S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዎ ኣምላኽ፡ ምለሰና፡ ክንድሕን ድማ ገጽካ ኣብርሃልና

ብምኽንያት ሳልሳይ ዓመት ዝኽሪ ህልቀት ላምፓዱሳ

" ኣምላኽ፡ ምለሰና፡ ክንድሕን ድማ ገጽካ ኣብርሃልና። 4 እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ብጸሎት ህዝብኻ እትዂሪ 5 እንጌራ ንብዓት ኣብላዕካዮም፡ ብመስፈር ከኣ ንብዓት ኣስቴኻዮም። 6 ንጐረባብትና መካትዒኦም ትገብረና ኣሎኻ፡ ጸላእትናውን የላግጹልና ኣለዉ። 7 ኣምላኽ ሰራዊት፡ ምለሰና፡ ክንድሕን ድማ ገጽካ ኣብርሃልና።መዝሙር 803-7

እዚ ብንጉስ ዳዊት ዝተዘመረ ጸሎት ሕዝቢ ሕስራኤል ካብ እግዚኣብሔር ኣብ ዝዓለውሉ እዋን፡ ንዘጋጥሞም ዝነበረ ውድቀትን ምረትን ዝገልጽ ይኹን እምበር ንሕዝብናውን እዋናውን ኣገዳስን መልእኽቲ እዩ። ሕዝብና ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስቓይ እዩ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ሰብ ዝበልዐ ነጻነትውን ዘመን ዕረፍቲ፡ ፍትሒ፡ ሕግን ሥርዓት፡ ምዕባለን ዘይኮነስ፡ሕልሚ እንተዝኾነልናክሳብ ዘብል ሕዝቢ ዘይተጸበዮ ስቓይ እዩ ወሊዱ። ከም ሳዕቤኑ ሕዝብና፡ ብፍላይ መንእሰያትና፡ ኣብታ ከንኣን ኮይና ናይ ዘመናት ቁስሎምን ስቓዮምን ኪትድብስ ዝተጸበይዋ ሃገርና፡ ተስፋ ስኢኖም፡ ራእዮም ጸልሚቱ፡ ከምቲ ዝሓለንዎ ምንባር ምስ ተኸልከሉ ካብ ሞት ሃዲሞም ናብ ሞት ይጎዩ ኣሎዉ። እዝንና ነቲ በብእዋኑ ዝመጽእ መርድእ መንእሰያትና ለሚድዎ፡ እዞም ውሑዳት ሕዝቢ ብኻልእ ሰናይ ምህዞን ምዕባለን ዘይተፈለጥና ብሞትን ህልቀትን ዕሸላት ደቅና ክንፍለጥ ዕድሎትና ኮይኑ።  ሕዝብታት ዓለም ከማናን ካባና ዝኸፍእን ሕይወት ዝመርሑ የሎውን ማለት ኣይኮነን። እቲ ዝያዳ ዘጨንቕ ግን መፍትሒ ሽግርና ዝፈለጥና ኣይንመስልን፡ ስለዝኾነ ድማ ብዓዲ ጸልማት፡ ብደገውን ዕንክሊል ዝበዝሖ ከንቱ ድኻም እምበር ከም ሕዝቢ ጠንቂ ወድቀትና ኣለሊና እንፍወሰሉ መገዲ ኣይሓዝናን። መከራና ዝነውሕ ዘሎ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን።

