S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3
ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርቶስ ወላዲት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለዓለማዊት ድንግልን ንጽሕትን እያ። ብኽብርን ግርማን ካብ ኪሩቤል ትዓቢ። ድንግል ብሕሊና ድንግል ብሥጋ ስለ ዝኾነት ድማ ድንግል በክልኤ

ተባሂላ ትጽዋዕ። ካብ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈልየት ብርኽቲ እያ። ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ክልተ ቅዱሳን ሰባት ካብ ቅዱስ ኢያቄምን፡ ቅድስት ሓናን ብሩካቤ ሥጋ ዝተወልደት እምበር ካብ ፍጥረት ሰብ ወጻኢ ብካልእ ዝመጸት ወይ ኣርያማዊት ኣይኮነትን።

እመቦ ዘይብል ከመ ድንግል ቅድስት ይእቲ ኃይል ኣርያማዊት ውጉዘ ለይኩን፡ ሃይ.ኣበ ምዕ. 123 8

ቅድስት ድንግል ማርያም ሰማያዊት ኃይሊ እያ ዚብል እንተሎ ርጉም ይኹን። ምዕ. 123 8

ከም ኩላትና ደቂ ሰብ ኃይል ኣርያማዊት ስለ ዘይኮነት ከም ኩሉ ሰብ ሞተት።

ወካዕበ ይቤ በውስተ ሣልስ ድርሳን ዘደረሰ በእንተ ቅድስት ሥላሴ እንዘ ያስተሓፍሮሙ ለኣርዮሳውያን ኢይከውን ግብረ ሥጋ በዘኢሥግው፡ ወዳዕሙ  እስመ ነሥኣ ሥጋ መዋቴ እስመ ቅድስት ድንግል ማርያም እንተ ነሥኣ እምኔሃ መዋቲት ይእቲ። ሃይ. ኣበ. 2711

ዳግም ኣብቲ ብዛዕባ ቅድስት ሥላሴ ንሣልሳይ ጊዜ ዝደረሶ፡ ንኣርዮሳውያን ኬሕፍሮም ክምዚ በለ፡ ሰብ ኣብ ዘኮነ ኣካል ተግባር ሰብነት ኣይፍጸምን እዩ። ከመይ እታ ካብኣ ሥጋ ዝወሰደ ቅድስት ድንግል ማርያም መዋቲት ስለ ዝኾነት መዋቲ እዩ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ  ሃይ. ኣበ. 2711

ግጉያት ኣይሁድ ንቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ቤት መቕደስ ኦሪት ከውጽእዋ እንከለዉ ደመ ትክቶ (ወርኃዊ ጽገ) ከይርኣያ ብዚብል ነገር ምዃኑ ጽሑፋት ይሕብር። እዛ ቅድስቲ ኣደ ርስሓት፡ ልማደ ኣንስቲ ዘይብላ፡ ዘለዓለማዊ ማኅተመ ድንግልና ዘለዋ እያ።

በከመ ይቤ ትሩፍ ሠናየ ግዕዝ ወበሊሐ ልሣን ወልቦና መምህር ቄርሎስ በመልእክቱ ቀዳማዊት እንተ ጸሓፋ ወፈነዋ ኀበ ሰብአ ሱክንሲስ፡ ወበእንተዝ ዐቀባ ለድንግል ንጽሕት ማርያም እንዘ ኢያርኁ ማኅተመ ድንግልናሃ እምድኅረ ልደተ ሕፃን እምኔሃ እስመ ለሊሁ ስቡሕ ገባሬ መንክራት ዐበይት ወውእቱ ይእዜ ንጹሕ እምሠለስቱ ግብራት እለ ሥሩዐት በእጓለ እመሕያው ወእሙራት ቦሙ ዘውእቶሙ ሩካቤ፡ ወዘርእ፡ ወሰስሎተ ድንግልና። ሃይ.ኣበው ምዕ 110 29

ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ሠናይ ዝኽሪ በሊሕ ልሣን መስተውዓሊ ልቦና ዘለዎ መምህር ቅዱስ ቄርሎስ፡ ናብ ሰብ ሱክንሲስ ኣብ ዝጸሓፎ ቀዳማይ መልእኽቱ ከምዚ በለ። ስለዚ ሕፃን ክርስቶስ ካብኣ ምስ ተወልደ፡ ንንጽሕት ድንግል ማርያም ማሕተም ድንግልናኣ ከየርሓወ ሓለዋ። ከመይ ንሱ ምስጉንን ገባሪ ዓበይቲ መንክራትን እዩ። ሎሚውን ንሱ ብሰብ ስሩዓት ዝኾኑ ካብ ሠለስተ ግብርታት ብኣኣቶምውን ፍሉጣት ዝኾኑ ንጹሕ እዩ። ንሳቶም ድማ ሩካቤ ( ርክብ ሥጋ) ዘርኢ፡ ምልዋጥ ድንግልና እዮም። ሃይ.ኣበው ምዕ 110 29

እዚ ማለት ግና ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ኩልና ፍጥርቲ ዘርኢ ኣዳም እያ፡

ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ መንጎ ኩለን ናይ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት (ኦሬንታልን ምሥራቅን) በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ  ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ሎሚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንቲ ኪፈትሕዎ ዘይከኣሉ ከቢድ ውግዘት ኣሎ።

እዚ ድማ፡ ኣብ 1854 .. ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን (Immaculate conception) እዚ ማለት ኃጢኣተ ኣዳም ዘይብላ ዘይተንከፋ ማለት እዩ።

እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይኹን ኣብ ናይ ሓዋርያውያን ኣቦታት ፈጺሙ ተጠቒሱ ዘይፈልጥ፡ ቅድሚ 150 ዓመት ዝኣተወ ዶግማ እዩ። ንርእሲኦም ሊቃውንቲ ናይ ሮማ ካቶሊክውን ኣብቲ http://www.justforcatholics.org/immaculate.htm  እንተ ርኢና ፈጺሙ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዘይኮነን መርትዖ ዘይብሉን ምዃኑ ይገልጹ።

እዚ ሓሳብ እዚ ምሉእ ሰብነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ክሒድና ነቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብኣ ዚለበሶ ሥጋ ፍጹም ሰብ ምስ ፍጹም መለኮት ተዋሓሓደ ዚብል ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ፡ ፍጹም ሰብ ንዚብል ምሉእነት ክርስቶስ ዚትንክፍ ብምዃኑ፡ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ኩለን ብዘይኣፋላላይ ነዚ ቃል እዚ ወገዛኦ ፈጺመን ድማ ኣይቅበላኦን።

ብጀካ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይዘርኢ ሰብኣይ ዝተወልደ ፍጡር ሰብ የለን። ንሱ ንበይኑ ድማ ዘርኢ ኣዳም ስለ ዘይኮነ ኣበሳ ኣዳም ኣይሓለፎን።

ኣቦታትና ቅዱሳን ኣብ መሠረት ሓዋርያት ዝተመሥረቱ ዝብልዎ ቃል ኪንስዕብ ግዴታ እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስና ዚጻረርን፡ ነዞም ቅዱሳን ሓዋርያውያን ኣቦታት ካብ 1 ክሳብ 5 ሚእቲ ዝነበሩ ኣቦታት ዝበልዎ ዚጻረር ድሒሩ ዝተጻሕፈ ጽሑፋት ከይንቅበል፡ ንእኦም ክንስዕብ ድማ ከምዚ ኪብል ኣዚዙና ኣሎ።

ወንትኣመን በከመ ትምህርተ ኣበው ሓዋርያት፡ ርቱዐነ ሃይማኖት ወኣጽድቆቶሙ ዘንተ ሥርዐተ ሃይማኖት ዘነበበ መንፈስ ቅዱስ በልሣናቲሆሙ ወፈድፋደሰ ንኩን እኁዛነ ወጽኑኣነ በትምህርተ ባስሌዎስ ዐቢይ ኣፈ በረከት ወኣትናቴዎስ ብእሲ ሓዋርያዊ ማኅፈደ ሃይማኖት ወመዝገበ ልቦና ወጎርጎሬዎስ ዘኑሲስ ወዮሓንስ ኣፈወርቅ፡ ወቄርሎስ ጠቢብ እለ መርሑ ወኣጽደቁ ወኣርትዑ ሃይማኖት እንተ ይእቲ በእግዚእነ ክርስቶስ። ሃይ.ኣበ 1037

