S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል ዝኾነ ኣገልግሎትን በረኸቱን

ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ! ኣሜን።

ምግልጋል ዝብል ቃል እንታይ ማለት'ዩ፧ ቃል ብቓሉ ኣገልግሎት ዝብል ቃል ዝተኣዘዝካዮ ወይ ዝተባህልካዮ ምግባር፣ ዝተላኣኽካዮ መልእኽቲ ምብጻሕ፣ ዝተዋሃብካዮ ዕዮ ምዕያይ ወ.ዘ.ተ የስምዕ። 
ካብዚ ብምብጋስ ክርስቲያናዊ ኣገልግሎት ዝብል ሓሳብ ክንርኢ ከሎና ድማ ንኣምላኽን ንቤቱን ክንገብሮ ዝተኣዘዝናዮ ምግባር ማለት'ዩ ክንብል ንኽእል። ንመረድኢ፡-

1.  ኣምላኽ  ከነቕርቦ ትጽቢት ዚግበረልና

  •  መንፈሳዊ ኣምልኾ፥ ምጽላይ፣ ምጻም፣ ምስጋድ፣ ቃል ኣምላኽ ምንባብ/ ምስማዕ፣ ምምስጋንን ምውዳስን፣ ወ.ዘ.ተ.
  •  መንፈሳዊ መስዋእቲ፥ ንኣምላኽ ኢልና እንውፍዮ ኵሉ ህያብ፤ ሞባእ፣ ዕሽር፣  ንቤተክርስቲያን ዘድልዩ ንዋየ ቅድሳት ወ.ዘ.ተ. ምቕራብ።

2.  ከነብጽሖ ኢሉ ዚልእከና መልእኽቲ ምብጻሕ

  •  ምምራሕ፣ ምስትምሃር፣ ምስባኽ፣ ምምዓድ፣ ምግሳጽ፣ ስርዓት ቤተ-ክርስቲያና ምፍጻም፣ ወ.ዘ.ተ.

ኣብ ወንጌለ ዮሃንስ "ዜገልግለኒ እንተሎስ፡ ንኣይ ይስዓበኒ" (12፣26) ኢሉ ጐይታ የሱስ ከም ዝመሃረ፣ ንጐይታ የሱስ ምግልጋል፡ ንጐይታ ምስዓብ ምዃኑ ንማሃር። ጐይታ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ክብል ከሎ ኣብ ዅሉ ምንቕስቓሱ ክርከቡን ክሳተፉን ዝበሎም ክገብሩ፣ ዝኸዶ መገዲን ዝሰጐሞ ስጉምቲን ክስጒሙ ኣሰሩ ብምኽታል ናብ ዝመርሖም ክኸዱን ክላኣኹን ኢዩ እዚ ዝበሎም። ኣብ ዘመነ ሙሴ እውን እግዚኣብሄር ንህዝቡ ከምዚ ኢሉዎም ኔሩ "ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኹም ስዓቡ፡ ንእኡ ድማ ፍርሁ፡ ትእዛዛቱውን ሓልዉ፡ ቃሉ ድማ ስምዑ፡ ንእኡ ኸኣ ኣገልግሉ፡ ምስኡውን ልገቡ" (ዘዳ 13፣4)። ህዝቢ ኣምላኽ ንመን ክስዕብን  ክእዘዝን ክሰምዕን ከገልግልን ምስመንውን ክለግብ ከምዘለዎ ፈልዩ ምልላይ፣ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝኾነ ኣገልግሎት ንምቕራብ ርሒብ ኣፍደገ ንምኽፋት የኽእሎ።

ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝኾነ ኣገልግሎት ከመይ ዝበለ ኢዩ፧ 

ቅቡል ወይ ድማ ኣምላኽ ዝፈትዎ ኣገልግሎት ንምቕራብ ክንፈልጥ ክሕግዙና ዝኽእሉ ዓበይቲ ዝተፈጸሙ ኣብነታት ካብ ቅዱስ ጽሑፍ ነዞም ዝስዕቡ ንመልከት፥

1.      እቶም መጀመርታ ንኣምላኽ  መስዋእቲ ኣገልግሎት ዘቕረቡ ኣሕዋት ደቂ ኣዳም፡ ቃየልን ኣቤልን፣ ደቂ ሓንቲ ማህጸን፣ ደቂ ሓንቲ ምድሪ-ቤት ክነሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ግና መስዋእቲ ኣቤል ድኣ እምበር መስዋእቲ ቃየልሲ ቅቡል ኮይኑ ከም ዘይተረኽበ ንማሃር (ዘፍ 4፣3-7)።