ብመጀመርያ ኪፍለጥ ዘሎዎ፡ ካብዚ ገጢሙና ዘሎ መዓት ዚውጻእ ፈጣሪ ሒዝካ እዩ። እዚ ንጉስ ዳዊት ዝዘመሮ መዝሙር ድማ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ምለሰና፡ ክንድሕን ድማ ገጽካ ኣብርሃልና።ሕዝብና ንኣሽሓት ዓመታት ኣማኒ መድኃኔ ዓለም ኮይኑ ዝነበረን ዘሎን እዩ። ኣቦታትና ኪጸቦም ከሎ ናብ ቤተክርስቲያንን ምህለላን እዮም ዝምለሱ ነይሮም። ኩነታትና ከም ሰብ ነነዌ ክሻ ተኸዲንና፡ ኣብ ሓሙኽሽቲ ኮፍ ኢልና ርእስና ኣዋሪድና፡ በብኃይማኖትናን ሥርዓትናን ብልቢ ንምህለለሉ እዋንዩ። ምስትውዓልና ተደፊኑ ግን ዝበዝሑ ካባና ኣብ ክንዲ ናብ ጸሎትን ቤተክርስቲያንን ምጉያይ፡ ኣብ ዘይእዋኑ ኣብ ጓይላን ዳንኬራን ተጸሚዶም እዮም ዝርኣዩ። ናይ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ጓይላን ዳንኬራን እንታይ ወለደ? ኢልና ክንምርምር ዘይምኽኣልና ናይ ዕሽነት ዕሽነት እዩ።

ብኻልኣይ ደረጃ፡ ኢህን ሚህን ንበሃለሉ፡ ሓቢርና መፍትሒ ሽግርና ነናድየሉ እምበር ንፈላለየሉ ግዜ ዘይምዃኑ ምርዳእ የድሊ። እቲ ካብ ኣምላኽ ምርሓቕ፡ ካብ ፍቕሪ ምርሓቕ ማለት ስለዝኾነ፡ ኣብ ንሓድሕድናውን ምርሕሓቕን ምትፍናንን እዩ ዝርኣይ ዘሎ። ፍቕሪ ስድራ ቤት ከይተረፈ ደኺሙ ንዕዘብ ኣሎና። ዝሓለፉ ጽንኩራት ዓመታት መግዛእቲ ክንሳነ፡ ክንተሓላለ፡ ጽጉማትና ክንረድእ ብምግባር ነቲ ደጋዊ ኣደራዕ ብውሽጣዊ ፍቕሪ ንምክቶ ነይርና። ሎሚ ግን ዓመጽትን ተዓመጽትን፡ ገፋዕትን ተገፋዕትን፡ በደልትን ተበደልትን ባዕልና ንባዕልና ስለዝኾንና፡ ከም ሕዝቢ ሓቢርና ሽግርና ንኸይፈትሕ እቶም ዓመጽቲ ደቂ ላምና ዝተፈላልየ ዓይነት እሾኽ ዘሪኦምልና። ግዳይ ናይዚ ኣእሻኽ ኮይኑ እቲ ብገርህነትን ትሑት ንቕሓተ ሕልናን ዝልለ ሕዝብና ኣብ ነንሕድሕዱ ተታፋኒኑ፡ ኣብ በቤቱ ኮይኑ እህህ ምባል እንተዘይኮይኑ ተኣማሚኑ እሂን ምሂን ክብል ጸጊምዎ ይርከብ ኣሎ። ኣበው ላም ፍርቂ ጎድና ኣይትሰብሕን እያ ይብሉ። ኣብዚ ሎሚ እዋን በይኑ ፍትሒ ዝረኸበ ኣካል ሕብረተሰብ የብልናን፡ ኩልና ውጹዓት እንተኾይንና፡ ንምንታይ ንፋላለ? ንሕዝብታት ሃገርና ብማዕረ ከም ሕዝቢ ተቐቢሉን ኣኽቢሩን ንመሰልና፡ ንሓርነትናን ሓድነትናን ዘየሰጉም ጸቢብ ዓንኬላት፡ ብስም ሕዝብታት /ሃገር /ውድብ /ሃይማኖት/ ኣውራጃ ተሸፊኑ ዚቐርብ ኣግላሊ ምትእኽኻባት ብየማን ይምጻእ ብጸጋም ንረብሓና ኣይኮነን፤ ንየው ንበሎ። ቅዱስ ጽሑፍሓድሕዳ እተፈላለየት ኲላ መንግስቲ ትዓኑ፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየትቤት ድማ ኣይትነብርን እያ።. ማቴ 1225 እዩ ዝብል። ቦታ ትውልድና ይኹን፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያና ብዘየገድስ፡ ርስቲ ዓደቦን መንነትን ንኹላትና ብማዕረ ዝብጽሓና፡ ስለዚ ልብና ኣይነጽብብ ንቀባበል። እቲ መገዲ ሕውየት እምበኣር፡ ዕርቂ ምስ ነፍስና፡ ዕርቂ ኣብ ነንሕድሕድና፡ ዕርቂ ምስ ፈጣሪና እዩ።ዝበደለ ኪኽሕስ ዝተበደለ ድማ ይቕረ ኪብልንሕዝብና ሓድሽ ኣይኮነን፡ ንኣሽሓት ዓመታት ዝተናበርናሉ ክቡር ባህልና እዩ።

