S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብቐዳምነት ባሕርይ ማለት እንታይ ማለት-? ብምባል ንዝቐርብ ሕቶ፥ ባሕርይ ማለት ናይ ሓደ ነገር እንታይነት ዝገልጽ ቃልዩ፥ ዝብል መልሲ ክወሃቦ ዝሰማማዕዩ። ቤተ-ክርስቲያን ናይ ቅዱሳን-መጻሕፍቲ መረዳእታትን፥

ናይ ቅዱሳን-ኣቦታት ትምህርትን መሠረት ብምግባር፥ ናይ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ መለኮትን ትስብእትን፥ ሓደ ኣካልን ሓደ ባሕርይን ንምዃን ዝተወሃሃደ መለኮት፥ ምስ ምሉእ መለኮታዊ ባሕርዩን ጠባዩን ክኸውን ከሎ። ከምኡውን ትስብእት ብዘይካ ኃጢኣት፥ ምስ ምሉእ ሰብኣዊ-ባሕርዩን ጠባዩን ከም-ዘለዎ ኮይኑ እዩምበር፥ ብምኽንያት ምውህሃድ, ምትሕውዋስ, ምጥፍፋእ, ምፍልላይ, ኮነ ምልውዋጥ ከምዘሎ ዘይትኣምን ኣብ ርእሲ ምዃና፥ ትስብእት ብመለኮት ተዋሒጡ ጠፊኡ ዝብል፥ ናይ ኣውጣኪ ክሕደት ውጉዝ ምዃኑውን ተረጋግጽ።

ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ-ክርስቶስ፥ ብተዋሕዶ ሓደ-ኣካልን, ሓደ-ባሕርይን, ሓደ-ፍቓድን ንክህልዎ ዘድለዮ፥ ደቂ-ሰብ ንምድኃን ግድነት መለኮትን ትስብእትን፥ ብኃባር ክህልዉ ስለ-ዘለዎም እዩ። ትስብእት ክህሉ ዘድለየ ከኣ፥ ኣብ ክንዲ ደቂ-ሰብ ሙማት ስለ-ዘለዎ እዩ። መለኮት ክህሉ ዘድለየ ከኣ፥ ናይ ምድኃን ውክልና ዘይርከበሉ ብምዃኑ እዩ።

ምስክርነት መጽሓፍ-ቅዱስ

ቤተ-ክርስቲያን ናይ መለኮትን ትስብእትን ተዋሕዶ፥ እንተ-ኣመነትን እንተ-መሃረትንኳ፥ ናይ ተዋሕዶ ኩነታት ከምዚ ወይውን በዚ ዓይነት ተባሂሉ ክግለጽ ዘይከኣል፥ ብቋንቋ ደቂ-ሰብ ቃላት ዘይርከበሉ ምሥጢር ምዃኑን፥ ምሥጢሩውን ናይ ደቂ-ሰብ ኣተሓሳስባ ክበጽሖ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ምዃኑ ትፈልጥ እያ። ስለዚ ሓዋርያ-ጳውሎስ እግዚኣብሔር ብሥጋ ዝተገልጸሉ ናይ ኣምልኾ ምሥጢር ዓቢይ ክብል ናይ ምሥጢረ-ተዋሕዶ ርቀት ዘረጋገጸ። (1-ጢሞ. 3/6)