2.     ብተመሳሳሊ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ቤተ መቕደስ፣ ኣብ ሓደ ጊዜን ሰዓትን ኣብ ቅድሚ ሓደ ኣምላኽ  ንምጽላይ ዝቐረቡ ክልተ ሰብኡት፡  ፈሪሳዊን ተጋውን፡ እቲ ተጋዊ ሓለፋ እቲ ፈሪሳዊ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ከም ዝኸደ ንማሃር (ሉቃ 18፣10- 14)።

3.     ጐይታ የሱስ ኣብ መንጽር ሳጹን ምጽዋት ተቐሚጡ ሰባት ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ጌሮም  ገንዘብ ከም ዘውድቑ  ክርኢ ከሎ፣ ብዙሓት ሃብታማት ካብ ተረፎም ከም ዘውደቑ እታ ድኻ መበለት ግና ዘለዋ ዘበለ  ዅሉ ምግባ ከምዝሃበት ናይ ዓይኒ ምስክርነቱ ከምዝሃበ ንማሃር (ማር 12፣41-44 ፤ ሉቃ 21፣1-4)።

 

4.     ኣብ ከረን ቀርሜሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሕ ህዝቢ፣ ካብቲ እቶም ኣርባዕተ ሚኣትን ሓምሳን ነብያት በዓል ዘቕረብዎ  መስዋኣቲ ምሕራር፣  ሓደ ኤልያስ ዘቕረቦ መስዋኣቲ ምሕራር ካብ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ብሓዊ ምላሽ ከምዝረኸበ ነንብብ (1 ነገ 18፣21-39)

ካብዚ ዘንበብናዮ በብዓይነቱ ኣገልግሎት፡ ኣምላኽ ፈትዩ ዝተቐበሎ መስዋኣቲ ምስጢሩ እንታይ'ዩ፧ ንዝብል ሓታቲ፡-

1.    መስዋኣቲ ኣቤል

ኣቤል ብባህሪኡ ቅኑዕ ልቢ ዝነበሮ፣ ጻድቕ ሰብ ከምዝነበረ፣ ብሉጽ መስዋኣቲ ብእምነት ብልቢ ከም ዘቕረበ ድማ ጸሓፊ መልእኽቲ እብራውያን ይነግረና፥

"ኣቤል ካብ መስዋኣቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ። ኣምላኽ ብናይ መባኡ ኺምስክረሉ ኸሎ ጻድቕ ምዃኑ ብኣኣ ተመስከረሉ፡ ብምውቱ ኸኣ ገና ብኣኣ ጌሩ ይዛረብ ኣሎ" (እብ 11፣4)። ቃየል ግና ብልቡ ኣብ ልዕሊ ወዲ እኖኡ ክፉእ ቅንኢ እሕዲሩ ዝነበረ ሰብ'ዩ።

ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ከም እነንብቦ "ከንቱ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተምጽኡ" (ኢሳ 1፣ 13)። "ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ፡ ኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን፡ ምህለላ እኳ እንተብዛሕኩም፡ ኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊአን እየን" (ኢሳ 1፣15)።

 

2.   ጸሎት ተጋዊ

ናብ ኣምላኽ ዘቕርብ ብቑዕ ህይወት ከምዘይብሉ ብምእማን፡ ንቤት ጸሎትውን ደፊሩ ክረግጽ ዘይመረጸ፡ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፣ ብትሕትናን ጓሂ ዝመልአ ልባዊ ነስሓን ተደሪኹ  ኣፍ ልቡ እናወቕዐ፣ ብዘይካ ምሕረት ኣምላኽ ካልእ ዝምኽሐሉ ግብሪ ጽድቂ እውን ከም ዘይብሉ ብምርዳእ፣ ልቡ እምበር ኣዒንቱውን ብድፍረት ንሰማይ ከየንቃዕረረ ርእሱ ብምድፋእ፣ ልቢ ኣምላኽ ዝትንክፍ ጸሎት ክምዘቕረበ፣ ሓለፋ ዅሉ ድማ ጻድቕ ተባህሊ ከም ዝተነግረሉ ንማሃር። ወዮ ፈሪሳዊ ግና ንኣምላኽ ክብሪ ብዘይህብ ኣገባብ፡ ብጽድቂ ርእሱ ብምንያት ናይ ትምክሕቲ ጸሎት ምቕራብ፣ ጽድቂ ግብሪ ርእሱ ብምቚጻር፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ጻድቕ ጌሩ ምርኣይ፣ ኣጻብዕቱ ብምውጥዋጥ ድማ ናይ ካልእ ሰብ ሓጢያት ብምጽብጻብ ብድፍረት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝለፍለፎ ጽዩእ ጨና ዝመልአ ፍንፉን ናይ ኣምልኾ ጸሎት ስለዝነበረ ዝተቘጽረሉ ነገር ኣይነበርን።

