S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓጎስ ካበይ...?

ካብ ዕለታት ሓደ ግዜ ምዃኑ እዩ፡ ሓደ ህርኩት ሓረስታይ ግራቱ ክሓርስ ንበረኻ ይወፍር እሞ፡ ነቲ ኻብኡ ዘይፍለ ኸልቡ ምስኡ ይማልኦ፡፡ 

እቲ ዝሕረስ ግራት ኣብ ጥቓ መኻይን ብብዝሒ ዝሓልፋሉ ደረት ጽርግያ ስለዝነበረ፡ ወዮ ኸልቢ ነንዝሓለፈት መኪና ክሳብ ዝከኣሎ እናነብሐ ይጎያ ነበረ፡፡ ነዚ ዝተዓዘበ ሓደ ኻልእ ሰብ፡ "እዚ ኸልብኻ እንታይ ኮይኑ እዩ ነንዝሓለፈት መኪና እናነብሐ ዝጎያ ዘሎ?" ክብል ነቲ ዋና ይሓቶ እሞ፡ ነዚ ዝሰምዐ ዋና እቲ ኸልቢ ፡ "ንዓይ እሱ ኣይኮነን ዝገርመኒ ዘሎ፡ ነታ መኪና እንተዝሕዛ እንታይ ምገበራ?" ብምባል ንሕቶ ብሕቶ መለሰሉ ይብሃል። ዝኾነ ሰብ የስተውዕለሉ ኣየስተውዕለሉ ንገለ ነገር ክጎዪ እዩ ዘመኑን ሓይሉን ዝውድእ። ንስኻኸ እንታይ ክትሕዝ ትጎዪ ኣሎኻ? እንተትሕዞኸ ብሓቂዶ ውሽጣዊ ዕጋበት ምረኸብካሉ? ገለ ሰብ ብሓላፊ ነገር ዘይሓልፍ ዘልኣለማዊ ንብረት ከጥሪ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሓንጸጸሉ ሕንጹጽ ዕላማ ክጎዪ ኸሎ፡ ገለ ድማ ግዝያውን በራስን ንዝኾነ ነገር ኽእክብ፡ ደድሕሪ ንፋስ ክጎዪ፡ ኣምላኽ ዝዓደሎ ዘመን ምሕረቱ ከይተጠቐመሉ ንፋስ ዓሚኹ ዝተረፍ ብዙሕ እዩ። ወዲ ሰብ ኣብዚ ምድሪ ዝጽዕሮ ኹሉ ሓጎስን ዕጋበትን ንምርካብ እዩ እንተበልና ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ኣይመስለንን። እንተኾነ ግና፡ ገለ ደቂ ሰባት ንሓጎስ ካብቲ ምንጪ ኹሉ ዝኾነ እግዚኣብሔር ንምርካባ በቲ ቅኑዕ መገዲ ክመላለሱ ከለዉ፡ ገለ ድማ ካብ መገዲ ኣምላኽ ርሒቆም፡ ብዝመሰሎም ብሃውሪ ብምምልላስ ንሓጎስ ክረኽብዋ ዝፍትኑውን ኣይተሳእኑን። ስለዚ ክቡራት ቤተሰብ፡ ንሕናኸ ብክርስቶስ ክርስትያናት፡ ብወልድ ውሉዳን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ድማ መንፈሳውያን ዝተሰሜና፡ ንሓጎስ ካበይ ክንረኽባ ንጋደል ኣሎና? ነቲ ምንጪ ዕጋበትናን ሓጎስናን ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብመዓልትታት ንእስነትና ብምዝካር፡ ነታ ኻብኡ ጥራይ ኽትርከብ እትኽእል፡ ብኹነታት ዘይትጽሎን ዘይትድረኽን ብጽእና/ሓጎስ ንምርካባን ንምውራሳን፡ ኣብ ኣምላኽ ብሓቂዶ ከም ፍቓዱ ንነብርን ንመላለስን ኣሎና?

