S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፡-

ኣኅዋተይን ኣኃተይን ጽቡቕ ዘመን ይግበረልና ንኹልና።
ንኣደ ስዉእ፥ ንሓፍቲ ስዉእ፥ ንሰበይቲ ስዉእ፥ ንጓል ስዉእ (ንስድራ ቤት ስዉኣት) ጽንዓት ሂቡ፡ ነቶም ስዉኣትና ከኣ መንግሥተ-ሰማያት የዋርሰልና። ነታ

ዝተወለድናላ ዓዲ ኣብ ውሽጣ ዝናም፥ ምስ ረባብታ ሰላም ይሃበልና። ነዘን ኣዕቝበን ምሉእ መሰል ሂበናና ዘለዋ ሃገራት ከኣ፥ ሃብቲ ስለ ዘለወን ኢና ተጸጊዕናየንን ኣጸጊዐናናን ዘለዋ፡ ብሕግን ብስርዓትን ከኣ እየን ዝነባበራ እሞ፡ ብሃብታማተንን ብዓበይተንን የንብረን ኣምላኽ፡ እቲ ህዝበን ከኣ ብሩኽ ይኹን።

ኣኅዋተይን ኣኃተይን! ዘመን ምቑጻር ጥራሕ ጥቕሚ የብሉን። ነቲ ዝሓለፈ ዘመናት ተጠቒምናሉ ዲናስ ኣይተጠቐምናሉን? እንተ ተጠቒምናሉ ኮንና ከመይ ጌርና ኢና። ተመሃራይ ዝኾነ ትምህርቱዶ ኣሳሊጡ? ነጋዳይ ኣብ ንግዱኸ ረብሓዶ ረኺቡ? ሓረስታይከ ምህርቱዶ ኣበርኪቱ? ሓላዊ እንስሳ ኸኣ ነተን እንስሳኡ’ዶ ኣርቢሑወን? ወይስ ኣየርብሐንን? ነዚ ከነስተውዕሎ ይግባእ። ከም ናትና ኣቆጻጽራ ካብ መስከረም 1 መዓልቲ ዓመተ ምሕረት ኢልና ኢና ንጅምሮ። ኣቦታትና ዘጽንሕዎ እዩ። ከም ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስቲያን ኣቆጻጽራ ኸኣ፡ ዓመተ ሰማዕታት ኢላ እያ ትጅምሮ። ንሱ ኸኣ 1726 ኢና በጺሕና ዘሎና፡ ደሓር ሓዲሽ ዓመት ፈረንጂ ክጅምር ከሎ ድማ 1727 ክኸውን ኢዩ።  ብፈረንጂ ሕጂ 2010 ኢና ዘሎና።

ኃወይን ሓፍተይን! ብገዛ እሞ ንጀምሮ፡ እዚ ዝሓለፈ ዓመት ምሉእ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብሰላምዶ ሓሊፍኩሞስ ወይስ ኣብ ቆየቛ ኢኹም? እናተሰማማዕኩምዶ ናብራኹም ኣካይድኩም? ንደቅኹምከ ሓቢርኩምዶ ተዕብይዎም ኣሎኹም? ወይስ ኣቦ ክገንሕ ከሎ ኣብ ገበላ፡ ኣደ ኣብ ውሻጠ ኮንኪ ነቶም ቆልዑ ተበላሽውዮም ኣሎኺ? ደሓን እንካ እዚ ንኽስታይካ እናበልኪ ትጎድእዮም ኢኺ ዘሎኺ። ደሓር ከኣ እቶም ኣብ ከተማ ትነብሩ፡ እቲ ናትኩም ናይ ትግርኛ ምብልሻው ነቲ ሃገረ-ሰብ ዘሎውን ጸሊኹሞ ኣሎኹም። ንኣብነት እንካ መሐሸሽካ ኣይትበሉ። እዚ መሐሸስኻ ኢልኩም እንተ ሂብኩሞ ናብቲ ግናይ መገዲ ኪድ ማለት እዩ። ሓሽሽ ማለት እቲ ግናይ እዩ። መሐሸሺኻ ማለት ከኣ ነቲ ሓሺሽ መዐደጊ ማለት እዩ። እቲ ኣበሃህላኹም እኳ ከምኡ ማለትኩም ኣይኾነን። ግናኸ ዘይትፈልጥዎ ቛንቋ ክትዛረቡ ከለኹም ተጠንቀቑ ኢኹም ሕተቱ ከኣ። ንኣብነት ቆልዑ ይኸዱ ክዕድጉ፥ ምስ ዓደጉ መቕሺሽ ሃበኒ ይብሉ እሞ፡ ንሱ ኸኣ ሱቕ ኢሉ ወይ ይህቦም ወይ ከኣ ይኸልኦም። ግናኸ መቕሹሽ ኣይበሃልን ኢዩ። ቃሉ ዓረብ ኢዩ። መቕሺሽ ማለት ግን ኣብቲ ሽኾር ጨው ኣእትወሉ፡ ኣብቲ ዘይቲ ማይ ግበረሉ ማለት እዩ። እንድሕር ደሊኹም ግና በቕሽሽ እዩ ዝበሃል።

