S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፖፕ ሺኖዳ 3ይ፥ እሙን ኣምባሳዶር እግዚኣብሔር!

ኣብዛ ሓላፊት ዓለም እሙን ምዃን እቲ ዝኸበረን ብጣዕሚ ዘሐጉስን ጠባይ ደቂ ሰባት እዩ። እሙን 

ንኽትከውን ከኣ ናይ ዕድመ ዕብየት ወይ ናይ ሥልጣን ሽመት ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ስለምንታይሲ እሙን ምዃን ውጽኢት ፍረ ናይ ቅኑዕ ሕሊናን ሠናይ ድሌትን ስለ ዝኾነ። ዘይእሙን ምዃን ከኣ ብኣንጻሩ ዘሕፍርን ዘነውርን ዘይስነ-ምግባራዊ ሕማቕ ጠባይ ደቂ ሰባት ኢዩ። "ዘይተኣማመኑ ጓሓሉ ኣብ ክሳድ-ክሳድ ይመሓሓሉ" ከም ዝበሃል ከኣ ኣብ ዘይእሙን ሰብ ንቡርን ክቡርን ሕይወት ክህልዎ እዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንገዛእ ርእሱውን እሙን ስለ ዘይከውን። እምበኣር ንሕናውን እሙናት ንኽንከውን ነቲ እሙን እግዚኣብሔር ነቐድም።

ናብ ኣርእስቲ ጽሑፍና ክንምለስ “ፖፕ ሺኖዳ እሙን ኣምባሳዶር፥ ናይ እግዚኣብሔር” ክንብሎም ዝኸኣልና፡ እዞም ቅዱስ ኣቦ ፖፕ ሺኖዳ ነቲ እግዚኣብሔር ብሕርየትን ብጻውዒት መንፈስ ቅዱስን ዝሃቦም መጓሰ ኦርቶዶክስ ክርስትና ግብጺ ብግዜ ራህዋ ይኹን ብግዜ ጸበባ፥ ኣብ እዋን ሓጎስ ይኹን ኣብ እዋን ሓዘን፥ እሙን ሓዋርያ ኮይኖም “ብጽኑዕ እምነት፥ ብጾም ብጸሎት፥ ብትምህርቲ፥ ብትዕግሥቲ፥ ብትሕትናን ፍቅርን፥ ብቃልን ግብርን ኣብነታዊ መራሒ ብምዃን ንልዕሊ 41 ዓመት ኣብ መንበረ-ቅዱስ ማርቆስ ብተወፋይነት ኣገልጊሎም ንዓለም ምሉእ ጽቡቕ ኣርኣያን ህያው ታሪኽን ሓዲጎም ብሰላም ስለ ዝሓለፉ እዮም። ስለዚ “ንርእስኹምን ነቲ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽን ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኩሉ መጓሰ ሓልዉ” ዝብል ቃል ሕድሪውን ፈጺሞም እዮም" (ግሓ 20፡28)።

በዚ መሰረት ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ በመንፈስ ወዱ ጢሞቴዎስ “በዚ ነገር እዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካ ንገዛእ ርእስኻን ነቶም ዘስምዑኻን ከተድሕን ኢኻ” (1ጢሞ 4፡16) ዝበሎ፡ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ድማ ብግብረ-ገብነቶም፥ ብጽንዓት እምነቶም፥ ብመንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ንብዙሓት ሚልዮናት ኦርቶዶክሳውያን ናብ ድሕነት መንፈሳዊ ሕይወት መሪሖም እዮም። ኣብ ዝተላኣኽካዮ እሙን ካብ ምዃን ንልዕሊ ከኣ ዘዕግብን ባህ ዘብልን ሠናይ ታሪኽ የሎን። ከም ንፉዕ ሽም ንህቢ ኮይኖም ንምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ብሓድነትን መንፈሳዊ ፍልጠትን ተጊሆም ብሓቅን ጽድቅን ስለ ዝመርሑን ኩሎም ግብጻውያን ጳጳሳት፥ ካህናት፥ ዲያቆናትን ምእመናንን ብልቢ ስለ ዝሰዓብዎምን እንሆ ሎሚ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ኩሉ ኵርናዕ ዓለም ትዕንብብን ትፈርን ትሰፍሕን ከም ዘላ ካብ ዓይኒ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን። እወ! ክቡር ሰብ ይሓልፍ ግናኸ ክቡር ፍረን ክቡር ታሪኽን ይገድፍ።

ኣብዛ ዓለም ኣካይዳኻ ምጽባቕ ብሓቂ ሠናይ እዩ። “ነቲ ምድራዊ ኣካይዳኹም ርእዮም ንሰማያዊ ኣምላኾም ምእንቲ ከመስግንዎስ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ” ከም ዝበለ ቅዱስ ወንጌል ኣብ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ እንተኸድና ሕድሕዳዊ ክስን ወቕስን ኣብ መንጎ ምእመናን ወይ ኣብ መንጎ ውሉደ-ክህነትን ጳጳሳትን ክርክርን ባእስን ኣይረአን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ኣመንትን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንን ምክሳስ ማለት ዕንወትን ውድቀትን ማለት ምዃኑ ኣጸቢቖም ስለ ዝተረድእዎ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ወርሓዊ ናይ ኣባልነት ክፍሊት ዝበሃል ፈጺሙ የልቦን። እንታይ ደኣ በቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትእዛዝ መሠረት ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ክርስቲያን ካብቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦ ኩሉ ዕሽር ክኸፍል ኦርቶዶክሳዊ ግዴታኡ ምዃኑ ልዕሊ ዝኾነ ይፈልጡዎን ይትግብርዎን እዮም።