ስለዚውን መለኮትን ትስብእትን ድሕሪ ምውህሃዶም፥ ሓደ-ኣካል፥ ሓደ-ባሕርይ፥ ሓደ-ፍቓድ ንብል እምበር፥ ንድሕሪት ተመሊስና ክልተ ኣይንብልን። መለኮት ናይ መለኮት ትስብእት ድማ ናይ ትስብእት ጥራይ ይሠርሑ እንተደኣ ኢልና፥ ናይ ትስብእት መድኃኒ ምዃን እኹል ክኸውን ዘይክእል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፥ በዚ ኣበሃህላ ናይ እግዚኣብሔር ውዕለት ዋጋ ዘይምሃብ ክኾነና እዩ። ከምኡውን ኣብዚ ናይ መለኮትን ትስብእትን ተዋሕዶ ካብ ዘይእመነሉ፥ ኣምላኽ ሰብ ምዃን ኣይመድለዮን ነይሩ። ብተወሳኺውን ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን እምነትናውን፥ ከንቱ ምኾነ ነይሩ። መለኮትን ትስብእትን ብምውህሃዶም፥ ናይ ትስብእት-ባሕርይ ቅድሚ ውህደት ዘይነበሮ መለኮታዊ-ባሕርይ ብምግንዛብ፥ ሥርሑ ናይ ወዲ እግዚኣብሔር ሥራሕ ንምባል በቒዑ። 

ቅድም ኢሉ ከም-ዝተገልጸ ናይ መለኮትን ትስብእትን ተዋሕዶ፥ ብዘይ ምጥፋእ ብምዃኑ፥ ወልድ ብሥጋ ሞይቱ ንብል። እዚ ከኣ ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ንመልከት።

  • “-ወዱ ብሥጋ ብሙማቱ ምኽንያት፥ እግዚኣብሔር ምስ ገዛእ ርእሱ ኣተዓረቕኩም- (ቆሎ. 1/22)
  • “-ክርስቶስ ባዕሉ ናብ እግዚኣብብሔር ከቕርበና ደልዩ፥ ንሱ ጻድቕ ክነሱ ብምኽንያት ኃጢኣት፥ ብዘየዳግም ኩነት ሓደ  ግዜ ሞይቱ። ብመንፈስ ግና ሕያው ኮይኑ- (1. ጴጥ.3/18)
  • “-ክርስቶስ ብሥጋኡ ምእንታና መከራ ተቀበለ- (1-ጴጥ. 4/1)

ንኣብነት ዝኣክል ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝዝረብ ሰብኣዊ-ስምዒት፥ ከም ምሕጓስ, ምሕዛን, ምፍቃር, ምድላይ, ምጽማእ, ምሕማም, ዝኣመሰሉ ስምዒታት ክበጽሑ ዝኽእሉ፥ ሰብ ሥግኡን ነፍሱን ኃቢሮም ኣብ ዝህልዉሉ ግዜ ምዃኑ ርግጽዩ። ሥግኡን ነፍሱን ተፈላልዩ ድሕሪ ምማቱ ግና፥ ኣዞም ስምዒታት እዚኣቶም ኣይክህልዉን እዮም። ሰብ ክመውት ከሎ ድማ ሥግኡምበር፥ ነፍሱ ኣይትመውትን እያ። ናይ ሰብነትና ምንቅስቓስን ትንፋስናን፥ ብጠቕላላ ሕይወትናን ነፍስናን ከም ምዃኑ መጠን። ነፍስና ካብ ሥጋና ኣብ እትፍለየሉ ግዜ፥ ሥጋና በድኒ ይኸውን። ነፍሱ ካብ ሥግኡ ዝተፈልየ ሰብ ድማ፥ ሰብ ምባሉ ተሪፉ ሬሳ ዝበሃል ስም ዝወሃቦ። እንተኾነ ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ፥ ብሥግኡ ሞይቱ ኣይኮነን ዝበሃል። ምኽንያቱ ሰብ ክበሃል ዝኽእል፥ ነፍሲ ክህልዎ ከሎ ጥራይዩ። እምበኣር ነፍሲ ሰብ ሞት  ዘይበጽሖ እንተደኣ ኮይኑ፥ ንደቂ-ሰብ ነፍሲ ዝሃበ መለኮት ድማ፥ ሕማምን ሞትን ክበጽሖ ከም-ዘይክእል ርግጽዩ። 