ሕጂ ንደቅኹም ሓቢርኩም ኣዕብይዎም ኢኹም። ሓቢርኩም እንዲኹም ወሊድኩሞም። ስለዚ ንኽልቴኹም ሓደ እዮም ዝብጽሑኹም፡ ግን ኣደ ርህርህቲ ስለ ዝኾነት’ዩ። ደሓር ከኣ ኣይትረስዑ እሞ ሰብኡት፡ ኣደኮ 9 ወርሒ ኣብ ከርሳ 2ተ ዓመት ኣብ ዝባናን ከተጥቡን እያ ሓሊፋቶ። እቲ ኣቦ ኣይምልከቶን ማላትና ኣይኮነን። ብዝበለጸ ኣዴታት ርህራሄ ኣለወን ማለትና እዩ። ግናኸ እቲ ርህራሄኽንሲ ንደቅኽን ከኣ ዝጎድእ ከይኸውን። ከመዮ ቅዱስ ኣግናጤዎስ ናይ ሶርያ ቤተ ክርስቲያን መራሒ ዝነበረ ብሰማዕትነት ዝሞተ፡ ንሮማ ተኣሲሩ ክኸይድ ከሎ፡ ነቶም ሰብ ዝጸሓፈሎም መልእኽትታት እቲ ፍቕርኹምሲ ካብ ክርስቶስ ከየርሕቐኒ በሎም። ምኽንያቱ ሰላማዊ ሰልፊ ይገብሩ ነበሩ ኣይኮነን እናበሉ። ሕጂ ኸኣ ኣደ ፈትፊትኪ ኣብልዕዮ ነቲ ቆልዓ ነታ ጓልውን ከምኡ። ነገር ግን ኣቦ ክገንሕ ከሎ ሱቕ በሊ። እቶም ቆልዑ እንተ በኸዩ ደም ኣይነብዑን እዮም ማይ እዮም ዝነብዑ። ሕራይ እሞ ክልቴኹም ከመይ ሓሊፍኩሞ ምስ ደቅኹም? እቲ መደብኩምከ ከመይ ነይሩ? መደብ ዘይነበረኩም እንተ ኾይኑ ክሕብረኩም። እንታይ ትገብሩ መሲልኩም ሰሙን ክውዳእ ከሎ፥ ወይ ወርሒ ክውዳእ ከሎ፡ ንግዲ እንተ ኮይኑ ስራሕኩም ክንደይ ወዲእና በሉ። ብዝኾነ ነገር እቲ ወጻኢ ክፍለጥ ኣለዎ። ሓረስታይ እንተ ኾነውን ክንደይ ኩንታል ወዲእና? ክንደይ ቆፎን ክንደይ ማዕከንከ ተሪፉና በሉ።

ደሓር ከኣ ጸባን ጠስምን ሸጥኩም መስተ ኣይትዓድጉ። ሰውነትኩም ከይትጉድኡ። ንሰውነትኩም ክጎድኣኩም እዩ፡ ደሓር ግራት ሓኪም ክትኮኑ ኢኹም። ብዝተኻእለኩም መጠን፡ ‘’ባላ ተመርኮስ ለባም ተወከስ’’ ከም ዝበሃል፥ እንታይ እንተ በላዕና ይሓይሽ እንተ በልኩም ጽቡቕ እዩ። ኣጋይሽኩም ሓቢርኩም ሰንዩ። እቲ ሓደ ዘይፈትዎ ጋሻ እንተ ኮይኑ ገና ከይመጸ ከሎ ምኽንያት ግበሩ እምበር ንዕኡ ኣይትምጻእ ኣይትብልዎን ኢኹም።  ገዛኻ ኣፍሪስካ ሰብኣይ ጋሻ ኣይትዓድም። ንስኺ ኸኣ ገዛኺ ኣፍሪስኪ ኣጋይሽ ኣይትዓድሚ። ብሰላም ኪዱ። ደሓር ከኣ ኣንበብቲ እንተ ኾንኩም እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቢርኩም ኣንብብዎ እሞ፡ ደሓር እዛ ቃል እዚ ንዓኻ’ያ ትምልከት ወይ ንዓኺ እያ ትምልከት ኣይትበሉ። በባዕሉ ሕሊና ኣለዎ ሰብ፡ ክመዝኖ ይኽእል እዩ። ምስ ደቕኹም መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣንበብኩም ዝበለጸ እዩ። ስለምንታይ ካብ ኣታ ቆልዓ ዘረባ ዓበይቲ ስማዕ ትብልዎ፡ እቲ መጽሓፍ ባዕሉ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር ክብል እዩ። ዋይ መጽሓፍ ከምኡ እንዲዩ ዝብል ክብል እዩ።