ሃይማኖቶም ቅኑዕ ዝኾነ ኣቦታትና ሓዋርያት ከም ዝመሃሩና፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብኣቶም ኃዲሩ ከም እተዛረበ ከኣ ነዚ ሃይማኖት እዚ ከም ዘረድኡና ንኣምን።

ብፍላይ ከኣ ኣብ ትምህርቲ ባስሌዎስ ዕቢይን፡ ንሓዋርያት ዝመሰለ ብትምህርቱ ሃይማኖት ዘጽንዐ፡ ዓንዲ ሃይማኖት ዝኾነ ኣትናቴዎስ፡ ሰፊሕ ምስትውዓል ዘለዎ ጎጎርዮስ በዓል ኑሲስን፡ ዮሓንስ ኣፈወርቅን፡ እቲ በሊሕ ቄርሎስን ኣብ ዝመሃርዎ፡ ጸኒዕና ንንበር። ንሃይማኖት ኣቕኒዖም፡ ኣረዲኦም ዝመሃሩናን ዝመርሑናን እዚኣቶም እዮም። ንሳ (ሃይማኖት) ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶ እያ። ሃይ.ኣበ 1037

ተሠገወ እመንፈስ ቅዱስ ወኣኮ ለመንፈስ ቅዱስ ቦቱ ሥጋ ወኢፍጡር ውእቱ፡ በከመ ይሔልዩ ሰብእ ዐላውያን ወከሓድያን፡ ኣላ መንፈስ ቅዱስ ቀደሰ ወኣንጽሓ ሥጋሃ ለማርያም ወረሰያ ድሉተ ለተወክፎ ቃለ ኣብ። ሃማኖተ ኣበው፡ ዘጎርጎሬዎስ ምዕራፍ 3619

ብመንፈስ ቅዱስ ሰብ ኮነ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ሥጋ የብሉን ከምቲ ዓላውያንን ከሓድትን ሰባት ዚሓስብዎ ፍጡር ኣይኮነን።

መንፈስ ቅዱስሲ ንማርያም ደኣ ቀደሳን ኣንጽሓን፡ ቃለ ኣብ ንምቕባል ድማ ብቕዕቲ ገበራ። ኣበው፡ ዘጎርጎሬዎስ ምዕራፍ 3619

ወካዕበ ይቤ ዝንቱ እስመ እግዚኣብሔር ፈጠረ ሎቱ መቅደሰ ፀሓየ ጽድቅ ዘውእቱ እግዚኣ ኃይላት ዘኣልቦቱ ሥጋ ቅዱስ ወኢያርስሖ ኣላ ፈድፋደ ኣንጽሖ ወፈጠሮ ቅዱሰ። ሃይ.ኣበው ዮሓንስ ኣፈወርቅ። ምዕ.68 48

እንደገና ከምዚ ይብል፡ እግዚኣብሔር ሥጋ ዘይነበሮ ሓቀኛ ፀሓይ ጽድቂ ካብ ቅዱስ ሥጋ ዝተወልደ፡ ንጹህን ቅዱስ ገይሩን ደኣ ሰርሖን እምበር ኣየርከሶን። ሃይ.ኣበው ዮሓንስ ኣፈወርቅ። ምዕ.68 48

ወካዕበ ይቤ ዝንቱ ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ በጥንተ ዝንቱ ድርሳን በእንተ ዘነገራ መልኣክ ለድንግል ንጽሕት እንዘ ይብል መንፈስ ቅዱስ የኃድር ላዕሌኪ በንጽሕና ወኃይለ ልዑል ይጼልለኪ በፍስሓ። ያዕቆብ ዘሥሩግ ሃይ.ኣበው 883

እንደገና ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ ኣብ ናይ ቅድም ድርሳኑ፡ ብዛዕባ መልኣኽ ንንጽሕት ድንግል ዝተዛረባ ከምዚ ኪብል ተርጒምዎ ኣሎ።