ናይ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ዝድነቕ ትዕግሥቶም፥ ዘየቋርጽ-ጸሎቶም፥ ልቢ ሰብ ዝትንክፍ ጽሑፋቶም፥ ልዙብ ስብከቶም፥ ውሕሉል መሪሕነቶምን ኣብ ህዝቦም ዝነበሮም ልዑል መንፈሳዊ ፍቕርን ኣኽብሮትን ንቤተ ክርስቲያን ግብጺ ናብ ዝለዓለ ኦርቶዶክሳዊ ፍልጠትን ዕብየትን ኣብጺሖማ እዮም። ፖፕ ሺኖዳ ካብቲ ኣብ ዘመን ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ብዝያዳ ዝሰርሕሉ ልዑል ዋጋ ዝኸፈልሉን ንውሉደ ክህነት ይኹን ምእመናን ብመንፈሳውን ኣካዳምያውን ትምህርቲ ምብሳል ዝብል ሰፊሕ ራእይን ናይ ነዊሕ ዕላማን እዩ። በዚ ምኽንያት ሎሚ ዳርጋ እቶም ዝበዝሑ ጳጳሳት ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ዶክተራት ክኾኑ ከለዉ ካህናት ድማ እቲ ዝተሓተ ብቐዳማይ ድግሪ ዘለዎን ብትምህርቲ መለኮት ዝተመረቑን ኢዮም። ካብቲ ብዝያዳ ዘደንቕ ድማ እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልደ ወይ ዝዓበዩ ግብጻውያን መንእሰያት ከይተረፉ ብመንፈሳዊ ሕይወት ፖፕ ሺኖዳ ተማሪኾምን ብፍቕሪ ኣምላኾም ተመሲጦምን ዘለዎም ናይ ዶክትሬት ልዑል ትምህርቲ መኒኖም ናብ ናብራ ምንኩስናን ዕዮ ወንጌልን ምውፋዮም እዩ።

ልዑለ ባሕርይ ዝኾነ እግዚኣብሔር ከምቲ ንቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ካብ ብሕትውናን በዓትን ኣውጺኡ ናብ ቅዱስናን መዘና ኣልቦ ኣገልግሎትን ንኸወፍዩ ንልዕሊ 41 ዓመት ብጸጋ ዘሰነዮም፥ ሕጂውን ንኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ከምቲ “እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ካብ ማእከልኩም፥ ካብ ህዝብኹም፡ ከማይ ዝበለ ነቢይ ከተንስኣልኩም እዩ” ዘዳ 18፡18 ዝበሎ ካብቲ ንሕና ንሓስቦን ንልምኖን እምብዛዝ ኣዕዚዙ ክገብር ዝከኣሎ እሙን ኣምላኽ፥ ንፉዕ መንፈሳዊ ጓሳ ከተንስኣሎም ሠናይ ፍቓድ ኣምላኽ ይኹን። እዞም ናይ ዘመንና እሙን ሓዋርያ ዝኾኑ ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ በቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያኖምን ህዝቦምን ዝወርድ ግፍዕን ሃይማኖታዊ ተጽዕኖን ከየንጸርጸሩ፥ ተስፋ ከይቆረጹ፥ ኣብ ኩሉ ሰላም ንምስፋን ከይተሓለሉ፥ ኣብ ሃገሮምን መድረኽ ዓለምን ብልዝቡነቶም፥ ብሊቅነቶም፥ ብጽንዓቶምን ንኹሉ ህዝቢ ዓለም ዝገረሙ ቅዱስ ኣቦ እዮም። ሓዋርያ ዝበሃል ድማ ከምዚኦም ዝኣመሰለ “ክቡር ሓሳብ ዝሓስቡን ኣብ ክቡር ነገር ዝጸንዕን’ዩ” እቶም ብሕይወት ዘሎና ኦርቶዶክሳውያን ድማ ከም ፖፕ ሺኖዳ ሠናይ ክንገብርን ብሰላም ክንነብርን ጸጋኡ የብዝሓልና።

ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ልዕሊ 110 መጻሕፍቲ፥ ማእለያ ዘይብሉ ሓጸርቲ ጽሑፋት፥ ተቐዲሖም ዘይውድኡ ናይ ቪድዮ ስብከታትን፥ ኣብ ልብን ኣእምሮን ዝተዓቑሩ ስፍርን ቁጽርን ዘይብሎም ማዕዳታት ሓዲጎም ብምኻዶም ኣብ ዘመንና ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ ወለዶታት ብኽብሪ ዝዝከሩ ቅዱስ ሓዋርያዊ ኣቦ እዮም። እሙን ኣምባሳዶር ናይ እግዚኣብሔር ዝበሃል እምበኣር ወትሩ ፍቓድ እግዚኣብሔር ዝገብርን መጓሰኡ ዘኽብርን ንቑሕ ጓሳ ማለት እዩ። “ዘጻመወ በዓለም የሃዩ ለዝልፉ” ከም ዝብል ቅዱስ ጽሑፍ፡ ኣብዛ ሓላፊት ዓለም እሙን ኮይኑ ብትግሃት ዝሰርሐ፥ ዝተዋህቦ ዕድመ ኣብ ዕዮ ወንጌል ዘውዓለ፥ ስለ እምነት ዝተበደለ፥ ብፈተና ዝጸንዐ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክነብርን መንግስተ ሰማያትን ክወርስን ምዃኑ ኣየጠራጥርን።

ዘለዓለማዊ ሕይወትን ዘለዓለማዊ ክብርን ንቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ!

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም ቅዱስ ሚካኤል ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div