍቕሪ ደርቢኻ ኣብራኽካ ጻዖት (ዝድንብይ) ክሳዕ ዜውጽእ እንተ ጸለኻ፡ ሰብነትካ ክሳዕ ዚማስን እንተ ጾምካ ከምቲ ኣቐዲማና ዝረኣናዮ ዋላ ኲሉ ንብረትካን ገንዘብካን ሼጥካ ንድኻታትን ንቤተክርስትያን እንተ መጽወትካ እግዚኣብሔር ብኣንጻሩ ይጽየፈካን ይቝጥዓካን እምበር ኪቕበለልካ ክትጽበይ ዘይከውን ኣጒል ትጽቢት እዩ። ብነብዩ ኢሳይያስ ኣብ ምዕራፍ 581-12 ተገሊጹ ከም ዘሎ እቶም ስብነቶም ክሳዕ ዚሓስእ ብርቱዕ ጾም ዚጸሙ ዝነበሩ ሰባትውን ንፍቕሪ ኣርሒቖም ደርብዮም ብባእስን ብምክርኻርን ብሕሱም ምውቃዕ ጒስጢትን ይጾሙ ነበሩ ከምዚ እናገበሩ ድማ እግዚኣብሔር ንጾሞም ተሓጒሱ ክቕበለሎም ተጸብዮምሲ ከይኰነሎም ምስ ተረፈ ንእግዚኣብሔር ኪነቕፉ ተሰምዑ። እግዚኣብሔር ግና ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ንጾሞምን ንጸሎቶምን ክብርን ተቐባልነትን ዜውህቦ እቲ ኣብ መንጎ ሓድሕዶም ዘለዎም ፍቕሪ ምዃኑ ነገሮም።

ጐይታና ኢየሱስ ባዕሉውን ከይተፋቐርናን፡ ብፍቕሪ ንሓድሓድና ከይተዓረቕናን ይቕረ ከይተበሃሃልናን እነቕርቦ መባእን ኣገልግሎትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ከም ዘይህልዎ በታ ቐዳመይቲ ሕገ-ወንጌል ገይሩ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ኣረጋጊጹልና እዩእምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ። ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ። እንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ ፈራዲውን ንጊልያኡ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣቱ። እታ መወዳእታ ቆድራንቴን (ሳንቲም ዕዳኻ) ክሳዕ እትፈዲ፡ ካብኣ ኸም ዘይትወጽእ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ።” (ማቴ 523-26) ከምዚ ካብ ቃሉ ተረዲእናዮ ዘሎና እቲ ሰብ ነቲ መበእ ሒዝዎ ድሮ ናብቲ መሰውኢ ናይ ቤት መቕደስ መጺኡ እዩ። ከም ኣተሓሳስባ ሰብ እንተ ዚኸውንኣብዚ ካብ በጻሕካስ ደሓን መባእካ ኣቕርብ ግን ተመሊስካ ከይደንጐካ ምስቲ መባእስትኻ ሓውካ ቀልጢፍካ ተዓረቕምበልና ኔርና። ምኽንያቱ ኣብቲ ሓጥእ ኣእምሮና ሕውየት ምእንቲ ኸይንረክብ ኢሉ ሰይጣን ዘስረጸልናካብ ፍቕሪ መባእ ይዓብይዚብል ናይ ዓመጻ ኣተሓሳስባ ኣሎ። ምኽንያቱ እቲ ፍቕሪ ብምስኣንና ዝተጎዳእናዮ ስለ ዘየዕግቦ እቲ መባእናውን ረብሓ ዘይንረኽበሉን ከንቱን ኪኸውን እዩ ዚደልይ። በታ ዓባይን ብልጽትን ፍቕሪ ዘይተሰነየ መባእ ርኹስ መባእ እዩ። ርኹስ መባእ ድማ ኣብቲ ቕዱስ መቕደስን መሰውእን ኪቐርብ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኰነን። ስለዚ ድማ እዩ ጐይታ ነቲ መባእ ኣብኡ ንሰብ ሕድሪ ሂብካ ንድሕሪት ናብቲ ናይ ቐዳማይን ዓብይን ብሉጽን ትእዛዝ ናይ ኣምላኽ ዘፍረስካሉ ሰብን ቦታን ተመሊስካ ቅድም ምስ ብጻይካ ክትዕረቕ ነታ ዝደርበኻያ ክብርቲ መንፈሳዊት ንብረት ክተልዕል ብጽኑዕ ዝኣዘዘ። ነቲ ትእዛዝ ምፍጻምካ ጥራይ ዘይኰነ ነቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ቅደም ተኸተልውን ከተኽብሮ ናይ ግድን እዩ።ቅድም ፍቕርን ዕርቅን እዩ ዝድለይኢሉ ብንጹርን ብዘየማትእን መገዲ እናኣዘዘካ ኸሎ ብዐመጸኛ ልቢኣይከውንን እዩ ቅድም መባእ እዩ ዚግባኣካብዝዓይነቱ ህልኽ ኣንጻር ፍቓዱ እንተ ኸድካ በየናይ ተኣምር መባእካ ኪቕበለልካ ኢልካ ክትጽበይ ይከኣል፧ ብኣንጻሩ ነቲ ዓብይን ቀዳማይን ትእዛዝ ብምፍራስካ ዝበደልካዮ ከይኣኽለካስ ኣብ ገዛእ ቤቱን መቕደሱን መጺእካ ነቲ ንሱ ዝኣዘዞ ቅደም ተኸተል ብምፍራስካን ርኹስ መባእ ኣብቲ ቕዱስ መሰውኢ ብምቕራብካን ድርብ ሓጢኣት ትውስኽ ከም ዘሎኻ ኪርድኣካ ይግባእ።ኬጊጹ ኺብሉ ይምለጡከም ዝበሃልክጸድቕኢልካ ብዝገበርካዮ ተግባር ዝኸበደ ቊጥዓ ሸሚትካ ንገዛኻ ትምለስ ማለት እዩ። እምበኣር እግዚኣብሔር ፍቕሪ ንእኡ ቀዳመይትን ዓባይን ብልጽትን ምዃና ብግልጺ ነጊሩና ኣሎ። ንኻልእ ኲሉ ተግባርና ክብረትን ተቐባልነትን እተልብስ ኸኣ ንስ እያ። ስለዚ ንፍቕሪ ደርቢኻ ጾምን ጸሎትን ምጽዋትን ኣገልግሎትን ምምራጽ ንወርቂ ደርቢኻስ ሓሰር ከም ምልዓል እዩ ዝዀነና።