ግዳስ ምንም ናይ መለኮትን ትስብእትን ተዋሕዶ፥ ብዘይ ምትሕውዋስን ምልውዋጥን ምዃኑ ዝእመን እንተኾነ፥ ኣምላኽ ብትስብእቱ መከራ መስቀል ተቐቢሉ ሞተ ንብል። እዚ ማለት ድማ ንቕጽበት ዓይኒውን ይኹን፥ መለኮት ካብ ትስብእት ዘይተፈልየ ምዃኑ ንምምልካትዩ። ነዚውን እዞም ዝኽተሉ ናይ ቅዱሳን መጻሕፍቲ መረድኢታት ንመልከት።

“-ሕፃን ተወሊዱልና፥ ወዲውን ተዋሂቡና እዩሞ፥ እቲ ግዝኣት ኣብ መንኩቡ እዩ። ስሙውን ግሩም መካር፥ ብርቱዕ-ኣምላኽ፥ ኣቦ-ዘለዓለም፥ መስፍን-ሰላም ክስመ እዩ- ( ኢሳ. 9/6)

ሕፃን ኮይኑ ምውላድ ናይ ትስብእት ባሕርይ ምዃኑ እንተ-ተፈልጠ፥ ብምኽንያት ናይ መለኮትን ትስብእትን ምውህሃድ፥ እቲ ዝተወልደ ሕፃን ኃያል-ኣምላኽን፥ ናይ ዘለዓለም ኣቦን ክበሃል ምኽኣሉ ነስተውዕል።

“-እንሆ ድንግል ክትጸንስ፥ ወዲውን ክትወልድ እያ። ስሙ ከኣ ኣማኑኤል ክበሃል እዩ። ትርጉሙ ድማ እግዚኣብሔር ምሳና እዩ- (ማቴ. 1/23) ኣብዚውን ከምቲ ቀዳማይ ጥቕሲ፥ ተጸኒሱ ምውላድ ናይ ትስብእት ባሕርይ ምዃኑ እንተ-ዘይተኻሕደ፥ ኣማኑኤል ማለት እግዚኣብሔር ምሳና ዝተባህለ፥ ናይ መለኮትን ትስብእትን ተዋሕዶ ንኸመልክት እዩ።

“-ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኩሉ፥ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር፥ ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳብ ዝህብ፥ ንዓለም ክሳብ ክንድ ኣፍቀራ- (ዮሓ. 3/16) እዚውን ናይ እግዚኣብሔር ሓደ ወዲ ምዃን ብመለኮቱ እንተኾነ፥ ንድኅነት ዓለም ክብል ንሕማምን ሞትን ተዋህበ ዝተባህለ፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ መለኮቱ ካብ ትስብእቱ ዘይተፈልየ ምዃኑ ንምምልካትዩ። 

“-ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ-ክርስቲያን- (ግሓ. 20/28) ኣብዚውን ንቤተ-ክርስቲያን ክብል ደሙ ዘፍሰሰ እግዚኣብሔር ምባሉ ነስተውዕል።

“-እንተ-ዝፈልጡዎስ ንጎይታ ክብሪ ኣይምሰቐሉዎን ነይሮም- (1. ቆሮ. 2/8) እምበኣር ናይ ክብሪ ጎይታ ዝተባህለ ኣምላኽና ክኸውን ከሎ። ተሰቒሉ ምባሉውን መለኮትን ትስብእትን ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ፥ ዘይተፈላለዩ ምዃኖም ከመልክት እዩ።

“-ቀዳማይን ዳሕረዋይን እቲ ሕያው ኣነ እየሞ፥ ኣይትፍራህ-! ሞይተውን ነበርኩ። እንሆ ከኣ ንዘለዓለም ሕያው እየ- (ራእ. 1/18) ኣብዚውን ቀዳማይን ዳሕረዋይን፥ ሞይተ ነይረ ዝበሎ፥ ብትስብእቱ ክመውት ከሎ፥ መለኮቱ ዘይተፈልዮ ምዃኑ ዘመልክት።

