S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ታሪኽና ኣተወ - 4ይ ምዕራፍ

ቄሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ከሎ ዝኾነት ቀዳመይቲ ጽሕፈት እያ።  ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ክጸሓፍ፣ ኩሉ ነናብ ዓዱ ከደ” (ሉቃ 22)

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ እግዚአብሔር ኣገዛዝኣ ብዝመስል ኣብ ዘመን ሮማውያን ምውላዱ ጥራሕ ዘይኮነ ህዝቢ ዓለም ኣብ ዝቑጸረሉ ሰዓት ድማ ምውላዱ የደንቕ። ስለዚ ካብ ህዝቢ ዓለም ሓደ ኮይኑ ተቖጽረ። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዓለም ከም ዝነበረ ታሪኽ ዓለም ኣይክሕዶን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ደግ መምህር ምዃኑ ኩሎም ይኣምኑ። ኣምላኽነቱ ደኣ ኣይቅበሉን እምበር። ደግ ማለት ትርጉሙ ሓቂ ዝዛረብ ማለት እዩ። ስለዚ ደግ ኢየሱስ፣ -“ኣነን ኣቦን ሓደ ኢናኢሉ እዩ ደግነቱ ዝተቐበሉ ኣምላኽነቱ ድማ ክቕበሉ ይግብኦም (ዮሃ 1030)

ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምውላድ ንታሪኽ ዓለም ኣብ ክልተ ከፊልዎ። ናይ ዓበይቲ ሃይማኖታት መስረቲ ንታሪኽ ዓለም ናብ ኽልተ ክኸፍሉ ኣይከኣሉን። ሙሴ፣ ኮንፍሼስ፣ ቡድሃ፣ መሓመድን ቡሃ ቡላን ነዚ ኣይተኻእሎምን። ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ ግን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስን ተባህለ። ቅድሜኡ ዝነበረ ዘመን ጸልማት መወዳእታ፡ ንሓዱሽ ዘመን መጀመርያ ናይ ክርስቶስ ልደት ኮነ። ዓለም ድሕሪ ልደት ክርስቶስ እናበለት እትቖጽር ኢየሱስ ክርስቶስ ንዘመን ዓለም  ናብ ኽልተ ስለ ዝኸፈሎ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ብዘይ ክርስቶስ ዝነበርናዮ ዘመን ከም ዝባኸነ ብምቑጻር ድማ እዩ።

ብርግጽ ድማ ብዘይ ክርስቶስ ዝነበርናዮ ዘመን ብኹን ዘመን እዩ። ህይወት ክርስቶስ ብምዃኑ ብዘይ ንሱ ዝነበርናዮ ዘመን፡ ዘመን ዘይኮነ ናይ መቓብር ታሪኽ እዩ። ሓንቲ ጻዕዳ  መጽናዕቲ ክትገብር ናብ ኢትዮጵያ ከይዳ ሓደ ተማሃራይ ድማዕድሜኺ ክንደይ እዩ?” በላ። ንሳ ድማ  ፍኽንን ኢላ፥-“ዕድመይ 10 ዓመት እዩምስ በለት ኩሎም ደንገጹ። ንሳ ድማ ቀጺላ፥-“ብርግጽ ዕድመይ ዓባይ እየ፣ ብስጋ ንዓኹም ይወልደኩም። ዕድመ ዝነበርክሉ ዘመን እንተ ኮይኑ ግን ምንባር ዝጀመርኩ ናይ ሎሚ 10 ዓመት ንክርስቶስ ካብ ዝረክብ ግዜ ጀሚረ እየ። ቅድሜኡ ዝነበረ ዕድመይ ዝሓፍረሉ እምበር ዝዓረፍኩሉ  ዕድመ ኣይነበረን። ስለ ዕድመይ 10 ዓመት እዩበለት። ብዘይ ክርስቶስ ዝነበርናዮ ኣብ ቁጽሪ ዕድሜና  ኣትዩ ክቑጸር ዘይግብኦ ናይ ውርደት ዘመን እዩ።