 

3.   ሞባእ መበለት

ካብ ኵሉም ንጐይታ የሱስ ዘስተንከረት፣ ካብቶም ኣለዎም ዝበሃሉ ናይ ምድሪ ሃብታማት፡ እታ ብስጋዊ  ድኽነት እትፍለጥ መበለት፡ ቅናታ ፈቲሓ ዘለዋ ኹሉ ነቲ እተፍቕሮን እተኽብሮን ኣምላኽ ብምውፋይ ንልቢ ጐይታ ዘሳራስር ብቑዕ ህያብ ዘቕረበት እያ። በዚ ተግባራ ኣዚዩ ብምድናቕ ድማ ጐይታ ባዕሉ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ካብቶም ኣብቲ ሳጹን ዘውደቑ ኵሎም ዝበዝሕ ንኣምላኽ ዝሃበት ንሳ ምዃና ከም ዝመስከረ ጽሑፍ ይነግረና። ካብ ምቕባል ምሃብ ኣዚዩ ይባርኽ ከም ዝተባህለ፣ እቲ ብናይ ምሃብ ኣገልግሎት እትረኽቦ መንፈሳዊ በረኸት ዘለለየት ብመንፈሳዊ ልቦና ሃብታም ዝኾነት መበለት ንኣምላኽ ባህ ዘብል ኣገልግሎት ከም ዘቕረበት ንመሃር።

 

4.   መስዋእቲ ኤልያስ

ነቢያት በዓል ምስታ ንነቢያት ግዚኣብሄር  ዘጽነተት  ኢዛቤል ሰበይቲ ንጉስ ኣካኣብ፣ ንሳን ቤታን ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብምሕዳግ ደድሕሪ በዓል/ጣዖት ብምስዓብ ንህዝቢ እስራኤል ሰላም ዝኸልኣት፣ ኣእዳዋን ኣእዳው ኣገልገልታን ብደም ቅዱሳን ዝጨቀወ፣ ንበረኸት ክኾኖም ኢሎም ያኢ ንኣምላከ-ሓሰት ዘቕርብዎ መስዋእቲ ትርጉም ዘይብሉ ኮይኑ ከም ዝተረፈ፤ ኣብ መወዳእታ እውን ደሞም ኣብ ርእሶም ከም ዝተመልሰን ከም ዝሃለቑን ነንብብ። መስዋእቲ ነቢይ ኤልያስ  ግና ካብቲ ብሰንኪ ኤዛቤል፡ ሰማርያ ማእከል ኣምልኾ ጣዖት ተቐዪራ፣ ህዝቢ እምነቱ ስሒቱ ደድሕሪ በዓል ኽኹብልል ምስ ረኣየ፡ ብትብዓት "ክሳዕ መዓዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትንሕንክሱ፧ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ ደድሕሪኡ ስዓቡ፡ በዓል እንተደኣ ዀይኑ ኸኣ ንእኡ ስዓቡ" (1ነገ 18፣ 21) ብማለት ብንጹር ምስነገሮም፣ ብዘይ እግዚኣብሄር ካልእ ኣምላኽ ከምዘየለ ንምግሃድ ብእምነት ዘቕረቦ ምስዋእቲ፡ ታሪኽ ኣምልኾ ህዝቢ እስራኤል ክቕይር፣ ጣዖታት ኣማልክተ-ሓሰት ክሰባብር፣ ቅዱስ መሰውኢታት እግዚኣብሄር ከኣ ክተክል፣ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ንመስዋእቱ ብሓዊ ከም ዝመለሰሉ ንማሃር። ነቢይ ኤልያስ  ብትብዓትን ብምሉእ እምነትን  ንኣምላኽ ዝወፈዮ ኣገልግሎት፡ ነቶም  ካብ ህያው ኣምላኽ ብእምነቶም ዝኾብለሉ ከሕፍሮም ከሎ፡ ንኤልያስን ነቶም ንበዓል ዘይተንበርከኹን ሰባት ግና ፍሉይ ሞገስ ከምዝኾኖም ንመሃር።