መንፈስ ቅዱስ ኣንጺሑ (ብምንጻሕ) ኪኃድረኪ፡ ኃይሊ እቲ ልዑል ብፍስሓ ኬጽልለኪ እዩ።

ቅዳሴ፡ ወኣናሚሁኒ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣናሚ ማለት ኣላሚ ማለትእዩ።

ቅዱሳን ኣቦታትና ቅዳሴ ማርያም ኪትርጉሙ እንከለዉ፡ እቲ ዝኸፈለ፡ ዘንጽሐ፡ ዘወሓሓደ፡ መንፈስ ቅዱስ እዩ ይብል። ቅዳሴ ኣባ ሕርያቆስ ቅዳሴ ማርያም ትርጉም

ፈትል ነዊሕ ዘኢይትበተክ እምኣብ ፈጣሬ ሰማያት ወምድር። እምሰማይ ወረድከ በፈቃድከ፡ ማኅፀነ ድንግል ኣግመረከ ንስቲት ወለት ወለቶሙ ለነዳያን ጾረትከ፡ ገሊላዊት ሓቀፈተከ፡ ነፍሳ ቀደስከ ወሥጋሃ ኣንጻሕከ ኣጽናዕካ ወኢደንገጸት ብከ። ቅዳሴ ያዕቆብ ዘሥሩግ።

ሰማያትን ምድርን ዝፈጠረ ካብ ኣብ ዘይተበትከ ነዊሕ ፈትሊ ኢኻ። ብፍቓድካ ካብ ሰማይ ዝወረድካ። ማኅፀን ድንግል ወሰነካ፡ ንእሽቶ ጓል፡ ጓል እቶም ድኻታት ጾረትካ፡ ገሊላዊት ሓቖፈትካ፡ ነፍሳ ቀደስካ ሥጋኣውን ኣንጻሕካ። ኣጽናዕካያ በኣኻ ድማ ኣይሰምበደትን። ቅዳሴ ያዕቆብ ዘሥሩግ።

ኣብ መበል 14 .ዘመን ኣብ ሃገርና ኣብ መንጎ ናይ ካቶሊክን ኦርቶዶሳውያን ኣቦታትን ዝተገብረ ክርክር። እቶም ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ብብሕትውናን ቅድስናን ዚፍለጡ ሊቅ ኣባ ጳውሊ ዚሃብዎ መልሲ፡ንቅድስት ድንግል ማርያም ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ከብሥራ እንከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባኺ ኪመጽእ እዩ፡ ኃይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ፡ እቲ ካባኺ ዚውለድ ድማ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ኪበሃል እዩ ዝበሎ፡ ቃል ኪትርጉሙ እንከለዉ፡ ሠለስቲኦም ኣካላት ኣብ ማኅፀን ድንግል ዚኃደሩሉ ኣብ ለኣጽንዖ፡ ወልድ ለለቢሰ ሥጋ፡ መንፈስ ቅዱስ ለኣንጽሖ፡ ደኣ እምበር ሠለስቲኦም ሥጋ ንምልባስ ኣይምሰልካ።ይብሉ መድሎተ ኣሚን።

ይቤ ትን. ኢሳ. 61 1-7 በእንተዝ ቀብኣኒ ወፈነወኒ፡ ይተረጉም በእንተ ቅብኣት፡ ካዕበ በመንፈስ ቅዱስ ዘወረደ ላዕለ ማርያም፡ ወኣንጽሓ ሥጋ ዚኣሃ፡ ለተወክፎ ኣምላክ በከመ ይቤላ ገብርኤል መልኣክ መንፈስ ቅዱስ ይመጽእ ላዕሌኪ፡ ካዕበ ይቤላ እስመ እምኔኪ ዘይትወለድ እመንፈስ ቅዱስ ውእቱ። መጽሓፈ ግብረ ሕማማት በ፱ ሰዓት መዓልት ዘሓሙስ

ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ 61 1-7 ኪትርጉም እንከሎ፡ ብዛዕባ ቅብኣት ይትርጉም።

ዳግማይ ብመንፈስ ቅዱስ ማርያም ዝወረደ፡ ንምቕባል ኣምላኽ ሥጋኣ ኣንጽሐ፡ ከምቲ ገብርኤል መልኣክ መንፈስ ቅዱስ ናባኺ ኪመጽእ እዩ ዝበላ፡ ከምእዉን እቲ ካባኺ ዚውልደ ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ በላ። ግብረ ሕማማት ሓሙስ መዓልቲ ሰዓት 9