ዓለም ድማ ከይተረድኣ ድሕሪ ልደት ክርስቶስ እናበለት ቅድሜኡ ንዝነበረ ዘመን ናይ ጸልማት ስእሊ እናሃበት ምቑጻራ ዘደንቕ እዩ። ከይተረድኦም ንክርስቶስ ዝሰብኩ ከም ዘለዉ ቅዱስ ጳውሎስ ተዛሪቡ እዩ (ፊሊ 115-18) ንዘመን ዓለምን ንህይወት ብዙሓትን ሓዱሽ ገጽ ዝሃበ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ኣምላኽና እዩ። ካልኦት መስረቲ ሃይማኖት ዘይከኣልዎ ንሱ ክኽእሎ ረኣና። ልኡኽ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነ ንሱ ባዕሉ ኣምላኽ፣ መልእኽቲ ኣቕራቢ ዘይኮነ ባዕሉ መልእኽቲ እዩ። ኣምላኽነቱ ንዘመን ብዝኸፈለ ሓይሉ ክዝከር ይነብር።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ህዝቢ ዓለም ኣብ ዝቑጸረሉ መዓልቲ ምውላዱ ኣብ ታሪኽና ምእታዉ የመልክት። ንሱ ቅዱስ ብምዃኑ ኣብ ታሪኽና ምእታዉ ሰብ ምዃና ተፈታዊ ይገብሮ። ካብ ኣዳም ጀሚሩ ዝቀጻጸል ሰንሰለት ሓጢኣት  ኣብ ታሪኽና ብዝኣተወ ቅዱስ ወልደ እግዚአብሔር ተቛሪጹ። ማህጸን ሰበይቲ ድማ ተባሪኹ።

"ነቲ በዓል ራኢይ ምንክብኻብ"

ዮሴፍ ድማ፣ ካብ ቤት ዳዊትን ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፣ ካብ ገሊላ ካብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤተ ልሄም እትበሃል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ኪጸሓፍ ደየበ” (ሉቃ 24-5)

ኣብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ስጋ ዘመን መጀመርያን መወዳእታን ክልተ ዮሴፍ ንረክብ።  ዮሴፍ ኣረጋዊን በዓል ኣርማትያስ ዮሴፍን እዮም። ክልቲኦም እቲ ዘለዎም ነገር ንኢየሱስ ሓዲጎም። ንንእሽቶይ ህጻን ዮሴፍ ቤቱ ሓደገ፣ ንዝሞተ ኢየሱስ ዮሴፍ ዘኣርማትያስ መቓብሩ ሓደገ። ኢየሱስ ኣብ ድኻ ቤት ዮሴፍ ዓብዩ፣ ኣብ ሃብታም መቓብር ዮሴፍ ተቐብረ። ካብ ስቓይ ዓለም ሓደ፡ብድኽነት ዝነበሩ ብብልጽግና ዝቕበሩ ሰባት ምብዝሖም እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ስቓይ  ተኻፊልዎ እዩ። ኢሳይያስ፣ -“መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩ፣ ብሞቱ ግና ምስ ሃብታም ኮነ፣ ” (ኢሳ 539) ኢሉ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኩሉ ዘመኑ ደሓን ዝኾነ ስፍራ ኣይተዋህቦን። ምስ ሞተ ግን ኣብ ውቑር መቓብር ሃብታማት ተቐብረ። ዓለም ኩሉ ታሪኻ ምስ እንፍትሾ ብዙሓት ሓቀኛታት ኣብ ኩሉ ዘመኖም ገፊዓ ምስ ሞቱ መቓብሮም ኣጊጻ እያ። ንልበይ ዝትንክፈኒ ቃል ኣሎ፣-

ዓለም ንዝሞቱ ጻድቃን ክትዝክር፣ ንዘለዉ ጻድቃን ድማ ትቐትል።

ቤተ ክርስቲያን ናይ ዓለም ጠባይ ኣትዩዋ ንዘገልግልዋ ደቃ እናገፍዐት ንዝቐትልዋ ትሓቁፍ። ክንደይ ሓቀኛታት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝተሰጎጉን ዝተባረሩን ከም ዘለዉ ዝፈጠረ ይቑጸሮ!