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ብናይ ከረን ስብከት ዝፍለጥ፡ ኣዝዩ ሃብታም ትሕዝቶ ብጽእና ዝሓዘ ክፍሊ ጽሑፍ ኣሎና፡፡ እዚ ክፍሊ ጽሑፍ እዚ፡ ንወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 5፣6፤7 ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሓደ ግዜ ዝመሃሮ ትምህርቲ ከምዝኾነ እዩ ዝእመን። ሓቂ እዩ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜታትን ቦታታትን፡ እዚ ኣርእስቲ እዚ ብተናጸልን ብተደጋጋምን ምሂርሉ እዩ። እዘን ብናይ ከረን ስብከት ዝፍለጣ ምዕራፋት፡ ንመጀመርታ ግዜ ከም ሓደ ገስጋሲ ፍጹም ሓቂ ኣብ ዝመሃረሉ እዋን፡ ነቶም ሰማዕቱ ከም ሓደ ዝተተኮሰ ቦምብ፡ ኣብ ኣእምሮኦም ዓቢ ድምጺ ከይገበረ ኣይተርፍን እዩ። ምኽንያቱ ንመጀመርታ ግዜ ዝተገልጸ ሓቂ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ቅድሚ እዚ ትምህርቲ እዚ ዝነበረ ስነ ሓሳብ ኮነ፡ ስነ መለኮት ዘብልጽ፡ ልዑል ዓቐን ፍልጠት ዘለዎ ብምዃኑ’ውን እዩ። ኣብዚ ትምህርቲ ደሚቁ እንሪኦ ቃል ብጽእና ዝብል ቃል ኮይኑ፡ እቲ መበቆል ሓሳቡ፡ ሓጎስ፤ ዓወት፡ በረኸት፤ ወዘተ ዝብል ትርጉም ዝሓዘ እዩ። ስለዝኾነ እዘን ናይ ከረን ስብከት ዝበለጸ መገዲ ናብ ብጽእና፤ ሓጎስ፤ በረከት፤ ዓወት እንታይ ምዃኑ እዩ ዝገልጸልና። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምጥቃሱ፡ ኢየሱስ ብዛዕባ ብጽእናና ኣዝዩ ከምዘገድሶን፡ መለለዪ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኑ’ውን ክንርዳእ ንኽእል። ኣብ ምዕራፍ 5 ካብ ጥቅሲ 1 ጀሚርና እንተ ኣንቢብና፡ ከባቢ 9 ግዜ ብጽእና ዝብል ቃል ተገሊጹ ንረኽቦ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ብብጽእና ከመላልሰና ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ኣጀንድኡ እዩ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ንፉዕ ሰባኺ፡ ዕላማ ስብከቱ ኣቐዲሙ ዝገልጽ፡ ጎይታና ኢየሱስ’ውን ዕላማ ስብከቱ ኣቐዲሙ እንታይ ምዃኑ ንጹር ብዝኾነ መገዲ እዩ ገሊጹ። እዚ ሓጎስ፤ በረኸት፡ ዓወት ወይ በቲ ጥቅሉል ትርጉሙ፡ ብጽእና፡ ብመንጽር ዓለማዊ ስነ ሓሳብ ዘይኮነስ፡ ብመንጽር ክርስቶሳዊ ስነ ሓሳብ እንታይ ምዃኑን፡ ናብዚ ብጽእና እዚ ኽንኣቱ'ኸ እንታይ ዝዓይነቱ ቅዲ ህይወት ክህልወና ከምዘለዎን እዩ ዝምህረና።

ብጽእና ዝብል ቃል ካብ መካርዮስ (Makarios)  ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝወጸ ኮይኑ፡ ሓጎስ፡ ምሕጓስ ወይ ሕጉስ ምዃን ዝብል ትርጉም እዩ ዘለዎ። ኣብ ከም በዓል ሃገረ ግሪኽ፡ ልሙድ መጸውዒ ሽም ሰብ ኮይኑ ይረኤ እዩ። ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስትያንናውን፡ በዚ ዝጽውዑ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ክንዝክር ንኽእል ኢና። ንገለ ሰባት ሓጎስ ማለት፡ ገለ ጽቡቅ ነገራት ምስ ረኸብካ፡ ወይ ገለ ምስ ኮነልካ ዝስምዓካ ስምዒት እዩ። እዚ ካብ ኣምላኽ ዝምንጩ ሓጎስ ወይ ሕጉስ ምዃን ግን፡ ከምቲ ገለ ጽቡቅ ነገራት ምስ ረኸብካ እትሕጎሶ፡ ተራ ዓለማዊ ሓጎስ ዘይኮነስ፡ ፍልይ ዝበለ ሓጎስ እዩ። እዚ ሓጎስ እዚ፡ ነቲ ብኹነታት ዘይድረኽን ዘይጽሎን ሓጎስ፤ በረኸት፤ ዓወት ወይ፡ ብጽእና እዩ ዘመልክት። ስለዚ እዚ ብጽእና'ዚ፡ ነቲ ውሽጣዊ ዝኾነ ሓጎስ፤ በረኸት፤ ሰላም፤ ደስታ ወዘተ ዝገዝኦ ህይወት ሒዝካ ምንባር ዝገልጽ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ፡ ሓደ ካብቲ መለለዪ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። "መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጎስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኮነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ" ሮሜ14፡17።

