S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሥራሕ ዓሻን ሥራሕ ለባምን ኣብ መጽሓፈ ምሳሌ

  1. ለባም ወዲ ነቦኡ የሐጉስ፥ ዓሻ ወዲ ግና መጕሃዪ ኣዲኡ እዩ። ምሳ፡ 101
  2. ለባም ሰብ ብምስትውዓል ይዛረብ፥ ዓሻ ግና መቕጻዕቲ ይግብኦ። ምሳ 1013
  3. ለባማት ፍልጠት ይእክቡ፥  ዓሻ ክዛረብ ከሎ ግና ጥፍኣት የስዕብ። ምሳ 1014
  4. ክፉእ ገይረ ኢልካ ምሕጓስ ዕሽነት እዩ፥  ለባማት ግና ብጥበብ ይሕጎሱ። ምሳ 1023
  5. ንብጻይካ ብንዕቀት ምልዓል ዕሽነት እዩ፡ ለባም ሰብ ግና ስቕ እዩ ዝብል። ምሳ 1112
  6. ለባም ሰበይቲ ንሰብኣያ ዘውዱ እያ፥ ዓሻ ሰበይቲ ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ከም ቍንቍነ እያ። ምሳ 124
  7. ኵራ ዓሻ ብኡብኡ ይፍለጥ፡ ለባም ሰብ ግና ተጸሪፉ ከሎ ከም ዘይተጸርፈ ይኸውን። ምሳ 1216
  8. ብዕሽነት ዚዝረብ ዘረባ ከም ዚቖርጽ ሰይፊ እዩ፥  ብልቦና ዚዝረብ ዘረባ ግና ፈውሲ እዩ። ምሳ 1218
  9. ለባም ሰብ ፈላጥ እኳ እንተኾነ ስቕ ይብል፥ ዓያሹ ግና ዕሽነቶም ይገልጹ። ምሳ 1223
  10. ምስ ለባም ዚመላለስ ለባም ይኸውን፥ ምስ ዓያሹ ዝተዓራረኽ ግና ይጠፍእ። ምሳ 1320
  11. ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሓንጽ፥ ዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ። ምሳ 141
  12. ትዕቢት ንዓሻ ብዙሕ የዛርቦ፥ ለባማት ግና ብዘረባኦም ይሕለዉ። ምሳ 143
  13. ንለባም ለባም ዝገብሮ እቲ ዝገብሮ ስለ ዝፈልጥ እዩ፥ ንዓሻ ዓሻ ዝገብሮ ዝፈልጥ ስለ ዝመስሎ እዩ። ምሳ 148
  14. ዓሻ ሰብ ንኹሉ ይኣምን ለባም ግና ንስጉምቱ ይጥንቀቐለን። ምሳ 1415
  15. ለባም ሰብ ይጥንቀቕ፡ ካብ እከይ ድማ ይርሕቕ፥ ዓሻ ግና ደፋርን ህዉኽን እዩ። ምሳ 1416
  16. ኮራዪ ሰብ ዕሽነት ይገብር፥ ለባም ግና ህዱእ እዩ። ምሳ 1417
  17. ለባማት ዘውዲ ሃብቲ ይደፍኡ፥ ዓያሹ ግና ኩሉ ጊዜ ዓያሱ እዮም። ምሳ 1424
  18. እቲ ንዅራ ደንጓዪ ለባም ምዃኑ የርኢ፥ ኮራዪ ግና ዓሻ ምዃኑ ይገልጽ። ምሳ 1429
  19. ካብቲ ሚእቲ ጊዜ ዚግረፍ ዓሻስ፥ እቲ ሓንቲ ጊዜ ዚግሰጽ ለባም ቀልጢፉ ይርድኦ። ምሳ 1710
  20. ዓሻ ንኹሉ ዅራኡ ይድርጉሖ፥ ለባም ሰብ ግና ይዓግቶ፡ ከምኡውን የህድኦ። ምሳ 2911

ብእዝራ ጸሓፊ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div