S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅድስት ድንግል ማርያም ብኦርቶዶክሳዊ ኣረኣእያ

ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዙሓት ሰባት ጽሒፎም፣ ገለ ሰቢኾም ካልኦት'ውን ምስ ድሕነት ብዝቃዶ መልክዑ ምሂሮም እዮም። ይኹን እምበር፣ ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣርእስቲ ክለዓል ኰሎ እናሻዕ ዝርአ ዘይብሩህ ስእሊ ይቕልቀል እዩ። ከምኡውን ብዙሓት ሰባት ክሓዋውስዎ ስለ እንርዮም ነቲ ሓሳብ ምንጻሩ ንብዙሓት ኣመንቲ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ።

ካቶሊካውያን ኣሕዋትቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኣዳማዊ ሓጢኣት ነጻ እያ (Immaculate Conception) ኢሎም ይኣምኑ። እዚ ናይ ካቶሊካውያን እምነት ናብ ሓደ ጫፍ ዝዘዘወ እዩ። ካብዚ ዝተላዕለ እዩመስለኒ፣ ወንጌላውያን (ከንሻ) ኮነ ኵሎም እቶም ካብ ከንሻ ዝተነጸሉ ካልኦት ድማ ንቅድስት ድንግል ማርያም ስማ ከልዕልዋ ይስከፉ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ክርስትና ዘለዋ ግቡእ ቦታኣ እኳ ብግቡእ ዝህብዋ ኣይመስለንን። ብዛዕባ ሓጢኣት፣ ቅድስና፣ ድሕነት፣ ሰይጣን ወዘተ... ስብከትን ኣስተምህሮን ክህቡ ስኽፍ ኣይብሎምን እዩ ስም ቅድስት ድንግል ማርያም ከልዕሉ ግና ኣዝዮም ይስከፉ።

ናይ ወንጌላውያን (ከንሻ) ኣረኣእያ፣ ኩሎም ከምኡ እዮም እኳ እንተዘይበልኩ፥ ቅድስት ድንግል ማርያም "ወላዲተ-ኣምላኽ" ምዃና ብዓውታ ንኽምስክር ዝስከፍ ንእምነት ክርስትና ዝፈታተን፣ ሰረተ-እምነት ክርስትና ዘነቓንቕ፣ ናብ ክሕደት ገጹ ዝዘዘወ እዩ ዝብል መግለጺ ምሃብ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ኣይመስለንን ማርያም "ወላዲተ-ኣምላኽ or Theotokos" ምዃና ዘይምቕባል ኣብ ድሕነትና እንታይ ሳዕቤን ከምጽእ ይኽእል? ዝብል ሕቶ ክለዓል ቅኑዕ እዩ። ንማርያም ግቡእ ቦታኣ ዘይምሃብ ኣብ ድሕነትና ሓደገኛ ሳዕቤን ኣለዎ። ማርያም "ወላዲተ-ኣምላኽ" ምዃና ዘይኣምን፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ምዃኑ ዝኽሕድ ሰብ እዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ እዩ፣ ስጋ ለቢሱ ሰብ ኮይኑ (ተወሊዱ) ንዝብል ሕመረት ድሕነት ክርስትና ዘፍርስ ኣምር እዩ። እዚ ድማ ክሕደት እዩ!

ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ክርስትና ፍሉይ ቦታ ሒዛ ትርከብ። ንኣብነት፣ ብዘይክኣ ካልእ "ወላዲተ-ኣምላኽ" ክትከውን ዝበቕዐት ኣደ የለን። እዚ ንቅድስት ድንግል ማርያም ጥራይ ዝተዓደለ ፍሉይ ጸጋ ኮይኑ ንዘለኣለም ይነብር ኣሎ። ስለዚ ድማ እያ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ምስ ድሕነት ክርስትና ብዝቃዶ መልክዑ "ወላዲተ-ኣምላኽ" እናበለት ክትጽውዓ ትነብር ዘላ። እቶም ቀዳሞት መራሕቲ ከንሻ ከም በዓል ማርቲን ሉተር፣ ጆን ካልቪን፣ ጆን ወስሊ እንተኾኑውን ማርያም "ወላዲተ-ኣምላኽ" ምዃና ይምስክሩ (ይኣምኑ) ነይሮም። እዚ ሎሚ ዘሎ ወለዶ ግና ብስምዒትን ኣንነትን ዝተጸልወ፣ ርኳንን ጋብን (ጋቢ) ከይፈላለየ ብሓደ ክደፍኦ ዝህቅን ህውኽ ወለዶ እዩ እንተተባህለ ዝተጋነነ ኣይመስለንን። እቲ ርኳን ይኹዖ ግና ክንጥንቀቕ ይግባእ ነቲ ቅጭን ጋቢና (እምነትና) ምስቲ ርኳን ከይንደፍኦ። ምኽንያቱ ሓድነት ናይዞም ክልተ ነገራት ብግቡእ ዘይምርዳእ ኣብ እምነት ክርስትና ሐደገኛ ሳዕቤን ስለዝህልዎ።

ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ልዕሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ፍሉይ ዝኾነ ፍቕርን ክብርን ኣለዋ። ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ጎይታናን መድሓኒናን ስለዝኾነት ከምቲ ኤልሳቤጥኣደ ጐይታይ” (ሉቃ:1 43) ዝበለታ ንዓና ንክርስቲያናት ኣዴና እያ። ኣምላኻዊ ቃል ድማኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” (ዘጽ 20:12; ኤፌ 6:2) እዩ ዝብለና።ካብ [ኵለን] ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ” (ሉቃ:1 28-30) ክብል መልኣኽ-ኣምላኽ ክሳብ ዝምስክረላ ዝተባረኸት ኣደ እያ። ንሳውንእንሆ፡ ካብ ሕጂ ዂሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮምእናበለት ንኣምላኻ ከምዘመስገነት መጽሓፍ ቅዱስ መዝጊብዎ ኣሎ (ሉቃ:1 47-49) ስለዚ ድማ ኢና ትማልን ሎምንብጽእቲእንብላ። ጎይታ ድማ ኣዴኹም እያ ንገዛኹም ውሰድዋ ናብ ቤትኩም መርሓባ በልዋ ኢሉ ሕድሪ ሂቡና እዩ (ዮሃ 19:26-27)