ንደቅኹም ከኣ ጓል ሰብ ከተምጽኡ ንወድኹም፡ ንወዲ ሰብ ጓልኩም ክትህቡ ከሎኹም፡ ክልቴኹም ተሰማምዑ። ምስ ተሰማማዕኩም ከኣ በቲ ናይ ክልቴኹም ወገን ዘሎ ቤተ ሰብ ንኹሉ ኣይኮነን፡ ካባታቶም ነቶም ዓቢይ ዝኾኑ ወይ ዓባይ ዝኾና ሰበይቲ ከምዚ ሓሲብና ኣሎና። እቲ ጉዳይ ንሕና ክንውድኦ ኢና ክትሰምዕዎ ደኣ እምበር ክትባርኹልና በልዎም። እንተ ደኣ ነኣሽቱ ኮንኩም ካባኻትኹም ዝዓብዩ ኣዝዮም እንተ ኣልዮም፡ እንታይ ኢዮም? መዋስብትና ዲዮም ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም። ንምንታይ ገለ ገለ ዘይትፈልጥዎ ከይህሉ። ኩልና ሓደ ሓደ ነገር ሓለዉቲ ሕዛእቲ፡ ሓለውቲ ኣብዑር፡ ሓለውቲ ዓያሉ ዝነብሩ ኣብ ሃገርና ዝተወልዱ እንተ ዘይኮይኖም ኣብ ዓድና ንፋለጥ ኢና ኵልና። ኩልና ሓደ ኢና። ዓጽምና ጽሩይ ኢዩ። ማለትና ርኹስ ዓጽሚ ኣሎ ኢልና ኣይኮናን። ግን በቲ ወለዶ ንሳቶም ዝብልዎ ማለትና ኢዩ። ስለዚ ‘’ጌጋ ዘርኢ ንሓደ ዓመት፡ ጌጋ መውስቦ ንዘለዕለት እዩ’’ ዝበሃል። ነቶም ሰብ ሕራይን እምቢ ከይበልኩም ከሎኹም ኣጻርይዎ። ምስ ተመርዓኹም ግን ቤላ በለው ግደፉ። ነቶም ቆልዑ ግደፉሎም። ነቲ ናብራ ባዕላቶም ይሕለፍዎ።

ሕራይ ንሃገርኩምከ እቲ ግቡእ’ዶ ትኸፍሉ ኢኹም? ወይስ ዕጥይ ምጥይ እናበልኩም ትሓብኡ ኢኹም? ኣይፋልኩምን። ቅዱሳት መጻሕፍትናኮ ነቲ ኩሉ ዘዝግብኦ ሃብዎ ኢሎሙና ኢዮም። ክብሪ ንዝግብኦ ክብሪ፥ ቶጎ ንዝግብኦ ቶጎ፥ ዘዝግብኦ ሃብዎ። ንቤተ ክርስቲያን ግን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝኣዘዝዎ እዩ። እግዚኣብሔር ዕሽር ኢሉ ኢዩ። እቲ መብጽዓን ስእለትን ናይ ፍታውኩም ኢዩ። መብጽዓ እንተ ጌርኩም ግን የግዲ ክትገብርዎ ኣሎኩም። ደሓር ከኣ እቲ ክትመባጽዑ ከሎኹም ጤል ኢልኩም ደርሆ ኣይትሃቡ። ብዕራይ፥ ዝራብዕ፥ ኣርሒ ኢልኩም ከኣ በጊዕ ኣይትሃቡ። እታ ዝበልኩማ ግበሩ። ‘’ጎረሮ ዝውሕጦ ኢድ ይምጥኖ’’ ይበሃል ኢዩ። ዓቕምኹም ባዕልኹም ትፈልጥዎ ኢኹም። ደሓር ተጋጊና ኣይትበሉ። ንደቅኹም ኣየናይ ቤት ትምህርቲ ይሓይሽ ኢልኩም ክልቴኩም ተሰማምዑ። ሕተቱ ከኣ ኢኹም ንገዛኹም ኣየናይ እዩ ዝቐረበ።  እንተ ደኣ መጎዓዓዚ ኣልዩኩም እሞ ካልእ ዝሓሸ ቤት ትምህርቲ እንተሎ ከኣ ዝሓይሽ ግበሩ። ኣብቲ ገዛኹምሲ ብሰላም ንበሩ።

ስለዚ እዚ ሓድሽ ዓመት እዚ ሰላም፥ ራህዋ፥  ፍቕሪ፥ በረኸት፥ ረድኤት፥ ጥዕና ዘለዎ ይግበረልና፡ ንዓለም ኩሉ። ካልኣይ ከኣ ንኣንስቲ ኢየ ዝዛረቦ፥ ኣዴታትና ኃው ዘለዋ’ዶ ኣላ ካባኻትክን? ትፈትውኦም ደኸ ነቶም ኣኅዋትክን? ምንኣስክን ይኹኑ ምዕባይክን ወይስ ማንታኽን? ኣጸቢቕክን’ዶ ትፈትውኦም? እምበኣረይ ከምቲ ንኃውኽን ትፈትውኦ፥ ከምኡ ከኣ ንኃው እታ ጎረቤትክን ፍተውኦ ኢኽን። ስለምንታይ ንሳ ኸኣ ኃዋ እኮ እዩ። ንኣብነት ሓሙትኪ ከመዮ ዝበሃል ናይ ቀትሪ ሰብኣይኪ እዩ። ሓሙትኪ እቶም ቆልዑ ደቕኺ በብባህሉ ሓወቦይ ዝብልዎ ኣለዉ፥ ኣቦይ ንኡስ ዝብልዎ ኣለዉ። ስለዚ ጓል ኣንስተይቲ ከምቲ ርህራሄኣ ከምኡ ክንድኡ ዝኣክል ከኣ ጨካን ኢያ። ኣብቲ ወዲ ተባዕታይ ኣይትጨክኒ። ቅድም ቀዳድም ኣብ ሰብኣይኪ። ዘይትፈትውዮ ኣይትመርዓውዮ። ኣይከውንን ኣይፋለይን በሊ። ቤተ ክርስቲያን የግዲ ኣይተመርዕወክን ኢያ። የግዲ ዝብለኪ ቀሺ እንተሎ ከኣ ኣብቲ መርዓውን ኣቱም ሰባት! ኣነ ተገዲደ ኢየ በሊ። ደሓር ኣብ ንትርኽ [ባእሲ] ከይትነብሩ ምስ ሰብኣይኪ። ኃውኺ ትፈትዊ ኢኺ፥ ሰብኣይኪውን ትፈትዊ ኢኺ። ግን ዝተፈላለየ ፍቕሪ ኢዩ። ኃውኺ ፍንጫሕ ጎድንኺ ወደዴኽን ወደቦኽን ኢዩ። ሰብኣይኪ ከኣ ኣካልኪ ምስ ተመርዓኹምሲ ሓደ ኣካል ሓደ ኣምሳል ኮንኩም ሞት ክሳዕ ዝፈልየኩም ሓቢርኩም ደኣ ንበሩ።