ናይ ቅዱሳን-ኣቦታት ምስክርነት 

“-ክልተ-ኣካል ክልተ-ባሕርይ ኢሎም ዝኣምኑ፥ ነቲ ሓደ ሰጊዶም ነቲ ሓደ ንኸይሰግዱ፥ ብባሕርየ-መለኮት ተጠሚቖም ብባሕርየ-ሥጋ ንኸይጥመቑ ግዲ ይኾኖም። ...... ንሕና ግና ብዛዕባ መለኮት ክንዛረብ ከሎና፥ ወልድ ካብ ሰማይ ከም-ዝወረደ ኢና ንዛረብ እምበር፥ ሓደ ኣካል ክልተ ምዃኑ ኣይንፈልጥን። እዚ ማለት ድማ ሰማያዊ-መለኮት ካብ ምድራዊ-ሥጋ፥ ምድራዊ-ሥጋውን ካብ ሰማያዊ-መለኮት ኣይንፈልዮን። ከመይሲ ምምቕቓል ክሕደት እዩ። ስለዚውን ክልተ-ኣካልን ክልተ-ባሕርይን ንዝብሉ ሰባት ምኽንያት ኣይንህቦምን። ሥጋ ሥጋዩ፥ ብገዛእ ርእሱ ከኣ ነባሪ ኣይኮነን። ማለት ብናይ ገዛእ ርእሱ ባሕርይ ጥራይ ዝደኃነ ኣይኮነን። ስለዚውን ካብ ዘድኃነ ካብ ቃል ተፈልዩ፥ ብገዛእ ርእሱ ጥራይ ክነብር ኣይክእልን። ቃልውን ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ከም-ዝነበረ፥ ብባሕርየ-መለኮቱ ካብ ሥጋ ኣይፍለን። ማለት ንበይኑ ሓደ ወገን ኮይኑ ኣይነብርን።  ..... ዘይተፈጥረ ቃል ብዘይ ሥጋ ሰብ ኮይኑ ስለ-ዘይተራእየ፥ እዚውን ዘይተፈጥረ መለኮት ካብ ሥጋ ፍሉይ ከይበሃል፥ ነንሓድሕዶም ሐደ ስለ-ዝኾኑ፥ ብተምሳል ነፍስን ሥጋንውን ስለ ዝተወሃሃዱ፥ ብተዋሕዶ ሓደ ኮይኖም እዮምሞ፥ ሕጂውን ሓደ ንዝኾኑ ክልተ፥ ሓደ ስም ዝግባእ-  (ቅዱስ ኣቡሊደስ ሊቀ-ጳጳሳት ዘሮሜ ሃይማኖተ-ኣበው ገጽ-134)

“-ንምውላዱ ናይ ግዜ ገደብ ብዘይብሉ ቅድምና፥ ኣቐዲሙ ዓለም ከይተፈጥረ ብመለኮት ካብ ኣብ ብዝተወልደ፥ ከምኡውን ንዓና ከድኅን ኣብ ዳሕረዋይ ዘመን ካብ ቅድስቲ ድንግል-ማርያም ብዝተወልደ፥ ብወዲ-እግዚኣብሔር ነኣምን። እቲ ግዜ ምስ በጽሐ እግዚኣብሔር ወዱ ለኣኸ። ካብ ድንግል ማርያምውን ተወልደ ኢሉ ሓዋርያ ከም-ዝመሃረና፥ እዚ ሓደ ኣምላኽ ብመለኮቱ ወዲ-እግዚኣብሔር፥ ብሥግኡ ከኣ ናይ ኣዳምዩ። ወዲ-እግዚኣብሔርን ወዲ-ኣዳምን ስለ-ዝኾነውን፥ ንሓደ ንሰግደሉ። ነቲ ሰብ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሔር ኣካል ባሕርዩ ሓደ እምበር፥ ካብ ሥጋ ከይፈሌና ሓደ ጌርና ሓንቲ ስግደት ንሰግደሉ- (ቅዱስ-ኣትናቴዎስ ሓዋርያዊ -ሃይማኖተ-ኣበው ገጽ-66)