ካልእ ኪስመረሉ ዘሎው ዓብዪ ጉዳይ፡ ንሕዝቢ ይኹን ንቤተክርስቲያን ብሰላምን ስኒትን ዘስተናብር ሕጊ እዩ። ፍትሒ ሕግን ዲሞክራስን ዝሰፈኖ ቅሱን ሕይወት ምእንቲ ኪህልወና እዩ ሕዝብና ኣሽሓት ደቁ ንነጻነት ሞባእ ዝኸፈለ።  ሕዝቢ ባዕሉ ንባዕሉ ብሕግን ርትዕን ኪመሓደር መሰሉ እዩ። ሕዝቢ ዋና ሃገሩን ጉዳዩን ኪኸውን ባይታ እንተረኺቡ፡ እቲ ንፖለቲከኛታት ሃገርና ተሰዊርዎም ዘሎ መገዲ ሕውየት ኣይጠፍኦን እዩ። እቲ ኣብ ዓድና ዘሎ ጸልማት ይኹን ኣብ ደገ ዘሎ ዕንክሊል ዝፍታሕ ሕዝቢ ዝደልዮ ምቕዳም እዩ። ብስጋን ብመንፈስን እነሕልፎ ዘሎና ስቓይ ጠንቁ ሕጊ-ኣልቦነት እዩ። ሓቢርና ብሕጊ ክንግዛእን ኪንዳነን ምስ እንኽእል ጥራይ እዩ እቲ ምትእምማንን ሓቢርካ ሽግርካ ምፍታሕን ኪርከብ ዝክኣል።

ከም ሕዝቢ ድልየትና ንጹር እዩ ኣስተምህሮ ፖለቲከኛታትውን ኣየድልንናዩ። ብፍትሒ፡ ሕግን ሥርዓትን ቀሲንና ኣብ ዓድና ክንነብር፡ ምስ ጎረባብትናውን ሰላም ድልየትና። ስለዚ ምስቶም ብሓዊ ተፈቲኖም እሙናትን ፍትሓውያንን ኮይኖም ዝተረኽቡ ለባማት ናይ መንፈስ ይኹን ናይ ሥጋ መራሕቲ እናመኸርና ንድሕነትናን ንትስፉው መጻኢ ደቅናን ሓቢርና ንዘቲ፡ ሽግርና ንፍታሕ።

እቲ ፍኖተ-ትንሣኤ ብንጽህና ልቢ ናብ ኣምላኽና ምምላስን፡ ብኽፉት ልብን ኣእምሮን ኢህን ምሂን ምባል እዩ። ሕዝብና ካብ ጎረባብትና ይኹን ካልኦት ሕዝብታት ዓለም ንላዕሊ ስንፍና ከምዘይብሉ ዝሓለፈ ታሪኽ ምስክር እዩ። ከም ፈርኦን ልብና እንተትሪርናን ኣብ ህልኽ ኪነብር እንተመሪጽናን ግን ናይ ዓያሱ ዓያሱ ኮይንና መስሓቕን ካልኦት ሕዝብታትን መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለምን ኮይንና ክንተርፍ ኢና።

ሕዝባዊ ርክባትን መራኸቢታትን መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div