S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

5 ሓምለ ብኣቈጻጽራ ግእዝ (ሓምለ 12 ዓ.ም.)፣ እቲ ብልምዲ “ሓርያ-ጉባኤ” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ብሰማእትነት ዝዓረፍሉ ዕለት እዩ።

እንሆ ድማ ድምፂ ብሃንደበት እንካብ ሰማይ መጽአ። እቱ ምልክቱስ ተገንዚብኩሞዶ፧ እዙ ጴንጠ-ቈስጠኸ እንታይ ኢዩ፧ እቱ ማዕጺድ ኣብ ዓጺድ ዚስደደሉን፥ ዚእከበሉን ጊዜ ኢዩ። እቱ ክውንነቱ ርኣዩ፥ እቱ ቃል ማዕጺድ እተሰደሉ ጊዜ ምስ መጽአ: ናብዙ፥ ከመዮ ማዕጺድ ዚብልኁ መንፈስ ቅዱስ ወረደ። ንቃላት ክርስቶስ ጽን በሉ: በለ እውን፥ እንሆ ኣዕይንቲኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ግራትውቲ ንዓጺድ ድሮ ከም ዚፃዕደወ ርኣዩ።

ካብ "ኣሰተንትኖ ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት" ብቅ. ኣቡነ ሹነዳ ሣልሳይ ጳጳስ መንበረ ማርቆስን ፓትሪያርክ ዘስክንድርያ ዚተተርጐመት

እታ ቀዳመይቲ ቃል:   ኣቦይ፥ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ኅደገሎም።” (ሉቃስ 23: 34)

በስመ-ኣብ፡ ወወልድ፡ ወመንፈስ-ቅዱስ፡ ኣሃዱ ኣምላኽ፡ ኣሜን

ክርስትናን ፈተናን መስቀይትን ስለ ዝኾኑ፡ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ጋሻ ነገር ከመዘይ ኮነ ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያንን ብቐሊሉ ክንማሃሮ ንኽእል ኢና። እቲ መሥራቲ ናይ ክርስትና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብፈተና ናይዛ ዓለም ንኸይንሳናባድ ኣጸቢቁ መሃረና እምበር፡ ክንስዕቦ ኢሉስ ኣይጠበረናን። "ኣብ ዓለም ከለኹም ብዙሕ ጸበባ ኣለኩም፡ ኣጀኹም ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ" (ዮሓ 16፡ 33) እዚ ኹሉ መምርሕን ተስፋን ዝተዋሃበት ቤተ-ክርስቲያን፥ እቶም ከም ቁርዲድ ምስ ለገብዎ ምልቃቕ ዝኣበይዋ፡ ሰብ ፖለቲካ ሎሚ'ውን ከም ቀደሞም፡ ንፓትርያሪክ እንጠንዮስ ከፋራርሕዎምን ጸቅጢ ክገብርሎምን  ከምዝቐነዩ ይስማዕ ኣሎ።

ካብ "ኣሰተንትኖ ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት" ብቅ. ኣቡነ ሹነዳ ሣልሳይ ጳጳስ መንበረ ማርቆስን ፓትሪያርክ ዘስክንድርያ ዚተተርጐመት

እታ ቀዳመይቲ ቃል:

ኣቦይ፥ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ኅደገሎም።” (ሉቃስ 23: 34)

ፍቑር እግዚእና የሱስ፡ ኣብ መስቀል ኣብ ዕመቕ ሥቓዩ፡ ስለ ካልኦት ድኣምበር ስለኡ ኣይሓሰበን። ንሱ ንቓንዛኡ ረስዔ፡ ሥቅያቱ፡ ኣቚሳሉ፡ ስለቱ ምኹርማጅ ዝባኑ፡ ስለቶም መሰማር የእዳዉን የእጋሩንውን፡ ስለቶም ጸላዕላዕ ዘብሉ ኣእሿኽ ኣብ ግንባሩ፡ ዚቕንዞ ኣካላቱ ድማ ምንም ኣይተጨነቐን። ንሱ ነዚኦም ዂላቶም ኣብ ጐድኒ ኣቐሚጡ ስለ ፍቑሩ ኣብ ደቂ ሰባት ድኣ ሓሰበ። እቱ ቅድሚ ዂሉ ክንዝክሮ ዝግብኣና ኸመይ ቢሉ ንጸላእቱን ነቶም ዚሰቀልዎን ከም ዚኃደገሎም ኢዩ። ስለኡ ድማ እታ ናይ ፈለማ ቃል ጽራሕ ኣብ መስቀል ኣቦይ፥ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ኅደገሎም።” (ሉቃስ 23: 34)