ኣያ ሰብኣይ! ሓፍቲዶ ኣላትካ? ሓንቲ ትኹን ብዙሓት ይኹና፥ ትፈተወን ዲኻ ነተን ኣሕዋትካ? ጽቡቕ እንድሕር ትፈትወን ኮንካ፥ ነታ ሓንቲ (ምሳኻ ዘላ) ኸኣ ዝሓልየላ ኣለዋ። ጓል ኣንስተይቲ፥ ደርሆ፥ ጤለ- በጊዕ፥ ዓተር፥ ኣድጊ ተደፈርቲ ኢየን። ንስኻ ጓል ሰብ እንተ ደፊርካ ኃውቲ ካልእ፥ ሓፍትኻ ብኻልእ ክትድፈር ኢያ። ጓልካውን ክትድፈር ኢያ። እቲ ሕጊ ንኹሉ ዝተገበረ ስለ ዝኾነ፥ ዋይ! ኣነ እንተደኣ ጓል ሰብ ደፊረ፡ ሓፍተይን ጓለይን ከኣ ካልእ ሰብ ክደፍረን እንዲዩ ኢልካ ነቲ ሕጊ ኣኽብሮ። ተኸባቢርካ ምኻድ ክንደይ ጽቡቕ ኢዩ።

ሕጂ ካብ ዝሓለፈ ከኣ ክንመሃር ኢና። ቅድም ግን ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ንመልከት። ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕጊ እቶም ነቲ እምነት ሒዞሞ ዝጸንሑ ኣቦታትና፡ ኣኽቢሮም ሒዞሞ ጸኒሖም ናባና ኸኣ ኣሕሊፎሞ ኣለዉ። ናይ ኣቦታትና ሓዋርያት ብዙሕ ኢዩ። ብኻልእ ጊዜ ነቲ ሕጊ ክዝርዝር ከሎኹ ክነግረኩም ኢየ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕጊ ክንብል ናይ ሓዋርያት ኣሎ፥ ናይ ኣሕጉራዊ ጉባኤታትውን ኣሎ። ናይ ዞባታት ኣሎ። ናይ ሓደ ሓደ ኣቦታት ከኣ ዝሰርዕዎ ኣሎ። ብቕድሚ እቲ ኣሕጉራዊ ጉባኤ ናይ ዞባታት ሕጊ ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት ናይ ኣንሲራ ብ314 ዝተገበረ ሕጊ ቁጽሩ 25 ሕጊ እዩ። ናይ ሓዳስ ቂሳርያ ብ315 ዝኾነ ኸኣ 15 ሕጊ ኢዩ። ናይ ኣንጾኪያ እታ ኣብ ሶርያ ዘላ ኢያ። ሕጂ ናብ ቱርኪ ኣቢላ ኸይዳ ዘላ፥ ብ341 ዝኾነ 25 ሕጊ ኽኸውን ከሎ፡ ናይ ላውደሲያ ሕጊ ብ341 ዝተገብረ ግን 40 ሕጊ እዩ። እዚ ናይቲ ዞባዊ እዩ። ናይ ውልቁ ግን ናይ ቅዱስ ባስልዮስ ዓቢይ (ዓቢይ ክንብል ከሎና ኣሪጉ ዝሞተ ኣይኮነን። 47 ዓመት ዝነበረ ኢዩ) ትሽዓተ ዓመት ኣቡን ኮይኑ። ቅድሚኡ ግን ኣብ (ፓትሮሎጅይ) ሃይማኖተ-ኣበው ዝርከብ ብዙሕ ዝጸሓፈ  ኣቦ ኢዩ። እዚ ስርሑ ኢዩ። ብዙሕ ናቱ ናይ በይኑ ዝገበሮ ኣሎ። ቅዱስ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ዝገበሮ ኣሎ። ዲዮናስዮስ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት መበል 14 ዝገበሮ ኣሎ። ጢሞቴዎስ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት መበል 22 ዝገበሮ ግን እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቍስጥንጥንያ ኣብ 381 ኣብቲ ኣሕጉራዊ  ተቐቢላቶ ኢያ። እቲ ሰብኣይ መንፈሳዊ ስለ ዝኾነ ንሱ ብዘምጽኦ ተቐቢሎሞ ኢዮም። ከምቲ ቅዱስ ሓዋርያ ያዕቆብ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ምዕራፍ 15 ተጠቂሱ ዘሎ፡ መጀመርያ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ምስ ተገብረ እዚ እዚ ንግበር ኢሉ 4ተ ነጥቢ ዘምጽአን እሞ ኩላቶም ዝተቐበልዎ ማለት ኢዩ። ናይ ኒቅያ ኣሕጉራዊ ሕጊ 20 ኢየን። 35 ኣይኮናን። ከምኡ ዝብል ጽሑፍውን የለን። ሕጂ ምስ’ዘን ሓዋርያዊ  ትእዛዝ ሒዘን ዝኸዳ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብቲ ሕጊ ኣይንፈላለን ኢና። ንኣብነት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝተገብረ እሞ ጉቡእ ኣይኮነን ዝበላ ቅኑዕ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ሒዘን ኢየን። ብዘየገድስ ንሕና ኦርቶዶክስ ይኹን ግሪኽ ኦርቶዶክስ ይኹኑ፡ ናይ ሮማ ቤተ ክርስቲያን ትኹን፥ ኩልና በቲ ናይ ኣሕጉራዊ ሕጊ ንራኸብ ኢና።