ኣንጺሖ ሥጋሃ ቀዲሶ ኪያሃ ኃደረ ላዕሌሃ። ቅዱስ ያሬድ፡ ድጓ ዘነሓሴ ኪዳነ ምሕረት። ሥጋኣ ኣንጺሑ ነፍሳ ቀዲሱ ኣብኣ ኃደረ። ቅዱስ ያሬድ፡ ድጓ ዘነሓሴ ኪዳነ ምሕረት።

ኣንቀጸ ብርሃን

ኣብ በየማኑ ከደነኪ = ኣቦ ብየማኑ ከደነኪ

ወኃይለ ልዑል ኣጽንኣኪ = ኃይሊ እቲ ልዑል ኣጽንዓኪ

ወኢየሱስ ክርስቶስ ለብሰ ሥጋኪ። = ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋኺ ለበሰ

ቅድስት ድንግል ማርያም ፈጺማ ኃጢኣት ዚበሃል ኣይፈጸመትን፡ ኣብ ሒልናኣውን ኃጢኣት ኣትዩ ኣይፈልጥን። ከመይሲ ኣብ ኃጢኣት ከይትወድቕ ቅድስት ድንኳን ማኅደር ኣምላኽ ክትከውን መንፈስ ቅዱስ ካብ ከርሲ ኣዲኣ ሒዙ ዓቂብዋ እዩ።

ጰራቅሊጦስ ኣቀባ እምከርሰ እማ ከመ ኢትጌጊ። ኣብ ጌጋ ከይትወድቕ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማኅፀን ኣዲኣ ጀሚሩ ሓለዋ። እዚ ማለት ግን ካብ ዘርኢ ኣዳም ኣይተፈጥረትን ኣዳማዊ ኃጢኣት የብላን ማለት ኣይኮነን፡ እቲ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማኅፀን ኣዲኣ ጀሚሩ ዝሓለዋ ሰብ ኮይና ብምፍጣራ፡ ከም ኩሉ ሰብ ብናታ ብድሌታ ብሥጋ ዘኽፍእ በደል ከይትሰርሕ እምበር ብዘይዘርኢ ኣዳም ከም እትውለድ ገይርዋ ማለት ኣይኮነን።

ምኽንያቱ ከመ ኢትጌጊ ዚብል ቃል ትርጉሙ፡ ጌጋ ከይትፍጽም ኣብ ሕማቕ ከይትወድቕ ማለት እዩ

ፐላጊዮስ ኣብ 360 ዓም ዝተወልደ መናፍቕ፡ ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ዝተወገዘሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ኣዳም እንተ ዘይብድልውን ኪመውት ነይርዎ እዩ። ንኣዳም ናይ ገዛእ ርእሱ ኃጢኣት ንባዕሉ ደኣ ጎድኦ እምበር ናብ ዘርኡ ኣይተመሓላለፈን። ዘርኢ ፍጡር ሰብ ኣብ ብናይ ገዛእ ርእሱ ኃጢኣት እምበር ብናይ ኣዳም በደል ኣይሞተን፡ ኣይመውትንውን። ብናይ ክርስቶስ ትንሣኤ ድማ ኣይትንሥእን።ምስ በለ ቅዱሳን ኣቦታት ኣብ ጉባኤ ኤፌሶንከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ኃጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብኃጢኣትውን ሞት፡ ኩላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ ሓለፈ።ሮሜ 512 ዚብል ቃል ቅዱስ ጽሑፍ ረቲዖም ወገዝዎ።

ቅድስት ድንግል ማርያም ኃጢኣት ስለ ዝፈጸመት ኣይኮነትን ሞይታ፡ ከም ካልኦት ፍጡራት ሰባት፡ ኣዳም ብዝፈጸሞ ኃጢኣት ናብ ኩሉ ብዝሓለፈ ሞት እዩ። ሞት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ኃጢኣት ሰባት ኪድምስስ እዩ ሞይቱ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div