እግዚእ ኣቀዲሙ ስለ ጸላእቱ ደኣ ሓለየ፡ እሞ ኸዓ ቅድሚ ፈተውቱን ስለ ባዕሉን። ንሱ ነቶም ዘሰጓጕዎ ይቕረ በለሎም፡ ድኂሩ ኸዓ ነቱ ቅድሚ ምእማኑ ዘባጨወሉ ከታሪ ድማ። ድኂሩ ኸዓ ነኖኡ ሓለየላ ድኅሪዙ ዂሉምሉ ኸዓ ስለ ባዕሉ ተዛረበ።ኣቦይ፡ ኅደገሎምነዚአን ቃላት ኪብል ከሎ ንሱ ኣብ ኣዚዩ መሪር ጓሂን ኣካላዊ ቃንዛን ኢዩ ዚነበረ። ድኅሪ ንሱ ኣብ የእዳው እዞም ሕዝቢ ብዙኅ ተሣቐየ፡ ግናኸ ንኺኅደገሎም ለመነ! ንሱ ግና እንካብ ምንዓቕ/ምጽያን ኣዛዪዱ ደኣ ኣፍቐሮም።

ስለ ኪኅደገሎም ጥራኅ ኣይለመነን፡ ግዳስ ኣማኸናየሎም ድኣ! እዞም ሕዝቢ እዚኦም ስለ ባዕሎም ከማኻንዩ ዘይክእሉ ኢዮም፡ ብድፍረት ድማ ዓው ቢሎምደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን በሉ።” (ማቴዎስ 27: 25) እዞም ሕዝቢ እዚኦም ባዕሉ፡ የሱስ ስቁል፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም።ቢሉ ምኽንያት ገበረሎም። ክንደይ ኮን ብዙኅ ኢዩ ፍቕሪ እግዚእና፥ ንሱ መርገም ኣይረገሞሞን፡ ንሱ ኣይመለሰሎምን ወይ ኸዓ ብነቒስ ስለኦም ኣይሓሰበን፡ ይኹን ግዳ ፍቕሩ ምሒር ግሩም/ጽቡቕ ኢዩ። ኣብ ክንዳኡ ግና ምንታኦም ኅድገት ለመነን ይቕረ በለሎምን፡ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣቦ ተጣበቐሎም/ተኸላኸሎም፡ ኃጢኣቶምስ ብሰንኪ ዜይምፍላጦም ኢዩ ቢሉ ድማ ኣነጸረ።

ከም ደቂ ሰባት ነዙ ሕማቕ ግብሪታት ኃጢኣት ሥስዐ፡ ቅንኣት፡ ጽልኢ፡ እቱ ሕማቕ ለኸፋ መራሕቲ ኣይሁድ፡ ክሕደት፡ ኃጢኣታት ጭከና፡ ማሕላ፡ ባጫ፡ ዓመጽ፡ ናይቶም ወተሃደራትን ሰበ-ሥልጣንን ፀርፊ፡ ኃጢኣት ሕልክስና፡ ፍርሃት፡ ፋዕራ-ኣልቦነት ጲላጦስ እሞ ድማ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እዙ ቅትለት፡ ሥቅያት፡ ሓሶት፡ ኣብ እዋን ቤት ፍርዲ ናይ ሓሶት ምስክር። ይኹን ግና ፍቱውና፡ ዚተሰቕለ እግዚእና፡ እቱ ሕያዋይ ከቶ ነዞም ኃጢኣታት ኣየልዓሎምን፡ ይኹን ግና ብኸም ዜይምፍላጥ ገቢሩ ይቕረ በለሎም፡ዚገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም!” እግዚእ ልብኻ ክንደይ ግሩምን ርሒብን ኢዩ፡ ከማኡ ድማ ብፍቕሪ ዚመልአ፥ እዙሲ ኲኖ ዓቕሚ ተረድኦና ኢዩ።