ዳዕሮ እንታይ ዘፍሪ ኢሎም ከይሓተቱ፣

ሳግላ እንታይ ዘፍሪ ኢሎም ከይሓተቱ፣

ኣውሒ እንታይ ዘፍሪ ኢሎም ከይሓተቱ፣

ቆሪጾም ቆራሪጾም ደርበይዎ በዓል እኒ ጥዑም ነይፈልጡ፣

ናይ ዮሴፍ ኣረጋዊ፡ቅድስናዊ ህይወቱ ወንጌላዊ ማቴዎስ ክገልጽ፣ -“ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ ኸላ፣ ከይተራኸቡ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት። ዮሴፍ ሕጹያ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ ብሕቡእ ኪሓድጋ ሓሰበ እምበር፣ ኪገልጻ ኣይፈተወን” (ሜቴ 118-20) ይብል።

ናይ ዮሴፍ  ጽድቂ ብስውር ምሕዳጉ እዩ። ጻድቅ ማለት ሓቀኛ ማለት እዩ። ንነገር ዝገልጽ ጻድቕ እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ንነገር ዝሽፍን ጻድቕ እዩ። ዮሴፍ ኣነ ካብዚ ጥንሲ ነጻ እየ ፍለጡለይ እንተ ዝብል ናይ እግዚአብሔር ነገር ዘይርድኦ ህዝቢ ንድንግል ማርያም ብዳርባ እምኒ ንምቕታል ምተላዕለ ኔሩ። ከምቲ ሕጊ  ሓንቲ ጓል ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ጠኒሳ ምስ እትርከብ ክትግለጽን ክትፍረድን ይግብኣ። ዮሴፍ ግን ብሕጊ ንምግላጽ ዘይኮነ ብጸጋ ንምሽፋን ሓሰበ። ንርእሱ ነጻ ንምግባር ኣይተጨነቐን። ናይ ባዕሉ ነገር ድቃስ ኣይከልኦን። ድንግል ማርያም ምጥናሳ ኣብ ዝረኣየሉ ግዜ ንማንም ከይተዛረበ ብስውር ክሓድጋ ሓሰበ። እዚ ግርህነቱ ስለዝረኣየ እግዚአብሔር ምስጢሩ ብመልኣኹ ምኽንያት ገለጸሉ። ብስቕታ ምስ እንጽበ መልሲ ይመጽእ እዩ። ዝመጽእ መልሲ ድማ ንበዓል ቤቱ ጥራይ ዘይኮነ ንብዙሓት እዩ። ንዮሴፍ ዝመጸ መልሲ ንደቂ ሰብ ብስራት እዩ።

ንሱ እዚ ኪሓስብ ከሎ፣ እንሆ፣ መልኣኽ እግዚአብሔር ብሕልሚ ተራእዮ፣ ከምዚ ኢሉ፣ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፣ እቲ ሕጽይትኻ ጠኒሳቶ ዘላ ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ ንምውሳዳ ኣይትፍራሕ። ወዲ ክትወልድ እያ፣ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ካብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩሞ፣ ስሙ ኢየሱስ ክትሰምዮ ኢኻ። እዚ ኩሉ እቲ እግዚአብሔር ብነብዪ እተዛረቦ ኪፍጸም ኮነ፣ ከምዚ ዚብል፣ እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፣ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፣ ትርጉሙ፣ ኣምላኽ ምሳና እዩ።  (ማቴ 120-23)