“-እቲ ብናይ እግዚኣብሔር ቃል፥ ብረቂቕ-ባህርይ ዝኾነ ተዋሕዶ ኣይንኽሓድ። ከመይሲ ሓጺን ምስ ሓዊ ኣብ ዝወሃሃደሉ ግዜ፥ ምስ ሓዊ ብምውህሃድ ናይ ሓዊ-ባሕርይ ከም-ዝወስድ፥ ከምኡውን ሓጺን ብሞዶሻ ኣብ ዝውቅዓሉ ግዜ፥ ምስ ሓዊ ኃቢሩ ብሓድነት ከም-ዝውቃዕ፥ እሞ ብምኽንያት ምውቃዕ እቲ ሞደሻ፥ ናይ ሓዊ-ባህርይውን ከም-ዘይጉዳእ፥ ከምኡውን እቲ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ(ቃል) ብመለኮቱ ሕማም ከይሃለዎ፥ ብሥጋ ከም-ዝሓመመ እምበኣር ነስተውዕል- (ቅዱስ-ቄርሎስ /ጳጳሳት ዘስክንድርያ - ሃይማኖተ-ኣበው ገጽ-272)

“-ከሓድቲ መናፍቓን ከም-ዝብልዎ እንተደኣ ኾይኑ፥ እቲ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ዝሞቶ ናይ መለኮት ሞት፥ ካብ ሥጋ ምፍላይ እዩምበር፥ ናይ ነፍሲ ካብ ሥጋ ምፍላይ ኣይኮነን። ከም ኣበሃህላኦም ናትና ሞት እንተደኣ ዘይሞይቱ ደኣ፥ በጃና ብዝኾነ ብሞት መድኃኒና ከመይ ኣቢልና ክንምካሕ-?! ናትና ብዘይኮነ ብኻልእ ሞት ሰይጣን እንድሕሪ ተሳዒሩ፥ ቃል ምስ ናትና ባሕርይ ሓደ ኣይኮነን ማለትዩ። ኣምበኣር ንሱ በጃና ኮይኑ ከም ናትና ሞት ከም-ዝሞተ ዝተፈልጠ እዩ። እዚ ድማ ነፍሲ ካብ ሥጋ ምፍላይ እዩ። እንተኾነ ግን ነፍሱ ኣብ  ሲኦል ኣይገደፈን። ሥጋኡውን ከም-ዝፈርስን ከም-ዝምሽምሽን ኣይገበረን። ከምቲ ነቢይ ዝበሎ ግና ነፍሱ ካብ ሥግኡ ኣብ ዝተፈልየትሉ ግዜ፥ እግዚኣብሔር-ቃል ብፍቓድ ነዚ ሠሪሑ። ካብ ክልቲኦም ማለት ካብ ነፍስን ሥጋውን ኣይተፈልየን። የግዳስ ሓደ-ኣካል ብምዃን፥ ምስ ነፍስን ሥጋን ተወሃሂዱ ይነብር- (ቅዱስ-ሳዊሮስ /ጳጳሳት ዘኣንጾኪያ - ሃይማኖተ-ኣበው ገጽ-368)