እግዚእና የሱስ ኣብቱ ንኣታቶም ዚገበሮ ኅድገት፡ ብግብሪ ነቱ ንብጻይካ ኣፍቅር ዚብል ትእዛዙ ኸመይ ትትግብሮ ኣርኣየ፡ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልቱ።” (ማቴዎስ 5: 44) ኣብዙ ነቶም ሕዝቢ ንኺገብርዎ ዚሓተቶም ተግበሮ። እግዚእ እንከይገበሮን ባዕሉ እንከይፈጸሞን ንኻልኦት ትእዛዝ ኣይሃበን። ስለኡ ንኣና ኣብዙ ዕመቕን እምብዛን ፍጹም ኣገባብ ብኸመይ ነዙ ትእዛዝ ፈጺምዎ ቅዲ ኣርኣያ ኮነና፥ ንሰጐጒቱ ኃደገሎም።

ከማኡ ድማ ንስኻትኩም ዚተቀድስኩም የኅዋተይን ኣኃተይን፡ ናትኩም ማዕነን ኣብዛኣቦይ፥ ኅደገሎም ፍቕዲ እዚኣስ እንታይ ኢዩ: ኣነውን ነዛ ቃል እዚኣ ኣብ ዓርቢ ስቅለት ምስ ሰማዕኩማን ከማኡ ድማ ኣብ ዚዘከርኩማን፡ኣነውን እግዚእ፡ ልክዕ ከማኡ ክገብር ኢየ፥ ዂላቶም ዚጸልኡኒን ኣነውን ዝጸልኦምን፡ ዂሉምሎም እቶም ዘዳኽሙኒን ዘሳጐጒኒን፡ ዂላቶም እቶም ዘሕሩቑኒ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ክኃድገሎምየ።ኪትብሉ እትምነየልኩም። ስለዙ ኣኃዋት ንክርስቶስ ብዕዮኡን ብፍቅሩን ንጸንበሮ።

እንተ ድኣ እግዚእ ንጸላእቱ ኃዲግሎምን ንስኻ ግና ኣይኃደግካሎምንሲ እንታይ ትረብሕ፧ እንታይከ ትጥቐም እግዚእን ንጸላእቱ ኣፍቂሩን፡ ንስኻ ግና ኣይኣፍቀርካን ኪትፃወሮ ድማ ኣይኪኣልካን፧ እንታይ ኮን ትጥቐም፧ እነሆ ደጊም ንክርስቶስ ኣብ ዕዮኡን ፍቅሩን ትጽንበሮ የሎኻን፡ እግረእግሩ ድማ ኣይስዕብካን።

እነሆ ደጊም እግዚእ ዚኃደገልና ምንታን ንኻልኦት ክንኃደገሎምን ወዮ ምስ ኃደግና ዝመጽኣና በረኸታት ኅድገት ከነስተማቅሮ ፈሊጥና ኣሎና። ነቶም ዚዓምፁና ክንዝክር እንከሎና፡ ስለ እዞም ቃላት እዞም ኣዕሚቚና ንሕሰብዚገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ኅደገሎም ሽሕኳ እንካብ ናይ እግዚእ የሱስ ህሞት ዚተፈልየት እንተ ኾነት። ንሱ ድማ በለ: “ኣቦይ፥ ዕዳ ኃጢኣታቶም ከፊለሎም ኢየ እሞ ኅደገሎም።

እምበኣር ኸስ ዋላ ሓንቲ ዕዳ የብሎምን። ኣነስ እቱ መለኮታዊ ፍትሒ ፈጺመዮ ኢየ፥ እቱ ዂሉ ዚእወድዎ ከፊለዮ ኢየ እሞ ኅደገሎም። እነሆ ኣብዙ እነሀኹ፡ ምእንታኦም ቢለ እውን ክመውት ኢየ። ምእንታን እቶም ዚሰቀሉኒን እቶም ዘፍቀሩኒን ክመውት ኢየ፡ ከማኡ ድማ ከምዙ ክብል ከሎኹ ኸዓኅደገሎም ነዚኦም ጥራኅ ማለተይ ኣይኮነን፡ ግዳ ንዂሉምሎም ኣብ ትሕቲ ጉልባበይ ንደመይ ንኺባጽሑ ዘሎዉ፡ ንዂሉምሎም ዚተነስሑ ኃጢኣተይናታት እንካብ ኣዳም ክሳዕ ዘለዓለመ ዓለም፥ ምእንታኡ ኢየ እሞ ዝመጻእኩ፡ ኅደገሎም፡ምእንትዚ እንድየ ናብዛ ሰዓት እዚኣ ዝበጻሕኩ።” (ዮሓንስ 12: 27)