ሎሚ ብዙሓት ጋዜጠኛታት፣ ብዙሓት ሰባኽያን ነውሪ ምግላጽ ናይ ጽድቂ መግለጺ ጌሮሞ ናይ ግለ ሰባት ሓጢኣት ይጽሕፉ፣ የንብቡ። እቲ ዝሰምዕ ድማ ኩሉ፡ሓቀኛታት ይብሎም። ናይዛ ዓለም ጸወታ ሓመድ ኣብ ልዕሊ ሓመድ ምብታን እዩ። ትምክሕቱ ድማ ቀይሕ ሓመድ ኣብ ልዕሊ ጸሊም ሓመድ ምስሓቕ እዩ። ብዓቢኡ ድማ ትማሊ ዘኽበርናዮም፣ ንእግዚአብሔር ዝግባእ ቅኔ መወድስ ዘቅረብናሎም ሎሚ ምውራድ ልማድና እዩ። ኣብ ምሸት ዘብራህናዮ መብራህቲ ከየጥፋእናዮ ኣይንድቅስን። ንምጥፋእ ንተግህ። ከምኡ ድማ ዘመስገናዮ ከይረገምናዮ ድቃስ ኣይወስደናን። ኣብሪህካ ምጥፋእ ናይ ጸልማት ዓለም ስርዓት! ከም ዮሴፍ ሱቕ እንተ ንብል እንታይ ኣለዎ? “ተመን ብሓደ ርእሲ ክልተ መልሓስ

የአንደበት ዳዴኣብ ዝብል መጽሓፍ ዝሰፈረ ታሪኽ ንመልከቶ፣- ናይ መወዳእታ ድራር ጐይታ ብምስኣል ዝፍለጥ ሰኣሊ ሌዎናርዶ ዳቪንቺ ኣብ ዙርያ መኣዲ ዝነበሩ ጐይታን ሃዋርያትን ዝሰኣሎም ብዓይኒ ሕሊና ኣይነበረን። ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃዋርያ ባህርይን ጠባይን ካብ ወንጌላት ብግቡእ ድሕሪ ምጽንዑን ነቲ ባህርይ ዝመስል ዝሓዘ ሰብ ይደሊ። ምስ ረኸበ ድማ ሃዋርያ እገሌ ኢሉ ይስእሎ። ኣብ ስእሉ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደሉ ናይ ኢየሱስን ይሁዳን ስእሊ ነበረ። ናይ ኢየሱስ ባህርይ ኣጽነዐ ብምሉእነት ንዕኡ ዝመስል እንተ ዘይረከበ ብጣዕሚ ጽቡቕ፣ ንኹሉ ብማዕረ ዘፍቅር፣ ደግ ሰብ ደልዩ ረኸበ ኢየሱስ ኢሉ ሰኣሎ። ናይ ይሁዳ ስእሊ ንምስኣል ግን ድሕሬኡ 6 ዓመት እዩ  ወሲዱሉ።ፈታዊ ነፍሱ፣ ገንዘብ ዘምልኽ፣ ጽቡቕ ብምግባሩ ዘይኮነስ ክፍኣት ብዘይ ምውድኡ ዝጠዓስ ግፍዐይ ኣይተማለአን እናበለ ዝናደድ ሰብ ድለዩለይኢሉ ክደሊ ከምዚ ዝበለ ሰብ ኣብ ሓደ ቦታ ረኸበ። ሌዎናርዶ ዳቪንቺ ዝመጸሉ ዕላማ ገሊጹ፣ -“ንይሁዳ እትውክለለይ ሰብ ንስኻ ኢኻ ይሁዳ ጌረ ክስእለካ ፍቐደለይኢሉ ብርዑ ከልዕል እቲ ሰብ ስቕስቕ ኢሉ ክበኪ ጀመረ። ሌዎናርዶ ዳቪንቺ ደንጊጹ፥-“እንታይ ኮንካ ኢኻ እትበኪ?” እንተ በሎ እቲ ሰብ ድማ፥-“ቅድሚ 6 ዓመት ንኢየሱስ ትመስል ኢልካ ዝሰኣልካኒ ኣነ እየ። ብብዙሕ ውጻእ ውረድ፣ ብዝገጠሙኒ ፈተናታት ሎሚ ክፋእ ሰብ ኮይነ ረኸብካኒ ይሁዳ ኢልካ ክትስእለኒ መጺኻበሎ። ሌዎናርዶ ዳቪንቺ ድማ፥-“ሎሚ ይሁዳ ኢልና እንስእሎ ትማሊ ኢየሱስ ኢልና ዝሰኣልናዮ እዩ ኢሉ ሰብነቱ ተዓዘበ። እቲ ሰብ ድማ፥ለካ ማዕረ ክንዲዚ ክፉእ ሰብ ኮይነ እየኢሉ ንስሓ ኣተወ።