እዚ ቃል ብዕምቆት እንተድኣ ኣጽኒዕናዮ፡ ንባህሪ ዝገልጽ ቃል ኮይኑ ኢና እንረኽቦ። ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ንባህሪ እግዚኣብሄር ዝገልጽ ቃል ኮይኑ ይጥቀስ እዩ። ንኣብነት ኣብ መዝሙር ዳዊት 72፡18 "እቲ በይኑ ተኣምራት ዚገብር እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ናይ እስራኤል ኣምላኽ ይባረኽ"። መዝሙር ዳዊት 119፡12 "ዎ እግዚኣብሄር ንስኻ ብሩኽ ኢኻ፡ ስርዓታትካ መሃረኒ"፡፡ 1 ጢሞቴዎስ 1፡11 "እዚውን ከምቲ ንኣይ ሕድሪ እተዋህበ ወንጌል ናይቲ ብሩኽ ኣምላኽ ክብሪ እዩ"። 1 ጢሞቴዎስ 6፡15 " ብግዝያቱ ዚገልጾ፡ እቲ ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘለዎ፡ ንጉስ ነገስታት፡ ጎይታ ጎይቶትውን፡..."። ብመሰረት እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ጥቅስታት፡ ብጽእና ናይ ባህሪ መግለጺ ኮይኑ፡ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገልጽውን እዩ። ባህሪ ኣምላኽ ድማ ብኹነታት ዘይልወጥ ስለዝኾነ፡ ከምቲ ዝተሰመዮ፡ ከምኡ ኾይኑ ንዘልኣለም ዝነብር ኣምላኽ እዩ። ስለዚ ብጽእና ብኹነታት ዝድረኽን ዝጽሎን ክስተት ዘይኮነስ፡ ባህሪ ምዃኑ ኢና ክንድምድም እንኽእል። ስለዚ፡ ብጽእና መግለጺ ባህሪ ኣምላኽ ኮይኑ ካብ ረኸብናዮ፡ ነዚ ባህሪ'ዚ ክምኮርዎ ዝኽእሉ እቶም ተማቐልቲ ኣምላኻዊ ባህሪ ዝኾኑ ጥራይ እዮም። ካብዚ ወጻኢ ብጹእ ክኸውን ዝኽእል ሰብ የለን። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ 2 ጴጥሮስ 1፡4 "ብእኡ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ዝረኸብና፡ ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእኹም፡ ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህሪ ምእንቲ ኽትኮኑ..." ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ እሞ፡ እዞም ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብርትዒ ኣሚንና ከም ፍቓዱ ኮይንና እንመላለስ ዘሎና፡ ድሮ ካብቲ ኣምላኻዊ ባህሪ ተማቐልቲ ኮይንና ኣሎና። ካብ ዕለት ናብ ዕለት፡ እዚ ባህሪ እዚ ኣብ ህይወትና ኣዝዩ እናዓበየ ክኸይድ፡ ሓደ ካብቲ ዝተጸዋዕናሉ ዕላማውን እዩ። ስለዚ እዮም ቅዱሳን ኣቦታት፡ ወገን ኣምላኽን ሓቅን ብምዃኖም ንዝገጥሞም ስደትን መከራን፡ ብሓጎስ ብምቅባል፡ ክሳብ ሞት እሙናት ብምዃን፡ ካብ ባህሪ ብጽእና ከይጎደሉ ዝተመላለሱ።