ሓደ እንካብቶም ነዛዚገብርዎ ዘሎዉ ኣይፈልጡን ኢዮምትብል መግለጺት ዚመስላ/ዘሳንያ እቱ ዓቢዪ ቅዱስ ለንጊኖስ ኢዩ፡ እቱ ወተሃደር ንጐድኒ ክርስቶስ ብዂናት ዚወግኦ። ንሱ ንጐድኒ የሱስ ብዂናት ወግኦ፥ እቲ ዚገብሮ ዘሎ እውን ይፈልጥ ኣይነበረን እሞ እግዚእ ኸዓ ኃደገሉ፡ ንሱ ጥራኅ እውን ኣይኮነን፡ ግዳስ ንመንግሥቱ ኸዓ ደኣ መርሖ። እዙ ቅዱስ ኣመነን ንክርስትና ድማ ኣብ ቀጳዶቅያ ሰበኸ ብዘመን መንግሥቱ ንቄሣር ጢባርዮስ ድማ ተሠወዔ። ድኅሪ ሞቱ እግዚእ ድማ ብተኣምራታት ኣኽበሮ።

ካልእ ቅዱስ እውን ነዛዚገብርዎ ዘሎዉ ኣይፈልጡን ኢዮምትብል መግለጺት ዚመስላ/ዘሳንያ ነበረ። ምሒር ንናይ ክርስትያን ምስቓይን ቅትለት ዚሕለቕ/ዚጣበቕ ዚነበረ። እንተ ድኣ ሃፀይ ዲዮቅልጥያኖስ እንካብ ዂሎም ሕዝቢ ብተግባራቱ ንክርስትያን ብምስቓይ ኣዚዩ ሕሱም ንብል ኮይና፡ ካልእ ድማ ኣሎ ንኣኡ ኣይተት ዚህቦ ዚነበረ፡ ኣመና ዘርዕድ ንጉዕ እሞ ድማ ከቶ ከማኡ ኣብ ምሉእ ሃፀይነት ሮማ ኣይነበረን። ንሱ ኢዩ ዚነበረ እቶም ክርስትያን በቱ ዚተፈላለዩ ምሕረት ኣልቦ ሥቕያት ንኸሣቅዮም ናብኡ ዚለኣኹ ዚነበሩ።

እዙ ሰብኣይ ቅዱስ ኣርያኖስ ነበረ፡ ገዛኢ ኣንጻና/ኣንዲናው ኸዓ ነበረ። ንሱ ደም ኣሽሓትን እልፊታትን ንጹሓት ክርስትያን ኪዒዉ ኢዩ ንሱውን እንተ ኾነ፡ ብኣብዲነት ይቀትሎም ነበረ እሞ፡ ዚገብሮ እውን ኣይፈልጥን ነበረ። ንሱ ነቱ ምሥቃይ ክሳዕ ንክርስቶስ ዚቀርቦ ቀጸሎ ድማ፡ ብስም የሱስ ኣመነን ተሠወዔን ኸዓ፡ ብኢድ ሃፀይ ዲዮቅልጥያኖስ ብሾሙንተ መጋቢት ተሠወዔ። ስሙ ድማ ኣብ ስንክሳር ተመዝገበ ብመላእ ቤተ-ክርስትያን መዓልቲ ዝኽሩ ከም ኹላቶም ክቡራት ቅዱሳት ትጽንብሎ።

ካልእ እውን ሳውል በዓል ጠርሴስ እቱ ዚገብሮ ዜይፈልጥ ዚነበረ ኢዩ። ንሱ ንቤተ-ክርስትያን ጥፍኣት ገቢሩላ ኢዩ፡ ገዛ ገዛ እናኸደ ኸዓ ሰብኡትን ኣንስቲን ሰስሒቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ (. ሓዋርያት 8: 3) ንሱ ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳማይ ዲያቆንን ቀዳማይ ክርስትያን ሠማዕቲ ኪቐትልዎ ኸሎዉ ይርኢ ነበረ(. ሓዋርያት 7: 58)