ናይ ምግላጽ ዘይኮነ ናይ ምሽፋን ጽድቂ ምልምማድ የድልየና። ናይ ሰብ ሕፍረት ብዓቢኡ ድማ ናይ ክቡራት ግለ ሰባት ሓጢኣት ዜና ኮይኑ ብብዙሕ ገንዘብ ኣብ ዝሽየጠሉ ዘመን ጐይታ ከም ዝሸፈነና ምሽፋን ግቡእ እዩ። እግዚአብሔር ኣበሳ ኣብ ኣደባባይ ንግለሰብ እናሰወረ ብስውር ግን ይገልጸሉ።ሓጢኣትካ ኣደባባይ ከይወጸ፥ንሓጢኣት  ለሚድካ ጽድቂ ከይመስለካ፥ንስሓ እቶይብሎ። ንሕና ድማ ልክዕ ከም ጐይታና ነውሪ ሓውና ኣብ ቅድሚ ሰባት እናሰወርና ንዕኡ ግን ክንገልጸሉን ንንስሓ ክንጋብዞን ይግብኣና።

ጻድቅ ዮሴፍ ካብ መልኣክ ድሕሪ ምርዳኡ እቲ ዝተጠንሰ፡መፍትሕ ዓለም  ምዃኑ ስለዝተረደአ ክንከባኸቦ  ጀመረ። ዮሴፍ ነቲ ዝጠነሰቶ ተንካባኸበ። ንሕና ድማ ከም ዮሴፍ ንበዓል ራእይን ራእዩን ክንሕልው ይግብኣና። ራእይ ዕንቅፋት ክገጥሞ ስለ ዝኽእል ንሰብ ራኢይ ክንከባኾምን ክንሕልዎምን ግዲ ይብለና።

"ዘርኢ ዳዊት "

ዮሴፍ ድማ፣ ካብ ቤት ዳዊትን ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፣ ካብ ገሊላ ካብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤተ ልሄም እትበሃል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ኪጸሓፍ ደየበ” (ሉቃ 24-5)

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ወገን ዳዊት ምውላዱ ካልእ ኣገራሚ ነገር እዩ።

ዳዊት ዓቢይ ተስፋ ዝተቐበለ ንጉስ እዩ። መንግስቱ ድማ ንዘለኣለም ከም ዝጸንዕ ተነጊርዎ እዩ (2 ሳሙ 7:13-14)  መንግስቲ ዳዊት ግን ድሕሪ ሰሎሞን ኣይጸነዐን። ብወዲ ሰሎሞን ሮብኣም፡ዘፋን ዳዊት ተዳኸመ። 10 ነገድ ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊት ዓሚጾም ሰሜናዊ መንግስቲ ክምስርቱ ከለው፣ ክልተ ነገድ ድማ  ንዙፋን ዳዊት  ተገዝኡ። እግዚአብሔር ክጸንዕ እዩ ዝበሎ ዝፋን ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝፍጸም ነበረ (ሉቃ 1:31-33:ዕብ 1:5)

ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ነገድ ይሁዳ ካብ ቤት ዳዊት ተወሊዱ። ናይ ሙገሳ ስሙሞዓ አንበሳ ዘእምነገደ ይሁዳ ውእቱ ኢየሱስ ክርስቶስዝብል እዩ (ራኢይ 5:5) እዚ ስም ግን ኢትዮጵያውያን ነገስታት ወሲዶሞ ከም ዝነበሩ ንፈልጥ። ግን ኣይጠቐሞምን። ናይ ድኻ መቓብር እኳ  ኣይረኸቡን። ድሕሪ ሞቶም ንዘለኣለም ከምልኸና እዩ ዝበልዎ ህዝቢ ዓይኖም እናረኣየ፣ እዝኖም እናሰምዐ ኣዋረዶም። ንኹሉ ዝስዕር ናይ ይሁዳ ኣንበሳ ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ሎሚውን ኣሎ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት ተብሂሉ ዘለኣለማዊ መንግስቱ ክምስርት ንዳዊት ዝሃቦ ተስፋ ናይ ፍጻሜ ምጅማር ረኺቡ። ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ ዳዊት  ምባሉ ካልእ ምሕረት እንታይ እዩ? ምስ እንብል ዳዊት ብዙሓት ውሉድ ወሊዱ ሓደ ውሉድ እኳ ዘይኮነሉ ወላድ መኻን ኮይኑ ነበረ። ኣምኖን ዝተባህለ ወዱ፡ሓፍቱ ዝደፈረ፣ ኣቤሴሎም ወዱ ሓዉ ቀቲሉ ነቡኡ ካብ ዝፋን ዘባረረ፣ ሰሎሞን ሺሕ ኣንስት ኣእትዩ ንጣኦት ዝሰገደ----ነበሩ። ሰብ ብዘይ ፍላጥበዓለገ ዘዕበዮይብል። ቡሩኽ  ዳዊት በዓለገ ከም ዝወለደ ረሲዑ፣ ሓጥእ ኣዳም ጻድቕ ኣቤል ከም ዝወለደ ዘንጊዑ! ዳዊት ብውሉድ ዝሓዘነ፣ ብውሉድ ዝተጐደአ፣ እንተ ኣሐንቀቖም ድማ  ናቱ ዘይኮኑ ስቡር ሰብ ነበረ። እግዚአብሔር ኣቦ ወዱ ልኢኹ ውሉድ ኩኖ በሎ። ውሉድ ንዘይብሉ ኢየሱስ ውሉድ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ጠዋሪ ውሉድ፣ ዘመድ ዝኸውን ውሉድ እዩ!

ኢየሱስ ክርስቶስ ትንቢት ክፍጸም ኣብ ቤተ ልሄም ክውለድ ኣለዎ (ማቴ 22-6)  ቅድስት ድንግል ማርያምን ጻድቅ ዮሴፍን፡ትውልዲ ስፍራኦም ኣብ እስራኤል ደቡባዊ ግዝኣት ኣብ ይሁዳ እንተ ኮነ መንበሪኦም ግን ኣብ ሰሜን ገሊላ ነበረ። ቆጸራ ህዝቢ ክግበር ምስ ተኣወጀ ኩሉ ኣብ ትውልዲ ሃገሩ ኣትዩ ክቑጸር ኣለዎ ተባሂሉ ተኣወጀ። ማርያምን ዮሴፍን ኣዋጅ ንጉስ ንምኽባር ካብ ገዛ ኣብ ዘይውጽኦ ግዜ ኣብ ዋዜማ ምውላድ ከላ ናብ ይሁዳ ቤተ ልሄም ከዱ። ነገር ግን ኣዋጁ ኢድ እግዚአብሔር ኣለዎ። ምኽንያቱ ማርያምን ዮሴፍን ቤተ ልሄም ከይዶም ኢየሱስ ኣብኡ ብምውላድ ትንቢት ክፍጸም ስለ ዘለዎ እዩ። ንጉስ ናይ ባዕሉ ዝመሰሎ ኣወጀ ግን ትእዛዙ ናይ እግዚአብሔር እዩ። ማርያምን ዮሴፍን ንንጉስ ዝተኣዘዙ መሰሎም። ነገር ግን ንሓሳብ እግዚአብሔር ተገዝኡ። ነገስታት እኳ ከይፈለጡ ዝእዘዝሉ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ኣምላኽ እዩ! ጠቢብ፥-“እግዚአብሔር ንልቢ ንጉስ ከም ወሓዚ ማይ ናብ ደስ ዝበሎ ይእዝዞ” (ምሳ 21:11) ማለቱ ነዚ እዩ።