ንሕና ኣብ እምነት ኣሎና እንብልከ ከመይ ጌርና ኢና ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝኾነ ኣገልግሎት ንውፊ፧

ሓዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉልና ኣሎ "ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፡ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡ ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን መንፈሳዊ ቤት ተሃነጹ" (1ጴጥ 2፣4-5)።

ቅቡል ኣገልግሎት እምበኣር "ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ" ኢዩ። መንፈሳዊ ዘይኮነ ስጋዊ መስዋእቲ፣ ናይ ኣምሰሉ፣ ናይ ሓጢኣት መስዋኣቲ፣ ኣምላኽ ዘይሰምሮ መስዋእቲ ምዃኑ ቃል ኣምላኽ ይምህረና ኢዩ።

ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ንምቕራብ ክንኮኖ ዝግባኣና፥

1.    ህያዋን ኣእማን ክንከውን

ኣብ'ቲ እንኮ ጽኑዕ ከውሒ ዕርድና ብምጽጋዕ፣ ጽኑዓትን ህያዋንን ኣገልገልቲ ክንከውን፣ ክንዲ ክርስቶስ  ዚኣክል ቀርኒ ምድሓን ሒዝና፡ ብጽኑዕ እምነት፡ ኣምላኽ ዚብህጎ ምኡዝ ኣገልግሎት ምቕራብ።

2.   መንፈሳዊ ቤት ክንህነጽ

ስጋዊ ዘይኮነስ መንፈሳዊ መስዋእቲ ንምቕራብ፡ እግዚኣብሄር ዚኸብረሉ ህይወት ዝሃነጽና/ዝሓዝና ክንከውን። ርእስና ካብ ሓጢያት ቐቲልና፣ ካብ ብልሽው ናይ ሓጢያት ህይወት ወጺእና፡ ብንጹህ ኣእምሮ ንኣምላኽ ባህ ዘብል መስዋእቲ ኣምልኾ ምቕራብ። ምኽንያቱ ብኣካላት ኣጽዋር ጽድቂ ዝቐርብ ኣገልግሎት ጥራሕ'ዩ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል። ነዚ ዘብርሁልና ክፍሊ ጽሑፋት ንምውካስ ሮሜ 6፣13 ሮሜ 12፣1   ቈሎሴ 1፣10   ቲቶ 2፣14   ያዕ 1፣27 ተመልከት።

ቅቡል ኣገልግሎት ንምቕራብ ዕጥቕና ምፍላጥ

 

ህልውና ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢድ ኣገልገልታ ተንጠልጢሉ ዝርከብ ጉዳይ ስለዝኾነ፣ ቀጻልነት ህልውና መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከተቕርብ እትኽእል ቤተክርስቲያን ምሓዝና እነረጋግጸሉ መንፈሳዊ ዕጥቒ ክህልወና ይግባእ።

1.      ብዘይ ምብታኽ ምጽላይ

ብጸሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ወትሩ ጊዜ ምቕራብ። ሰብ ዕዳ ምዃና ፈሊጥና ምእንቲ ነፍሳት ወትሩ ምንቓሕ፣ ብመንፈስን፣ ብነፍስን፣ ብስጋን፣ ብዘይመንቅብ ኪርከቡ፡ ምእንቲ ህዝብና ምልማን/ምምላድ ውፋያት ምዃን።

 

·         "ምእታኹም ምልማን ብምሕዳገይ ንእግዚኣብሄር ምብዳልሲ ካባይ ይርሓቕ" (1 ሳሙ 12፣23)።

·         "ከቶ ክፉእ ከይትግብሩ ናብ ኣምላኽ ንልምን ኣሎና።… ንሕናን እንተደኸምና፡ ንስኻትኩምን እንተ በርታዕኩም ኢና እንሕጐስ፡ እዚውን ምሉኣት ክትኰኑ ንጽሊ ኣሎና" (1 ቈረ 13፣7-9))።

·         "ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርክብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሓይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቅርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሐ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን ኣሎኹ" (ፊሊ 1፣9-11)።