ንሱ መርዓዲን መፍርሂን ሰብ ነበረ፡ ይኹን ግዳ ዚገብሮ ይፈልጥ ኣይነበረን። ክሳዕ እግዚእ ኣብ መንገዲ ደማስቆስ ዚግለጹ በዙ ኣገባብ ይቅጽል ነበረ። ንሱ (የሱስ) ጽቡቕ ንዋት ምኻኑ ረኸቦሞ፡ ስለኡ ድማ ናብኡ ገጹ ሰሓቦ፡ ድኅሪኡ ድማ ኣመነ፡ ተጠምቐን ስሙ ኸዓ ጳውሎስ ኮነ። ንሱ ድማ ብስም የሱስ ክርስቶስ ሰበኸ፡ ዝያዳ እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኣበርቲዑ ዓየየ፡ እንካብኣቶም ንላዕሊ ተሳጐጐ መሥዋዕቲ ብኢድ ሃፀይ ኒሮ ድማ ተቐበለ። ንሱ ድማ ዓንዲ ኣብ መንጎ እቶም ዓንዲታት ክርስትያን ኸዓ ኮነ፡ ከማኡ ድማ ብርሃን ነቱ ብርሃን-መሓበሪ መወሊዒ ኮነ። በለ ድማ: “ኣነ ቐደም ጸራፍን ሰጓጕን ገፋዕን ነይረ ኽነሰይሲ፡ ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበርክዎ፡ ምሕረት ረኸብኩ።” (1 ጢመቴዎስ 1: 13)

ሕይወቱ ምስ ጠፍአት ነቢራ፡ ሳላ እግዚእ የሱስ ሕያዋይ ዚልቡ፡ ግና ኣይጠፍአትን፡ ከምዙ እውን ዚበለ ኣቦይ፥ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ኅደገሎም።” “ኣቦይ፥ ኅደገሎም ሕነ ክፈዲ ኣይደልን ኢየ፥ ከምቱ ዚገበሩኒ ክገብሮም ኣይደሊን ኢየ። ገሊኣቶም እንካብ እዞም ሕዝቢ ዚሰቀሉኒ፡ከይደ ሥፍራ ምስ ኣሰናዳእኹልኩም፡ ኣብቱ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣባኡ ምእንቲ ኺትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ ኢየ እሞ ናባይ ክወስደኩም ኢየ በሎም።” (ዮሓንስ 14: 3)

እዘን ቃላት የሱስ ክርስቶስኣቦ፥ ኅደገሎም ነቶም ዚሰቀልዎ ዂሉምሎም ብዘይገለ ትርፎ ኃዲጉሎም ማለት ኣይኮነን። ሰቂሎሞዶ ኣይሰቀልዎን ንኅድገት መንም ኬስተማቅሮ ኣይክእልን ኢዩ። ኅድገት ምስ ኽልተ ግድነታት ይመጽእ: ብእምነትን ንስሓን ምስቶም ዚተረፉ ትእዛዛት እግዚእ። እዙ ንድኅነት መሠረታዊ ኢዩ ምኽንያቱ ትርፎ እዚኣቶም ኽልቲኦም ድኅነት ኮነ ኅድገት ማንም ኪረክብ ኣይክኣልን ኢዩ።

ኣቦ፥ ንማንም ኣማኒን ተነሳሒን ከማኡ ድማ ሠናይ ዕዮታት ንስሓ ዚግብኦን ዚሠርሕ ኅደገሎም። መጽሓፍ ቅዱስ እውን በለ: “ኣምላኽ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።ኣምላኽ ንመላእ ዓለም ኣፍቀራ፥ ንሓደ ወዱ ድማ ንበጃ ምእንቲ መላእ ዓለም ሃበ። ዓለም ብመላኣዶ ነዙ ድኅነት ተስተማቅሮ ኣላ፧ ብርግጽ ኣይፋል! ናይ የሱስ ድኅነትነቱ በቱ ሓደ ወዱ ዝኣመነጥራኅ ተዋህበት፡ እታ ፍቕዲውን ትቅጽል፡ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ” (ዮሓንስ 3: 16) እዙ ሕመረት እምነት ኢዩ፡ ግናኸ እቱ ሕመረት ንስሓ ይብል እግዚእ: “እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ድማ ከማኡ ኺትጠፍኡ ኢኹም።” (ሉቃስ 13: 3).