“-ሕጂውን ሓደ ናይ እግዚኣብሔር ቃል፥ ባሕርዩ ከይተለወጠን ከይተነቓነቐን ሰብ ከም-ዝኾነ ርዱእ እዩ። ስለዚውን ሓደ-ባሕርይን ሓደ-ኣካልን ከም-ዝኾነ ንፈልጥ ኢና። ናይ ኣምላክነት ሥራሕ ከኣ ይሠርሕ። በዚውን ንሱ ምልዋጥ ዘይብሉ ሰብዩ። ንሱውን እግዚኣብሔር እዩሞ፥ ብጥንቲ ዝነበረ ወዲ እግዚኣብሔር-ኣብ ኮይኑ፥ ብፍቓዱ ካብ ወገን ኣብርሃምን ዳዊትን ተወሊዱ፥ ወዲ-ሰብ ክኸውን ፈተወ። ከም ኣይሁድ ክልተ-ባሕርያት ፈላልዩ ተኣምራት ዝገበረ ባሕርየ-መለኮትዩ። ወይ ድማ መከራ ዝተቐበለ ባሕርየ ሥጋ ከም-ዝብል፥ ከም ንስጥሮስ ከሓዲ፥ ድሕሪ ተዋሕዶ እቲ ሓደ ናብ ናብ ክልተ ክምቀል ኣይከኣልን- (ሃይማኖተ-ኣበው ገጽ-379)

“-ኣማኑኤል ማለት፥ ትርጉሙ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ምስ ናትና ባሕርይ ሓደ ኮነ ማለትዩ። እዚ ማለት ድማ ብዘይ ምትሕውዋስን ምልውዋጥን ሰብ ዝኾነ፥ ሓደ-ገጽ, ሓደ-ኣካል, ሓደ-ባሕርይ, እዩ። እቲ ካብ መለኮትን ትስብእትን ዝኾነ ተዋሕዶ፥ ዘይንገርን ዘይምርመርን እዩ። ብሓቂ ምትሕውዋስ ዝግብኦም ራሕሲ ዘለዎም ሥጋ እዮም። ስለ-ዝኾነውን ግዝፊ ካብ ዘይብሉ ባሕርይ ኣይክፈልን። ከመይሲ ተዋሕዶ ማንታ ወይ ክልተ ምዃን ኣጥፊኡ እዩሞ፥ ተዋሕዶ ካብ ክልተ ዝተረኽበ ክልተ ክበሃል ኣለዎ ዝብል ኣበሃህላ ይልውጥ። እዚ ተዋሕዶ ዘይምቀል ኣካላዊ እዩሞ፥ ፍጡር ዘይኮነ እግዚኣብሔር-ቃል ሥጋ ኣብ ምዃን ይልወጥ። ብባሕርይ ዝመስለና ካብ ንጽሕት ድንግል ዝተረኽበ ሥጋውን፥ ካብ ባሕርዩ ናይ መለኮት-ባሕርይ ኣብ ምዃን ተቐይሩ ኢልካ ምዝራብ፥ ሓቀኛ ነገር ከም-ዝኾነ ዝሓስብ መን-? በትሪ ሙሴ ተቐይራ ኣርዌ-ምድር ከም-ዝኾነት፥ ፈሳሲ ማይውን ተቐይሩ ደም ከም-ዝኾነ፥ ናይ ግብጺ ብርሃንውን ተቐይሩ ጸልማት ከም-ዝኾነ፥ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ሰብ ባሕርይ ኣብ ምዃን ግን ዝተለወጠ ኣይኮነን። ከመይሲ ንሳቶም ዝተፍጥሩ እዮም። ፍጡራት ምዃኖምውን ዝተረጋገጸ እዩ። ድሕሪ ዘመናት ዝተረኽቡ ስለ-ዝኾኑ ምልዋጥ ኣጋጢሙዎም። ናይ መለኮት ባሕርይ ግን ምቕያር የብሉን። ብዘይ መፈጸምታ ድማ ከምኡ ኢሉ ይነብር። ኣይውሰንን ምልዋጥን ምንዋጽንውን የብሉን። (ቅዱስ-ባስልዮስ ሊቀ-ጳጳሳት ዘኣንጾኪያ - ሃይ.ኣበ. ገጽ-422)

ተርጓሚ ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div