·         "ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ…" (ኤጳፍራስ ንሰብ ቈሎሴ ዝጸለዮ) (ቈሎሴ 4፣12)

·         "ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስን፡ ስም ጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኸብርንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትከብሩ፡ ኣምላኽና ነዛ ጽውዓ እዚኣ ብቑዓት ምእንቲ ኪቘጽረኩም፡ ብሓይሊውን ኵሉ ሰናይ ስምረትን ግብሪ እምነትን ኪፍጽም፡ ብዛዕባኹም ኵሉሳዕ ንልምን ኣሎና።" (2 ተሰ 1፣11-12)

2.   እምነት ንምትካል ምጽዓት

·         "ስለ ስሙ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ምእዛዝ እምነት ክንተክል፡ ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን እተቐበልና፡ … ንጽርኣውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን ንለባማትን ንዓያሱን ዕዳ ኣሎኒ" (ሮሜ 1፣ 5 , 14)

·         "ኣነ ወንጌል እንተ ሰበኽኩ ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ ዝምክሓሉ የብለይን። ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ" (1ቈረ 9፣16) ዝብል ከምዝተነግረ፣  እምነት ካብ ምስማዕ ከም ዝኾነት ምስማዕ ድማ ካብ ቃል እቲ ህያው ኣምላኽ እምበር ካብ ካልእ ከምዘይኮነ ብምርዳእ፣  እምነት ካብቲ ናይ ሰማይ ዘርኢ እንተዘይኮይኑ ካብ ካልእ ዝመጽእ ዘርኢ ክትትከል ከም ዘይትኽእል ፈሊጥካ ቃል ወንጌል ምዝራእ።

·         "ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይኰነልናን ኢዩ" (ግብ 4፣19-20)። ቅድም ክብል ብነቢያት ብድሕሪኡ ድማ ሓዋርያት በዒንቶም ዝረኣይዎ፣ በእዛኖም ዝሰምዕዎ፣ ብእዳዎም ዝዳህሰስዎ ናይ ህይወት ቃል ምንጋርን ምምስካርን እንተዘይኮይኑ ካልእ ብቕዲ ሰባት ዝተሰነዐ ከይነውስእ ደገ ከናፍርና ክንሕሉ ይግባእ።

3.   ግዙእ ክርስቶስ ኴንካ ምግልጋል

ኣብ ቅድሚ እቲ እነገልግሎ ኣምላኽ ብፍርሃትን ትሕትናን ምቕራብ። "… ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር ኣሎኹ" ከም ዝብለና ቃል ኣምላኽ (ኢሳ 57፣15) ከም ጻሕሊ ኣብ ኢድ ሰራሒኡ ምዃንና ዘይምርሳዕ። ባሮት ናይቲ ኣብ ልዕሌና ፍጹም ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ምዃንና ምፍላጥ። ስለዚ ኣገልግሎትና ካብ ልቢ ክንገብሮ ከም ዘሎና፣ ንውልቃዊ ዝናን ረብሓን ዘይኮነ፣ ንሰብ ባህ ከነብል ናይ ገጽ ረአ'ውን ዘይኮነ ክኸውን ይግባእ። ነዚ መልእኽቲ'ዚ ንምስልሳል ነዚ ክፍሊ ጽሑፍ ተመልከት (1 ቈረ   9፣16-17፤ ገላ 6፣7-8፤ ሚል 2፣ 1-2) 

4.     ዓቀይታይ ክርስቶስ ኴንካ ምዕያይ

ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ዚጻላእ ምምካትን ንጐይታን ንቓሉን ዚጻረር ድማ ምውጋእን ናይቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ኣገልግሎት ዘቕርቡ ሓላፍነት ኢዩ። ስለዚ ከምቲ ጽሑፍ "ብስጋ እንመላለስ ክነስና እኳ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና። ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር ስጋዊ ኣይኰነን፡ ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና። ምእዛዝኩም ምስ ተፈጸመውን ነቲ ዘይምእዛዝ ዘበለ ዅሉ ኽንቀጽዖ ተዳሊና ኣሎና" (2 ቈረ 10፣ 3-5)።