እዘን ቃላትኅደገሎም ንናይ ሕጂ ይሁዳውያን ኣይምልከትን ኢዩ ስለቱ ክሳዕ እዛ ሎም ብእምነት ትህይድና ይጎዓዙ ስለ ዘሎዉ፡ ማለት: ክሕደት ክርስቶስ፡ ክሕደት ድንግልና ቅድስቲ ማርያምን ናይ የሱስ ናዝራዊን፡ ቅድሚ 2000 ዓመታት ዚተወልደን፡ ንጊጉይ ኣንፈት ኣበሉን፡ ኣስሓቱን ከማኡ ድማ ከም ኣቦሓጎታቶም ኪስቀሉ ይግብኦም። ኣብ ኃጢኣት ወለዶም ተሓወሱ፡ ነቱ ዚገብርዎ ዚሠመርዎን ህጃይ ኸስ ፍርዲ ይግብኦም። ግናኸ እንተ ተነስሑን፡ ኣመኑን ንኽርስትና ተቀቢሎምን፡ ኅድገት እግዚእ ኪረኽቡ ኢዮም እሞ ይሁዳውያን እውን ኣይጽውዑን ድማ።

የሱስ ክርስቶስ ድኅነቱ ንመላእ ዓለም ሃበ፡ ግናኸ እቶም ብኣኣ ፍሰሓ ዚረኽቡ/ዚስምዖም፡ ማለት፥ ዚንስሑ፡ ኣሚኖም ድማ መንገዱ ዚኽተሉን ከማኡ ድማ ንመንፈስ ቅዱስ ብምሥጢራቱ ንዘስተማቅርዎ ጥራኅ ደኣኒ።

ንኣማኒን ተነሳሒን፡ እግዚእ ኅድገት ሃበ፡ ግናኸ ስለ እቶም ተረርቲ-ክሳድ እግዚእ የሱስ ከምዙ በለ፡ናብቱ ኣነ ዘሎኽዎ ኸዓ ንስኻትኩም ኪትመጹ ኣይኰነልኩምን ኢዩ፡በሎም።” (ዮሓንስ7: 34) ከማኡ ድማ፡ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብኃጢኣትኩም ኪትሞቱ ኢኹም እሞ፡ ስለዙ ኢየ፡ ብኃጢኣትኩም ኪትሞቱ ኢኹም፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም።” (ዮሓንስ 8: 24) ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ሓዋርያዊ ኣብ ሻሙናይ ምዕራፍ ጥራኅ ሠለስተ ሳዕ ክርስቶስ ከምዙ በለ: “እንተ ድኣ ንኣይ ኣይትኣምኑንን፡ ብኃጢኣትኩም ኪትሞቱ ኢኹም።

ክርስቶስን ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ከተማ ሰማርያ ምስ ኣተዉ እቶም ሕዝባ ኣይተቐበልዎምን። ደቀ መዛሙርቱ ያዕቆብን ዮሓንስን ኸዓ ነዙ ምስ ረኣዩ፡ሓዊ ካብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንእዝዝዶ ትፈቕደልና፡በልዎ ንሱ ምልስ ቢሉ፡ ኸምዙ ዚስዕብ እናበለ ገሠጾም፡ናየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ ከመይሲ ወዲ ሰብ ሕይወት ሰብ ኬድኅን እምበር ኬጥፍእ ኣይመጸን።” (ሉቃስ 9: 52-56) ከምዙ ገቢሩ ኢዩ ንደቀ መዛሙርቱ ዚመለሰ፡ ይኹን ግዳ ነቦ፡ ብዜይጥርጠራ የሱስ ንዘን ቃላት በለ፡ ኣቦይ፥ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ኅደገሎም።ብትዕግሥቲ ድማ ክሳዕ ዚፈልጥዎ ተጸበዩ፡ ኣፍቀርዎን ብኣኡ ድማ ተኣመኑን። (ዮሓንስ 4: 42)

እዘን ቃላት እዚአንኣቦ፥ ኅደገሎምዕመቕ ፍቅሪን ከማኡ ድማ ዕመቕ ኅድገትን ተሰኪመን ኣሎዋ፡ ሕስብ ኣብሎ እሞ ዕመቑ ኺትርድኦ ንኣኻ ምኻኑ ኸዓ። ንስኻ ዜሕረቕካ ሰብ ይቕረ ኪትብለሉ ትኽእል፡ ግናኸ ብዛዕባኻ ናይ ሓሶት ምስክር ዘቕረበ ሰብ ኪትኃድገሉ፡ ብሕልክስናን ዚፈርደካ፡ ንሕዝቢን መራሕቲን ኣንፃርካን ዜለዓዕል፡ ዜባጭወልካን ኣብ መስቀል ዚሰቅለካን፡ ድኅሪ እዙ ዂሉ ብመሳምር ኣብ የእዳውካን የእጋርካን ዚወግኣካ፡ እንካብ ዕመቕ ቃንዛኻን ሥቅያትካን፡ንስኻ ትኃድገሎም፡ትጽልተሎምን ትጣበቕሎምን፥ እዙስ ዓቢዪ ፍቅሪ ካብ ንቡር ደረት ወጻኢን ልዕሊ ባሕርያዊ ክእለትን ይሓትት።