ሕጂ ዘዘራርበና እንታይ ኢዩ? ኣብዚ ናይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ቀዳማይ ትማልን ሎምን ናይ ኤርትራ መራሒ ዝኾኑ፥ እቲ ዝተገበረ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ተጣሒሱ ኢና ንብል ዘሎና። ከምዚ ኸማይ ናይቲ ሃገር ባህሊ እትፈልጡ እሞ ብኡ ትኾርዑ እንተ ሃሊኹም፡ ጎላጉል ክሕዛእ ከሎ ዓዲ ኢዮም ዝሓዝእዎ። ዓዲ ኢዮም ዕፉን ንዝራእ ወይ ማሸላ ንዝራእ ሓቢርና ክንሕልዎ ክጥዕመና ዝብሉ። እምበር በቲ ሓደ ዓተር፥ በቲ ሓደ ባልደንጓ፡ እቲ ሓደ ሰበረ ኣይዘርእን ኢዩ። እቲ ጎበታት ከኣ ንሕዝኣዮ ዝብሉ ኣብቲ መስከረም መወዳእታ እቶም ዓዲ ኢዮም። ንስዓሮ ዝብሉ ኸኣ ኣብቲ ሓጋይ ክኸውን ከሎ ኸኣ ዓዲ ኢዮም። እቲ ምስሌነ ኣይኣቱን ኢዩ ነይሩ። ናይ ኮሚሳርዮን ገቨርናቶርስ ግደፍዎ። ኩሉ እቶም ዓዲ ኢዮም ዝገብርዎ ነይሮም። ኩሉ ብዓዲ ኢዩ፥ ደሓር ተኣኻኺቡ ከኣ ናይ እንዳባ ሕጊ ይበሃል።

ሕጂ ፓትርያርክ’ሲ ብምርጫ ዝተሾመ ምኽንያት ብዘይብሉ ክወርድ ኣይከውንን እዩ። ናይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ምኽንያት ተባሂሉ ዘሎ ግን ሓሶት ኢዩ። ክበልዕዎ ዝደለዩ ኣባ ጉንባሕ ዛግራ ዛግራ.…. ይብልዎ ይበሃል። ሰንበት ጳጳሳት ሾይሞም ንሠሉስ ተኣኪብካ ዘየድሊ ምግባር፥ ባዕልኻትኩም ኢኹም እኮ ኣብኡ ኣእቲኹሞ ዘለኹም። ነቲ ጎይታና ኢልኩም ትጽውዑዎ ዘለኹም እሞ፥ ጎይታኹም ኮይኑ ዘሎ ባዕልኹም ኢኹም። ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ሒዝና ክንከይድ ኣሎና። ኣብኡ [ኤርትራ] ከለኹ 18 ተኣኪቦም ሓደ መዓልቲ ኣኼባ ይገብሩ። ደሓር ምስ ገበሩ ኣነ የለኹን፡ ሓደ ሰብ ይመጸእ። ስሙ ኣብኡ ይጽንሓልና። እንታይ ኮንካ ኣብቲ ናይ ፓትርያርክ ጉዳይ ዘይፈረምካ ይብለኒ። ኣነ ከኣ ስለ ዘይኣመንኩሉ ኢለዮ። ንምንታይ በለኒ። ስማዕ እሞ በብዝሓዝናዮ ሥልጣን መጀመርያ ነፍሪ። ካብኡ ንደሓር ካባና ካብ ማእከልና ወይ ካብ ገዳማትና ኣምጺእና ንሸይም እምበሪ፡ ብዝሓዝናዮ ዘየፍረና ኣባኡ ኣይበጻሕናን ኣይንታሃወኽ ይብሎ። እንተ ደኣ ተሃዊኽካ ሸይምካ እሞ ዕንቅፋት ኮንካዮ ቅድሚ ዓለም ኩሉ ኣነ ኢየ ዝዛረብ፥ ንዓለም ከኣ ኣሳጢሐ ክህበካ ኢየ ኢለዮ። ግናኸ ኣይሰምዑን። ጥራሕ ንጕየ ንጉየ ኮይኑ። ካብ ጕያ እኮ ዝርከብ የለን። ሕጂ ፓትርያርክ ኣይሰዓር፥ ባዕልኻ ሸምኻ እዚ ንሕና ዝገበርናዮ ኣይኮነን። ንስኻትኩም ኣይገበርኩሞን።