ጎይታና ኢየሱስ ናብዛ ዓለም ክመጽእ ከሎ፡ ናይ ሓጎስ ኦም ኣብ ዝተረግመት መሬት ከምዘይትበቁል ሓቢሩና እዩ። ብዙሓት ሰባት ግና፡ ነዛ ካብ ኣምላኽ ጥራይ እትርከብ ሓጎስ ክረኽቡ ሓይሎም፤ ግዚኦም፤ ከምኡውን ህይወቶም ከይተረፈ፡ ብኸንቱ የሕልፉ ኣለዉ። እስኪ ብዛዕባ ንጉስ ሰሎሞን ንሕሰብ፡ ኣብ ዓለምና ካብ ዝተራእዩ ነገስታት ኩሎም፡ ብዕቤቱን ግርምኡን ክብሩን መወዳድርቲ ዘይተረኽቦ ንጉስ እንተኔሩ ንጉስ ሰሎሞን እዩ። ካብቲ መድሓኒና ዝመጸሉ ሓረግ ትውልዲ ብምውላዱ ዘኹርዕ ትውልዲ ዝነበሮ፡ ሃብቱ ክቁጸር ክሳብ ዘይክእል ኣዝዩ ብዙሕ ነበረ፡ ብጥበብ መወዳድርቲ ዘይተረኽቦ እዩ፡ ብናይ ዘመንና ሚዛን፡ ብኹሉ ክፋላት መነባብርኡ፡ ዝጎድሎ ዘይብሉ ብሉጽ ንጉስ እዩ ዝነበረ። ስለዚ ብናይ ዓለምና ስነ ሓሳብ፡ ብታሕጓስ ክፍንጫሕ ዝነበሮ ሰብ እንተኔሩ፡ ንጉስ ሰሎሞን ክኸውን ኔርዎ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ መጽሓፍ መክብብ ከም እነንብቦ፡ ኩሉ ናይ ኮንቱነት ኮንቱ፡ ደድሕሪ ንፋስ ከም ምጉያይ እዩ ብምባል፡ ከምዘይተሓጎሰ እዩ ገሊጹ። ኩሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዝኾነሉ ምስኻዕ፡ ነባሪ ሓጎስ ዘይኮነስ፡ ከም መብራህቲ ትርሺ፡ ተራእዩ ዝጠፍእን ከም ምስታይ ማይጨውን ደኣ እዩ ዝነበረ። ንሓጎስ ኣብቲ ናይ ዓለም ንብረት ክንረኽባ ንጋደል እንተሊና፡ ኣብ ጌጋ ስፍራ ኣሎና ማለት እዩ። ቁሳዊ ነገራት ንነፍስና ከሐጉሳ ኣይክእልን እዩ። ንናይ መንፈሳዊ ህይወትና ድሌታት፡ ብቁሳዊ ነገራት ክንመልኦ ኣይከኣልን እዩ። ክግበርውን የብሉን። ደቂ ሰባት ግና እንተኾነሎም ይፍትኑ እዮም። ሓቂ እዩ፡ ብሓዳርካ ሕጉስ እንተዘይኮይንካ፡ ሓዳስ መኪና ብምግዛእ፤ ወይውን ካብ ሰበይትኻ መርዘንካ ዘለዓዕል ቆየቛ እንተኣጋጢምካ፡ ንደገ ብምውጻእ ደስ ዝብለካ ነገራት ብምግባር፡ ንግዚኡ ካብ ዝነበርካዮ ኩነተ ኣእምሮ ኣውጺኡ፡ ናብ ደሓን ዝኾነ ኩነተ ኣእምሮ ከእትወካ ይኽእል ይኸውን። ንመንፈሳዊ ድሌታትካ ግና፡ ብምድራዊ ነገራት ክትዓብሶ ወይ ክትመልኦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንዝቆሰለ መንፈስካ፡ ተራ ዘይቲ ብምፍሳስ፡ ወይ ንናይ እንጌራ ጥሜትካ፡ "ጸጋ ኣምላኽ" ዝብል ጽቡቅ ስብከት ብምስማዕ ክትመልኦ ኣይከኣልን እዩ። ንተራ ናይ እንጌራ ጥሜትካ፡ እንጌራ ብምብላዕ ከም እተዐግሶ፡ ከምኡውን ንናይ መንፈሳዊ ህይወትካ ጥሜት፡ ስቡሕ መንፈሳዊ መኣዲ ብምቅራብ ኢኻ ክትዕንግሎ እትኽእል። ስለዚ፡ ንሓጎስ ኣበይ ክንረኽባ ኢና ሃሰው እንብላ ዘሎና? ካብቲ ምንጪ ሓጎስ ዝኾነ ኣምላኽዶ ወይስ ካብ ቁሳዊ ነገራት? ኣምላኽ የዒንቲ ልቦናና የብርሃዮ!

"ካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሔ ዚሕጎስዎ ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጎስ ኣንበርካ።" (መዝ ዳዊት 4፡7)

ከም ቅዱስ ቃሉ ክንነብር ጸግኡ የብዝሓልና!!!

ድያቆን ኢሳይያስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div