ብዙኃት ሕዝቢ ንክርስትና ብሰንኪ እዛ ፍቕዲ ጥራኅ መጺኦም፡ኣቦ፥ ኅደገሎም።ኣነ እውን ነዙ ኢየ፡ መጺአ፡ እዙስ ንልቢ ባህ ዘብላ ምድርራዕ ኣብ ማእከል እዞም ቃንዛታት ኣብ መስቀል ኢዩ፡ ኣብ ማእከል ጓሂ ባጫን ከማኡ ድማ ቃንዛ ጽምዋ። ብኃጢኣቶም ተሳዒሮም፡ ብሰይጣን በቱ ኣብኣቶም ዚዓዪ ተሳዒሮም፡ ብትሑት ንያትን ዜይምፍላጥን ኸዓ ተሳዒሮም። ኣብኣቶም ዘሎኒ ሓልዮት፡ ሓልዮት ድንጋጸን ርኅራኄን ኢዩ። ንኣይ ዚገብሩኒ ዘሎዉስ ኣይዝክርን፡ ምኽንያቱ ፍቅሪ ናታ ኣይትደሊን ኢያ (1 ቆሮንቶስ 13: 5) ግናኸ ንድልየት ኅድገቶም የናዲ።

ኅደገሎም፡ ምኽንያቱ ተልእኮይ ይፍጽምን ሸቶአይ የሳልጥን እሞ በዙ ደስ እብለኒ። ብሓቂ፡ ስለምንታይከ የሱስ ትሰቢኡ (ሥጋ ለቢሱ) ኣቦ ይቕረ ስለ ዚብልዶ ኣይኮነን ግዳ፡ እቱ ምኽንያት ናይ መልክዕ ባርያ ዚወሰደ፡ ከማኡ ድማ ብናይ ሰብ ትምስልቲ ዚመጽአ (ፊሊጵስዩስ 2: 7) ንኺኃድገሎምዶ ግዳ ኣይኮነን፧ ስለምንታ ኃጢኣታትና ተሰከመ፧ ስለምንታይከ ኣብ መስቀል ተሰቅለ፧ እዞም ዅሉምሎም ምእንታን ንኣታቶምን ንኣናን ኃጢኣትና ኪኃድገልና ኢዩ።

እዘን ቃላት እዚአን መጀመርታ ኪዳን ኅድገት ኢየን፡ ናይ ኅድገት ተስፋ ድማ ኣይኮናን፡

ግዳስ ኅድገት ብምኽፋል ዕዳ ደኣ። ኣብ መስቀል ድማ ተፈጸመ፡ ናይ ኃጢኣትና መኣስር ዚተበትከሉ ኢዩ፡ ምስክር እቱ ዕዳ ብምኽፋል ዚዓደገ ኢዩ።

ንሱ ብደሙ ዓደገና ምእንታን ንገነት ምሳኡ ኪንኣቱን ብመንግሥተ ሰማይ ድማ ፍስሓ ምሳኡ ክንረክብ። ኣብ ዘሎዎ ይሃልው፡ ንሕና ድማ .... ስለዙ በዘን ቃላት እዚአን፡ ንኣቦ እውን በሎ: “እንካብ እዚኣቶም እንታይ ትደሊ፧" ዕዳኦም ንኣኻስ እንታይ ኢዩ፧ ሞትሲ ዓስቢ ኃጢኣትዶ ስይኮነን፧ እነሀኹ፡ ስለኦም ቢለ እመውት። እነሁኹ፡ ምእንታን ካብ ዕዳኦም ንኼናግፎም። እንካብ ፍርዲ ሞት ነፃ ኼውጽኦም። ደጊም ዂሉ መሰላትካ ተፈጺሙ ድኅሪ ቁሩብ ኸዓ ንኣኻ ክብለካ ድማ ኢየተፈጸመስሉኡ ድማ ዝኃደግኩሎም።