ካልእ ተሪፉ ኣብ ሃገርና ናይ ደብረ ቢዘን ኣበምኔት እኳ ኣይሰዓርን ኢዩ። ትፈልጡ ዲኹም ኣብ ሮማ ኸኣ ናይቶም ካልኦት ገዳማት ኣበምኔት ኣይፈልጥን። ግን ናይቶም ኢየሱሳውያን ዝበሃሉ ኣበምኔት ግና ሓንሳእ ምስ ተሾመ ኣይስዕርዎን ኢዮም። ስለ ዘይሰዓር እቶም ህዝቢ እንታይ ኢሎሞ። ፓፓ ኔሮ ኢሎሞ። ጸሊም ኢዩ ዝኽደን። ከምቶም ቅዱስ ፓፓ ጻዕዳ ዝኽደኑ፡ ንሱ ጻዕዳ ኣይክደንን ኢዩ። ፓፓ ኔሮ ይብልዎ (ጸሊም ዝኽደን ፓፓ ማለት ኢዩ)። እቲ ተሾይሙ ዘሎ ኸኣ ሕራይ ኢሉ ዘሎ፡ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ዝጥሕስ ዋጋ የብሉን ኢዩ። ቀዳማይ ነገር እቲ ህልው ፓትርያርክ ከይትሾሙ ኢሉ ገዚቱ ኢዩ። ስለዚ ዲቁና የብሎም፥ ቅስና የብሎም፥ ኤጲስ ቆጰስነት የብሎምን። እቲ ቆብዕ ኣብ ርእሶም ጌሮሞ ናይ ዝኸዱ ደሓን ከም ድልየቶም።

ንስኻ ኸኣ! ትፈልጦ ነገር ዘይብልካ፡ ንሳቶም ፈሪሖም ክፍተዉ ክብሉ ናይ ኦርቶዶክስ መራሒ እንተ በሉኻ፡ እተን ኦርቶዶክስ በብዓደን መራሕቲ ኣለወን። እታ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ከኣ መራሒኣ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማይ ኢዮም። ንስኻሲ ካብቲ ስልጣን እኳ እቲ ኣናጉንስጢስ ተሪፉሲ፡ ኣንባቢ ወይ ኣጻዌ ሆኅት እኳ ኣይኮንካን። ደሓር ከኣ ልብ እሞ በል፡ እቲ መንግሥቲ እንተ ኣምጽኣካ፥ በቲ ትሰርሖ ዘሎኻ ግን እትሕተት ንስኻ ኢኻ። መንግሥቲ እዚ እዚ ግበር ኣይበለካን። ንስኻ ኢኻ እትሕተት። ኣብዚ ጥራሕ ኣይኮነን። እታ ቤተ ክርስቲያን እኮ ‘’ቤተ ክርስቲያኑ ለእግዚኣብሔር እንተ ኣጥረያ በደሙ’’ ተባሂላ ኣላ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ምዕራፍ 20። ንሳቶም ብሓደ ሓደ ጥቕሚ እንተ ተኣሳሰርኩም፥ ንሰብ ከተዐሽዉ ትኽእሉ ኢኹም። ነቲ ልብን ኵላሊትን ዝምርምር ኣምላኽ ግን ከተዐሽዉዎ ወይ ከተታልልዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ይመስለኩም ይኸውን ግን ኣይትክእሉን ኢኹም። ጽባሕ ንጉሆ ኣብቲ ቅድሚ ፍርዲ ደው ክትብሉ ኢኹም። ነቲ ስብከተ ወንጌል ዕንቅፋት ኮንኩሞ ኣሎኹም። ኣብ ክንዲ ትጽልዩ ምሸት ምሸት ንህዝቢ ንኣስረሉ ገመድ መጻወድያ ኢኹም ትብሉ ዘሎኹም። ጽባሕ ንጉሆ ባዕልኹም ክትኣትዉዎ ኢኹም። ክዉን ኢዩ። ደሓር ከኣ ልቢ እሞ በሉ፥ ካብ ዝሓለፈ ንመሃር ኩልና።

ንኤርትራ ካብ 50 ዓመት ንላዕሊ ክገዝኣ ከሎ ጣልያን፥ ኣይበደለን ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። እወ! እቲ ጣልያን ምስ ተሳዕረ 5ተ ዓመት ዘብልዐ ፊኖ ጣልያን’ዶ ይምኖ ይበሃል ነይሩ ኢዩ ብሓፈሻ። ብዝርዝር ክንመጽእ ከሎና ግን ዝበደሎም ኣሎ። ግን ደቆም ደቂ ደቆም ንዓዲ ጥልያን ኣይከዱን ሕነ ክፈድዩ። ንሃፀይ ሃይለ ሥላሴውን ሕነ ክፈዲ ዝኸደ ሰብ የለን። ንሕና ግን ንስኹም እቶም ነታ ሃገር ትመርሑ ዘሎኹም ጽባሕ ንጉሆ ንደቅኹም ሕማቕ ነገር ከይትገድፉሎም። ደግያት ባህታ ሓጎስ እኮ ዝበልዎ ኣሎ። ‘’ሰምዓሰመ ኣቱም ሰምዓሰመ ጸላእናኩም ጊዜ ምስ ጠዓመ፥ ደለናኩም ጊዜ ምስ ሓሰመ፥ ንቆልዑ ገዲፍናሎም ደመ’’ በሉ። ስለዚ ንደቅኹም ደም ከይትገድፉ!! ብጣልያን ጊዜ እዚ ኮይኑ ይበሃል ኢዩ። ብእንግሊዝ ጊዜ፥ ብኢትዮጵያ፥ ብደርግ፥ ሕጂ ኸኣ ፥ ብናይ ፈደረሽን ዝተገበረውን ታሪኽ ኣትዩ ኢዩ። ብኡ ዝተገበረ እናተባህለ።