ቤተ ልሄም ኣብ ክፍሊ ሃገር ይሁዳ እትርከብ ንእሽቶይን ንዕቕትን ድኽነት ዝመልኣን ከም ርሱን ሓጺን ንዝቕመጡላ ብናይ እሳት ሽግር እናተኣቃጸለት እተባርር ናይ ዓለም ናይ መወዳእታ ውድቕቲ ሃገር እያ።  ትርጉም ስማ ግን ቤት እንጌራ እዩ። ንዘመናት እዚ ትርጉም ከቢድዋ ነበረት። ኅብስተ ህይወት ኢየሱስ ምስ ተወልደላ ግን ስማ ምስ ግብራ ኣተሓባቢራ ከበረት። ሎሚ ኣሽንባይ ክርስቲያን ሙስሊምውን ይደልያ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱ ኣብ ዝተናዕቀት ቤተ ልሄም፣ ኣተዓባብይኡ ኣብ ዝተጸለአት ኣብ ናዝሬት ገበረ (ማቴ 223) ቤተ ልሄም ንዕቕቲ፡ተስፋኣ ዝረሓቓ፡ብሽግር ዝተወቕዐት ከተማ ነበረት። ናዝሬት ድማ ድኽነት ዘምጸኦ ምዝራፍን ስርቅን ዝበዝሓ፣  ጽቡቕ ኣይወጻን ተብሂሉ ተስፋ ዝተቖረጸላ ከተማ ነበረት (ዮሃ 147) ኢየሱስ ክርስቶስናዝራዊክበሃል ብናይ ናዝሬት ዓዋሉ ኣይሓፈረን። ንብዙሓት ሰናይ ዝገበረ ናይ ሰናያን ሰናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ናዝሬት ወጸ።  ምስ ንዑቓትን ጽሉኣትን ጉዳይ ኣለዎ። ኣደ ንዕዋላ ወዳ እተፍቅሮ ንምንታይ እዩ፧ ምስ እንብል ብጀካኣ ዝፈትዎ ስለ ዘየሎ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንዓመጽቲ ዘፍቅሮም ብጀካኡ ንዕኦም ዝፈቱ ልቢ፥ንዕኦም ዝቕበል ኢድ ስለ ዘየሎ እዩ።

እወ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ታሪኽና ኣተወ። ብሓጢኣት ዝተበከለ ናይ ዘርኢ ሓረግ ብናይ ኣቦ ወይኒ  ኢየሱስ ተቐደሰ። ብልደት ክርስቶስ  እንደገና ተፈጠርና። ንሰብ ንምድሓን ናይ መጨረሻ መጀመርያ ተግባር ኣብ ቤተ ልሄም ተጀመረ። ኣብ ቀራንዮ ተፈጸመ። ኣብ መብልዒ ማል ምውላድ መስቀል እዩ። መስቀሉ ኣብ ቤተ ልሄም ይርአ።

ይቕጽል፡5 ምዕራፍ።

ተርጓሚ፥- ቀሺ ኣፈወርቂ

እዚ ጽሑፍ እዚ:  "ተወልዶልናል" ካብ ዝብል ብዲያቆን ኣሸናፊ መኮነን ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ዝተተርጐመ እዩ። ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ግዚኡ ብመጽሓፍ መልክዕ ተሓቲሙ ክቐርብ እዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div