S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝኽሪ 15 ዓመት ምዕጻው ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን እታ እንኮ ልሳን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፡

ረሳዕቲ ኣይንኹን!

ቅድሚ 15 ዓመት ሰሉስ መዓልቲ መስከረም 2001 ብሚኒስትሪ ዜና ሃገረ ኤርትራ ብዝተመሓላላፈ ሃንደብታዊ ትእዛዝ መሰረት፡ እታ እንኮ ወግዓዊት ልሳን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝነበረት ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን መበል 50 ዓመት መንፈሳዊ ኣገልግሎታ ንምኽባር ኣብ ዝተዳለወትሉ ዕለት ዳግም ንኸይትሕተም ዝተዓጽወትሉ እዋን እዩ ነይሩ።

እዛ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፡ ኣብ ከቢድ ፈተና ወዲቓ ዘላ። ክቡር ሕጋ ፈሪሱ፥ መንፈሳዊ ገዳማታ ተጋሂሱ፥ ሕጋዊ መራሒኣ 3 ፓትርያርክ ተሓይሮም፥ ብዙሓት መነኮሳት፥ ካህናት፥ ዲያቆናትን ምእመናንን ተኣሲሮም ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ እዩ። ንሎሚ ድማ ብዛዕባ ወግዓዊት ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃንን 1996 ዝጀመረት መጽሔት ብሥራተ-ግዕዛንን ተሓቲመን ናብ ኣማኒ ህዝቢ ንኸይዝርግሓ ብሜላ ከመይ ኢለን ካብ ቀጽሪ  ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ከም ዝተሰወራ ንኹሉ ልብን ሕሊናን ዘለዎ ሰብ እዚ ሓጺር መዘኻኸሪ ነቕርብ።

እወ! እታ 1951 (1944 . ግእዝ) ቦኽሪ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ሕትመታ ዝጀመረት ጥዕምቲ-ስም ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፥ ዘመነ እንግሊዝ፥ ዘመነ-ፈደሬሽን፥ ዘመነ-ኃይለ-ሥላሴን መንግሥቱን ኣሕሊፋ ናብ ዘመነ-ናጽነት እኳ እንተ በጽሓት፥ ከምቲ "ዝኣመንክዎ ፈረሰይ ኣጽድፈኒ" ዝበሃል፡ ልሳን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝኾነት ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን'ውን ኣብ ዘመነ-ናጽነት ኣብ ክንዲ ዝሰፍሐን ዝበዝሐን ሕታማት ሒዛ ኣብ ሰሰሙን ናብ ኣንበብቲ ትበጽሕ፡ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት 15 ዓመታት ብመንግሥቲ ኤርትራ ምዕጻዋን ምእጋዳን ንብዙሓት ምእመናን ተዋሕዶ ዘሕዘነ ዘስደምም ሕማቕ ታሪኽ እዩ።

ፍኖተ-ብርሃን ማለት መገዲ-ብርሃን ማለት እዩ። ስለዚ ከምቲ ብርሃን መዓልቲ እንተ ሓሊፉ ጸልማት ለይቲ ዝትካእ፥ ፍኖተ-ብርሃን ምስ ተሰወረት ድማ ፍኖተ-ጸልማት (ስራሕ ጸልማት) ገኒኑ ከም ዘሎ ንምግማቱ ኣየጸግምን እዩ። ብርሃን ፍልጠት ዝመገበት ጋዜጣ ፍኖተ፡ብርሃን ክትርሳዕ ዝከኣል ኣይኮነን። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉዝብል ንዓና መለበሚ ዝኸውን ግሩም ትምህርቲ ሓዲጉልና እዩ።  ዮሓ 319

እምበኣር ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃንውን ጽሑፋታ ጽቡቕ መንፈሳዊ፥ መልእኽታ ረዚን ሚዛናዊ፥ ንኹሎም ኣመንቲ ብሥነ-ምግባር ይኹን ብሕድሕዳዊ ምክብባር ንኽዓብዩ ብዙሕ ትምህርትን ማዕዳን እንዳ ዘርግሐት ኮላ እያ፡ ብዘይ ሓደ ሕጋዊ ትእዛዝ፡ ከይትሕተም ዝተኸልከለት። እቶም ዋናታታን ሊቃውንታን'ውን ምስኣ ተኣሲሮም፥ ገለ ዳግማይ ናብ ስደት ኣምሪሖም ካልኦት ድማ ካብዛ ዓለም ሓሊፎም ኣለዉ። ኣብቲ ፈለማ እዋን ብዝምልከቶም ገለ ኣቦታት ናብ መንግሥቲ ህግደፍን ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ከይዶም፡ በጃኹም ከነሕትማ ፍቐዱልና ኢሎም እኳ እንተ ጸዓሩ፡ እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ምትላል መልሲ ግና ክንፈቕደልኩም ኢና! ተዓገሱና! ዝብል ሓቂ ዘይነበሮ ከንቱ ተስፋ  እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እንሆ 15 ዓመታት ዝኣክል ብዘይ ሓደ ብቑዕ ምኽንያት ንጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ምስ መጽሔት ብሥራተ-ግዕዛን መንግሥቲ ኣሲርወን ይርከብ። እቲ ሓቂ እዚ ከሎ፡ ቤተ ክርስቲያን ብዋጋ ዘይትመን ቅርስታታን ጥንታዊ ታሪኻን እንዳ ተዘምተ ከሎ፡ ገለ እዋን ዝሃቦም ሰባት ግና ንመንግሥቲ ህግደፍ ከም ደጋፍን ሓብሓብን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ጌሮም ክጣበቕሉ ምርኣይ ብሓቂ ዘገርም እዩ።

ይኹን እምበር ቃል ኣምላኽ ግና ኣይእሰርን እዩ! (2 ጢሞ 29) ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፡ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ብዝገበሮ ልዑል ጻዕሪ፡ እታ ኣብ ኤርትራ ንኸይትሕተም ዝተዓጸወት ልሳን ተዋሕዶ ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ሕጋዊ ፍቓድን ዋንነትን ንሃገረ ስብከት ስለ ዝተዋህበ ካብ 2010 ጀሚራ ዳግማይ ትሕተምን ናብ ኣብያተ ክርስቲያን ትዝርጋሕን ኣላ። በዚ ድማ ንመድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ክብርን ምስጋናን ይኹን።

ኣምላኽ ዘመን ፍትሕን ርትዕን ይሃበና። ኣሜን።

ደቂቀ እንጦንዮስ፡ ዘክርስቶስ 

ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፣ እንኮ ልሳን ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣበይ ተሰወረት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div