ሕጂ ኸኣ ኃው ከምቲ  ኩሉ ሰብ ዝፈትወካ፥ እፈትወካን አኽብረካን ኢየ። ነገር ግን እታ መኽሪ ኣይነፍገልካን ኢየ። እዚ ቤተ ክርስቲያንና ረኺባቶ ዘላ ሎሚ፥ ከምቲ ጵጵስና ፓትርያርኽነት ሰንሰለታዊ ሓዋርያነት ከነምጽእ ኮለና ብዘመን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅ ከም ዝበሃል፥ እዚ ሕጂ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ወሪዱ ዘሎ ጸገም ከኣ ብዘመን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅ ክበሃል ኢዩ። ናይ ታሪኽ ጸሓፊ ኣብ ጎድንኻ ኮፍ ኢሉ ይነብር። እቲ ሰብ ምስ ሓለፈ ከኣ ነቲ ታሪኽ ይጽሕፎ። እወ! ንስኻ እዚ ግበር እዚ ፍጠር ኣይበልካዮን። ንሱ ኢዩ ተሓታቲ። ነገር ግን ብኣኻ ዘመን ይግበር ስለ ዘሎ ኸኣ ኣብቲ ታሪኽ ክምዝገብ ኢዩ። እንታይ እሞ ኽገብር እንተ በልካ፥ ነዚ ምኽሪ ኣየድልየካን ኢዩ። ለባም ፈላጥ ኢኻ። ‘’ለኣንበሳ ኣይመትሩ፥ ለብልህ ኣይመክሩ’’ ዝብልዎ  ብኣምሓርኛ ምሳሌ ኣሎ ኢዩ።

ሕጂ ኣነ ካብታ ዘላትኒ ንኹልኹም የካፍለኩም ኣሎኹ። እቶም ኣብ ሥልጣን ዘሎኹም ብጠቕላላ ተመልከቱ። ህዝቢ ወይ ፈሪሑ ወይ ከይፈለጠ ሱቕ ኢሉ የንጨብጭብ የጣቕዕ ኢዩ። ርኢናዮ እኮ ኢና ብመሶሊኒ ጊዜ፥ ‘’ዱቸ ኖን ኢንጋና ማይ’’ ዝተባህለሉ ጊዜ ነይሩ ኢዩ። ‘’ዱቸ ኪኖን ሳራ ሞሪን’ ዝተባህለሉ ጊዜ ነይሩ ኢዩ። ኣማውትኡ ግን ርኢናዮ ኢና ኣብ ካልኣይ ናይ ዓለም ኵናት ኣብ 1941። እቲ ‘’ዱቸ ኖን ኢንጋና ማይ’’ ኣየጋግን ኢዩ! ዝብልዎ ዝነበሩ፥ ‘’ዱቸ ኪኖን ሳራ ሞሪን’’ ዘይመውት ዝብልዎ ዝነበሩ ርኢናዮ ኢና። ዓለም ወላ ገፊሕ መንግሥቲ እንተ ሓዘ ከም ቀዳማይ እስክንድር ወይ ዓቢይ እስክንድር፥ ዓለም ተወዳኢት ኢያ። ከምቲ ኮፍ እትብልሉ ዘሎኹም መናብር ሸረር ሸረር ዝብል፡ ከምኡ ከኣ ክትሓልፍ ኢያ። ከምቲ ነቶም ሰብኣይ ዝበልዎም ‘’ጎይታና ካብ ገዛኹም ኣየውጽኣያ’’ ኢለሞም። ነታ እንጌራን ሽመትን ማለቶም ኢዩ። ንሶም ከኣ ትውጻእ እምበር እንተ ዘይትወጽእ እኮ ንሕናውን ኣይምረኸብናያን ኢሎም ይበሃል።

ኣነ ኸኣ ዝሓለፈ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ሕጂ ኸኣ’ሲ ይተሓሰበሉ! ንሕና ምኽሪ ኣይንህብን ኣይበልናን። ወዮ ደኣ ክንድቲ ናታትኩም ፍልጠት የብልናን ኮንና ኢና እምበር፥ ምኽሪ ኣይንህብን ኣይበልናን። እታ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ናተይ ሃብቲ ኣይኮነትን። ኣነ ናይ እግዚኣብሔር ባርያ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ ኢየ። በዓል ርስቲ ንሱ [እግዚኣብሔር] ኢዩ። በዓል ንብረት ንሱ ኢዩ። ባዕሉ በትሩ ሒዙ ምስ ዝለዓል ጊዜ ግን ደም ከይነጥረና ኢና እንፈርሕ። ሕጂ እዛረብ ኣሎኹ ኣነ፥ እዛረብ ኢየ ዘሎኹ። ከመዮ ሰብኣይ ብዘመን ውበ’ሲ ምኽሪ ሂቡ ነይሩ ኣይሰምዕዎን ደኣ እምበር። ውበ ሕዳር ምስ ኮነ ተከዘ ከተሕልፎ ምስ ከኣለት መጺኡ፡ እንታይከ ይውረ ነይሩ? በሎም ይበሃል። ሞትካ ይወረ ነይሩ በልዎ። ኣረ! በሉ ኣሎ ውበ ብዝብል ጉድጓዶ ኣገብርዎም በሎም። ነቶም ሞይቱ ኢሎም ዘውረዩ ከኣ ቀጺዕዎም። ወዮም ሰብኣይ ተዛሪቦም ዝነበሩ፥ ‘’ኣነስ ነጊረኩም ዓሚ፡ ቅድሚ ዓሚ፥ ዘይስማዕ ዘረባ ቖዛሚ’’ በሉ ይበሃል። ምኽረይ እዚኣ ኢያ ብሓጺሩ። ‘’ዘቦ እዝን ለይስማዕ’’ እቲ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ! ኢዩ ተባሂሉ ዘሎ።