ኣከፋፍላ ዕዳ ፍቕሪ፥

ከምቲ መበገሲ ጥቕስና ዝምህረና ነፍሲ ወከፍ ሰዓቢ ክርስቶስ ናይ ፍቅሪ ዕዳ ከም ዘለዎ ርኢና ኣለና። ኣብዚ ብኸመይ ዝመጸ ዕዳ እዩ ክንሓትት ግቡእ እዩ። ዝበዝሕ ጊዜ እቲ ዕዳ ናይ ሰብ ኰይኑ እዩ ዝስምዓና። እቲ ብጻይና ብዙሕ እንተ ኣፍቂሩና ንሕና ግን ብኣጻሩ ሒደት ፍቕሪ እንተ ኣፍቀርናዮ ዚፍጠር ናይ ፍቕሪ ዕዳ ኣይኰነን። እቲ ተሰኪምናዮ ዘሎና ዕዳ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘሰከመና ዕዳ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ንኒቆዲሞስኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃ 316 1ዮሃ 49-10) ነቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣዝዩ ዓብዪ ዚገብሮ ድማ ገና ዓመጽትን ሓጥኣንን ጸላእቱን ከሎና ምእንታና ነቲ ሓደን ኽቡርን ወዱ መስዋእቲ ኺገብር ምፍቃዱ እዩ (ሮሜ 56,8,10) እናሰቐልካዮ፡ እናበደልካዮ ከሎኻ፡ ህይውቱ ኽሳዕ ምሕላፍ ዜፍቅር ምርኻብኻ ክንዲ ምንታይ ዚኣክል ዕዳ ፍቕሪ የሰክመካ ከም ዘሎ ምርኣት ትንተና ዘየድልዮ ብሩህ ሓቂ እዩ። ነዚ ዕዳ ፍቕሪ እዚ ብቐጥታ ንኣምላኽ ክንፈድዮ እንተ ንእዘዝ ብርግጽ ከቢድ ምኾነ ነይሩ። ምኽንያቱ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ሰብን ብባህርዩ ፈጺሙ ዘይመጣጠን እዩ። ስለዚ በቲ ረቂቕ ጥበቡን ደረት ኣልቦ ምሕረቱን ንዕዳና ኣቕሊሉ ነቲ ምሳና ዚነብር ብጻይናን ሓውናን በታ ናቱ ዓይነት ፍቕሪ ብምፍቃር ንክርስቶስ ጻማ ናይታ ምእንታና ብኣሳቃቒ ሞት ዘሕለፋ ነፍሱ ክንፈድዮ ኣዘዘና። ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ከም ዘፍቀረና ንሕናውን ከምኡ ክነፍቅር ከም ዚግብኣና  ብሃዋርያዊ ቃል ገይሩክርስቶስ ንህይውቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ ንፍቕሪ በዚ ንፈልጣ ኣሎና ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይውትና  ኸነሕልፍ ይግባኣና እዩብምባል ኣዘዘና (1ዮሃ 316) ክርስቶስ ጸላእቱ ኬንና እናሰቕልናዮ እናጸረፍናዮ እናገረፍናዮ ከሎና ከም ዘፍቀረና ንሕናውን ከምኡ ክንገብር ከም ዚግብኣና ባዕሉኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ ጸላእትኹም ፍተዉ ንዚረግሙኹም መረቑ. . .  ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ ስለቶም ዚጸርፍኹምን ዚሰጒኹምን ጸልዩኢሉ  ኣዘዘና (ማቴ 544-45) እምበኣር ክቡራን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ምእመናንን  ምእመናትን ነቲ ኣምላኽ ዘጾረና ዕዳ ፍቕሪ ብከምዚ ጥራይ እዩ ክንፈድዮ ዚከኣል።ጸሪፉኒ ብኽፋእ ዓይኒ ጠሚታትኒ ሓምዩኒ ወሲዳትለይ ከሊኣትኒብዚብልቀምሽ ኣዳነይ ዓንቂፉኒብዝዓይነቱ ኣጒል ምኽንያታት ነታ ዓባይን ቀዳመይትን ብልጽትን ትእዛዝ ንድርብያ እንተሊና ከምቲ ነቲ ፍቕሪ ደርብዩ መባእካ ኬቕርብ ዝመጸ ሰብ ዝተባህለሉ ናብ ማእሰርቲ ኣጋንንቲ ናብ ገሃነም ክንድርበይ ምዃንና ፈሊጥና ነታ ዝደርበናያ ፍቕርስ ነልዕላ ደኣ። ! ኣምላኽ በቲ ዘፍቀርካና ዓይነት ፍቕሪ ንሓድሕድና ብምፍቓር ካብ ዕዳ ፍቕርኻ ርእስና ከነንጽህ በቲ ዜኽእል ጸጋኻ ደግፈና!! ኣሜን።

ስብሓት ለኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለመ ዓለም ኣሜን።

ቀሺ ተስፋኣለም በራኺ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div