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ከምዘለዎ ኮይኑ፣ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ግና ንቅድስት ድንግል ማርያም ኣይተምልኻን እያ። ኣምልኾ (worship) ንኣምላኽ ጥራይ ዝወሃብ ኮይኑ፣ ሚዛኑ ዝሓለወ ክብሪ (reverence & honor) ግና ንቅድስት ድንግል ማርያም ጥራይ ዘይኮነስ ንዂሎም እቶም ናይ እምነት ጀጋኑ ዝወሃብ መለለዪ እምነቶም እዩ። ከም ኩሎም ሰባት: ቅድስት ድንግል ማርያም በቲ ንቡር መገዲ ከምዝተወልደት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ትኣምን። ከም ብዙሓት ሰባት፣ ኣቦኣን ኣዲኣን ብሕጋዊ መውስቦ ከምዝወለድዋ፣ ኣብ ቤት መቕደስ ከምዝዓበየት፣ ብዕድመ ዓቕሚ-ሄዋን ምስ በጽሐት ካብ ቤት መቕደስ ከምዝወጸት ጽሑፋት ይገልጹ። ካብ ቤት መቕደስ ንኽትወጽእ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቲ ዓቕሚ-ሄዋን ንዝበጽሓ ኣሕዋትና ዘጋጥመን ተፈጥሮኣዊ ተርእዮ ከጋጥማ ስለዝኽእል እዩ። ብዛዕባ ተወሳኺ መረዳእታ ምስ ዘድሊ ነዞም ዝስዕቡ ጽሑፋት ተወከስ፣ (ወንጌል ሉቃስ:1:26-55 ቅዳሴ ማርያም፣ ተኣምረ-ማርያም) ጎይታ ግና ንህይወታ ባሪኹ ማሕደሩ ክትኮኖ መሪጽዋ፣ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ተወሊዱ (ስጋ ለቢሱ)

ንቅድስት ድንግል ማርያም ከም ኣምላኽ ከተምልኻ ምፍታን ግጉይ ጥራይ ዘይኮነስ መሰረት-ኣልቦ እምነት እዩ። ግቡእ ስእሊ ንምሃብ፣ ገለ ኦርቶዶክሳውያን ስም ቅድስት ድንግል ማርያም እንተዘይኰይኑ ስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክጽውዑ ኰለዉ "ኣምላኽ-ከንሻ" (በቲ ልሙድ ኣዘራርባ) እዩ ዝብሉ ኣይተሳእኑን። ኣብዚ ዝሓለፈ መስከረም በዓል መስቀል ንምኽባር ዝተኣከቡ መንእሰያት መዝሙር ክዝምሩ ተዓዚበ። እቲ መዝሙር ግና ምስ በዓል መስቀል ኮነ ምስ መስቀል-ክርስቶስ ዘተኣሳሰር ነገር ኣይረኣኹሉን። እቲ በዓል ባህልን ልምድን ዝበሓቶ እምበር ኣሰር እምነት ክርስትና ኣይነበሮን። ብሓቂ ድማ ንሰረተ-እምነት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ግጉይ ኣንፈት ዝሓዘ ኮይኑ ስለዝረኸብክዎ ብዛዕብኡ ገለ ነገር ክጽሕፍ ደሪኹኒ። እቲ ዝገረመኒ እቲ መዝሙር ኣይኮነን፣ እቲ ክዝመረሉ ዝግብኦ ጎይታ ገዲፎም ኣብ ጓል መገዲ ምእታዎም እዩ። እዚ ግና መምዘኒ ርድኢት ናይዞም ሰባት እምበር መዐቀኒ እምነት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣይኰነን። ምስ ኣምላኽ ዝመሳሰል ኮነ ዝመዛዘን ፍጡር ሰብ ፈጺሙ የለን (2 ሳሙ 7:22) ዋላ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኣምላኽ ኣይትመሳሰልን እያ። ቅድስት ድንግል ማርያም ንባዕላ'ውን መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ በቲ መድሓንየይ ባህ ይብሎ" እናበለት ንኣምላኻ ከምዝዘመረትሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ይርከብ (ሉቃ:1 47-49) መድሓኒ ዚደሊ ድማ ብአምላክ ዝተፈጥረ ኩሉ ሰብ እንተላይ ቅድስት ድንግል ማርያም ማለት እዩ።

ስለዚ: ኣምልኾ ንኣምላኽ ጥራይ ዝወሃብ ምዃኑ: ሚዛኑ ዝሓለወ ክብሪ ግና ቅድስት ድንግል ማርያም ካልኦት ቅዱሳንን ከምዝወሃብ ደጋጊምና ከነስተውዕለሉ ይግባእ። ሕጂውን፣ እቲ ርኳን ይኹዖ ግና ክንጥንቀቕ ይግባእ ነቲ ቅጭን ጋቢና (እምነትና) ምስቲ ርኳን ከይንደፍኦ።

ኣማላድነት ኣዴና ወላዴተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን።

ዑቕበ ዘመደ

ዲያቆን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ

Posted on 6 November 2009

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div