ጵጵስና ሓኸለን ሞንጉዳን መብልዒ ኣይኮነን። ጵጵስና ዝሓዘ ሰብ ከኣ ብሰላም ዝነብር ውሑድ ኢዩ። ንምንታይ? እንድሕር ተዛሪቡ፥ መድኃኒና እኮ ነቶም ሓዋርያት ክልእኾም ከሎ፥ ‘’ናሁ እፌንወክሙ ከመ ዓባግዕ ማዕከለ ቶኵላት’’ ኢዩ ዝበሎም። (ማቴ 10፡16) እወ! ንሕና ኣብ ዘይኣማኒ ህዝቢ ኣይኮናን ተላኢኽና። ኣብ ኣማኒ ህዝብና ኢና ተላኢኽና ዘሎና። እንድሕሪ ሓደ ሰብ ሓቂ ዝዛረብ ኮይኑ፥ ተቓወምቲ ከኣ በዚሖሞ የግዲ ንሱ ኢዩ። እቶም ኣቦታት ንኣብነት ቅዱስ ኣምብሮስዮስ ናይ ሚላኖ ኣቦ ክዛረብ ከሎ ንንጉሥ ቴዎዶስዮስ ‘’ተመለስ እዚ ብደም ዝተዓለለ ካባ ጌርካ ቤተ እግዚኣብሔር ኣይትኣቱን’’ በሎ። ቅዱስ ኣምብሮስዮስ ኣብ 4ይ ሚእቲ ዓመት ዝነበረ ኢዩ። ካብ 339 ክሳብ 397 ዝነበረ ኢዩ። እቲ ንጉሥ ተመሊሱ ኸደ። እንታይ ጌሩ ኢዩ? እቲ ንጉሥ ንጉሠ ነገሥት ናይ ምብራቕ ሮማ ዝነበረ ኢዩ። ዓቢይ ቴዎዶስዮስ ኣብ ተሰሎንቄ ኣብታ ካልኣይቲ ከተማ ኮይና ዘላ ናይ ግሪኽ ሰላማዊ ሰልፊ ይግበር። ምስ ተገበረ እቲ ወኪሉ 3000 ሰባት ይቐትል። መን እሞ ይዛረብ ሕጂ። ከመዮ ዝበሃል ብኣምሓርኛ ‘’ምላጭ ብያብጥ በምን ይበጡ፥ ውሃ ቢያንቅ በምን ይውጡ’’? ዘይኸውን ኢዩ። ግናኸ ዝዛረብ ጠፊኡስ ቅዱስ ኣምብሮስዮስ ነጊርዎ። እቲ ዘገርም ግን እቲ ንጉሠ ነገሥት ቃል እቲ ኣቡን ሰሚዑ ንድሕሪት ተመሊሱ ከይዱ እዩ። እቲ ንጉሠ ነገሥት ምስ ዓረፈ ግን ሕራይ ኢሉ ንስሕኡ ምስ ወድአ ኢዩ፡ ዝገብሮ ጽሑፍ ቅዱስ ኣምብሮስዮስ ዘገርም ኢዩ። ኣብቱ Eastern Writters ዝብል ብርዒ ተመልከቲ። ኣንተ ደኣ ሱቕ ኢሉ ተጎልቢቡ ዝሓልፍ ኮይኑ ግን፡ ዋጋ ዘይብሉ ጉዳይ ኢዩ። ‘’ሰብዓ ዓይን ረሰይኩከ ለቤተ እስራኤል’’ ከም ዝተባህለ ሕዝቅኤል ነቢይ ስለምንታይ ዲዩ? ነቲ ህዝቢ ክሕሉ ኢዩ ነይሩ። እቶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልገልቲ ዝበሃሉ፥ ምምራሕ እኳ ይጽንሓልና እቲ መሪሕነት ሂቦሞ ኣለዉ ነቲ ዕዉር። ዕዉር ከኣ ኣይመርሕን ኢዩ። ጉድ ተራእዩ።

ነቢይ ሕዝቅኤል ኣብ ዒራቕ ዝነበረ ብስደት ዝኸደ ኢዩ። ኣብቲ ምዕራፍ 34 ነቶም ጓሶት፥ እግዚኣብሔር እንታይ ከም ዝብሎም ይዛረብ ኢዩ። ኣነ ከኣ ኩፉእ ኣይኮንኩን ዝምነየልኩም ዘሎኹ። ነተይ ትምኒት’ሞ ኩልና ናብ መንግሥተ ሰማያት ክንኣቱ ኢዩ። ነገር ግን እታ ሓቂ ክትጠፍእ ኮላ ኣይገድፋን ኢየ። እንሀ ነጊረኩም ኣሎኹ። ጽቡቕ ዓመት ናይ ሰላም፡ ናይ በረከት ናይ ረዳኤት ናይ ራህዋ ዘለዎ ይግበረልና ኣምላኽ። ነቶም ስዉኣትና መንግሥተ ሰማያት ሂቡ፥ ነደ ስዉእ፡ ሓፍቲ ስዉእ ሰበይቲ ስዉእ ጓል ስዉእ ጽንዓት ይሃበልና ኣምላኽ። ሰላም ኩኑ ሰላም ተጎልበቡ። ኣብ መከራኹም ኣብ ጸበባኹም መኻፍልትኹም።

ኣቡን መቃርዮስ።  

ብደቂቀ እንጦንዮስ
ተመሃሮ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div