እግዚእ የሱስ ክርስቶስ፡ በዘን ቃላት እዚአን፡ ስብ ልዕሊ ሰይጣን ዓወት/ድሊ ኣወጀ። ኲሉምሉ ዕዮ ሰይጣን ካብ እግዚኣብሔር ሰባት ምምንጣል ኢዩ፡ ካብ ኅድገት ምርሓቕን ከማኡ እውን ዓንቀጽ ድኅነት ምዃን። መንገዲ ድኅነት ንሕዝቢ ተፈኸተ ስለኡ ድማ እቱ ውጉእ እግዚእ ደም ኣብ ድንኳን ንኃጢኣትና ቢሉ ኺዂዑ ከኣለ፡ ምእንታን ቅዱሳት ክንከውን። ፍቅሩ ኣብ ልሊ ጽልኢ ተዓወተ፡ትሕትናኡ ኣብ ልዕሊ ብድዔ ሰይጣን ዲል ገበረ።

በሉ እውን: “ወዲ ኣምላኽ እንተ ደኣ ዄንካስ እስከ ኻብ መስቀል ውረድ።ይኹን ግዳ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ከም ዚኾነኣቦብምባል ገለጾ። ንሱስ ወልዲ ኢዩ ምእንታን ኪኃድገሎም ኣብ መስቀል እውን ኪጸንሕ ኢዩ። እንተ ድኣ ካብ መስቀል ወሪዱኅደገሎምኪብል ኣይክእልን ኢዩ። ደጊም መሥዋዕቲ ፍቅሪ ዕዮኣ ስለ ኅድገት ኪትፍጽም በቕዔት።

ኩላቶም ዚሞቱ እንካብ ዕለት ፍጥረት ጀሚሮም ይጽበዩ ነበሩ ኸማኡ ድማኣቦይ፥ ኅደገሎምንኺሱምዕዋ ተተስፈዉ። እንተ ደኣ እግዚእ ነቶም ዘሳጕጕዎ እንካብ ኣፍቀረ፡ ነቶም ዚሰቀልዎ ሕዝቢ ኸዓ ኃደገሎም፡ ክሳዕ ክንደይ ኮን ይኸውን ኣብ ፈተውቱ ፍቅሩ ከማኡ ድማ ዓሚቚ ኅድገትን ዓስቢታትን። እዘን ቃላት እዚአን ኢየን ነቶም ወተሃደራት ኣብ መስቀል ዜስተንከራ፡ ከማኡ ድማ ነቱ ኣብ የማኑ ዚነበረ ከታሪ፡ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን እብለካ ኣሎኹ

ትርጉም ብወልደ ጻዕዳ-እምባ ገዳም ሥላሰ.

ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ጐይታይ፥ ከምቲ ዮሓንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ጸሎት ምሃረናበሎ። ንሱ ኸኣ በሎም፡- “ክትጽልዩ ኸለኹም ኸምዚ በሉ፥(ሉቃ 111-2)

ዝኾነ ፍጡር ብሰላም ክድቅስ ዘይደልን ዘይምነን የልቦን። ዘየደቅስ ኩነታት እናሃለወ ከሎ ግና፥ ክድቅስ ዝኽእል የልቦን። ናይታ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና ኩነታትውን፥ ኣብዚ እዋን ከደቅሰና ዝኽእል ኮይኑ ኣይርከብን ዘሎ። ንሳ እዛ ቅድስቲ ዝኾነት ቤት፥ ሰላምን ቅሳነትን ከይረኸበት ከኣ፥ ንሕና እቶም ብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማህጸና ዝወጻእና ደቃ፥ ሰላም ረኺብና ድቃስ ክወስደና ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ንዓና ነቶም ኦርቶዶክሳውያን፥  ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ካልእ ነገር፥ ቅድሚት ንሰርዖ ዓቢይን ወሳንን ጉዳይ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚዩ።

ትርጉምን ኣገዳስነትን ሓድነት፥

እቲ ዓለማዊ ይኹን መንፈሳዊ ምርድኣት ዝሰማማዓሉ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ሓድነት ወይ ሕብረት ምንጪ ኩሉ ሓይሊ ምዃኑ እዩ። ሓድነት ዝብል ቃል ዘመሓላልፎ ትርጉም፡ ሓደ ምዃን ወይ ምስማማዕ ማለት እዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div