·         ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ኣሰር ክርስቶስ ክንስዕብ ግድን'ዩ እሞ፣ ከምቲ'ቲ ጽሑፍ "ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ኬፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ" ከምዝብል (1 ዮሃ 3፣8) ንዲያብሎስን መገላግልቱን ምቅላስ ግደ ኣገልገልቲ'ዩ።  "እቲ ቕልስና" ኢሉ ሓዋርያ ጳውሎስ "ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መሳፍንቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን" (ኤፌ 6፣11-12)። ስለዚ ኣጽዋር ኣምላኽ ከነልዕል ምኽሪ ሰይጣናዊ ኣገልገልቲ በቲ ዘሎና ስልጣን ከነፋራርስ ግድን እዩ።

·         "ኦ ጐይታ ኣምላኸይ ተንስእ እሞ ጸላእትኻ ይበተኑ። ቅዱስን ቡሩኽን ስምካ ዚጸልኡ ሰባት ካብ ቅድሚ ገጽካ ይርሓቑ" (ዘሁ 10፣ 35፣ መዝ 68፣1) እናበልና ብጸሎት ክንግጽቦም ናይ ኵልና ሓላፍነት ኢዩ።

·         ንዅሉ ኣእምሮ ንምእዛዝ ክርስቶስ ንምምራኽ ክከኣለና፣ ብመንፈስ ምዕያይ "ብመንፈሰይ እምበር ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኮነን" (ዘካ 4፣6-7) ከም ዝብለና ብጸጋ ኣምላኽ ብዘይምሕላል ምግልጋል።

 

5.   ወኪል ክርስቶስ ኴንካ ምስራሕ

·         ነቲ ንኣምላኽ ዘይፈልጥ ምስ ኣምላኹ ዕርቂ ኪገብር ምምዓድ    (2ቈረ 5፣20-21)

·         ኣብ ማእከል ህዝብን ኣምላኽን መኣዛ ክርስቶስ ኴንካ ምግልጋል  (2ቈረ 2፣15-16 )

ኣምላኽ ዝፈትዎ ኣገልግሎት ብምቕራብ ዝርከብ ዓስቢ እንታይ ኢዩ፧

·         ከምቲ ኣብ መእተዊ ዘንበብናዮ፡ መወዳእታና ጸቢቑ ኣብቲ ጐይታ የሱስ ዘለዎ ክንነብር ብቚዓት ንኸውን። ፍሉይ ክብሪ ኸኣ ካብ እግዚኣብሄር ኣብ ንቕበል (ዮሃ 12፣26)። "ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም"(ሚል 3፣18) ከምዝበሎ፡ ኣብቲ መወዳእታ ዘመን ፍሉይ መለለዪ ሰማያዊ ክብሪ ቅዱሳን ክንቅበል ኢና።

·         እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር ጭራ ኣይገብረናን፣ ብላዕሊ ጥራይ ንኸውን እምበር ብታሕቲ ኣይንኸውንን ( ዘዳ 28፣13-14)።

·         ኣብ ምድሪ ሚእቲ ካዕበት ኣብ ሰማይ ድማ ዘልኣለማዊ ህይወት ንቕበል (ሉቃ 18፣28-30)።

·         "ቘፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእ፣ መጽመቚኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ"  ከምዝብለና ሲሳይ ቤትና ብበረኸት ኣምላኽ ይበዝሕ፣ ሰብናን ጥሪትናን ብዘድልየና ዘበለ ንዓግብን ንረውን (ምሳሌ 3፣9-10)።

·         መሳዅቲ ሰማይ ብዝሒ በረኸት ንምፍሳስ ይኽፈቱልና(ሚል 3፣10)።

·         እቲ ንበረኸት ዚሰርቕ ምንጪ መርገም ዝኾነ "ወሓጢ" ፍረ ምድርና ንኸየጥፍእን ነታኽልትና ኸየቈልዕን፡ ካብ ምድርና  ኪርሕቕ  እግዚኣብሄር ይገንሖ (ሚል 3፣11)።

·         ምድርና ምድሪ ሓጐስን ሰላምን ትኸውን (ሚል 3፣12)።

·         ኣብ እንነብሮ ቦታን ዓድን ሃገርን ብጹኣን/ ቡሩኻት ተባሂልና ንስመ (ሚክ 3፣12)።

ምስጋና ንኣብ ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን !

ብቀሲስ ሰመረ ገ. ስብሃቱ
ቅድስት ሥላሴ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን
ኤድመንተን ኣልበርታ
ሓምለ 2013 ዓመታዊ ኮንፈረንስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝቐረበ

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div